መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ለካ.
“ኵላትና ንኽንነብር ገንዘብ የድልየና እዩ። ካብዚ ቐጺለ ኣብ ዘንብበልካ ተጠቒሱ ዘሎ ሓደጋ ኽንጥንቀቕ ከም ዜድልየና ግን ትሰማምዓሉዶ፧ [1 ጢሞቴዎስ 6:10 ኣንቢብካ መልሲ ተጸበ።] እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ: ነቲ ልሙድ መፈንጠራ ስጋዊ ብልጽግና ኸነለሊ ትሕግዘና: ካብኡ ብኸመይ ክንርሕቕ ከም እንኽእል እውን ትገልጽ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ለካ.
በ“ንዓለም ዚገዝኣ ምረጽ እንተ ትበሃል: ንየሱስዶ ምመረጽካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ ብዛዕባ ብቕዓት እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ኺገዝኣ ዚመረጾ መሲሕ ትሕብር። ኣገዛዝኣኡ ንደቅሰብ እንታይ ትርጕም ከም ዚህልዎ እውን ትገልጽ።” ኢሳይያስ 9:6, 7 ኣንብብ።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መጋ.
“ልክዕ ከምቲ ክርስቶስ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ዝሃቦ ትእዛዝ: ዚበዝሑ ሰባት ንሓድሕድና ኽንፋቐር ከም ዚግብኣና ይሰማምዕሉ እዮም። [ዮሃንስ 13:34, 35 ኣንብብ።] እንተዀነ ግን: ንትምህርታት የሱስ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ኣብ ግብሪ ዜውዕልዎ ሰባት ኣበይ ክንረክብ ንኽእል፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ሎሚ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ብኸመይ ከም እነለልዮም ትገልጽ።”
Awake! Mar.
“ፍቕሪ ንሓጐስናን ጥዕናናን ኣዝያ ኣገዳሲት እያ። እንተዀነ ግን: ንብዙሓት ሰባት ናይ ሓቂ ፍቕሪ ምርካብ ኣዝዩ እዩ ዚኸብዶም። ከቢድ ዝዀነ ስለምንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኽትረክብ ዜኽእለካ ሓደ መገዲ: ንኻልኦት ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ኸተርኢ ምምሃር እዩ። እዛ መጽሔት እዚኣ ኸምዚ ምግባር እንታይ ከም ዜጠቓልል ትገልጽ።” 1 ቈረንቶስ 13:4-7 ኣንብብ።