ካብ ስብከት እትረኽቦ ሓጐስ ከም ዝውስኽ ግበሮ
1 ኣብ ኣገልግሎት ብስራት ብምንጋር ሓጐስ ትረክብዶ ኣሎኻ፧ እንተ ዘይተጠንቂቕና እዛ ኣብ ከባቢና ዘላ እከይ ዝመልኣ ዓለም ስብከት ከም ዘፍርሃና ብምግባር ሓጐስና ከም እነጥፍእ ክትገብረና ትኽእል ኢያ። ብዙሕ ፍረ ኣብ ዘይርከቦ ዞባ ምግልጋል እውን ተስፋ ኸቝርጸና ይኽእል ኢዩ። ካብ ስብከት እንረኽቦ ሓጐስ ከም ዝውስኽ ንምግባር እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ክንወስድ ንኽእል፧
2 ኣወንታዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ:- ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ብሓቂ ሓጋዚ ኢዩ። ሓደ ኻብቲ ኸምዚ ኽንገብረሉ እንኽእል መገዲ ብዛዕባ እቲ ኸም “መዓይይቲ ኣምላኽ” መጠን ዘሎና ዓብዪ መሰል ምስትንታን ኢዩ። (1 ቈረ. 3:9) ነዚ ዕዮ እዚ ክንፍጽም ከሎና የሱስ እውን ምሳና ኣሎ። (ማቴ. 28:20) ብሰራዊት መላእኽቲ ገይሩ ኸኣ ይድግፈና ኢዩ። (ማቴ. 13:41, 49) እምበኣር ጻዕርታትና መለኮታዊ መሪሕነት ከም ዘለዎ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ራእ. 14:6, 7) ስለዚ ገሊኣቶም ሰባት ንዕዮና ዘለዎም ኣቀባብላ ብዘየገድስ: እቲ ኣብ ሰማይ ዘለዎ ተቐባልነት ዓብዪ ሓጐስ የምጽኣልና ኢዩ!
3 ብግቡእ ተዳሎ:- ጽቡቕ ምድላው እውን ንሓጐስና ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ። ንኣገልግሎት ምድላው ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት ኣይኰነን። ካብ እዋናዊ መጽሔታት ወይ ኣብታ ወርሒ ዝዕደል ጽሑፍ ንመዘራረቢ ዝኸውን ነጥቢ ንምርካብ ሒደት ደቓይቕ ጥራይ ኢዩ ዝኣክል። ካብቲ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጽእ “መጽሔታት ክንዕድል ከሎና እንታይ ከም እንብል” ዝብል ዓንቀጽ ሓንቲ ኣቀራርባ ምረጽ። ነቲ ኣብ ናይ ጥሪ 2002 እታው ዝወጸ “ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክትጥቀመሉ እትኽእል ኣቀራርባ” ዝብል ተወከስ: ወይ ከኣ ኣስላጢ መእተዊ ንምጥቃም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ኣብ ዘርእስታ ጽሕፍቲ ርአ። ሰብ ቤት ብተደጋጋሚ ዘልዕልዎ ተቓውሞ ዘጨንቐካ እንተ ዀይኑ: ነቲ ሓሳባቶም ኣብ ግምት ዘእቱን ተገዳስነት ናብ ዘለዓዓል ጕዳይ ዝመርሕን መልሲ ኣዳሉ። ኣብዚ መዳይ እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኣዝያ ሓጋዚት ኢያ። ነዚ ዝሕግዘና መሳርሒታት ምጥቃምና ብሓጐስ ንምስባኽ ዘኽእለና ምትእምማን ይህበና ኢዩ።
4 ልባዊ ጸሎት ግበር:- ነባሪ ሓጐስ ንምርካብ ጸሎት ኣድላዪ ኢዩ። ዕዮ የሆዋ ንዓዪ ስለ ዘሎና: መንፈሱ ኽህበና ኽንልምኖ ኣሎና፣ ሓደ ኻብቲ እዚ መንፈስ ዘፍርዮ ፍረ ኸኣ ሓጐስ ኢዩ። (ገላ. 5:22) የሆዋ ስብከትና ንኽንቅጽል ሓይሊ ይህበና ኢዩ። (ፊል. 4:13) ብዛዕባ ኣገልግሎትና ምስ እንጽሊ ዘየሐጕስ ተመክሮታት ከጋጥመና ኸሎ ቅኑዕ ኣረኣእያ ንኽህልወና ይሕግዘና ኢዩ። (ግብ. 13:52፣ 1 ጴጥ. 4:13, 14) ፍርሂ እንተደኣ ተሰሚዑና: ጸሎት ብትብዓትን ብሓጐስን ጸኒዕና ንኽንቅጽል ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።—ግብ. 4:31
5 ኣጋጣሚታት ፍጠር:- ርግጽ ኢዩ: ሰባት ክንረክብን ክንምስክረሎም እንተ ኽኢልናን ኣገልግሎትና ዝያዳ ዘሐጕስ ኢዩ ዝኸውን። ኣብ እተፈላለየ ሰዓታት: ምናልባት እውን ኣብ ኣጋ ምሸት: ካብ ቤት ናብ ቤት ብምኻድ ዝያዳ ኣሳልጦ ኽትረክብ ትኽእል ትኸውን። ኣብ መገዲ ኽትመላለስ: ኣብ ዕዳጋ ኽትሽምት: ብኣውቶቡስ ክትጐዓዝ: ወይ ኣብ መናፈሻታት ክትዛወር ከሎኻ ሰባት የጓንፉኻ ኢዮም። ሕጽር ዝበለ ዝርርብ ዘበግስ ነጥቢ ኣዳሊኻ ነቶም ምቕሉላት ዝመስሉ ቐሪብካ ንኸተዘራርቦም ተበግሶ ዘይትወስድ፧ ምናልባት እውን መዓልታዊ ምስ ሰባት ንኽትዘራረብ ኣጋጣሚ ዘሎካ ሰራሕተኛ ወይ ተማሃራይ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ተገዳስነት ዘሕድር ቅዱስ ጽሑፋዊ ነጥቢ ብምልዓል ምስክርነት ንምሃብ ኣጋጣሚ ኽትከፍት ትኽእል ኢኻ። ኣብ ቀዳማይ ገጽ ናይ ጥሪ 2002 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ጽቡቕ ሓሳባት ተዋሂቡ ኣሎ። ዝዀነ ይኹን እትገብሮ ጻዕሪ ካብ ስብከት እትረኽቦ ሓጐስ ከም ዝውስኽ ኣብ ምግባር ኣበርክቶ ኣለዎ።
6 ሓጐስ ንኽንጸንዕ ስለ ዘኽእለና: ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ሓጐስና ኸይነጥፍእ ክንጥቀቕ ዝግባእ! ከምዚ ብምግባር እቲ ፈጺሙ ዘይድገም ዕዮ ኣብ መደምደምታኡ ምስ በጽሐ ዓብዪ ዓስቢ ኽንረክብ ኢና። እዚ ተስፋ እዚ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ኻብ ስብከት እንረኽቦ ሓጐስ ክውስኸልና ይኽእል ኢዩ።—ማቴ. 25:21