መዝሙር 70
ዚግብኦ ዘበለ ድለዩ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
1. ኣብ ዕዮ ስብከት፡ ኣብ ዕዮ ትምህርቲ፡
ጐይታና መምርሒ ሂቡ፦
‘ድለዩ ንዚግብኦ ዘበለ፡
ንትሑት፡ ቅኑዕ ንዝልቡ።
ንመልእኽትኹም እንተ ተቐቢላ፡
እታ ቤት ይሕደራ ሰላምኩም፣
እንተ ኣብያ ግን ሓዲግኩምዋ ኺዱ፡
ነጊፍኩም ደሮና ኣእጋርኩም።’
2. ንዅሎም ዚቕበሉኹም ዘበሉ፡
ኣምላኽ ልቦም ይኸፍተሎም።
ልቦም’ውን ናብ ህይወት ስለ ዘንቀደ፡
ኬገልግሉ’ዮም ምሳኻትኩም።
ኣይትጨነቑ ብዛዕባ ’ትብልዎ፡
ካብ ኣምላኽ’ዩ ዚውሃበኩም።
መልእኽትኹም ይስሕቦም ንትሑታት፡
ዘረባኹም ’ተ ዀይኑ ጥዑም።
(ግብ. 13:48፣ 16:14፣ ቈሎ. 4:6 እውን ርአ።)