መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ለካ.
“ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ግብሪ እንተ ዜውዕለን: እዚ እንነብረሉ ዘለና ማሕበረሰብ ዚመሓየሽዶ ይመስለካ፧ [ኤፌሶን 4:25 ኣንብብ። ድሕሪኡ መልሲ ተጸበ።] ብዙሓት ሰባት ሓድሓደ እዋን ምሕሳው ቅቡል እዩ ኢሎም ይሓስቡ። እዛ መጽሔት እዚኣ ዅሉ ግዜ ሓቂ ምዝራብ ዘለዎ ረብሓ ትገልጽ።”
Awake! Feb.
“ኣብ ዓለም ብዙሕ ሽግር እንርእየሉ ዘለና ምኽንያት እዚዶ ይመስለካ፧ [1 ዮሃንስ 5:19 ኣንብቢካ መልሲ ተጸበ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ መንነት እቲ “እኩይ” ከምኡውን ነቲ ሓያል ጽልዋኡ እነርሕቐሉ መገዲ ኣመልኪቱ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ነገራት ትገልጽ።” ነታ ኣብ ገጽ 12 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርእዮ።
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ለካ.
“ገለ ሰባት: ሰብ ንምድሪ ዜበላሽዋ ዘሎ ዀይኑ ይስምዖም። ብዛዕባ እዚ ተሻቒልካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዚ ዜተኣማምን መብጽዓ እዚ እሞ ኣስተብህለሉ። [ራእይ 11:18 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ነዛ እንነብረላ ፕላነት ፍልይቲ ዚገብራ ነገር እንታይ ምዃኑ ትገልጽ። ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ምድሪ እንታይ ከም ዚብል ትገልጽ።”
Awake! Mar.
“ገለ ኻብቲ ሎሚ ንመንእሰያት ዜጋጥሞም ዘሎ ጸገማት እንታይ እዩ ትብል፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ጥቕሲ እዚኣ ጥዑያት ኣዕሩኽ ናይ ምርካብ ጸገም ተጕልሕ። [ምሳሌ 13:20 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ብመርበብ ሓበሬታ ኣዕሩኽ ምድላይ ዜስዕቦ ሓደጋን ብኸመይ መንእሰያት ኪዕቈቡ ኸም ዚኽእሉን ትገልጽ።”