ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/03 ገጽ 4
  • ንየሆዋ “ብሓጐስ ተገዝእዎ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሆዋ “ብሓጐስ ተገዝእዎ”
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ስብከት እትረኽቦ ሓጐስ ከም ዝውስኽ ግበሮ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ሓጐስ—ካብ ኣምላኽ እነጥርያ ባህርይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ንየሆዋ ብሕጕስ ልቢ ኣገልግሎ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ሓጐስ የሆዋ ዕርድና ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
km 10/03 ገጽ 4

ንየሆዋ “ብሓጐስ ተገዝእዎ”

1. ኣገልገልቲ የሆዋ ኻብ ምንታይ እዮም ዓብዪ ሓጐስ ዝረኽቡ፧

1 ሃዋርያ ጳውሎስ “ብጐይታ ዅሉ ሳዕ ተሐጐሱ: ደጊመ፤ ተሐጐሱ: እብል አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ። (ፊል. 4:4) ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምንጋርን ንኣባጊዕ መሰል ዝዀኑ ሰባት ንየሆዋ ንኸምልኹ ናይ ምሕጋዝን ዕዮ ዓብዪ ሓጐስ የምጽእ እዩ። (ሉቃ. 10:17፣ ግብ. 15:3፣ 1 ተሰ. 2:19) ሓድሓደ ግዜ ኻብ ኣገልግሎትና ሓጐስ ዘይንረክብ እንተደኣ ዄንና: እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

2. መን ከም ዝለኣኸና ምዝካርና ንሓጐስና ኣበርክቶ ዝገብር ብኸመይ እዩ፧

2 ኣምላኽ ዝሃበና ዕዮ:- ንኽንሰብኽ እተዋህበና መዝነት ካብ የሆዋ ምዃኑ ኣይንረስዕ። እወ: መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምእዋጅን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባርን “መዓይይቲ ኣምላኽ” ክንከውንሲ ኽሳዕ ክንደይ ዓብዪ ኽብሪ ዀን እዩ! (1 ቈረ. 3:9) የሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ፈጺምካ ዘይድገም ዕዮ ምሳና እዩ ዘሎ። (ማቴ. 28:18-20) መላእኽቲ እውን ኣብዚ ሕጂ ዝዕየ ዘሎ ሰፊሕ መንፈሳዊ ቐውዒ ምሳና ሓቢሮም ብንጥፈት ይሳተፉ እዮም። (ግብ. 8:26፣ ራእ. 14:6) የሆዋ ነዚ ዕዮ እዚ ብዘይ​ ጥርጥር ይድግፎ ኸም ዘሎ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋትን ካብቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ዘጋጥሞም ተመክሮታትን ክንርኢ ንኽእል ኢና። እምበኣር ክንሰብኽ ከለና: “ብኣምላኽ ተደሪኽና ብገርህነት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኴንና” ኢና እንዛረብ። (2 ቈረ. 2:17) እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን እዩ!

3. ጸሎት ካብ ኣገልግሎት እንረኽቦ ሓጐስ ኣብ ምዕቃብ እንታይ ግደ ኣለዎ፧

3 ኣብቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ሓጐስና ንኽንዕቅብ ጸሎት ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። (ገላ. 5:22) ዕዮ ኣምላኽ ብሓይሉ ጥራይ ክንፍጽሞ ስለ እንኽእል: መንፈሱ ንኽህበና ኽንልምኖ ኣሎና፣ ነዚውን ብልግሲ እዩ ዝህበና። (ሉቃ. 11:13፣ 2 ቈረ. 4:1, 7፣ ኤፌ. 6:18-20) ብዛዕባ ኣገልግሎትና እንጽሊ እንተደኣ ዄንና: ኣብ ኣገልግሎት ሕማቕ ምላሽ ከጋጥመና ኸሎ: ነቲ ቕኑዕ ኣረኣእያና ንኸይነጥፍእ ይሕግዘና። ብትብዓትን ብሓጐስን ስብከትና ንኽንቅጽል እውን የኽእለና።​—⁠ግብ. 4:29-31፣ 5:40-42፣ 13:50-52

4. ብዝግባእ ምድላው ነቲ ኻብ ስብከት እንረኽቦ ሓጐስ ዝውስኸሉ ብኸመይ እዩ: ንኽንዳሎኸ እንታይ ግብራዊ ኽንገብሮ እንኽእል መገድታት ኣሎና፧

4 ብዝግባእ ተዳሎ:- ሓደ ኻብቲ ኣብ ኣገልግሎት ክንሳተፍ ከለና ሓጐስና ዝውስኸልና ነገራት ብዝግባእ ምድላው እዩ። (1 ጴጥ. 3:15) ከምዚ ዝኣመሰለ ምድላው ብዙሕ ግዜ ኣየድልዮን እዩ። ሒደት ደቓይቕ ወሲድካ ነቲ ንእዋናዊ መጽሔታት ወይ ነቲ ንእተበርክቶ ጽሑፍ እተዳለወ ኣቀራርባ ምርኣይ ጥራይ እዩ ዘድሊ። ግቡእ መእተዊታት እንተ ደሊኻ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ዘርእስታ ጽሕፍቲ ወይ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝወጸ ሕታማት ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ተወከስ። ገሊኣቶም ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ንእሽቶ ካርድ ሓጺር መእተዊ ምጽሓፍ ሓጋዚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ነቲ መእተዊ ንምዝካሩ ጸጸኒሖም ነቲ ካርድ ይርእይዎ እዮም። እዚ ኸኣ ንጭንቀቶም የፋዅሰሎም: ብትብዓት ንኽሰብኩ ኸኣ ምትእምማን የሕድረሎም።

5. ሓጐስ ንዓናን ንኻልኦትን ዝጠቅም ብኸመይ እዩ፧

5 ሓጐስ ብዙሕ ረብሓታት ሒዙ እዩ ዝመጽእ። ፍሽሑው ገጽ ንመልእኽትና ኸም ዝስሕብ ይገብሮ። ሓጐስ ንኽንጸንዕ ሓይሊ ይህበና። (ነህ. 8:10፣ እብ. 12:2) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ እቲ ብሓጐስ እንፍጽሞ ኣገልግሎት ንየሆዋ ኽብሪ የምጽኣሉ። ስለዚ: ንየሆዋ ‘ብሓጐስ ንገዝኣዮ።’​—⁠መዝ. 100:2

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ