ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 10/15 ገጽ 16
  • ኣትኵሮ ኣብ ስድራ ቤት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣትኵሮ ኣብ ስድራ ቤት
  • ንቕሑ!—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣፍሪቃ
  • ካናዳ
  • ነዘርላንድስ
  • ኣቱም ወለዲ: ንደቅኹም ብፍቕሪ ኣሰልጥንዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ስድራ ቤትካ ብኸመይ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል፧—2ይ ክፋል
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣቱም ወለዲ ንደቅኹም ሰናይ ኣብነት ኩንዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ብመንፈስ ድልድልቲ ስድራቤት ምህናጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2015
g 10/15 ገጽ 16
ሓደ ውሉድ ኣቓልቦ ኣዲኡ ኺረክብ እናጸዓረ፡ ንሳ ኣብ ኮምፕዩተር ክትሰርሕ ከላ

ካብ ከባቢ ዓለም

ኣትኵሮ ኣብ ስድራ ቤት

ስድራ ቤታት ብዙሕ ብድሆታት እዩ ዜጋጥመን፣ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግዜ ዘይሓልፎ ጥበብ ግና ነዚ ብድሆታት እዚ ብዕዉት መገዲ ንኺዋጽኣሉ ኺሕግዘን ይኽእል እዩ።

ኣፍሪቃ

ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሓንቲ ኣደ ንውሉዳ ኻብታ እተወልደላ ሰዓት ኣትሒዛ ንሽዱሽተ ወርሒ ዚኣክል ከተጥብዎ ኣለዋ። ብኣንጻር እዚ ምኽሪ እዚ ግና፡ “ብጡጦ ዚውሃብ ጸባ ልክዕ ከም ጸባ ኣደ እዩ” ዚብል ናይ ሓሶት መወዓውዒ ገና ይቕጽል ከም ዘሎ፡ ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ኣማኻሪ መኣዛዊ ምግቢ ዩኒሴፍ ገለጸ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይኣምን፡ ለባም ግና ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን።”—ምሳሌ 14:15።

ካናዳ

ኣብ ሞንትርያል ዚርከቡ ተመራመርቲ፡ ካብቶም ኣብ ትሕቲ ፍቕርን ተግሳጽን ዚህቡ ወለዲ ዚዓብዩ ውሉዳት፡ ኣብ ትሕቲ እቶም ደረቕ ሕግታት ዜውጽኡን ንውሉዳቶም ብዙሕ ፍቕሪ ዘየርእዩን ተረርቲ ወለዲ ዚዓብዩ ውሉዳት፡ ንኪኽርሹ ዘለዎም ኣጋጣሚ ብ30 ሚእታዊት ክብ ከም ዚብል ገለጹ።

ትፈልጥዶ፧ እቲ ወለዲ ንውሉዳት ዜዕብዩሉ ኣዝዩ ጠቓሚ ዝዀነ ኣገባብ ኣተዓባብያ፡ ካብ ነዊሕ ዘመናት ኣትሒዙ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ይርከብ እዩ።—ቈሎሴ 3:21።

ነዘርላንድስ

ኣብ ነዘርላንድስ፡ ኣብተን ክልቲኦም ወለዲ ሰራሕተኛታት ዚዀኑለን ስድራ ቤታት እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ እቶም ንሓላፍነታት ስራሖምን ስድራ ቤቶምን ፈላልዮም ብግቡእ ዚሕዝዎ ወለዲ፡ ካብቶም ስራሖም ነቲ ኣብ ስድራ ቤቶም ዘለዎም ሓላፍነት ዕንቅፋት ኪኸውን ዜፍቅዱ ወለዲ ንላዕሊ ምስ ደቆም ዝሓሸ ርክብ ኣለዎም። ንኣብነት፡ እቶም ድሕሪ ሰዓታት ስራሕ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ንሓላፍነት ስራሖምን ስድራ ቤቶምን ብሓንሳእ ኬማልኡ ኢሎም ኣብ ቤት ኰይኖም ምስ ስራሕ ዚተሓሓዝ ተሌፎን ዚድውሉ ወለዲ፡ ንደቆም ዜድልዮም ቈላሕታ ንኺገብሩሎም ኬጸግሞም ይኽእል እዩ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ‘ንዅሉ ነገር ገጊዜኡ ኣለዎ’።—መክብብ 3:1።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ