ዘርኢ እቲ ተመን—ብኸመይ ተቓልዐ፧
“ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን: ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ”—ዘፍጥረት 3:15
1. (ሀ) የሆዋ ሕጕስ ኣምላኽ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብቲ ሓጐሱ ክንካፈል ምእንቲ ክንክእል እንታይ ገበረ፧
የሆዋ ሕጕስ ኣምላኽ ኢዩ: ክሕጐሰሉ ዝኽእል ቅቡል ምኽንያታት ድማ ኣለዎ። ንሱ ናይ ሰናይ ዝዀኑ ነገራት ዝዓበየን ዝበለጸን ወሃቢ ኢዩ: ከምኡውን ዕላማታቱ ንኸይፍጽም ከተዓናቕፎ ዝኽእል ዋላ ሓንቲ ነገር የለን። (ኢሳይያስ 55:10, 11፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:11፣ ያእቆብ 1:17) ኣገልገልቱ ካብቲ ሓጐሱ ክካፈሉ ኢዩ ዝደልዮም: ሕጕሳት ንኽዀኑ ድማ ቅቡል ዝዀነ ምኽንያታት ኣዳለወ። ስለዚ ድማ ኣብቲ ካብ ናይ ደቅሰብ ታሪኽ እቲ ዝጸልመተ ኣጋጣሚ—ኣብ ኤደን ዕልወት ክፍጸም ከሎ—ንመጻኢ ብተስፋ ክንጥምተሉ እንኽእል መሰረት ኣንበረልና።—ሮሜ 8:19-21
2. የሆዋ ኣንጻር እቶም ኣብ ኤደን ዝነበሩ ዓለወኛታት ፍርዲ ክእውጅ ከሎ: ንዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ዝኸውን ተስፋ ዘዳለወ ብኸመይ ኢዩ፧
2 ሓደ ካብቶም መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ: ንኣምላኽ ብምቅዋምን ብምክፋእን ንገዛእ ርእሱ ሰይጣን ድያብሎስ ገበራ። እቶም ናይ መጀመርያ ሰባት: ሄዋን ድሓር ድማ ኣዳም ኣብ ትሕቲ ጽልዋኡ ወደቑ: ነቲ ብንጹር እተገለጸ ሕጊ ኣምላኽ ድማ ጠሓሱ። ብልክዕ ድማ ንሞት ተፈርዱ። (ዘፍጥረት 3:1-24) እንተዀነ ግን: የሆዋ ነዞም ዓለወኛታት እዚኣቶም ፍርዲ ክእውጀሎም ከሎ: ንዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ንመጻኢ ተስፋ ክገብርሉ ዝኽእሉ መሰረት ኣንበረሎም። ብኸመይ ዝበለ መገዲ፧ ከምቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ተመዝጊቡ ዘሎ: የሆዋ ከምዚ በለ:- “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን: ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል ኣሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ: ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ።” እዚ ትንቢት እዚ ንብምልኡ መጽሓፍ ቅዱስ: ከምኡውን ንዓለምን ኣገልገልቲ ኣምላኽን ዝትንክፍ ዝሓለፈን ዘሎን ፍጻመታት ንኽትርድኦ መፍትሕ ኢዩ።
እቲ ትንቢት እንታይ ማለት ምዃኑ
3. ከምቲ ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 3 ቁጽሪ 15 ተገሊጹ ዘሎ (ሀ) እቲ ተመን: (ለ) ‘እታ ሰበይቲ’ (ሐ) ‘ዘርኢ’ እቲ ተመን (መ) ‘ዘርኢ’ እታ ሰበይቲ ኣለልዮም።
3 ትርጕሙ ንኸተማስወሉ: ነቶም እተፈላለዩ ክፍልታት ናይቲ ትንቢት ርኣዮም። እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ተጠቒሱ ዘሎ ተመን—እቲ ተራ ዝዀነ ተመን ዘይኰነስ: እቲ ብእኡ ገይሩ እተዛረበ ኢዩ። (ራእይ 12:9) እታ ‘ሰበይቲ’ ሄዋን ዘይኰነትስ: ሰማያዊት ማሕበር የሆዋ: ኣደ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ብመንፈስ እተቐብኡ ኣገልገልቱ ኢያ። (ገላትያ 4:26) ናይቲ ተመን ‘ዘርኢ’: ናይ ሰይጣን ዘርኢ: ውሉዳቱ ማለት ኣጋንንትን ሰባትን ከምኡውን እተን ባህርያት ሰይጣን ዘንጸባርቓን ‘ንዘርኢ’ እታ ሰበይቲ ድማ ዝጸልኣን ሰብኣውያን ማሕበራት ኢዩ። (ዮሃንስ 15:19፣ 17:15) ‘ዘርኢ ’ እታ ሰበይቲ ብመጀመርያ ደረጃ እቲ ብ29 ከ.ኣ.ዘ. ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብአ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። እቶም ‘ካብ ማይን መንፈስን [“እንደገና:” ትሓዓ ] እተወልዱ’ ከምኡውን ምስ ክርስቶስ ወረስቲ ናይታ ሰማያዊት መንግስቲ ዝዀኑ 144,000 ድማ ካልኣይ ክፍሊ ናይቲ ተስፋ እተገብረሉ ዘርኢ ኢዮም። እዚኣቶም ድማ ካብ 33 ከ.ኣ.ዘ. ናይ ጴንጠቈስጠ ንነጀው ጀሚሮም ኣብ ዘርኢ ናይታ ሰበይቲ ክውሰኹ ጀመሩ።—ዮሃንስ 3:3, 5፣ ገላትያ 3:16, 29
4. ዘፍጥረት 3:15 ምድሪ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ናጻ ብዝዀኑ ሰባት ብምምላእ ገነት ከም እትኸውን ዝዛረብ ብኸመይ ኢዩ፧
4 እቲ ኣብ ኤደን ዝነበረ ናይ ብሓቂ ተመን: ኣፈኛ ናይቲ ብምትላሉ ንደቅሰብ ገነት ከም ዝስእኑ ዝገበሮም ኢዩ ኰይኑ ነይሩ። ዘፍጥረት 3:15 ናብቲ እቲ ንተመን መሳርሒ ገይሩ እተጠቐመሉ ዝጠፍኣሉ ግዜ ትሕብረና። ድሕርዚ ንሰብኣውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ሓንቲ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ናጻ ዝዀነት ገነት ክነብርሉ ዝኽእሉ መገዲ እንደገና ክኽፈተሎም ኢዩ። ኣየ እቲ ግዜ እትስ ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ግዜ ኰን ክኸውን ኢዩ!—ራእይ 20:1-3፣ 21:1-5
5. እቶም መንፈሳውያን ዘርኢ ሰይጣን በየናይ ባህርያት ኢዮም ዝፍለጡ፧
5 ነቲ ኣብ ኤደን ዝነበረ ዕልወት ስዒቡ: ውልቀ-ሰባትን ማሕበራትን ከም እኒ ዕልወት: ሓሶት: ምክፋእ: ከምኡውን ቅትለት ምስ እዚ ደማ ንፍቓድ የሆዋን ነቶም ንየሆዋ ዘምልኽዎን ምቅዋም ሓዊስካ ናይ ሰይጣን ድያብሎስ ባህርያት ከንጸባርቑ ጀመሩ። እዚ ባህርያት እዚ ድማ ነቶም ዘርኢ: መንፈሳውያን ደቂ ድያብሎስ መለለይኦም ኰነ። ካብ መንጎ እዚኣቶም ሓደ ቃኤል ኢዩ: የሆዋ ኣብ ክንዲ ናቱ ናይ ኣቤል ኣምልኾ ብምቕባሉ ንኣቤል ቀተሎ። (1 ዮሃንስ 3:10-12) እቲ ስሙ ዓለወኛ ምዃኑ ዝሕብር: ኣንጻር የሆዋ ድማ ሃዳናይን መራሕን ዝነበረ ኒምሮድ እውን ካብኡ ኢዩ። (ዘፍጥረት 10:9 ትሓዓ ) ብተወሳኺ ንባቢሎን ሓዊስካ: ብመንግስቲ ዝድገፍ ኣብ ሓሶት እተመርኰሰ ሃይማኖት ዘለወን ተኸታተልቲ ጥንታውያን መንግስታት ነይረን ኢየን። እዘን መንግስታት እዚኣተን ከኣ ንኣምለኽቲ የሆዋ ብዘስካሕክሕ መገዲ ጨቊነናኦም ኢየን።—ኤርምያስ 50:29
‘ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን ጽልኢ’
6. ሰይጣን ኣንጻር እታ ሰበይቲ የሆዋ ጽልኢ ዘርኣየ በየኖት መገድታት ኢዩ፧
6 ኣብዚ ዝሓለፈ ኵሉ ግዜያት: ኣብ መንጎ እቲ ተመንን ሰበይቲ የሆዋን: ኣብ መንጎ ሰይጣን ድያብሎስን በቶም እሙናት መንፈሳውያን ፍጡራት ዝቘመት ሰማያዊት ማሕበር የሆዋን ጽልኢ ነይሩ ኢዩ። ንየሆዋ ምስ ነዓቖን ንመልኣኽቲ እቲ ግቡእ ቦታኦም ክሓድጉ ውዲት ብምግባር ነታ ሰማያዊት ማሕበር የሆዋ ክርብሽ ክፍትን ከሎን ዝነበሮ ጽልኢ ገሊጹ ኢዩ። (ምሳሌ 27:11፣ ይሁዳ 6) ሰይጣን ነቶም ልኡኻት መላእኽቲ የሆዋ ብኣጋንንቲ ገይሩ ከተዓናቕፎም ምስ ፈተነ ተራእዩ ኢዩ። (ዳንኤል 10:13, 14, 20, 21) ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበንና እታ መሲሓዊት መንግስቲ ክትውለድ ከላ ከጥፍኣ ምፍታኑ እውን ሓለፍ ዝበለ መርትዖ ኢዩ።—ራእይ 12:1-4
7. ናይ የሆዋ እሙናት መላእኽቲ ኣንጻር እቲ ምሳልያዊ ተመን ናይ ጽልኢ ስምዒት ዘለዎም ስለምንታይ ኢዮም: እንተዀነ ግን ከመይ ዝበለ ዕቃበ ኢዮም ዘርኣዩ፧
7 በቶም እሙናት መላእኽቲ ዝቘመት ሰበይቲ ኣምላኽ እውን ነቲ ምሳልያዊ ተመን ጽልኢ ነይሩዋ ኢዩ። ሰይጣን ነቲ ጽቡቕ ስም ኣምላኽ ኣካፊእዎ ኢዩ፣ ነቶም መላእኽቲ እውን ሓዊስካ ናይ ነፍሲ ወከፍ መስተውዓልቲ ፍጡራት ኣምላኽ ንጽህናውን ኣብ ሕቶ ኣእትይዎ ኢዩ: ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎም ተኣማንነት ንምጥፋእ ድማ ኣበርቲዑ ኢዩ ዝሰርሕ። (ራእይ 12:4ሀ) እሙናት መላእኽቲ: ኩሩቤላት: ከምኡውን ሱራፍኤላት ነቲ ንገዛእ ርእሱ ድያብሎስ ከምኡውን ሰይጣን ዝገበራ መልኣኽ ካብ ምጽላእ ሓሊፎም ካልእ ምንም ዝገብርዎ የብሎምን። እንተዀነ ግን: የሆዋ ኣብቲ ዝመደቦ ግዜን በቲ ንሱ ዝደልዮ መገድን ንነገራት ከዐርዮም ተጸብዮምዎ ኢዮም።—ምስ ይሁዳ 9 ኣረኣእዮ።
ንዘርኢ እታ ሰበይቲ ኣምላኽ ዘሎ ጽልኢ
8. ሰይጣን ንመን ኢዩ ዝጻናቶ ዘሎ፧
8 እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሰይጣን ድያብሎስ: ንርእሲ እቲ ተመን ክጭፍልቕ እተባህለሉ ዘርኢ እታ ሰበይቲ መን ምዃኑ ንምፍላጥ ይከታተል ነይሩ ኢዩ። እቲ ካብ ሰማይ ዝመጸ መልኣኽ እቲ ኣብ ቤተ-ልሄም እተወልደ የሱስ እቲ “መድሓኒ . . . ክርስቶስ ጐይታ” ምዃኑ ምስ ኣወጀ: እቲ ኣቐዲሙ እተነግረሉ ዘርኢ ናይታ ሰበይቲ ከም ዝኸውን ጽኑዕ መረጋገጺ ኢዩ ነይሩ።—ሉቃስ 2:10, 11
9. የሱስ ድሕሪ ምውላዱ ሰይጣን እኩይ ጽልኢ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧
9 ነቶም ኣረማውያን ቈጸርቲ ከዋኽብቲ ኣብቲ ዝገበርዎ ጕዕዞ ቅድም ናብ ንጉስ ሄሮዶስ ኣብ የሩሳሌም ድሓር ድማ ናብቲ እቲ ንእሽቶ ወዲ: የሱስን ኣዲኡ ማርያምን ዝነበርዎ ኣብ ቤተ-ልሄም ዝነበረ ገዛ ገጹ ምስ መርሖም: እቲ እኩይ ጽልኢ ናይ ሰይጣን ተራእየ። ብድሕሪኡ ቍሩብ ጸኒሑ ንጉስ ሄሮዶስ ኣብ ቤተ-ልሄምን ከባቢኣን ዘለዉ ካብ ደቂ ክልተ ዓመት ንታሕቲ ዝዀኑ ቈልዑ ክቕተሉ ኣዘዘ። በዚ ኸምዚ ድማ ሄሮዶስ ነቲ ዘርኢ ዝነበሮ ሰይጣናዊ ጽልኢ ኣርኣየ። ሄሮዶስ ህይወት ናይቲ መሲህ ክኸውን ዝነበሮ ከጥፍእ ይፍትን ከም ዝነበረ ሕራይ ገይሩ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 2:1-6, 16) ንጉስ ሄሮዶስ ቀይዲ ዘይብሉ: እኩይ: ከምኡውን ቀታሊ—ብሓቂ ሓደ ካብቲ ዘርኢ እቲ ተመን—ምንባሩ ታሪኽ የረጋግጾ ኢዩ።
10. (ሀ) ድሕሪ ጥምቀት የሱስ: ሰይጣን ባዕሉ ነቲ ዘርኢ ዝምልከት ዕላማ የሆዋ ክሓናዅሎ ዝፈተነ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ሰይጣን ነቶም ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ዕላማኡ ንምፍጻም ብኸመይ ተጠቕመሎም፧
10 የሱስ ብ29 ከ.ኣ.ዘ. ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐብአን የሆዋ ድማ ንየሱስ ወዱ ምዃኑ ካብ ሰማይ ብምዝራብ ኣፍልጦ ምስ ሃበን: ሰይጣን ንየሱስ ኣብ ትሕቲ ፈተና ንከምበርክኾ ብተደጋጋሚ ፈቲኑ ኢዩ: በዚ ድማ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ወዱ ዝነበሮ ዕላማ ከተዓናቕፎ ፈተነ። (ማቴዎስ 4:1-10) በዚ ምዃን ምስ ኣበዮ ድማ: ዕላማኡ ንምፍጻም ምእንቲ ክጥቀመሎም ኣብ ሰብኣውያን ወኪላቱ ተመርኰሰ። ካብ መንጎ እቶም ንየሱስ ከፍሽልዎ ዝፍትኑ ዝነበሩ እቶም ግቡዛት ሃይማኖታውያን መራሕቲ ይርከብዎም። ነቲ ሰይጣን እተጠቕመሉ ሜላታት ማለት ሓሶትን መካፍኢ ነገራትን ተጠቕሙ። የሱስ ነቲ ልሙስ ሰብኣይ “ኣጆኻ: ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ” ምስ በሎ: እቶም ጸሓፍቲ እቲ ሰብኣይ ብርግጽ ምሕዋዩን ዘይምሕዋዩን ንምርኣይ ከይተጸበዩ: ንየሱስ ከም ተጻራፊ ገይሮም ፈረድዎ። (ማቴዎስ 9:2-7) የሱስ ብመዓልቲ ሰንበት ሰባት ምስ ኣሕወየ ድማ እቶም ፈሪሳውያን ከም መፍረስ ሕጊ ሰንበት ገይሮም ኰነንዎ: ከጥፍእዎ ድማ ተማኸሩ። (ማቴዎስ 12:9-14፣ ዮሃንስ 5:1-18) የሱስ ነጋንንቲ ምስ ኣውጽአውን እቶም ፈሪሳውያን ምስ ‘ብኤል-ዜቡል: እቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ’ ርክብ ኣለዎ ኢሎም ከሰስዎ። (ማቴዎስ 12:22-24) ኣልኣዛር ካብ ሞት ምስ ተንስአ: ብዙሓት ሰባት ብየሱስ ኣመኑ: ሊቃውንቲ ካህናትን ፈሪሳውያንን ግን ክቐትልዎ ተማኸሩ።—ዮሃንስ 11:47-53
11. ቅድሚ ሙማቱ ሰለስተ መዓልቲ: የሱስ ከም ክፍሊ ዘርኢ እቲ ተመን ገይሩ ዝገለጾ ንመን ኢዩ: ስለምንታይከ፧
11 የሱስ እንታይ ውዲት ይኣልሙ ከም ዘለዉ ፈሊጡ እኳ እንተነበረ: ብ11 ኒሳን ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ከይፈርሀ ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ ናይ ቤት መቅደስ ቦታ ብምእታው ብግልጺ ኣብ ልዕሊኦም ፍርዲ ኣወጀ። ብጕጅለ ደረጃ: እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን እንታይ ዓይነት ሰባት ከም ዝነበሩ ብተደጋጋሚ ኣርእዮም ኢዮም፣ ስለዚ ድማ የሱስ ከምዚ በሎም:- “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን: መንግስተ ሰማያት ንሰብ ትዐጽዉሉ: ንርእስኹም ኣይትአትውዋን: ነቶም ኪአትውዋ ዚደልዩ ድማ ኪአትዉ ኣይትሐድግዎምን ኢኹም እሞ: ወይለኹም።” የሱስ “ኣቱም ኣትማን: ውሉድ እቲ መንደላይ ተመን: ከመይ ጌርኩምከ ኻብ ፍርዲ ገሃነም ክትመልቁ፧” ብምባሉ ክፍሊ ዘርኢ እቲ ተመን ምዃኖም ብልክዕ ነገረ። (ማቴዎስ 23:13, 33) እቲ እተጠቕመሉ ቃላት ነቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ዘሎ ትንቢት ዘንጸባርቕ ኢዩ ነይሩ።
12, 13. (ሀ) እቶም ሊቃውንቲ ካህናትን ጸሓፍትን መንፈሳዊ ኣቦኦም መን ምዃኑ ተወሳኺ መርትዖ ዝሃቡ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) መንከ ሓበሮም፧ (ሐ) ንፍጻሜ ዘፍጥረት 3:15 ዘርኢ እታ ሰበይቲ ኣብ ሸዀናኡ እተነኽሰ ብኸመይ ኢዩ፧
12 ነዚ ናይ የሱስ ቃላት ብምስማዕ: ካብ ኣምላኽ ምሕረት ምእንቲ ክረኽቡ ኢሎምዶ ተጣዒሶም ኢዮም፧ በቲ ዝገበርዎ እከይከ ተናሲሖምዶ፧ ኣይፋሎምን: ከምኡ ኣይገበሩን! ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት መዓልቲ: ኣብቲ ናይ ሊቀ ካህን ቀጽሪ ኰይኖም ዝገበርዎ ኣኼባ “ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን [ንየሱስ] ብተንኰል ሒዞም ኪቐትልዎ ደለዩ” ብምባል ማርቆስ 14:1 ጸብጻብ ይህብ። ናይቲ የሱስ ኣቐዲሙ ቀታሊ ነፍሲ ኢሉ ዝጸውዖ ናይ ሰይጣን ናይ ምቕታል መንፈስ ኣንጸባረቑ። (ዮሃንስ 8:44) ብዙሕ ከይጸንሑ ድማ እቲ ሰይጣን ከሓዲ ንክኸውን ዘስድዖ ይሁዳ ሓበሮም። ይሁዳ ነቲ ሕፍቲ ዘይብሉ ዘርኢ ናይታ ሰበይቲ ኣምላኽ ነጺጉ: ምስ ዘርኢ እቲ ተመን ሓበረ።
13 ብ14 ኒሳን ንግሆ ድማ እቶም ኣባላት ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታዊ ቤት ፍርዲ ንየሱስ ከም እሱር ገይሮም ናብቲ ሮማዊ ኣማሓዳሪ ወሰድዎ። ኣብዚ ግዜ እዚ ነቲ የሱስ ንኽስቀል ዝነበረ ጫውጫው መራሕቱ: ሊቃውንቲ ካህናት ኢዮም ነይሮም። ጲላጦስ “ንንጉስኩምዶ ኽሰቕሎ፧” ኢሉ ምስ ሓተተ: እቶም ሊቃውንቲ ካህናት ኢዮም “ብዘይ ቄሳርሲ ንጉስ የብልናን” ኢሎም ዝመለሱ። (ዮሃንስ 19:6, 15) ብሓቂ: ብዅሉ ተግባራት ክፍሊ ዘርኢ እቲ ተመን ከም ዝነበሩ ኣረጋጊጾም ኢዮም። ብርግጽ ግን በይኖም ኣይኰኑን ክፍሊ ዘርኢ እቲ ተመን ዝነበሩ። እቲ ኣብ ማቴዎስ 27:24, 25 ተመዝጊቡ ዘሎ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ጲላጦስ . . . ማይ ወሲዱ . . . ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣእዳዉ ተሐጽበ።” ድሕርዚ ኵሉ እቲ ህዝቢ “ደሙ ኣባናን ኣብ ደቅናን ይኹን” በለ። ስለዚ ድማ ኣብቲ ወለዶ እቲ ዝነበሩ ብዙሓት ኣይሁዳውያን ክፍሊ ዘርኢ እቲ ተመን ምዃኖም ኣፍለጡ። እታ መዓልቲ እቲኣ ቅድሚ ምውዳኣ ድማ የሱስ ሞተ። በቲ ዝርአ ዘርኡ ተጠቒሙ ድማ ሰይጣን ንዘርኢ እታ ሰበይቲ ኣምላኽ ኣብ ሸዀናኡ ነኸሶ።
14. ዘርኢ እታ ሰበይቲ ኣብ ሸዀናኡ ምንካሱ ሰይጣን ተዓዊቱ ማለት ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧
14 ሰይጣን ተዓዊቱ ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይተዓወተን! የሱስ ክርስቶስ ንዓለም ስዒሩዋ ኢዩ: ኣብ ልዕሊ እቲ መራሒኣ ድማ ተዓዊቱ ኢዩ። (ዮሃንስ 14:30, 31፣ 16:33) ክሳዕ ግዜ ሞቱ ንየሆዋ ዝነበሮ ተኣማንነት ሓልዩ ኢዩ። ከም ፍጹም ሰብ መጠን ሙማቱ ነቲ ብኣዳም ዝጠፍአ ናይ ህይወት መሰል እንደገና ንምግዛእ እቲ ዘድሊ ናይ በጅነት ዋጋ ከፈለ። ስለዚ ድማ ነቶም ኣብቲ ምድላው እቲ እምነት ዝገብሩን ትእዛዛት ኣምላኽ ዘኽብሩን ሰባት ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት መገዲ ከፈተሎም። (ማቴዎስ 20:28፣ ዮሃንስ 3:16) የሆዋ ንየሱስ ካብ ሞት ናብቲ ኣብ ሰማይ ዝርከብ ዘይሓልፍ ህይወት ኣተንስኦ። ኣብቲ ናይ የሆዋ ምዱብ ግዜ የሱስ ንሰይጣን ካብ ህላወ ከም ዝጠፍእ ገይሩ ክጭፍልቖ ኢዩ። ኣብ ዘፍጥረት 22:16-18 የሆዋ ንዅሎም እቶም በዚ እሙን ዘርኢ ኣቢሎም በረኸት ንኽረኽቡ እቲ ዘድሊ ስጕምትታት ዝወሰዱ ስድራቤታት ስምረቱ ክህቦም ምዃኑ ብትንቢት ተገሊጹ ኣሎ።
15. (ሀ) ድሕሪ ሞት የሱስ: ሃዋርያት የሱስ ንዘርኢ እቲ ተመን ምቅላዕ ዝቐጸሉ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) ዘርኢ እቲ ተመን እንታይ ካልእ ተወሳኺ ጽልኢ ኢዩ ክሳዕ እዚ ግዜና ዘርኣየ፧
15 ድሕሪ ሞት የሱስ: እቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ከምቲ ጐይታኦም ዝገበሮ ገይሮም ነቲ ዘርኢ ናይቲ ተመን ምቅላዕ ቀጺሎም ኢዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ ብዛዕባ እቲ ህላዌኡ “ብሓይሊ ሰይጣን” ዝዀነ “ሰብኣይ ዓመጻ” ኣጠንቂቑ ነይሩ ኢዩ። (2 ተሰሎንቄ 2:3-10) እዚ ንብዙሓት ዘመልክት “ሰብኣይ” እዚ ንናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣቕሽሽቲ ከም ዘመልክት ተረጋገጸ። እቲ ዘርኢ ናይቲ ተመን ድማ ብግዴኡ ንሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ኣበርቲዑ መስጐጕቲ ኣውሪድሎም ኢዩ። ኣብቲ ኣብ ራእይ 12:17 ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢት: ሰይጣን ኣንጻር እቶም ተረፍ ዘርኢ ናይታ ሰበይቲ ኣምላኽ ክሳዕ እዚ ግዜና ክዋጋእ ምዃኑ ሃዋርያ ዮሃንስ ኣቐዲሙ ነገረ። ብልክዕ እተፈጸመ ድማ እዚ ኢዩ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብወገን መንግስቲ ኣምላኽን ጻድቕ ስርዓታቱን ጽኑዕ ኣቕዋም ስለ ዝሓዙ ተኣጊዶም: ኣንጻሮም ናዕቢ ተላዒሉ: ተኣሲሮም: ወይ ድማ ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ተደርብዮም ኢዮም።
ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ እተገብረ ምቅላዕ ዘርኢ እቲ ተመን
16. ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ ከም ክፍሊ ዘርኢ እቲ ተመን መጠን እተቓልዐ መን ኢዩ: ብኸመይከ ተቓልዐ፧
16 ንየሱስ ክርስቶስ ብምምሳል ሓቀኛታት ክርስትያናት ነቲ ተመንን ዘርኡን ብዘይፍርሂ ካብ ምቅላዕ ድሕር ኣይበሉን። ብ1917 እቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: ሽዑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፍለጥሉ ዝነበሩ ስም: ንግብዝና ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣቕሽሽቲ ዘቃልዐት እተወድአ ምስጢር እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ሓተሙ። ብድሕሪኡ ስዒቡ ድማ እቲ ብ1924 ዝወጸ ኤክላስያስቲክስ ኢንዲክትድ ዝብል መትከል ዝገልጽ ጽሑፍ ተሓቲሙ ወጸ። ብዓለምለኻዊ ደረጃ ሓምሳ ሚልዮን ቅዳሓት ተዓደለ። ብ1937 እቲ ሽዑ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ፕረዚደንት ዝነበረ ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ “ተቓሊዑ” ከምኡውን “ሃይማኖትን ክርስትናን” ብዝብል ኣርእስትታት ሓያል ዝዀነ ነቲ ዘርኢ ሰይጣን ዘቃልዕ ዝርርባት ሃበ። ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት ዓመት: ኣብ እተፈላለየ ሃገራት ኣብ 50 ዝኸውን ዓበይቲ ኣኼባታት ዝነበሩ ተኻፈልቲ ሰባት ዝሰምዕዎ ካብ ሎንዶን: ዓዲ እንግሊዝ: ብናይ ሬድዮ ተሌፎን እተመሓላለፈ “ነቲ ጭብጥታት ተጋጠምዎ” ዝብል ዝርርብ ሃበ። ድሕሪ ወርሒ ድማ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎ ሰፊሕ ናይ ሬድዮ መርበብ ዝነበሮ መደበር “ፋሽሽስትነትዶ ናጽነት” ዝብል ዝርርብ ተመሓላለፈ። እዚ ድማ ብኸም ጸላእቲ ከምኡውን ሃይማኖት ዝበሃላ መጻሕፍትን ተገሊጹ እትበሃል ንእሽቶ መጽሓፍን (እንግሊዝኛ) ዝወጸ ሓያል ዝዀነ መቃሊዒታት ተደገፈ። ምስቲ ካብ 1920ታት ኣትሒዙ ዝሕተም ዝነበረ ብምስምማዕ እታ ሕጂ ብ65 ቋንቋታት ተሓቲማ ዘላ ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! a እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ነቶም ብልሽዋት ፓለቲካውያን መራሕቲ ከምኡውን ነቶም ስሱዓትን ዘይቅየዱን ዘይሕጋውያን ነጋዶ ከም ቀንዲ ኣባላት ናይቲ ዝርአ ዘርኢ እቲ ተመን ገይራ ገለጸቶም። ፓለቲካውያን መራሕቲ ንተገዛእቶም ከጋግዩ: ንቕድስና ደም ግዲ ዘይብሎም ንኽዀኑ: ከምኡውን ንኣገልገልቲ የሆዋ ንኽጭቍኑ (በዚ ድማ ነቲ ንዘርኢ ሰበይቲ ኣምላኽ ዝነበሮም ጽልኢ ኣርኣዩ) ኣብ ሓሶት ምምርኳስ ልምዶም ምስ ገበርዎ ብርግጽ ንገዛእ ርእሶም ክፍሊ ዘርኢ እቲ ተመን ምዃኖም ኣርኣዩ። እቶም ብዘይ ገለ ናይ ሕልና ስግኣት ንገንዘብ ክብሉ ዝሕስዉ ከምኡውን ሕማም ከምጽኡ ዝኽእሉ ነገራት ዘፍርዩ ወይ ዝሸጡ ዘይሕጋውያን ነጋዶ እውን ከምኡ ኢዮም።
17. ነቶም ካብ ናይ ዓለም ኣገባብ ክወጹ ዝኽእሉ ፍሉጣት ውልቀ-ሰባት እንታይ ኣጋጣሚ ኢዩ ጌና ክፉት ዘሎ፧
17 ኣብ ዓለማዊ ሃይማኖት: ፖለቲካ: ወይ ንግዲ ዝኣተወ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ኣይኰነን ኣብ መወዳእታ ከም ክፍሊ ዘርኢ እቲ ተመን ዝቝጸር። ገለ ካብዞም ሰባት እዚኣቶም ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር የድንቕዎም ኢዮም። ነቲ ዘለዎም ስልጣን ንኽሕግዝዎም ይጥቀምሉ: ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ሒዞምዎ ኢዮም። (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 13:7, 12፣ 17:32-34 ኣረኣእዮ።) ንዅሎም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት እዚ ዝስዕብ ዕድመ ቀሪብሎም ኣሎ:- “እምበኣርሲ ኣቱም ነገስታት: ለብሙ: ኣቱም ፈራዶ ምድሪውን: ተአረሙ። ንእግዚኣብሄር ብፍርሃት ኣገልግልዎ: ብረዓድ ከኣ ተሐጐሱ። ኵራኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ: ከይዅሪ: ኣብ መገዲ ኸሎኹም ድማ ከይትጠፍኡስ: ንወዱ ስዐምዎ። ኣብኡ ዚምዕቈቡ ዘበሉ ዅሎም ብጹኣን እዮም።” (መዝሙር 2:10-12) ብርግጽ: እቲ ሰማያዊ ፈራዲ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ከይዓጸዎ ኸሎ: ኵሎም እቶም ስምረት የሆዋ ዝደልዩ ሰባት ሕጂ ስጕምቲ ክወስዱ ኣገዳሲ ኢዩ!
18. ሽሕ’ኳ ክፍሊ ዘርኢ እታ ሰበይቲ እንተ ዘይኰኑ: ኣምለኽቲ የሆዋ ዝዀኑ መን ኢዮም፧
18 እቶም ነታ ሰማያዊት መንግስቲ ዘቝሙ ጥራይ ኢዮም ክፍሊ ዘርኢ እታ ሰበይቲ ዝዀኑ። እዚኣቶም ብቝጽሪ ሒደት ኢዮም። (ራእይ 7:4, 9) እንተዀነ ግን: ከም ኣምለኽቲ የሆዋ መጠን ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ንኽነብሩ ብተስፋ ዝጽበዩ: ብኻልኦት ሰባት ዝቘመ ዓቢ ጭፍራ: እወ ሚልዮናት ዝዀኑ ኣለዉ። ብኽልቲኡ ማለት ብቓልን ብግብርን ነቶም ናይ የሆዋ ቅቡኣት ሰባት “እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ: ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና” ይብልዎም ኣለዉ።—ዘካርያስ 8:23
19. (ሀ) ኵሎም ሰባት እንታይ ምርጫ ኢዮም ክገብሩ ዘለዎም፧ (ለ) ጌና እቲ ኣጋጣሚ ከሎ ጥበበኛ ስጕምቲ ንኽወስዱ ብፍላይ ውዕዉዕ ጻውዒት ዝግበረሎም ዘሎ ንመን ኢዩ፧
19 ኵሎም ደቅሰብ ምርጫ ዝገብርሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ። ንየሆዋ ከምልኽዎን ንሉዓላውነቱ ድማ ክሕልዉን ድዮም ዝደልዩ ወይስ ንሰይጣን ባህ ዘብሎ ነገራት ብምግባር መራሒኦም ንክኸውን ኢዮም ከፍቅድሉ፧ ካብ ኵሎም ህዝብታት እተዋጽኡ ገለ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ምስቶም ተረፍ ዘርኢ እታ ሰበይቲ: ናይ መንግስቲ ወረስቲ: ብምሕባር ብወገን የሆዋ ኰይኖም ኢዮም። ካልኦት ሾሞንተ ሚልዮን ድማ ምስኣቶም መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ወይ ድማ ኣብ ኣኼባታቶም ክካፈሉ ተገዳስነት ኣርእዮም ኢዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዅሎም እዞም ሰባት እዚኣቶም ከምዚ ይብልዎም:- እቲ ንኽትኣትዉ ዘሎ ኣጋጣሚ ጌና ክፉት ኢዩ ዘሎ። ብዘይውልውል ወገንኩም ምስ የሆዋ ግበሩ። ክርስቶስ የሱስ እቲ ተስፋ እተገብረሉ ዘርኢ ምዃኑ ኣፍለጦ ሃቡ። ምስታ እትርአ ማሕበር የሆዋ ብታሕጓስ ሕበሩ። ኣብቲ ብክርስቶስ የሱስ: ናይ ንግስነት መራሒ: ገይሩ የሆዋ ዘዳለዎ በረኸታት እትካፈሉ ይግበርኩም።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት
ክትዝክሮዶ ምኸኣልካ፧
◻ እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ተጠቒሱ ዘሎ ተመን መን ኢዩ፧ እታ ሰበይቲኸ መን ኢያ፧
◻ መለለዩ ባህርያት ዘርኢ እቲ ተመን እንታይ ኢዩ፧
◻ የሱስ ንዘርኢ እቲ ተመን ዘቃልዖ ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ ከም ክፍሊ ዘርኢ እቲ ተመን መጠን እተቓልዐ መን ኢዩ፧
◻ ሓደ ሰብ: ምስቲ ክፍሊ እቲ ዘርኢ ተመን ምእንቲ ከይቍጸር እንታይ ህጹጽ ስጕምቲ ኢዩ ክወስድ ዘድልዮ፧
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ነቶም ግቡዛት ሃይማኖታውያን መራሕቲ ከም ክፍሊ ዘርኢ እቲ ተመን ገይሩ ኣቃልዖም