መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ለካ.
“ሎሚ ብዙሓት ሰባት ግዳይ ዓመጽን ጭቈናን ይዀኑ ምህላዎምሲ ዜሻቕልዶ ኸይኰነ፧ [ኣብቲ ኸባቢ እተፈጸመ ፍሉጥ ነገር ጥቐስ: ድሕሪኡ መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ኣምላኽ ንህይወት ደቅሰብ ብኸመይ ከም ዚምልከቶ ትሕብር እያ። ብተወሳኺ ኻብቲ ሎሚ ዜጋጥም ዘሎ ስቓይ ብኸመይ ከም ዜናግፈና እውን ትገልጽ እያ።”—መዝሙር 72:12-14 ኣንብብ።
Feb. 8
“ሓደ ኻብቲ ሎሚ እነሕለፎ ዘሎና ዝኸበደ ጸገም ጭንቀት ወይ ውጥረት እዩ። ምስዚ ሓሳብ እዚስ ኣይትስማማዕንዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኸም ዚኸውን ብንጹር ተነብዩ ነይሩ እዩ። [2 ጢሞቴዎስ 3:1 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ነዚ እነሕልፎ ዘሎና ውጥረት ዚመልኦ ህይወት ንኽንዋጽኣሉ ዚሕግዝ ንዓኻን ንስድራቤትካን ዚኸውን ተግባራዊ ምኽሪ ሒዛ ኣላ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ለካ.
“ሓድሓደ ግዜ: ተኣምር ተፈጺሙ ዚብል ወረ ንሰምዕ ኢና። [ኣብነት ጥቐስ።] ገሊኦም ሰባት ነዚ ኺኣምንዎ ኸለዉ ኻልኦት ግን ይጠራጠሩ። እዛ መጽሔት እዚኣ: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ተኣምራት ብሓቂ ተፈጺሙ እንተ ዀይኑን ኣብዚ እዋን እዚ ኸምኡ ዝኣመሰለ ነገር ኪፍጸም ዚኽእል እንተ ዀይኑን ትገልጽ።” ኤርምያስ 32:21 ኣንብብ።
Awake! Feb. 22
“ኣብ ግዜ ጥንቲ: ኣምላኽ ንውሉዳት ኣቦኦምን ኣዲኦምን ኬኽብሩ ኣዚዝዎም ነበረ። [ዘጸኣት 20:12 ኣንብብ።] ኣብዚ እዋን እዚ ኣዴታት ግቡእ ክብሪ ዚረኽባ ዘለዋዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ነተን ኣብ እተፈላለየ ሃገራት ዚርከባ ኣዴታት ከመይ ዝበለ ጸገማት የጋጥመን ከም ዘሎን ነዚ ጸገማት እዚ ብኸመይ ይዋጽኣሉ ኸም ዘለዋን ትገልጽ።”