ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g02 8/4 ገጽ 22-25
  • ዘገዳማዊ ቛንቋ እንስሳታት ዝረዳድእሉ ምስጢር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዘገዳማዊ ቛንቋ እንስሳታት ዝረዳድእሉ ምስጢር
  • ንቕሑ!—2002
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሃዲኖም ዝበልዑ እንስሳታት!
  • ዝምገብሉ ግዜ
  • ንሓድሕዶም ዝራኸብሉ መገዲ
  • መጻምድቲ ምርካብ
  • ኣናብስ ፋረ ዘለዎም ግሩማት ዓሌት ደማሙ ኣፍሪቃ
    ንቕሑ!—1999
ንቕሑ!—2002
g02 8/4 ገጽ 22-25

ዘገዳማዊ ቛንቋ እንስሳታት ዝረዳድእሉ ምስጢር

ብወኪል ንቕሑ! ካብ ኬንያ

ሓደ ኻብቲ ንወድሰብ እተዋህቦ ኣዝዩ ኽቡር ህያባት ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ክእለት ከም ዝዀነ ፍሉጥ ኢዩ። በዚ ኽእለት እዚ ኸኣ እንተ ብዘረባ እንተ ብኣካላዊ ምንቅስቓስ ንሓድሕድና ጠቓሚ ሓበሬታ ንለዋወጥ ኢና። ናይ ምዝራብ ናጽነት ኣብ መላእ ምድሪ ኣስፋሕፊሑ ዝርከብ ኣከራኻሪ ኣርእስቲ ኢዩ ዀይኑ ዘሎ። ስለዚ ገለ ሰባት ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ክእለት ኣብ ደቅሰብ ጥራይ ዝርከብ ገይሮም ኢዮም ዝወስድዎ።

እንተዀነ ግን ብምርምር ከም እተረኽበ እንስሳታት እውን ዝበዝሕ ግዜ ንደቅ​ሰብ ዘደንጽዎም እተፈላለየ ንኽትገልጾ ዘሸግር ሓበሬታ ናይ ምልውዋጥ መገድታት ኣለዎም። እወ: ብቓላት ዘይኰነስ ጭራ ብምውዝዋዝ: ኣእዛኖም ብምንቅስቓስ: ኣኽናፎም ብምንግብጋብ: ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ዝርአ ምልክታት ብምጥቃም “ይዛረቡ” ኢዮም። ካልእ ዝረዳድእሉ ኣገባባት ከኣ ከም እኒ ምንባሕ: ምጕዛም: ሕንን ብምባል: ወይ ከም ናይ ዑፍ መዝሙር ዝኣመሰለ ድምጺ ብምዝውታር ኢዩ። ገለ ኻብቲ “ቋንቋ” ንደቅ​ሰብ ንጹር ክኸውን ከሎ: ገሊኡ ግን ንኽትርድኦ ስነ⁠-​ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ዘድልዮ ኢዩ።

ሃዲኖም ዝበልዑ እንስሳታት!

እዋኑ ፍርቂ ሓምለ ኢዩ። ኣብቲ ኣብ ታንዛንያ ዝርከብ ሰፊሕ “ሃገራዊ መናፈሻ ሰረንጌቲ” ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወድምቢ ናብቲ ኣብ ኬንያ ዝርከብ ሕዛእቲ ማሳይ ማራ ጌይም ልሙዕ ሸኻ ንምርካብ ንሰሜን ገጾም ይጐዓዙ ኣለዉ። እቲ ጐላጕል ከኣ ኣብዚ እዋን ዓመታዊ ጕዕዞ እንስሳታት እዚ ድምጺ ሸኾናታት ኢዩ ዘቃልሕ። ይኹን እምበር: ኣብቲ መገዲ ስዉር ሓደጋታት ኣሎ። እቲ መገዲ ብኸም እኒ ኣንበሳ: ነብር⁠-​ጐልጐል: ዝብኢ: ነብሪ ዝኣመሰሉ ሃደንቲ እንስሳታት ዝመልአ ኢዩ። እቶም ወድምቢ ነቲ ብሓራግጽ ዝመልአ ፈለግ ማራ ኽሰግሩ ኸለዉ እውን ሓደጋ ኸጋጥሞም ይኽእል ኢዩ። ካብ ሃደንቶም ግን ብኸመይ ኢዮም ዘምልጡ፧

ወድምቢ ንጸላኢኡ ንምድንጋር ነራእሱ ንየው ነጀው እናኣወዛወዘ ሽው ኢሉ ይጐዪ እሞ ምልስ ኢሉ ናብ ጸላኢኡ ገጹ ይጓዓዝ። ኣእጋሩ እናሸንድሐ ይዘልል: በዚ ድማ ዘስሕቕ ትርኢት ኢዩ ዝፈጥር። እቲ ሕሱም ኣራዊት እውን ከይተረፈ ነዚ ዘይልሙድ ሳዕስዒት እዚ ምስ ረኣየ ደንጽይዎ ደው ኢዩ ዝብል። እቲ ኣራዊት ስቕ ኢሉ እንተደኣ ቐሪብዎ: እቲ ወድምቢ ነዚ ትርኢት እዚ ይደጋግሞ። እዚ ምንቅስቓስ እዚ ነቲ ኣራዊት ምድንጋር ስለ ዝፈጥረሉ ምህዳኑ ገዲፉ ክሳዕ ምኻድ ከብጽሖ ይኽእል ኢዩ። እዚ ጠገለ ዘይብሉ ሳዕስዒቱ ኸኣ ወድምቢ ውሩይ ተዋሳኢ ጐላጕል ከም ዝበሃል ገይርዎ ኣሎ።

እቶም ዝነኣሱ ዓሌት ወድምቢ ዝዀኑ ኢምፓላ ብዝላኦም እተፈልጡ ኢዮም። ንመብዛሕትኦም እዚ ልዕል ኢልካ ናይ ምዝላል ባህሪኦም ግርማን ፍጥነትን ዘመልክት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: እዚ ዓይነት ዓገዘን እዚ ሽግር ከጓንፎ ኸሎ እቲ ኽሃድኖ ኢሉ ዝመጸ ኣራዊት በእጋሩ ምእንቲ ኸይሕዞ ናይ ምዝላል ክእለቱ ይጥቀም ኢዩ። እቲ ኽሳዕ ትሽዓተ ሜትሮ ዝበጽሕ ዝላኡ ነቲ ኸጥቅዖ ዝመጸ ጸላኢኡ “ሃየ በል ከተርክበኒ ትኽእል እንተደኣ ዄንካ ንዓ ስዓበኒ” ዝብል መልእኽቲ ኢዩ ዘመሓላልፈሉ። መብዛሕትኦም ኣራዊት ነዚ ብቐሊሉ ዘይትሓዝ ኢምፓላ ንምሓዝ ኢሎም ክጐዩ ኣይደልዩን ኢዮም!

ዝምገብሉ ግዜ

ኣብ በረኻ ዝነብሩ ሃዲኖም ዝበልዑ መብዛሕትኦም ኣራዊት ንፉዓት ሃደንቲ ንኽዀኑ ነቲ ናይ ምህዳን ክእለቶም ከማዕብሉ ኣለዎም። ንኣሽቱ እንስሳታት ወለዶም ክሃድኑ ኸለዉ ጽቡቕ ገይሮም ከቕልቡሎም ኣለዎም። ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከብ ሕዙእ ሰፈር እንስሳታት: ሓንቲ ሳባ ዝስማ ነብሪ ጐልጐል ንዀራዅራ ጠቓሚ ዝዀነ ትምህርትታት ክትህብ ከላ ተራእያ ኢያ። ንሓንቲ ሳዕሪ እትበልዕ ዝነበረት ሰስሓ ንሓደ ሰዓት ዝኸውን ሰላሕ እናበለት ድሕሪ ምቕራባ: ዘሊላ ብምኻድ ሓኒቓ ሓዘታ: ኣይቀተለታን ግን። ሳባ ቝሩብ ጸኒሓ: ነታ ዝደንዘዘት እንስሳ ኣብ ቅድሚ ዀራዅራ ደርበየታ: ንሳቶም ግን ደንጽይዎም ስለ ዝነበረ ነታ እንስሳ ኣይጐበጥዋን። እዞም ንኣሽቱ ነብር⁠-​ጐልጐል ኣዲኦም ስለምንታይ ብህይወታ ዘላ እንስሳ ከም ዘምጽኣትሎም ተረዲእዎም ነበረ። ከመይ ገይሮም ሰስሓ ከም ዝቐትሉ ክትምህሮም ኢያ ደልያ። እታ ግዳይ ኰይና ዘላ ሰስሓ ተሲኣ ክትሃድም ኣብ ዘዝፈተነትሉ ግዜ እዞም ህንጡያት ኰራዅር ከይዶም የውድቕዋ። እታ ሰስሓ ስለ ዝደኸመት ንኽትሃድም ምፍታን ገደፈቶ። ሳባ ኣብ ርሑቕ ኰይና እናተዓዘበት ንተግባራቶም ነኣደቶ።

ገሊኦም እንስሳታት መግቦም ከናድዩ ኸለዉ ብእተኻእሎም መጠን ዓው ኢሎም ናይ ምጭዳር ተኽእሎ የማዕብሉ ኢዮም። ዕስለ ኣዛብእ ደድሕሪ ግዳዮም ኣብ ዝጐይሉ ግዜ እናሓንሓኑ: ኵሪፍ ኵሪፍ እናበሉ: እናሰሓቑ ኢዮም ዝኸዱ። ነቲ እንስሳ ምስ ቀተልዎ: ዕሉል “ሰሓቕ እናሰሓቑ” ንኻልኦት ኣዛብእ ይዕድምዎም። ይኹን እምበር: ኣዛብእ መግቦም ንምርካብ ኵሉ ሳዕ ኣይኰኑን ዝሃድኑ። ኣብ በረኻ ኻብቶም ዝኸፍኡ ኸተርቲ መግቢ ኣዛብእ ኢዮም: እዚ ድማ ካልኦት ሃዲኖም ዝበልዑ ኣራዊት ዝሓዝዎ እንስሳ ንምምንጣል ብብዙሕ ኣገባባት ብምጭናቕ ኢዮም ዝገብርዎ። ንኣናብስ እኳ ኸይተረፈ ኣሰናቢዶም መግቦም ገዲፎም ከም ዝኸዱ ብምግባር ዝመጸ እተፈልጡ ኢዮም! ነዚ ብኸመይ ኢዮም ዝገብርዎ፧ እዞም ኣባ ሃውኪ ዝዀኑ እንስሳታት: ነቶም ዝምገቡ ዘለዉ ኣናብስ ንኸዕገርግርዎም ኢሎም ዋዕዋዕ ይብሉ። እቶም ኣናብስ ነቲ ድምጺ ዕሽሽ እንተደኣ ኢሎምዎ ኸኣ እቶም ኣዛብእ ዝያዳ ኢዮም ዝረስኑን ዝደፍሩን። መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ኣናብስ ሰላሞም ስለ ዝርበሽ ነቲ ሬሳ ገዲፎም ካብቲ ኸባቢ ርሒቖም ኢዮም ዝኸዱ።

ኣናህብ መግቢ ናይ ምንዳይ ዕዮኦም እተሓላለኸ ኢዩ። ብእተሓላለኸ ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ከም እተረኽበ ኸኣ ንህቢ ኣብ ቆፎኣ ንዘለዉ ኣናህብ ብሳዕስዒት ገይራ መግቢ ኣበይ ከም ዘሎ: እንታይ ዓይነት ምዃኑ: ትሕዝቶኡ እውን ከይተረፈ ትሕብሮም ኢያ። ሓንቲ ንህቢ ከም ጽገ ዝኣመሰለ ንመርኣዪ ዝኸውን መግቢ ኣብ ኣካላታ ተሰኪማ ነቶም ኣብቲ ቆፎ ዘለዉ ኣናህብ ትወስደሎም። እቲ ቝጽሪ ሸሞንተ ዓይነት ሳዕስዒታ: ንኻልኦት ኣናህብ ናብቲ መግቢ ዝርከቦ ቦታ ይሕብሮም ጥራይ ዘይኰነስ ርሕቐቱ ኽሳዕ ክንደይ ምዃኑ እውን ክሕብር ዝኽእል ኢዩ። ስለዚ ተጠንቀቕ! ኣብ ልዕሌኻ እትዝምቢ ንህቢ ናብ ቤታ እትወስዶ ገለ ጠቓሚ ሓበሬታ ንምእካብ ከይኰነ ኣይተርፍን ኢዩ። እቲ ኣብ ኣካላትካ ዘሎ ጨና: መግቢ መሲልዋ ክኸውን ይኽእል ኢዩ!

ንሓድሕዶም ዝራኸብሉ መገዲ

ከምቲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ለይቲ ዝስማዕ ምጕዛም ኣንበሳ ገይሩ ዝምስጥ ድምጺ ዳርጋ የለን። ብዛዕባ እዚ ድምጺ እዚ ሓያሎ ምኽንያታት ተዋሂብዎ ኢዩ። ምጕዛም ኣንበሳ ኣብቲ ኸባቢ ንዘለዉ ዅሎም እንስሳታት ህይወትካ ቐቢጽካ ቅረብ ዝብል ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ኢዩ ዘመሓላልፍ። ይኹን እምበር: ኣንበሳ ብጕጅለ ዝነብር እንስሳ ዘገዳም ብምዃኑ ምስ ካልኦት ኣባላት ጕጅለኡ ንምርኻብ ኢሉ እውን ይጓዝም ኢዩ። እዚ ድምጺ እዚ ዝበዝሕ ግዜ ህድእ ዝበለ ኢዩ። ኣብ እዋን ለይቲ ሓደ ኣንበሳ ካብ ርሑቕ መልሲ ናይ ሓደ ዘመዱ ኽሳዕ ዝረክብ 15 ደቒቕ ጸጸኒሑ ኽጓዝም ተሰሚዑ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ክሳዕ ዝራኸቡ ኸኣ ን15 ደቒቕ ዝኣክል “ተዘራረቡ።” ምስ ተራኸቡ ኸኣ እቲ ምጕዛም ኣቋረጸ።

እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ርክብ ጽቡቕ ምቅርራብ ንኽህሉ ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ሕማቕ ኵነታት ኣየር እውን የዕቍብ ኢዩ። ሓንቲ ደርሆ ንጨጨውታ እተፈላለየ መልእኽቲ ዘመሓላልፈሎም ሓያሎ ድምጺ ተስምዕ ኢያ። ይኹን እምበር: እቲ ኣዝዩ ፍሉይ ድምጺ ኣብ መዕረፊኣ ኽትሰፍር ከም ዝመጸት ዝሕብር ህዱእ ቃቃቕ ዝብል ድምጺ ኢዩ። እተን ፋሕ ኢለን ዝነበራ ጨጨውታ ንጻውዒት ኣዲአን ሰሚዐን ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ ተኣኪበን ይድቅሳ።​—⁠ማቴዎስ 23:⁠37

መጻምድቲ ምርካብ

እናኸድካ ከሎኻ ጥዑም ዜማ ኣዕዋፍ ንምስማዕ ኣብ መንጎ ደው ኢልካ ትፈልጥዶ፧ በቲ ናይ ምዝማር ክእለተን ኣይተመሰጥካንዶ፧ እንተዀነ ግን ዕላምአን ንዓኻ ንምዝንጋዕ ከም ዘይኰነ ትፈልጥዶ፧ መዝሙረን ኣገዳሲ መልእኽቲ ንምምሕልላፍ ዝጥቀማሉ ኣገባብ ኢዩ። ሽሕኳ ሓድሓደ ግዜ ዶበን ንምሕባር ዝጥቀማሉ ኣገባብ እንተዀነ: ቀንዲ ግን መጻምድተን ንምስሓብ ኢየን ዝጥቀማሉ። ብመሰረት ዘ ኒው ቡክ ኦቭ ነውሌጅ እተባህለ መጽሓፍ ተባዕታይን ኣንስተይትን ኣዕዋፍ ምስ ተራኸቡ “መጠን ናይቲ መዝሙር ብ90 ሚእታዊት ይንኪ” ኢዩ።

ይኹን እምበር: ሓድሓደ ግዜ መጻምድቲ ንምርካብ ጥዑም መዝሙር ካብ ምዝማር ንላዕሊ ኢዩ ዘድሊ። ገለ ኣንስትዮ ኣዕዋፍ ምስ ተባዕታይ ቅድሚ ምርኻበን “ገዝሚ” ይሓታ ኢየን። ስለዚ ሓደ ተባዕታይ ናብታ መጻምድቲ እትዀኖ ቅድሚ ምቕራቡ ጐጆ ናይ ምስራሕ ክእለቱ ከርኢ ኣለዎ። ካልኦት ከኣ ነታ ኣንስተይቲ ቓል ብቓሉ ብምምጋብ: ዘድሊ ነገራት ናይ ምምላእ ክእለቶም የርእዩ።

እቲ እንስሳታት ዝረዳድእሉ እተሓላለኸ መገድታት ንኣካላቶም ዘድሊ ነገራት ንምምላእ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብቲ በረኻ ብሰላም ተሳንዮም ንኽነብሩ ዘኽእሎም ኢዩ። እንስሳታት ዝረዳድእሉ መገድታት ዝምልከት ተወሳኺ ምርምር ምስ ተገብረ: ብዛዕባዚ “ቋንቋ በረኻ” እዚ ዝያዳ ምርዳእ ክንረክብ ኢና። ምሉእ ብምሉእ ዘይንርድኦ እኳ እንተ ዀንና: ነቲ ዝፈጠሮ የሆዋ ኣምላኽ ግን ውዳሴ ዘምጽኣሉ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]

“ህዱእ ድምጺ” ሓርማዝ

ኣብቲ ኣብ ኬንያ ዝርከብ ሰፊሕ ሃገራዊ መናፈሻ እምቦሶሊ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ግዜ ሃሩር: ብዙሓት መጓሰ ሓራምዝ ኣብ ሰፈሮም ዝህውኾም ነገራት ዘይብሎም ቀሲኖም ዝነብሩ ኢዮም ዝመስሉ። ይኹን እምበር: ካብቲ ትሑት ዕርምርም ዝብል ድምጺ ጀሚርካ ኽሳዕ እቲ ብርቱዕ ገዓር: እርታ: ነብሒ: ኩርፍታ እተፈላለየ “ዘረባ ሓርማዝ” ይስማዕ ኢዩ። ገለ መጠን ናይቲ ድምጺ ትሑት ፍሪኰንሲ ስለ ዘለዎ ወድሰብ ክሰምዖ ዘይክእል እኳ እንተዀነ ኣዝዩ ብርቱዕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ሓያሎ ኪሎ ሜተራት ርሒቑ ዘሎ ሓርማዝ ግን ክሰምዖ ይኽእል ኢዩ።

ብዛዕባ ባህሪ እንስሳታት ዘጽንዑ ክኢ​ላታት: ብዛዕባ እቲ ሓራምዝ ኣገዳሲ መልእኽቲ ዘመሓላልፉሉ እተሓላለኸ ኣገ​ባባት ወትሩ ኢዩ ዝድንጽዎም። ጆይስ ፑል ብዛዕባ እቲ ሓራምዝ ኣፍሪቃ ንሓድሕዶም ዝረዳድእሉ መገዲ ንልዕሊ 20 ዓመታት መጽናዕቲ ገይራ ኢያ። እዞም በቲ ተጠላቢ ስኖም እተፈልጡ ገዘፍቲ ፍጥረታት ኣብ ብዙሓት እንስሳታት ዘይርከብ ፍሉይ ስምዒት ይገልጹ ምዃኖም ከኣ ሓበረት። ከምዚ ድማ በለት:- “ሓራምዝ ምስ ኣባላት ስድራ​ቤቶም ወይ ምስቶም ዝቐርብዎም ኣባላት ዕስለኦም ሰላም ክበሃሃሉ ኸለዉ ወይ ከኣ ካልእ ኣባል ስድራ​ቤት ክውለድ ከሎ . . . ዘርእይዎ ፍሉይ ጠባይ ተመልኪትካ: ነቲ ብኸም እኒ ሓጐስ: ደስታ: ፍቕሪ: ምሕዝነታዊ ስምዒታት: ውዕዉዕ መንፈስ: ምዝንጋዕ: ባህታ: ድንጋጽ: ዕረፍቲ: ኣኽብሮት ዝኣመሰለ ቓላት ክግለጽ ዝኽእል ኣዝዩ ብርቱዕ ስምዒታቶም ከየስተብሃልካሉ ኽትሓልፍ ኣይከኣልን ኢዩ።”

ንነዊሕ እዋን ተፈላልዮም ጸኒሖም ክራኸቡ ኸለዉ: እናተደፋፍኡ ኣራእሶም ኣቕኒዖም ኣእዛኖም ብምንግብጋብ ነቲ ሰላምታኦም ናብ ረብሻ ኢዮም ዝቕይርዎ። ሓድሓደ ግዜ ሓርማዝ ንንጐቱ ኣብ ኣፍ ካልእ ሓርማዝ እውን የእትዎ ኢዩ። ሰላም ክበሃሃሉ ኸለዉ ልክዕ “እንቋዕ ብደሓን መጻእካ!” ይበሃሃሉ ኸም ዘለዉ ስለ ዘርኢ ኣዝዩ ዘሕጕሶም ኢዩ ዝመስል። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምቅርራብ ነቲ ንድሕነቶም ጠቓሚ ዝዀነ ናይ ምድግጋፍ ኣገባቦም ዘሐድሶ ኢዩ።

ሓራምዝ ናይ ምውዛይ ባህሪ እውን ዘለዎም ኢዮም ዝመስሉ። ፑል ሓራምዝ ኣፎም ግይጽ ምባሎም ንፍሽኽታ: ርእሶም ክንቕንቑ ኸለዉ ኸኣ ንሰሓቕ ኸም ዘመልክት ገለጸት። ሓደ እዋን ምስቶም እንስሳታት ክትጻወት ጀመረት እሞ ን15 ደቒቕ ዝኸውን ዓንደሩ። ድሕሪ ኽልተ ዓመት ገለ ካብቶም ዘጻወተቶም ሓራ​ምዝ ምናልባት ነቲ ጸወ​ታኣ ዘኪሮም ክዀኑ ይኽእሉ እንደገና “ፍሽኽ” ኢሎም ዝጠመትዋ ይመስሉ። ሓራምዝ ክጻወቱ ኸለዉ ንሓድሕዶም ይዋዘዩ ጥራይ ዘይኰነስ ንምልጋጽ ኢሎም እውን ናይ ካልእ ድምጺ ይቐድሑ ኢዮም። ፑል ኣብ ሓደ ናይ መጽናዕቲ ፕሮጀክታ: ካብቲ ሓራምዝ ብልምዲ ኽጸዋውዑ ኸለዉ ዝጥቀምሉ ፍልይ ዝበለ ድምጺ ሰሚዓ ኢያ። ብዛዕባኦም ኣብ እተገብረ ትንተና: ነቲ ብጥቓኦም ዝሓልፋ ዓበይቲ ማካይን ዘስምዓኦ ድምጺ ኸም ዝቐድሑ ዝገልጽ ርእይቶ ተዋሂቡ ኢዩ። እዚ ድማ ንዋዛ ኢሎም ይገብርዎ ምንባሮም ፍሉጥ ኢዩ! ንዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ብምሉኡ ኽሕጐሱሉ ዝደልዩ ኢዮም ዝመስሉ።

ሓራምዝ ሓደ ኣባል ስድራ​ቤቶም ጕድኣት እንተደኣ ወሪድዎ ሓዘኖም ብዛዕባ ዝገልጽሉ መገድታት ብዙሕ ርእይቶታት ክወሃበሉ ጸኒሑ ኢዩ። ሓደ እዋን ፑል ሓንቲ ሓርማዝ ነቲ ሞይቱ እተወልደ ናጽላኣ ንሰለስተ መዓልቲ ዝኣክል ደው ኢላ ክትሕልዎ ኸላ ተዓዘበታ። ፑል ነቲ ዅነታት ከምዚ ኢላ ገለጸቶ:- “ገጻ ልክዕ ከምቲ ብሓዘን እተዋሕጠ ሰብ ዘርእዮ ዓይነት ኢዩ ዝመስል፣ ርእሳ ደኒኑ: ኣእዛና ጠልጠል ኢሉ: ኣፋ እውን ተጀሊዑ ነበረ።”

እቶም ስኒ ሓርማዝ ንምርካብ ኢሎም ሓራምዝ ዝቐትሉ: ነቶም ኣዴታቶም ክቕተላ ኸለዋ ርእዮም ክዀኑ ዝኽእሉ ዘኽታማት ዘሕድረሎም ‘ስነ⁠-​ኣእምሮኣዊ በሰላ’ ፈጺሞም ኣይሓስብሉን ኢዮም። እቶም ውሉዳት ነተን ኣብ መዕበይ ዘኽታማት እንስሳታት ዘሕልፍወን ቀዳሞት ሒደት መዓልትታት ካብ “ሓዘኖም” ንኽድበሱ ኢዮም ዝጽዕሩ። ሓደ ሓላው እንስሳታት እቶም ዘኽታማት ሓራምዝ ንግሆ “ኽጭድሩ” ኸም ዝሰምዖም ሓቢሩ ኢዩ። ድሕሪ እቲ ሞት ሓያሎ ዓመታት ጸኒሑ እውን ከይተረፈ ሳዕቤን ናይቲ ሞት ይርአ ኢዩ። ፑል ከም ዝገለጸቶ እቶም ዘኽታማት ሓራምዝ ጠንቂ ስቓዮም ወድሰብ ምዃኑ ኸለልይዎ ይኽእሉ ኢዮም። ሰብ ምስ እንስሳ ሓቢሩ ብሰላም ዝነብረሉ ግዜ ብሃን​ቀውታ ኢና እንጽበዮ።​—⁠ኢሳይያስ 11:⁠6-9

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ኣዕዋፍ ኬብ ጋነት ሰላም ክበሃሃላ ኸለዋ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ውድምቢ ንጸላእቱ ንምድንጋር ሃንደበታዊ ሳዕስዒት ክገብር ከሎ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ዕሉል “ሰሓቕ ” ዝብኢ

[ምንጪ ስእሊ

© Joe McDonald

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ንህቢ ኽትስዕስዕ ከላ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ