ኣብ ግሪኽ እተገብረ ዕዉት ናይ ምስክርነት ወፈራ
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ግሪኽ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ምጽራር ኣጋጢምዎም ኢዩ። ገለ ናይ ፖሊስ: ናይ ቤት ፍርዲ: ከምኡውን ናይ መንግስቲ ሰበ-ስልጣናት መብዛሕትኡ ግዜ ብጸቕጢ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ኣቕሽሽቲ ተደፋፊኦም ንመሰኻኽር ኣሳጒጐምዎም ኢዮም። እቲ ምኽንያት ሓድሓደ ግዜ ብሰሪ እቲ ኣንጻር ምቕያር ሃይማኖት ዝወጸ ናይ ግሪኽ ሕጊ ክኸውን ከሎ: ኣብ ካልእ እዋናት ድማ እቶም መሰኻኽር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲሶም ኣብ ውግእ ንምኻድ ይኹን ምትሕልላፍ ደም ንምግባር ስለ ዝኣብዩ ኢዩ።—ኢሳይያስ 2:2-5፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29
ነቶም ኣብ ግሪኽ ዘለዉ ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰበ-ስልጣናት ሰፊሕ ምርዳእ ንኽህልዎም ኣብ እተገብረ ጻዕሪ: መንግስቲ ግሪኽ ከም ሃይማኖታውያን ሚኒስተራት ዝቘጽሮም ገለ 200 ዝዀኑ መሰኻኽርን ኣብ ናይ ሕጊ ሞያ ዝዓዩ ገለ መሰኻኽርን: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ኣብ እተገብረ ወፈራ ተጸሚዶም ኢዮም። ብፍሉይ ኣገባብ እተዳለወት ኣብ ግሪኽ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርእስታ ብሮሹርን ናይ የሆዋ መሰኻኸር—ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትብሃል መጽሓፍን ዓዲሎም ኢዮም። ብዘይካ እዚውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽስደዱ ምኽንያት ዝኸውን ግሉጽ ሕጋዊ መሰረት ከም ዘየለ ዘርኢ ብዙሕ ሰነዳት ኣቕሪቦም ኢዮም። እቶም መሰኻኽር ንሓለፍቲ ፖሊስን ንከንቲባታትን ነቶም ኣኽበርቲ ሕግን ንኻልኦት ሰበ-ስልጣናትን በጺሖምዎም ኢዮም።
እቲ ምላሽከ ከመይ ነበረ፧ ብኣማእታት ዝቝጸር ጽቡቕ ተመክሮታት ኢዩ ተረኺቡ። ገለ ካብኡ እስከ ንርኣዮ።
ሓላቓ ናይታ ኣብ ደቡብ መቄዶንያ ዘላ መደበር ፖሊስ: ነቶም ኣሕዋት ብጽቡቕ ተቐቢሉ “ንዓኻትኩም ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዘ ኢየ ዝፈልጠኩም . . . ንስርዓታትኩም ከኣ አድንቖ ኢየ . . . ነቲ ናይ ምቕያር ሃይማኖት ሕጊ ኣይሰማምዓሉን እየ። ስልጣን እንተዝህልወኒ ምሓኸኽክዎ ነይረ” በሎም።
ሓለቓታት ናይተን ኣብ ብዙሓት ከተማታት ዘለዋ እተፈላለያ መደበራት ፖሊስ ከምዚ ዝስዕብ ሓሳባት ሃቡ:- “ብዛዕባ እቲ እትፍጽምዎ ማሕበራዊ ኣገልግሎት እንእደኩም ኢየ።” “ማሕበረ-ሰብኩም ንፖሊስ ኣየሸግርዎምን ኢዮም፣ ማሕበራዊ ዕዮ ኢኹም እትፍጽሙ።” “ምሳኻትኩም ምንም ጸገም የብልናን። ነኽብረኩምን ነድንቐኩምን ከኣ ኢና።”
ኣብ ፓይሪስ ሓደ ናይ ጸጥታ ፖሊስ ዝለዓለ በዓል ስልጣን ነቶም ኣሕዋት እናነብዐ ብየሱስ ክርስቶስ ገይርካ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ምጽላይ ከም ዝፈልጥ ነገሮም። አረ ወሲኹ ነቶም መሰኻኽር ቅድሚ ኣርማጌዶን ገለ ስደት ክመጾም ከም ዝጽበዩ ይፈልጥ ምዃኑ እሞ: ኣብቲ እዋን እቲ ንኽሕግዞም ኣምላኽ ክጥቀመሉ ተስፋኡ ምዃኑ ምስ ነገሮምሲ ደንጽይዎም ኢዩ! እቶም ኣሕዋት ተወሳኺ ምይይጥ ክገብሩ ምስ ዓደምዎ ኸኣ ተቐበሎም።
ናይ መንግስቲ ሰበ-ስልጣናት ዝሃብዎ ምላሽ
ሓደ ናይ ቴሳሊ ከንቲባ ብዛዕባ እታ ኣወጅቲ እትበሃል መጽሓፍ “ኣብ ቤተ-መጻሕፍቲ ምምሕዳር ከተማ ኣብቲ ዝበለጸ ቦታ ክትቅመጥ እትበቅዕ ኢያ!” በለ። ብኡንብኡ ድማ ካብ ሓደ ከብሒ መጻሕፍቲ ኣውጽአ እሞ: ነታ ኣወጅቲ እትበሃል መጽሓፍ ገበራ ከም ዝርአ ገይሩ ኣቐመጣ።
ኣብ ሰሜናዊ ግሪኽ ድማ ሓደ ከንቲባ ነቶም ኣሕዋት ብምዉቕ መንፈስ ተቐቢሉ “ንስኻትኩም ኣብ ናተይ ምምሕዳር ከተማ ንኽህልዉ ዝምነዮም እቶም ዝበለጹ ህዝቢ ኢኹም” በሎም። ሓደ ኣብ ሰሜናዊ ዩቢያ ዝነብር ምቕሉል ከንቲባ ነቶም ኣሕዋት “ኣነ ቅድም ሓለቓ ሰራዊት ኢየ ነይረ። እንተዀነ ግን: ንዓኻትኩም ኣዝየ ኢየ ዘድንቐኩም” በሎም። እቶም ኣሕዋት ንዘቕረቡሉ ነጥብታት ካብ ልቡ ተሰማምዓሉ። ካብቶም ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ እተሓትሙ እተመርጹ መጻሕፍቲ ምስ ኣርኣይዎ ድማ “ንዅሎም ከንብቦም እንተድኣ ተመባጺዐልኩም: ንዓይ ትህቡኒዶ፧” በሎም። ንሳቶም ከኣ “ብርግጽ: ናትካ ኢዮም!” ኢሎም መለሱሉ። ዓብዪ ሓጐስ ተሓጐሰ: ነቶም ኣሕዋት ድማ ክሰዶም ኣይደለየን።
ኣብ ሓንቲ ኣቲካ እትበሃል ወረዳ: ሓደ ከንቲባ እቶም ኣሕዋት ንዘቕረቡሉ ጽሑፋት ብሓጐስ ተቐበሎ: ናይ ማሕበር ጽሑፋት ኵሉ ሳዕ ከምጽኡሉ ድማ ተወከሶም። ክኸዱ ምስ ተበገሱ ኸኣ “እቶም ህዝቢ በቶም ፖለቲከኛታት ኣዝዮም ተስፋ ቈሪጾም ኢዮም: ነቲ ዘተኣማምን ሓቂ ድማ ኣብ ካልእ ቦታ ኢዮም ዝደልይዎ ዘለዉ። ካብ ሕጂ ንንየው ሓቂ ምሳኹም ስለ ዘላ ብዕዮ ኣዚኹም ትሑዛት ከም እትዀኑ ርግጸኛ ኢየ” በሎም።
ኣኽበርቲ ሕጊ ዝሃብዎ ምላሽ
እቶም ኣብ ሰሜናዊ ግሪኽ ንሓደ ምክትል ኣኽባር ሕጊ ዝበጽሕዎ ኣሕዋት ዘጋጠሞም ክዝክሩ ከለዉ ከምዚ ይብሉ:- “በቲ ጽሑፋትናን በቲ ኣቀራርባን: ከምኡውን በቲ ህዝብና ናይ ደም ምትሕልላፍ ዝምልከት ከቢድ ብድሆ ክጋጠሞም ከሎ ሓገዝ ዘይብሎም ከይኰኑ ንምርግጋጽ ዝግበር ጻዕርታትን: ተደኒቑ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ክንበጽሖን ከነፍልጦን ኢልና ተበግሶ ብምውሳድና ኣመስጊኑ ካብ ልቢ ንኢዱና። ጸኒሕና ከም እተረዳእናዮ: ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ኣገልግሎት ተጸሚዶም ንዝነበሩ ክልተ ኣሕዋት ፖሊስ ጸዊዑ ክእሰሩ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ዝነበረ ሰብ ኢዩ።”
ክልተ ጠበቓታት ዝዀኑ መሰኻኽር ነቲ ኣብ ኣቴንስ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ክበጽሑ ከለዉ ንሓደ ኣዝዩ እተፈልጠ ኣብ ኵሉ ድማ ዝኽበር ዝነበረ ናይ ቅድም ኣኽባር ሕጊ ናብኦም ክቐርብ ከሎ ምስ ረኣዩ ደንጽይዎም ኢዩ። ፍልይ ኣቢሉ ድማ እቲ ኣንጻር ምቕያር ሃይማኖት ዘወጸ ሕጊ መሰረት ዘይብሉን ኣብቲ ናይ ግሪኽ ናይ ቤት ፍርዲ ኣገባብ ድማ ሕንፍሽፍሽ ዝፈጥር ምዃኑን ነገሮም። ኣእዳዎም ጨቢጡ ድማ ኣመስገኖም።
ኣብ ሰሜናዊ ግሪኽ: ሓደ ኣኽባር ሕጊ ናይ ሓቂ ተቐራቢ ኰይኑ ተረኽበ ጽሑፋት ድማ ተቐበለ። ንገጻት ናይታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቶምን (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ ክግንጽል ከሎ: ነቲ ኣብ ናይ ትሕዝቶ ገጽ ዘሎ እተፈላለየ ኣርእስትታት ምስ ረኣየ ተደነቐ። “እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣቕሪባቶ ዘላ ሓሳባት: ኣብ ኵሉ ናይ ግሪኽ ኦርቶክስ ቤተ-ክርስትያን ኣይረኣኹዎን” ዝብል ርእይቶ ሃበ።
ሓደ ኣብ ኣውራጃ ቢዮሺያ ዝነብር ኣኽባር ሕጊ: ቅድሚ ሕጂ ንመሰኻኽር ኣንጻር ድልየቶም ናይ ደም ምትሕልላፍ ክግበረሎም ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ከም ዝነበረ ተኣመነ። እንተዀነ ግን እቶም ኣሕዋት ብዛዕባ እቲ ጉዳይ እቲ ምስ ኣመያየጥዎ “ኣብ ዝመጽእ ከምዚ ዝኣመሰለ ትእዛዝ ፈጺመ ኣይከመሓላልፍን ኢየ!” በለ። ነዚ ብዝምልከት ኵሎም ናይ ደም መተካእታታት ምእንቲ ክምርመሩ: እቲ ናይቲ ከባቢ ምስ ሆስፒታል ዘረዳድእ ኮሚተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሕተት ድማ ወሰነ። ሓንቲ መንእሰያት ዝሓትዎ መጽሐፍ ተሓጒሱ ተቐበለ።
ኣብ ቤተ-መጻሕፍቲ ዝሰርሑ ሰባት ዝሃብዎ ምላሽ
እቲ ጽሑፍ ንብዙሓት ኣብ ቤተ-መጻሕፍቲ ዝሰርሑ ሰባት እውን ቀሪቡሎም ኢዩ። ኣብ ሓንቲ ካብተን ኣብ ኣቴንስ ዘለዋ ሓንቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ዝሰርሕ ትሑት ሰብ ጽሑፍ ተቐበለ: ሓሳቡ ክገልጽ ከሎ ኸኣ “መጻሕፍትኹም ዘምጻእኩምልና ብሓቂ ጽቡቕ ኢኹም ገይርኩም: ምኽንያቱ ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ቤተ-መጻሕፍትና ዘለዉ መጻሕፍቲ ኣንጻርኩም ኢዮም። . . . ሓደ ቐሺ መጻሕፍትኹም ኣብቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ምስ ረኣየ ኣዝዩ ተረበሸ . . . ኣየገድስን ኢዩ። ናይ ኵሉ ሓሳባት ክስማዕ ኣለዎ” በለ።
ሓደ ኣብ ቅሬጥስ ኣብ ቤተ-መጻሕፍቲ ምምሕዳር ከተማ ዝሰርሕ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝፈለጦም ሰብ: በቲ እቶም መሰኻኽር ኣብ ውግእ ንኸይሳተፉ ዝወሰድዎ ናይ ምእባይ ስጕምቲ ተደኒቑ ከም ዝነበረ ነገሮም። ንገዛእ ርእሱ ብቐጻሊ ‘እዞም ሰባት እዚኣቶም ስለምንታይ ኢዮም ዝሳቐዩ፧’ ብምባል ይሓትት ነበረ። ካብቶም ኣሕዋት ጽሑፋት ተቐበለ: ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝገበርዎ ወፈራ ድማ “ብሉጽ ዕዮ ኢኹም ዓይኹም: ዓመታት ኣቐዲምኩም እኳ ክትገብርዎ ምተገብአ። . . . ኣብ ግሪኽ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምርኣይ ባህሪ ብዙሕ ኢዩ ዘሎ” በለ። እንደገና ቀልጢፎም ክበጽሕዎ ኸኣ ነቶም ኣሕዋት ሓተቶም።
ኣብዚ ፍሉይ ናይ ወፈራ እዋን እዚ: እቶም ኣሕዋት ልዕሊ 1,000 ዝኸውን ናይታ ኣወጅቲ እትበሃል መጽሓፍ: 1,600 ናይታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ግሪኽ እትበሃል ብሮሹር: ከምኡውን ኣማእታት መጻሕፍትን መጽሔታትን ዓዲሎም ኢዮም። እቲ ዝበለጸ ግን: ምስ ኣማእታት ናይ ግሪኽ ሰበ-ስልጣናት ገጽ ንገጽ ተዘራሪቦም ኢዮም። ሕጂ እምበኣር እቶም ኣብ ግሪኽ ዘለዉ ቅኑዓት ሰበ-ስልጣናት ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዝያዳ ኣድልዎ ዘይብሉ ኣመለኻኽታ ከጥርዩ ናይቶም ኣብ ግሪኽን ኣብ ከባቢ ዓለምን ዘለዉ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ተስፋ ኢዩ።