መዝሙር
ንኣላዪ። ናይ ዳዊት መዝሙር።
5 ዕቡያት መጻወድያ ይሓብኡለይ፣
ብኣግማድ ገይሮም ኣብ ጥቓ መገዲ መርበብ ይዝርግሑ።+
መፈንጠራታት ከኣ ይገብሩለይ።+ (ሴላ)
6 ንየሆዋ፡ “ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ።
ኦ የሆዋ፡ ንልማኖይ ጽን በሎ” እብሎ እየ።+
7 ኦ የሆዋ ኣታ ልዑላዊ ጐይታ፡ ኣታ ብርቱዕ መድሓንየይ፡
ብመዓልቲ ውግእ ንርእሰይ ትጋርዳ።+
8 ኦ የሆዋ፡ ንእኩይ ከም ትምኒቱ ኣይትሃቦ።
ልዕል ከይብሉስ፡ ውዲቶም ኪሰልጥ ኣይትሕደግ።+ (ሴላ)
9 ኣራእስ እቶም ዚኸብቡኒ
በቲ ብኸናፍሮም ዚዝረብ እከይ ይጐልበብ።+
10 ጓህሪ ኣብ ልዕሊኦም ይዝነም።+
11 ሓማዪ ኣብ ምድሪ ቦታ ኣይርከብ።+
ንሰብ ዓመጻ ኸኣ ክፉእ ይስዓቦምን የጥፍኣዮምን።
12 የሆዋ ንትሑታት ከም ዚጣበቐሎም፡
ንድኻታት ድማ ፍትሒ ኸም ዚህቦም እፈልጥ እየ።+