መጽሔታት ክንዕድል ከሎና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥሪ 2001
“ገሊኣቶም ዘድልዮም ብቐሊሉ ኽረኽቡ ኸለዉ ገሊኣቶም ግን ንናብራ ዘድሊ ምምእራር ዓቐብ ዝዀኖም ስለምንታይ ምዃኑ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባዚ ዝብሎ ኣለዎ። [እዮብ 34:19 ኣንብብ።] ኣምላኽ ንደርባዊ ኣፈላላይ ብኸመይ ከወግዶ ኸም ዝመደበ ኣብዛ መጽሔት እዚኣ ተገሊጹ ኣሎ።”
ንቕሑ!® ጥቅምቲ-ታሕሳስ 2001
“ኣብዚ ቐረባ እዋን ብሰንኪ ግብረ-ሽበራ ብሓንሳእ ኣሽሓት ሰባት ብሙማቶም ዓለም ተናዊጻ ኢያ። ብዙሓት ሰባት እዚ ኸመይ ኢሉ ይኸውን ብምባል ይሓቱ ኢዮም። ሓደ ኻብቲ ነዚ ጠንቂ ዝዀኖ ነገራት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 1 ዮሃንስ 3:15 ተጠቒሱ ዘሎ ምዃኑ ትሰማምዓሉ ትኸውን ኢኻ። [ኣንብብ።] ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ጠንቅታት ናይቲ ኣብ መላእ ታሪኽ ወድሰብ ዘጋጠመ ኣሰቃቒ ነገራት ጽልኢዶ ኸይኰነ፧ ጽልኢ ኻብ ዓለም እንተ ዝውገድ ነይሩኸ መብዛሕትኡ ሽግራትናዶ ኣይምተፈትሐን፧ እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ሱር ጽልኢ እንታይ ምዃኑ ትገልጽ: ከነወግደሉ እንኽእል ጠቓሚ መገዲ ድማ ትሕብር ኢያ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ጥሪ 2001
“ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣምልኾኦም ምስልታት ይጥቀሙ ኢዮም። እዚ ምስልታት እዚ ኸድሕኖም ዝከኣሎዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝገብረልና እሞ ርአ። [ራእይ 21:3, 4 ኣንብብ።] ነዚ ኽገብሮ ዝኽእል ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ። እዛ መጽሔት እዚኣ ኣምላኽ መን ምዃኑን ኣብኡ ብምውካል ብኸመይ ክንጥቀም ከም እንኽእልን ትገልጽ ኢያ።”