ንነፍሲ ዝኸውን ዝሓሸ ተስፋ
ወተሃደራት ሮሜ ዘይተጸበይዎ ነገር ኢዩ ነይሩ። ናብታ ተቓወምቲ ሓይልታት ኣይሁድ ዝነበሩላ ናይ መወዳእታ ዕርዲ: ናብ መዛግብቲ ኣኽራን ማሳዳ ገጾም ምስ ወረሩ: ጸላእቶም ንምሕራድ: ናይ ተዋጋእቲ ጭድርታ: ናይ ኣንስትን ቈልዑን ኣውያት ክሰምዑ ተዳለዉ። ኣብ ክንዲ እዚ ግን ጣዕጣዕ ዝብል ሃልሃልታ ጥራይ ኢዮም ሰሚዖም። ሮማውያን ነታ እትነድድ ዝነበረት ዕርደ-ከተማ ምስ ዳህሰስዋ ነቲ ዘስካሕክሕ ክውንነት ተረድእዎ:- ጸላእቶም—ገለ 960 ዝዀኑ ሰባት—ድሮ ሞይቶም ነበሩ! እቶም ኣይሁዳውያን ተዋጋእቲ መጀመርታ ነንስድራቤቶም ሓረዱ: ድሕርዚ ኸኣ ንሓድሕዶም ተሓራረዱ። እቲ መወዳእታ ዝተረፈ ሰብኣይ ድማ ገዛእ ርእሱ ቀተለ።a ናብ ከምዚ ዝበለ ዘስካሕክሕ ጃምላዊ መቕተልትን ርእሰ-ቕትለትን ዝመርሖም እንታይ ኢዩ ነይሩ፧
ብመሰረት እቲ ኣብቲ እዋን እቲ ዝነብር ዝነበረ ጸሓፍ ታሪኽ ጆሰፉስ እቲ ኣገዳሲ ረቛሒ ዘይትመውት ነፍሲ ዝብል እምነት ኢዩ። እቲ ኤልኣዛር ቤን ጃኢር እተባህለ መራሒ ናይቶም ኣብ ማሳዳ ዘነበሩ ኣኽረርቲ መጀመርታ ነቶም ብጾቱ: ኣብ ኢድ ሮማውያን ካብ ሙማት ወይ ብኣኣቶም ካብ ምምራኽ: ርእሰ-ቕትለት ምፍጻም ዝያዳ ክብሪ ዘለዎ ምዃኑ ከእምኖም ፈተነ። ከም እተጠራጠሩ ምስ ረኣየ: ብዛዕባ ነፍሲ ዘለዓዕል መደረ ክህብ ጀመረ። ናይ ሰብ ኣካል ንነፍሲ ጾር: ቤት ማእሰርቲ: ጥራይ ከም ዝዀነ ተዛረቦም። ወሲኹውን “ካብቲ ንታሕቲ ናብ ምድሪ ገጹ ዝስሕባን ሸፊንዋ ዘሎን ኣካል ሓራ ምስ ኰነት ግን: ናብ ቦታኣ ትምለስ: ድሕርዚ ድማ ልክዕ ከም ኣምላኽ ብዓይኒ ሰብ ዘይትርአ ኰይና: ብሓቂ ድማ ካብቲ በረኸት ዘለዎ ሓይልን ደረት ዘይብሉ ብርታዐን ተኻፋሊት ትኸውን” ብምባል ተዛረበ።
እቲ ምላሽ ከመይ ነበረ፧ ኤልኣዛር ብዛዕባ እዚ ነዊሕ ምስ ተዛረበ “ኵሎም ሰማዕቱ ዘረባኡ ኣቋሪጾም ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ውዕዉዕ ስምዒት ብምርኣይ: ነቲ ቕትለት ክትግብርዎ ተጓየዩ” ብምባል ጆሰፉስ ጸብጻብ ይህብ። ጆሰፉስ ወሲኹ ከምዚ ይብል:- “ገለ ነገር ዝደረኾም ክመስሉ ተቐላጠፉ: ነፍሲ ወከፍ ቅድሚ እቲ ቐጺሉ ዘሎ ሰብኣይ ነቲ እተባህለ ኣብ ተግባር ከውዕሎ ሃረር በለ: . . . እዚ ዓጋቲ ዘይብሉ ባህጊ እዚ ነንስቶም: ንውሉዳቶም: ከምኡውን ንገዛእ ርእሶም ከም ዝሓርዱ ገበሮም።”
እዚ ዘስካሕክሕ ኣብነታት እዚ: ዘይትመውት ነፍሲ ዝብል ሰረተ-እምነት: ነቲ ሰብ ብዛዕባ ሞት ዘለዎ ልሙድ ኣረኣእያ ክሳዕ ክንደይ ኣጸቢቑ ክቕይሮ ከም ዝኽእል ንምርኣይ ዝጠቅም ኢዩ። ኣብ ዘይትመውት ነፍሲ ዝኣምኑ ሰባት: ሞት ናይ ሰብ ዝኸፍአ ጸላኢ ዘይኰነስ: ነፍሲ ዝለዓለ ህላዌ ንኸተስተማቕር ናጻ ዝገብራ ኣፍደገ ጥራይ ከም ዝዀነ ገይሮም ክርእይዎ ኢዮም ተማሂሮም። ይኹን እምበር እቶም ኣይሁዳውን ኣኽረርቲ ከምዚ ገይሮም ዝኣመንዎ ስለምንታይ ኢዮም ነይሮም፧ ብዙሓት እቲ ቅዱስ ጽሑፋቶም: ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት: ሰብ ህያው መንፈስ: ድሕሪ ሞት ብህይወት ንምቕጻል ካብ ሰብ እትወጽእ ነፍሲ ኣብ ውሽጡ ኣላቶ ኢሉ ከም ዝምህር ይሓስቡ ነይሮም ይዀኑ። እዝስ ብሓቂ ከምኡ ድዩ፧
ነፍሲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ
ብሓጺሩ እቲ መልሲ: ኣይኰነን ዝብል ኢዩ። ልክዕ ኣብታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ዘፍጥረት: ነፍሲ ንዓኻ ዘሎካ ነገር ዘይኰነትስ: ንስኻ ዝዀንካዮ ነገር ምዃና ትነግረና ኢያ። ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ናይቲ መጀመርታ ሰብ ዝዀነ ኣዳም ከምዚ ነንብብ:- “እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ።” (ዘፍጥረት 2:7) እታ ንነፍሲ ውዒላ ዘላ ነ ʹፈሽ እትብል እብራዊት ቃል: ኣብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ልዕሊ 700 ግዜ ኣትያ ኣላ: ሓንሳእ እውን ትኹን እተፈልየት: ሰማያዊት: መንፈሳዊት ክፍሊ ሰብ ምዃና ዝገልጽ ሓሳብ ኣይተመሓላልፍን ኢያ። ብኣንጻሩ: ነፍሲ እትጭበጥ: እትትሓዝ: ኣካል ዘለዋ ምዃና ኢዩ ዝገልጽ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዞም ቀጺሎም ዘለዉ ጥቕስታት: እታ ነ ʹፈሽ እትብል እብራዊት ቃል ስለ እትርከብ: ኣብቲ ናትካ ቅዳሕ መጽሓፍ ቅዱስ ርኣዮ። ነፍሲ ሓደጋን ጕድኣትን ከም ዘጋጥማ: ክትጭወ ድማ ከም እትኽእል (ዘዳግም 24:7፣ መሳፍንቲ 9:17፣ 1 ሳሙኤል 19:11)፣ ነገራት ከተዳህስስ እትኽእል ምዃና (እዮብ 6:7)፣ ኣብ ሓጺን ከም እትዕጾ (መዝሙር 105:18)፣ ምብላዕ ከም እትብህግ: ጾም ክጐድኣ ከም ዝኽእል: ካብ ጥሜትን ጽምእን እተላዕለ ድማ ከም እተዕወልውል፣ ከምኡውን ብዘማስን ሕማም ከም እትሳቐ ወይ ካብ ሓዘን እተላዕለ ድቃስ ክትስእን ከም እትኽእል ብንጹር ዘርኢ ኢዩ። (ዘዳግም 12:20፣ መዝሙር 35:13፣ 69:10፣ 106:15፣ 107:9፣ 119:28) ብኻልእ ኣበሃህላ: ነፍስኻ ንስኻ: ገዛእ ርእስኻ ስለ ዝዀንካ: ንዓኻ ኣጋጢሙካ ማለት ንነፍስኻውን የጋጥማ ማለት ኢዩ።b
እሞኸ ደኣ: እዝስ ነፍሲ ብሓቂ ክትመውት ትኽእል ኢያ ማለት ድዩ፧ እወ። ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ናይ ሰብ ነፍሳት ከም ዘይሞታ ዘይኰነስ እንተ በዲለን ከም ‘ዝምንቈሳ’ ወይ ከም ዝቕንጸላ: ብድንገት ከም ዝቕዘፋ: ከም ዝቕተላ: ከም ዝጠፍኣ: ከምኡውን ከም ዝሰላልዓ ኢዩ ተዘሪቡለን ዘሎ። (ዘጸኣት 31:14፣ ዘዳግም 19:6 ትሓዓ ፣ 22:26 ትሓዓ ፣ መዝሙር 7:2) ህዝቅኤል 18:4 “እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ” ትብል። ብንጹር: ኵልና ንሓጥእ ስለ ዝዀንና ናይ ሰብኣዊ ነፍሳት መወዳእታ ሞት ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ። (መዝሙር 51:5) ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብ: ኣዳም: ናይ ሓጢኣት መቕጻዕቲ—ናብ መንፈሳዊ ግዝኣት ምቕያርን ዘይሙማትን ዘይኰነስ—ሞት ከም ዝዀነ ተነጊርዎ ነበረ። (ዘፍጥረት 2:17) ሓጢኣት ምስ ፈጸመ ድማ: እቲ ፍርዲ “መሬት ኢኻ እሞ: ናብ መሬት ድማ ትምለስ” ኢዩ ዝብል ነይሩ። (ዘፍጥረት 3:19) ኣዳምን ሄዋንን ምስ ሞቱ: ብሓጺሩ ከምቲ መብዛሕትኡ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጠቕሶ ‘ሬሳ’ ወይ ‘ምዉታት’ ኰኑ።—ዘሁልቍ 5:2፣ 6:6
ዘ ኢንሳይክሎፐድያ ኣመሪካና (እንግሊዝኛ) ነታ ኣብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሳ ዘላ ነፍሲ ኣመልኪቱ: “እቲ ብሉይ ኪዳን ብዛዕባ ሰብ ዝህቦ ትምህርቲ: ናይ ነፍስን ኣካልን ምውህሃድ ዘይኰነስ ብዛዕባ ሓድነት ኢዩ” እንተበለ ዘገርም ኣይኰነን። ወሲኹ ድማ “ነፈሽ . . . ካብ ኣካል ተፈልያ እትዓዪ ምዃና ፈጺሙ ኣየረድእን ኢዩ” ይብል።
ስለዚ: እሙናት ኣይሁድ ሞት እንታይ ከም ዝዀነ ኢዮም ዝኣምኑ ነይሮም፧ ብሓጺሩ ንምግላጽ: ሞት ኣንጻር ህይወት ምዃኑ ኢዮም ዝኣምኑ ነይሮም። መዝሙር 146:4 መንፈስ ወይ ሓይሊ-ህይወት ካብ ሰብኣዊ ኣካል ክወጽእ ከሎ እንታይ ከም ዝኸውን ትነግረና:- “ትንፋሱ [“መንፈሱ:” ትሓዓ ] ይወጽእ: ናብ መሬቱ ይምለስ: በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ።”c ብተመሳሳሊ: ንጉስ ሰሎሞን ‘ምዉታት ገለ እኳ ከም ዘይፈልጡ’ ጽሒፉ ኢዩ።—መክብብ 9:5
ከምቶም ኣብ ማሳዳ ዝነበሩ ኣኽረርቲ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ኣይሁድ: ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ብምባል ኣርጊጾም ዝኣመኑ ድኣ ስለምንታይ ኢዮም፧
ናይ ግሪኽ ጽልዋ
ኣይሁድ ነዚ ሓሳብ እዚ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኰነስ ካብ ግሪኻውያን ኢዮም ረኺቦምዎ። እቲ ትምህርቲ ኣብ መንጎ ሻብዓይን ሓሙሻይን ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ.: ካብቲ ናይ ምስጢር ሃይማኖታዊ ኣምልኾታት ግሪኽ ናብ ናይ ግሪኽ ፍልስፍና ተመሓላለፈ። እቲ ዝበደላ ነፍሳት ዘሳቒ መቕጻዕተን ዝቕበላሉ ድሕሪ ህይወት ዘሎ ቦታ ዝብል ሓሳብ: ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ዓቢ ተቐባልነት ዝነበሮ ኢዩ ነይሩ፣ እቲ ሓሳብ እቲ ድማ ስሩዕ ኣገባብ ብምሓዝ ተዘርግሐ። ፈላስፋታት ብዛዕባ እንታይነት ነፍሲ ብልክዕ ንምፍላጥ መወዳእታ ዘይብሉ ክትዕ ኣካይዶም ኢዮም። ሆሜር: ነፍሲ ኣብ ግዜ ሞት ዝስማዕ ህዱእ ድምጺ: ጩቕጩቕታ: ወይ ናይ ሓሸውሽው ድምጺ ብምግባር ሰላሕ ኢላ ኢያ ትነፍር በለ። አፒካረስ ድማ ነፍሲ ብልክዕ ርእሱ ዝኸኣለ ክብደት ኣለዋ: ስለዚ ኣዝያ ደቃቕ ኣካል ኢያ በለ።d
ይኹን እምበር ናይ ዘይትመውት ነፍሲ ዝብል ሓሳብ ዝለዓለ ተጣባቒ ምናልባት እቲ ኣብ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ግሪኻዊ ፈላስፋ ፕላቶ ኢዩ ነይሩ። መምህሩ: ማለት ሶቅራጥስ: ብዛዕባ ሞት ዝሃቦ መግለጺ ምስቲ ናይቶም ዘበናት ጸኒሖም ዝመጹ ናይ ማሳዳ ኣኽረርቲ ዝነበሮም ምርዳእ ብዙሕ ምምስሳል ከም ዘለዎ ተራእዩ ኢዩ። እቲ ናይ ስነ-ሃይማኖት ምሁር ዝዀነ ኦስካር ኩልማን ገሊጽዎ ከም ዘሎ:- “ሶቅራጥስ ምሉእ ሰላምን ህድኣትን ረኺቡ ከም ዝሞተ ፕላቶ ገሊጹልና ኢዩ። ሞት ሶቅራጥስ ጽቡቕ ኣማውታ ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ ከም እንዕዘቦ: ሞት ዘስዕቦ ራዕዲ ዘርኢ ዝዀነ ይኹን ነገር የሎን። ሞት ካብ ኣካል ብርግጽ ሓራ ዘውጽኣና ብምዃኑ: ሶቅራጥስ ሞት ክፈርህ ኣይክእልን ኢዩ። . . . ሞት ዓብዪ ዓርኪ ናይ ነፍሲ ኢዩ። ከምኡ ኢሉ ኢዩ ምሂሩ፣ ምስቲ ዝማሃሮ ዘደንቕ ስምምዕ ብምርኣይ ድማ ሞተ።”
ኣይሁዳውያን ነዚ ትምህርቲ እዚ ካብ ግሪኻውያን ከተኣታትውዎ ዝጀመሩ: ኣብ ካልኣይ ክፍለ-ዘበን ቅድሚ ምምጻእ ክርስቶስ: ኣብ እዋን መቃባውያን ከም ዝነበረ ፍሉጥ ኢዩ። ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ፈሪሳውያን ከምኡውን ኢሰን እተባህሉ ሓያላት ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታውያን ጕጅለታት: ነዚ ሰረተ-እምነት እዚ ከም ዝደገፍዎ ጆሰፉስ ይነግረና ኢዩ። ምናልባት ኣብቲ ግዜ እቲ ተቐናቢሩ ክኸውን ዝኽእል ገለ ገለ ግጥምታት: ነዚ እምነት እዚ የንጻባርቕ ኢዩ።
ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ንሱ ይኹን ሰዓብቱ ነዚ ካብ ናይ ግሪኽ ሃይማኖት እተረኽበ ሓሳብ ምሂሮም ድዮም፧
እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ብዛዕባ ነፍሲ ዝነበሮም ኣረኣእያ
ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት: ንነፍሲ ከምቲ ናይ ግሪኻውያን ኣረኣእያ ገይሮም ኣይኰኑን ዝርእይዋ ነይሮም። ንኣብነት: ሞት ናይቲ ዓርኪ የሱስ ዝነበረ ኣልኣዛር ርአ። ኣልኣዛር ሓንቲ ኣብ ግዜ ሞት ናጻን ሕጕስትን ኰይና: ነፊራ እትኸይድ ዘይትመውት ነፍሲ ነይራቶ እንተ ትኸውን: እቲ ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 11 ዘሎ ጸብጻብ ኣዝዩ ብእተፈልየ መልክዕዶ ክቐርብ ኣይምተገብኦን፧ ኣልኣዛር ብህይወትን ብደሓንን ኣብ ሰማይ ነይሩ እንተ ዝኸውን: ብርግጽ የሱስ ንሰዓብቱ ከምኡ ኢሉ ምነገሮም ነይሩ፣ ኣብ ክንድኡ ግን: ምስ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምስምማዕ: ኣልኣዛር ደቂሱ: ሃለዋት ዘይብሉ ከም ዝነበረ ኢዩ ነጊርዎም። (ቍጽሪ 11) ዓርኩ ዘደንቕ ህላዌ የስተማቕር ነይሩ እንተ ዝኸውን: የሱስ ብርግጽ ምተሓጐሰ ነይሩ፣ ኣብ ክንድኡ ግን ብሞት ዓርኩ ኣብ ቅድሚ ሰባት ከም ዝበኸየ ኢና እነንብብ። (ቍጽሪ 35) ብርግጽ: ናይ ኣልኣዛር ነፍሲ በቲ ዝረኸበቶ ናይ ዘይሙማት በረኸት ብምሕጓስ: ኣብ ሰማይ ነይራ እንተ ትኸውን: ኣብ መንጎ እዞም ሕማም ዘጥቕዖምን መወትን ደቅሰብ ንሒደት ተወሳኺ ዓመታት ኣብ “ቤት ማእሰርቲ” ናይቲ ዘይፍጹም ስጋዊ ኣካል ንኽነብር ኢሉ ክመልሶ: የሱስ ፈጺሙ ኣይምጨከነን ነይሩ።
ኣልኣዛር ካብ ሞት ምስ ተመልሰ ብዛዕባ እቲ ከም ሓራ: ስጋ ዘይብሉ መንፈሳዊ ኣካል መጠን ዘሕለፎ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ዘደንቕ ህይወት ውዕዉዕ ዛንታ ነጊሩ ድዩ፧ ኣይፋሉን: ኣይነገረን። ኣብ ዘይትመውት ነፍሲ ዝኣምኑ ሰባት: ናይቲ ሰብኣይ ተመክሮ ኣዝዩ ዘደንቕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ብቓላት ክግለጽ ኣይከኣልን ኢዩ ነይሩ ይብሉ። ይኹን እምበር እዚ ምጉት እዚ ዘእምን ኣይኰነን፣ ድሓር ድማ: ኣልኣዛር ነቶም ፈተውቱ እቲ ዘጋጠሞ ኵሉ እኳ እንተ ዘይነገሮም: እንተ ወሓደ ክገልጾ ዘይክእል ዘደንቕ ተመኵሮ ከም ዘሕለፈ ክነግሮም ኣይምኸኣለንዶ፧ ኣብ ክንድኡስ: ኣልኣዛር ሞይቱ ኸሎ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ዝዀነ ይኹን ተመክሮ ዝበሎ ነገር የለን። ሕስብ እሞ ኣብለሉ—ብዛዕባ እቲ ሰባት ካብ ዝዀነ ይኹን ኣርእስቲ ንላዕሊ ክፈልጥዎ ኢሎም ዝህንጠይሉ ነገር: ማለት ብዛዕባ እንታይነት ሞት: ስቕ ክብልስ እንታይ ይበሃል! እዚ ስቕ ምባል እዚ ብሓደ እንኮ መገዲ ጥራይ ኢዩ ክግለጽ ዝከኣል። ዝንገር ነገር ኣይነበረን። ዝሞተ ሰብ ደቂሱ ኢዩ: ሃለዋት የብሉን።
ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱስ ንሞት ከም ዓርኪ ነፍሲ: ልሙድ መተሓላለፊ ናይቲ ኣብ ህላወ ዘሎ ደረጃታት ገይሩዶ ይገልጾ ኢዩ፧ ኣይገልጾን ኢዩ! ንኸም በዓል ሃዋርያ ጳውሎስ ዝኣመሰሉ ሓቀኛ ክርስትያናት: ሞት ዓርኪ ዘይኰነስ “ኣብ መወዳእታ ዚስዐር ጸላኢ” ኢዩ ነይሩ። (1 ቈረንቶስ 15:26) ክርስትያናት ንሞት ከም ባህርያዊ ዘይኰነስ: ከም ዘሰንብድ: ዘይባህርያዊ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ፣ ከመይሲ ናይ ሓጢኣትን ናይቲ ኣንጻር ኣምላኽ እተገብረ ዕልወትን ቀጥታዊ ውጽኢት ኢዩ። (ሮሜ 5:12፣ 6:23) ፈጺሙ ክፍሊ ናይቲ ኣምላኽ ኣብ መጀመርታ ንሰብ ሓሲብሉ ዝነበረ ዕላማ ኰይኑ ኣይፈልጥን ኢዩ።
ይኹን እምበር: ሓቀኛ ክርስትያናት ብዛዕባ ናይ ነፍሲ ሙማት ዝመጸ ብዘይ ተስፋ ኣይኰኑን። ናይ ኣልኣዛር ትንሳኤ ሓደ ካብቲ ብንጹር መገዲ ምዉታት ዘለዎም ተስፋ—ትንሳኤ—ዝገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ብዙሕ ጸብጸባት ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ክልተ እተፈላለየ ዓይነት ትንሳኤ ይምህር ኢዩ። እቶም ኣብ መቓብር ደቂሶም ዘለዉ ዝበዝሑ ደቅሰብ: ጻድቃን ይኹኑ ሓጥኣን ብዘየገድስ: ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ገነት ዘለኣለማዊ ህይወት ምእንቲ ክረኽቡ: ተስፋ ትንሳኤ ኣለዎም። (ሉቃስ 23:43፣ ዮሃንስ 5:28, 29፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15) እቶም የሱስ “ሒደት መጓሰ” ኢሉ ዝጠቐሶም ንእሽቶ ጕጅለ ድማ: ኣብ ሰማይ መንፈሳውያን ኣካላት ብምዃን ዘይመውት ህይወት ንምርካብ ክትንስኡ ኢዮም። እዚኣቶም: ንሃዋርያት የሱስ ሓዊስካ: ምስ ክርስቶስ የሱስ ብምዃን ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ክገዝኡ: ናብ ፍጽምና ድማ ክመልስዎም ኢዮም።—ሉቃስ 12:32፣ 1 ቈረንቶስ 15:53, 54፣ ራእይ 20:6
ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያናት ትንሳኤ ዘይኰነስ: ነፍሲ ሰብ ዘይትመውት ምዃና ክምህራ እንርእየን ድኣ ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣብታ ብ1959 እተሓትመት ዘ ሃርቫርድ ቲኦሎጂካል ረቪው (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ: እቲ ናይ ስነ-ሃይማኖት ምሁር ዝዀነ ቨርነር የገር ዝሃቦ መልሲ ንርአ:- “ኣብ ታሪኽ ሰረተ-እምነት ክርስትያናት እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓቂ: እቲ ናይ ክርስትያን ስነ-ሃይማኖት ኣቦ ዝዀነ ኦሪገን ኣብ ናይ ኣለክሳንድርያ ቤት ትምህርቲ ናይ ትምህርቲ ፕላቶ ፈላስፋ ምንባሩ ኢዩ። ነቲ ኻብ ፕላቶ ዝወሰዶ ንነፍሲ ዝምልከት ሰፊሕ ትምህርትታት ድማ ኣብ ናይ ክርስትያን ሰረተ-እምነት ወሰኾ።” ስለዚ እተን ኣብያተ-ክርስትያናት ልክዕ ከምቲ ኣይሁድ ቅድሚ ዘበናት ዝገበርዎ ኢየን ገይረን! ናይ ግሪኽ ፍልስፍና ክቕበሉ ኽብሉ: ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርትታት ሓደግዎ።
ናይቲ ሰረተ-እምነት ሓቀኛ ምንጪ
እቶም ናይ ዘይትመውት ነፍሲ ሰረተ-እምነት ዝድግፉ ገለ ሰባት: ኣዝየን ብዙሓት ናይ ዓለም ሃይማኖታት: እተፈላለየ መልክዓት ገይረን ሓደ ዓይነት ሰረተ-እምነት ዝምህራ ድኣ ስለምንታይ ኢየን፧ ብምባል ክሓቱ ይኽእሉ ኢዮም። ቅዱሳት ጽሑፋት: እዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ ሃይማኖታውያን ማሕበራት እዛ ዓለም እዚኣ ስለምንታይ ኣዝዩ ተዘርጊሑ ከም ዘሎ ቅቡል ምኽንያት ይህብ ኢዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ‘ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ተትሒዛ ከም ዘላ’ ይነግረና: ብፍላይ ድማ ሰይጣን “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ምዃኑ ይገልጽ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 5:19፣ ዮሃንስ 12:31) ርግጽ ኢዩ: ናይ ዓለም ሃይማኖታት ካብ ጽልዋ ሰይጣን ናጻ ኣይኰናን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ: ነቲ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ዝርከብ ህውከትን ናዕብን ዓቢ እጃም ኣለወን። ብዛዕባ ነፍሲ ዝመጸ ድማ ኵላተን ንኣተሓሳስባ ሰይጣን ጽቡቕ ገይረን ዘንጸባርቓ ኢየን ዝመስላ። ብኸመይ፧
እቲ ንመጀመርታ ግዜ እተዘርበ ሓሶት ዘክሮ። ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ኣንጻሩ እንተድኣ ሓጢኦም ሞት ከም ዘስዕበሎም ነጊርዎም ነበረ። ይኹን እምበር ሰይጣን ንሄዋን “ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” ብምባል ኣረጋገጸላ። (ዘፍጥረት 3:4) ልክዕ ኢዩ: ኣዳምን ሄዋንን ሞይቶም ኢዮም፣ ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ ድማ ናብ መሬት ተመልሱ። ሰይጣን እቲ ‘ኣቦ ሓሶት’ ግን: ነዚ ናይ መጀመርታ ሓሶት ፈጺሙ ኣይሓደጎን። (ዮሃንስ 8:44) እተን ካብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሰረተ-እምነት ዝዘንበላ ወይ ፈጺመን ዝሓደጋኦ ማእለያ ዘይብለን ሃይማኖታት: እ ዝስዕብ ሓሳብ ኢየን ዘስንቓ:- ‘ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም። ስጋኹም ይበርስ ይኸውን: ነፍስኹም ግና ልክዕ ከም ኣምላኽ ንዘለኣለም ምንባር ክትቅጽል ኢያ!’ እቲ ዘገርም ድማ: ሰይጣን ንሄዋን “ከም ኣምላኽ” ከም እትኸውን እውን ተዛሪብዋ ምንባሩ ኢዩ!—ዘፍጥረት 3:5
ኣብ ሓሶት ወይ ኣብ ሰብኣዊ ፍልስፍናታት ዘይኰነስ: ኣብ ሓቂ እተመርኰሰ ተስፋ ክህልወካስ ክሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ኰን ኢዩ። ሞይቶም ዘለዉ ፍቑራትና ዘይትመውት ነፍሲ ብምሓዝ ኣበይ ኰን ይህልዉ ኢልና ካብ ምጭናቕሲ ሃለዋት ዘይብሎም ብምዃን ኣብ መቓብር ከም ዘለዉ ምርግጋጽ ክሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ኰን ኢዩ! እዚ ናይ ዝሞቱ ሰባት ድቃስ: ከፍርሃና ወይ ከጨንቐና የብሉን። ብርግጽ ምዉታት ኣብ ዕቝባ ዘለዎ ቦታ ኣዕሪፎም ከም ዘለዉ ገይርና ክንወስዶ ንኽእል ኢና። ዕቝባ ዘለዎ ቦታ ዝበሃል ግን ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ እቶም የሆዋ ዘፍቅሮም ምዉታት ብፍልይ ዝበለ መገዲ ህያዋን ምዃኖም የረጋግጸልና ኢዩ። (ሉቃስ 20:38) ኣብ መዘከርታኡ ህያዋን ኢዮም። መዘከርታኡ ደረት ስለ ዘይብሉ እዚ ኣዝዩ ዘጸናንዕ ሓሳብ ኢዩ። ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ፍቑራት ሰባት ናብ ህይወት ከምጽኦም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ክነብሩ ድማ ኣጋጣሚ ክህቦም ይደሊ ኢዩ።—ምስ እዮብ 14:14, 15 ኣረኣእዮ።
ኵሉ መብጽዓታት የሆዋ ክፍጸም ስለ ዝዀነ: እታ ናይ ትንሳኤ ግርማዊት መዓልቲ ክትመጽእ ኢያ። (ኢሳይያስ 55:10, 11) ብዛዕባ እቲ ብሕጂ ክፍጸም ዘለዎ ትንቢት እሞ ሕሰብ:- “ምዉታትካ ህያዋን ኪዀኑ: ሬሳታተይ ኪትንስኡ እዮም። ኣውልኻ ኣውሊ ብርሃን እዩ: ምድሪውን ንምዉታት ከተውጽኦም እያ እሞ: ኣቱም ኣብ ሓመድ እትነብሩ: ንቕሑ እልል ከኣ በሉ።” (ኢሳይያስ 26:19) ስለዚ እቶም ኣብ መቓብር ደቂሶም ዘለዉ ምዉታት ልክዕ ከምቲ ኣብ ማሕጸን ኣዲኡ ዘሎ ሕጻን ኣብ ዕቝባ ኢዮም ዘለዉ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ “ክውለዱ:” ኣብ ገነታዊት ምድሪ ኸኣ ናብ ህይወት ክምለሱ ኢዮም!
ካብዚ ዝሓይሽ እንታይ ተስፋ ክህሉ ይኽእል፧
[እግረ-ጽሑፋት]
a ብመሰረት እቲ እተረኽበ ጸብጻብ ክልተ ኣንስትን ሓሙሽተ ቈልዑን ተሓቢኦም ደሓኑ። እተን ኣንስቲ ጸኒሐን ዝርዝር ናይቲ እተፈጸመ ነገር ነቶም ሮማውያን ማረኽተን ኣዘንቲየናሎም ኢየን።
b ርግጽ ኢዩ: ከምቲ ብዝሕ ዝበሉ ቃላት ኣዝዩ ሰፊሕ ኣወዓዕላ ዘለዎም: እታ ነ ʹፈሽ እትብል ቃል እውን ቁሩብ ፍልልይ ዘለዎ ትርጕማት ኣለዋ። ንኣብነት: ብፍላይ ንዓሚቝ ስምዒታት ኣመልኪታ ክትጠቅስ ከላ: ንውሽጣዊ ሰብነት ከተመልክት ትኽእል ኢያ። (1 ሳሙኤል 18:1) ነቲ ሓደ ሰብ ከም ነፍሲ መጠን ዘስተማቕሮ ህይወት እውን ከተመልክት ትኽእል ኢያ።—1 ነገስት 17:21-23
c እታ ኣብ “መንፈስ” እትውዕል ሩʹዋሕ እትብል ናይ እብራይስጢ ቃል: “እስትንፋስ” ወይ “ንፋስ” ማለት ኢያ። ምስ ደቅሰብ ክትተሓሓዝ ከላ ኸኣ ንህያው መንፈሳዊ ኣካል ኣይተመልክትን ኢያ: ኣብ ክንድኡ ከምቲ ዘ ኒው ኢንተርናሽናል ዲክሸነሪ ኦቭ ኒው ተስታመንት ቴዮሎጂ (እንግሊዝኛ) ገሊጽዎ ዘሎ “ንሓይሊ-ህይወት ናይቲ ውልቀ-ሰብ” ኢያ እተመልክት።
d ከምዚ ዝበለ ጊንጢ ዝዀነ ኣተሓሳስባታት ዘምጽአ ናይ መወዳእታ ሰብ ንሱ ጥራይ ኣይነበረን። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዘበን እዚ ሓደ ሊቅ: ነቲ ምውት ምስ በሉ ዘለዎም ክብደት ካብቲ ቀቅድሚ ሙማቶም ዝነበሮም ክብደት ብምጕዳል ናይ ብዙሓት ሰባት ነፍሳት ከም ዝመዘነ ተዛሪቡ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
እቶም ኣብ ማሳዳ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ኣኽረርቲ: ሞት ንነፍሶም ሓራ ከም ዝገብራ ኢዮም ኣሚኖም