ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/01 ገጽ 4
  • ሕጉስ ገባሪ ኹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕጉስ ገባሪ ኹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕጕሳት “ገበርቲ ቓል”
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ሓጐስ የሆዋ ዕርድና ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ሓጐስ—ካብ ኣምላኽ እነጥርያ ባህርይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ንየሆዋ “ብሓጐስ ተገዝእዎ”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
km 1/01 ገጽ 4

ሕጉስ ገባሪ ኹን

1 የሱስ ልክዕ ከም ኣብ ግዜ ኖህ ብዙሓት ሰባት እዋን ህላዌኡ ምዃኑ ከም ‘ዘይፈልጡ’ ገለጸ። (ማቴ. 24:⁠37-39) ስለዚ ብዙሓት ሰባት ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰምዑና ኣይንጽበን ኢና። ኣገልግሎትና ክንፍጽም ከሎና ሕጉሳት ንኽንከውን ዝሕግዘና እንታይ ኢዩ፧​—⁠መዝ. 100:⁠2

2 ብቐዳምነት: መልእኽትናን ንኽንሰብኽ እተዋህበና መዝነትን ካብ ኣምላኽ ምዃኑ ክንርስዕ የብልናን። ዝከኣለና እናጸዓርና ክነስና ኣገልግሎትና ዝቕበሎ እንተ​ድኣ ዘይረኺብና: ንየሆዋ ኢዮም ምቕባል ዝኣብይዎ ዘለዉ። ኣብ ስብከትና እሙናት ኴንና እንተ ቐጺልና ስምረት የሆዋ ከም እንረክብ ምፍላጥና ከም ገበርቲ ቓል ኣምላኽ መጠን ውሽጣዊ ሓጐስና ንኽንዕቅብ ይሕግዘና ኢዩ።​—⁠ያእቆብ 1:⁠25

3 ካልኣይ: ሕጂውን ነቲ የሆዋ ዘዳለዎ መገዲ ድሕነት ዝቕበሉ ውልቀ⁠-​ሰባት ኣለዉ። መብዛሕትኦም ሰባት ተገዳስነት ዘይብሎም እኳ እንተዀኑ: ገና ግን ኣብ ምጽንቃቕ እዘን ዳሕሮት መዓልትታት ክእከቡ ዘለዎም ኣባጊዕ መሰል ሰባት ኣለዉ። ‘እቲ ብቑዕ መን ምዃኑ ንምሕታት ናብ ዝዀነ ኸተማ ወይስ ዓዲ’ ብምኻድ ብቐጻሊ ክንሰብኽ ኣሎና።​—⁠ማቴ. 10:​11-13

4 ኣወንታዊ ኣረኣእያ ሓዝ:- እቲ ዘሕዝን ታሪኽ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንገሊኣቶም ሰባት ተስፋ ኣቝሪጽዎም ኢዩ። ካልኦት ድማ በዚ ኣገባብ እዚ ‘ተገፊዖምን ፋሕ ኢሎምን’ ኢዮም። (ማቴ. 9:⁠36) ብዙሓት ሰባት ስራሕ ስለ ዝስእኑ: ጥዕና ስለ ዘይብሎም ከምኡውን ዕቝባ ዘይብሎም ኰይኑ ስለ ዝስምዖም ብሓሳብ ይወሓጡ ይዀኑ። እዚ ስለ ዝርድኣና ኣብ ኣገልግሎትና ጸኒዕና ንኽንቅጽል ይሕግዘና ኢዩ። ነቶም ኣብ ዞባና ዘለዉ ሰባት ኣጸቢቑ ብዘገድሶም ጕዳያት ዝርርብ ንኸተበግስ ጽዓር። መንግስቲ ኣምላኽ እንኮ መፍትሒ ከም ዝዀነት ንኽግንዘቡ ሓግዞም። በቲ ብስራት ገይርካ ኣልባቦም ንምትንካፍ: ቅዱሳት ጽሑፋትን ኣብ ጽሑፋትና ዝወጽእ ሓሳባትን ተጠቐም።​—⁠እብ. 4:⁠12

5 ሕጉሳት ገበርቲ ቓል ኣምላኽ ዘበልና ‘ሓጐስ እግዚኣብሄር ሓይልና’ ምዃኑ ወትሩ ንዝ​ክር ኢና። (ነህ. 8:⁠10) ሓጐስና እነጥፍኣሉ ምኽንያት የብልናን። “እታ ቤት ነዚ እትበቅዕ እንተ ዀይና: ሰላምኩም ይሕደራ። ዘይትበቅዕ እንተ ዀነት ግና: ሰላምኩም ናባኻትኩም ይመለስ።” (ማቴ. 10:⁠13) ብትዕግስቲ ቅዱስ ኣገልግሎትና እንተ​ድኣ ፈጺምና የሆዋ ሓጐስ ክውስኸልናን ንሓይልና ከሐድሶን ኢዩ፣ ስለቲ ተኣማንነትና ድማ ክባርኸና ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ