ዛንታ 93
የሱስ ብዙሓት ሰባት ይምግብ
ኣዝዩ ዘሰንብድ ነገር ኢዩ ተፈጺሙ። ዮሃንስ መጥምቕ ተቐቲሉ። ሄሮድያዳ ሰበይቲ እቲ ንጉስ ኣይትፈትዎን ኢያ ነይራ። እቲ ንጉስ ንርእሲ ዮሃንስ ከም ዝቘርጾ ኸኣ ገበረት።
የሱስ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ: ኣዝዩ ጐሃየ። ንበይኑ ኸኣ ናብ ሓደ ጽምዊ ቦታ ኸደ። እቶም ህዝቢ ግን ሰዓብዎ። የሱስ ድማ ነቶም ህዝቢ ምስ ረኣዮም ደንገጸሎም። ስለዚ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ነገሮም: ነቶም ሕሙማቶም ከኣ ኣሕወየ።
በታ ምሸት እቲኣ ደቀ መዛሙርቱ መጺኦም ‘ይመሲ ኣሎ: እዚ ቦታ ኸኣ በረኻ ኢዩ። ናብ ቀረባ ዓድታት ከይዶም እንጌራ ምእንቲ ኽዕድጉ ነዞም ህዝቢ ስደዶም’ በልዎ።
የሱስ ከኣ ‘ምኻድ ኣየድልዮምን ኢዩ። ዝብላዕ ሃብዎም’ ኢሉ መለሰሎም። ናብ ፊልጶስ ገጹ እናጠመተ ኸኣ ‘ንዅሉ ህዝቢ ዝኸውን እንጌራ ካበይ ክንዕድግ ንኽእል፧’ ኢሉ ሓተቶ።
ፊልጶስ ከኣ ‘ኵሉ ሰብ ንእሽቶ ቝራስ ጥራይ ንኽበጽሖ ክንዕድግ ብዙሕ ገንዘብ ክውድእ ኢዩ’ ኢሉ መለሰሉ። እንድርያስ ከኣ ‘መግብና ተሰኪሙ ዘሎ ቘልዓ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣለዎ። እንተዀነ ግን: እዚ ነዚ ዅሉ ህዝቢ ፈጺሙ ኣይኣኽሎን ኢዩ’ በለ።
የሱስ ‘ነዞም ህዝቢ ኣብቲ ሳዕሪ ኮፍ ኣብልዎም’ በለ። ብድሕርዚ ንኣምላኽ ኣመስገነ እሞ: ነቲ መግቢ ቘረሶ። ካብኡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ነቲ እንጌራን ዓሳን ነቶም ህዝቢ ሃብዎም። ኣብኡ ኸኣ 5,000 ሰብኡት ኣብ ርእሲኦም እውን ኣሽሓት ኣንስትን ቈልዑን ነበሩ። ኵሎም ከኣ ክሳዕ ዝጸግቡ በልዑ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ዝተረፈ ምስ ኣከብዎ 12 መሶብ ምሉእ ኣልዓሉ!
የሱስ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ንባሕሪ ገሊላ ብጃልባ ክሰግርዎ ሰደዶም። ብለይቲ ኸኣ ብርቱዕ ህቦብላ ኰነ: እቲ ማዕበል ከኣ ነታ ጃልባ ናብዝን ናብትን ኣበላ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣዝዮም ፈርሑ። ካብኡ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ: በቲ ቐላይ ኣቢሉ ናብኦም ገጹ ብእግሩ ዝመጽእ ሰብ ረኣዩ። ብፍርሒ ኸኣ ጨደሩ: ምኽንያቱ እቲ ዝርእይዎ ዝነበሩ እንታይ ምዃኑ ኣይፈለጡን።
የሱስ ከኣ ‘ኣይትፍርሑ። ኣነ ኢየ!’ በሎም። ንሳቶም ግን ክኣምኑ ኣይከኣሉን። ስለዚ ጴጥሮስ: ‘ጐይታይ ብሓቂ ንስኻ እንተዀንካስ በዚ ቐላይ ናባኻ ክመጽእ ኣዝዝ’ በሎ። የሱስ ከኣ ‘ንዓ!’ በሎ። ጴጥሮስ ከኣ ካብታ ጃልባ ወጺኡ ኣብቲ ማይ ክኸይድ ጀመረ! ሽዑ ፈርሐ እሞ ክጥሕል ጀመረ: የሱስ ግን ኣድሓኖ።
ጸኒሑ ኸኣ የሱስ ንኻልኣይ ግዜ ኣሽሓት ህዝቢ መገበ። ኣብቲ ኻልኣይ ግዜ ኸኣ ብሸውዓተ እንጌራን ሒደት ዓሳን ኢዩ ገይርዎ። እንደገና ኸኣ ንዅሎም ዝኣክል ተረኽበ። እቲ የሱስ ንሰባት ዝገብሮ ምክንኻን ዘገርምዶ ኣይኰነን፧ ከም ንጉስ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ክገዝእ ከሎ ብዋላ ሓንቲ ነገር ኣይክንጭነቕን ኢና!