መጽሔታት ክንዕድል ከሎና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ለካ.
“ኣብዚ ግዜና ብዙሓት ሰባት ስራሕ ብምስኣኖም ክሻቐሉ ኸለዉ: ገሊኣቶም ከኣ ስራሕ ስለ ዝበዝሖም ይጭነቑ። ዘዕግብን ዘተኣማምንን ስራሕ ክርከብ ዝከኣልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ኢሳይያስ 65:21-23 ኣንብብ።] እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ ዅሉ ሰብ ዝሕጐሰሉ ስራሕ ብዛዕባ ዝህልወሉ እዋን እያ እትገልጽ።”
Feb. 8
“እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ብዛዕባዚ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዘሕዝን ተግባር ማለት ንቘልዑ ኣመናዝር ብዛዕባ ምግባር እትገልጽ እያ። እዚ ኣብ ቈልዑ ዝወርድ ዘጕሂ ማህሰይቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን መወዳእታ ኸም ዝህልዎ መጽሓፍ ቅዱስ ተመባጺዑ ኣሎ። [ምሳሌ 2:21, 22 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ጠንቂ ናይዚ ሽግር እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ከም ዝፍታሕን ትገልጽ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ለካ.
“ገሊኣቶም ሰባት ሓደ ኣምላኽ እንተ ሃልዩ ሕቶ ይመጾም እዩ። ገሊኣቶም ከኣ ኣምላኽ ከም ዘሎ እኳ እንተ ኣመኑ: ካብ ደቅሰብ ርሑቕ ከም ዝዀነ ይስምዖም። ነዚ ኣስተብሂልካሉዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ንኣምላኽ ኣጸቢቕካ ምፍላጡ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ተመልከት። [ዮሃንስ 17:3 ኣንብብ።] ኣብዚ መዳይ እዚ እዘን ኣብ መጀመርታ ዘለዋ ዓንቀጻት ዝምስጥ ሓሳባት ሒዘን ኣለዋ።”
Feb. 22
“ኣምላኽ ንደቅሰብ: ብፍላይ እውን ንሕጻናት: ብጕድለት መግቢ ንኽሳቐዩ ድዩ ዕላማኡ ነይሩ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ዘጸናንዕ መብጽዓ እሞ ርአ። [መዝሙር 72:16 ኣንብብ።] እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ጠንቂ ጕድለት መግቢ እንታይ ምዃኑ: ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ኣምላኽ ነዚ መወዳእታ ኸም ዝገብረሉ እተመባጽዖ መብጽዓ ዝሓዘት እያ።”