“ናይ ፍርዲ መርመራ” ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሰረተ-እምነት ድዩ፧
እቶም ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነበሩ ገለ 50,000 ኣቢሎም ዝዀኑ ሰባት: 22 ጥቅምቲ 1844 ዓቢ ትጽቢት ዝገበሩላ መዓልቲ ኢያ ነይራ። እቲ መንፈሳዊ መራሒኦም ዝነበረ ዊልያም ሚለር: የሱስ ክርስቶስ ልክዕ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ክምለስ ምዃኑ ተዛረበ። እቶም ሽዑ ሚለራውያን ተባሂሎም ዝጽወዑ ዝነበሩ: ኣብቲ መአከቢ ቦታታቶም ብምዃን ክሳዕ ለይቲ ተጸበዩ። ምድሪ ወግሐ: ጐይታ ግን ኣይመጸን። ተስፋ ቘሪጾም ንገዝኦም ተመለሱ: ካብ ሽዑ ኣትሒዞም ድማ ነታ መዓልቲ እቲኣ “ዓቢ ተስፋ ምቝራጽ” ብምባል ይዝክርዋ።
እንተዀነ ግን: ድሕሪ ሓጺር ግዜ ተስፋ ምቝራጽ ተሪፉ ንተስፋ ምኽንያት ዝኸውን ነገር ተረኽበ። ኢለን ሃርመን እተባህለት ጐርዞ እቲ ዝጸብጸብዎ ግዜ ቅኑዕ ምንባሩ ኣምላኽ ብራእይ ከም ዝገለጸላ ንሓደ ንእሽቶ ጕጅለ ሚለራውያን ኣእመነቶ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣገዳሲ ዕዮ ከም እተፈጸመ: ማለት ክርስቶስ “ናብታ ቅድስተ ቅዱሳን ናይታ ሰማያዊት ቤት መቕደስ” ኣተወ ዝብል እምነት ነበራ።
ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ጸኒሑ: ናይ ሻብዓይቲ መዓልቲ ሰባኺ: ጀምስ ዋይት (ንኢለን ሃርመን እተመርዓዋ): ንዅነታት ናይቲ ካብ ጥቅምቲ 1844 ዝነበረ ዕዮ ክርስቶስ ንምግላጽ ሓንቲ ሓረግ መሃዘ። ዋይት ኣብታ 29 ጥሪ 1857 ዝወጸት ረቪው ኤንድ ሄራልድ (እንግሊዝኛ): የሱስ “ናይ ፍርዲ መርመራ” ጀሚሩ ከም ዝነበረ ተዛረበ። እዚ ድማ ናይቶም ንገዛእ ርእሶም ኣመንቲ ሻብዓይቲ መዓልቲ ኢሎም ዝጽውዑ ገለ ሸውዓተ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት መሰረታዊ እምነት ኰይኑ ተረፈ።
ይኹን እምበር: ኣብ ቤተ-ክርስትያን ሻብዓቲ መዓልቲ (ኤስዲኤ) ዓቢ ግምት ዝዋሃቦም ገለ ምሁራት: “ናይ ፍርዲ መርመራ” ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሰረተ-እምነት ምዃኑ የጠራጥሮም ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ዝጠራጠሩ ስለምንታይ ኢዮም፧ ኣማኒ ሻብዓይቲ መዓልቲ ነይርካ እንተ ትኸውን: እዚ ሕቶ እዚ መገደሰካ ነይሩ። መጀመርታ ግን: “ናይ ፍርዲ መርመራ” እንታይ ማለት ኢዩ፧
እንታይ ማለት ኢዩ፧
ነዚ ሰረተ-እምነት እዚ ንምድጋፍ ተባሂላ እትጥቀስ ቀንዲ ጥቕሲ ዳንኤል 8:14 ኢያ። ከምዚ ድማ ትንበብ:- “ንሱ ኸኣ: ክሳዕ ክልተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ምሸትን ብጊሓትን: ሽዑ እታ መቕደስ ክትነጽህ እያ: በለኒ።” ብምኽንያት እታ “ሽዑ እታ መቕደስ ክትነጽህ እያ ” እትብል ሓረግ: ብዙሓት ኣመንቲ ሻብዓይቲ መዓልቲ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ምስ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 16 የተሓሕዝዋ። እታ ምዕራፍ ብዛዕባ እቲ ናይ ኣይሁድ ሊቀ ካህን ኣብ መዓልቲ ምትዕራቕ ዝገብሮ ዝነበረ ምንጻህ ናይታ ቤት መቕደስ ኢያ እትገልጽ። ነቲ ናይ ዳንኤል ቃላት ምስታ የሱስ ኣብ ሰማይ ዝዓበየ ሊቀ ካህን ምዃኑ እትገልጽ እብራውያን ምዕራፍ 9 እውን የተሓሕዝዎ ኢዮም። ሓደ ናይ ኤስዲኤ ምሁር: እዚ ምርዳእ እዚ “ጥቕሲ ምስ ጥቕሲ ብምትሕሓዝ ዝቐርብ መረጋገጺ” ኣብ ዝበሃል ኣገባብ እተመስረተ ምዃኑ ይዛረብ። ነዚ ኣገባብ እዚ ዝጥቀም ሰብ “ኣብ ዳን. 8:14 መቕደስ እትብል ቃል ይረክብ: ኣብ ዘሌ. 16 ድማ ከምኣ እትብል ቃል ይረክብ: ኣብ እብ. 7, 8, 9 ኸኣ ልክዕ ከምኡ: ኵለን እተን ጥቕስታት ብዛዕባ ሓደ ነገር ኢየን ዝዛረባ ዘለዋ” ኢሉ ድማ ይድምድም።
ኣመንቲ ሻብዓይቲ መዓልቲ ከምዚ ዝስዕብ ምኽንያት ኢዮም ዘቕርቡ:- ጥንታውያን ካህናት እስራኤል ኣብታ ቅድስቲ እትበሃል ክፍሊ ናይቲ ቤት መቕደስ መዓልታዊ ኣገልግሎት ይፍጽሙ ነበሩ: እዚ ድማ ናይ ሓጢኣት ይቕረታ ዘውህብ ኢዩ ነይሩ። ኣብታ መዓልቲ ምትዕራቕ: እቲ ሊቀ ካህን ኣብ ውሽጢ እቲ ቅድስተ ቅዱሳን (ውሽጣዊ ክፍሊ ናይታ ቤት መቕደስ) ኰይኑ ሓጢኣት ዝድምስስ ዓመታዊ ኣገልግሎት ይፍጽም ነበረ። ኣመንቲ ሻብዓይቲ መዓልቲ: እቲ ኣብ ሰማይ ዝግበር ናይ ክርስቶስ ኣገልግሎት ክህነት ክልተ መድረኽ ዝሓዘ ምዃኑ ኢዮም ዝድምድሙ። እቲ ቀዳማይ መድረኽ ምስ ትንሳኤኡ ብምትሕሓዝ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ጀሚሩ ኣብ 1844 ይውዳእ: ናይ ሓጢኣት ይቕረታ ድማ የውህብ። እቲ ካልኣይ መድረኽ: ወይ “ናይ ፍርዲ መድረኽ” ከኣ 22 ጥቅምቲ 1844 ጀሚሩ ገና ይቕጽል ኣሎ: ሓጢኣት ድማ ክድምስስ ኢዩ። እዚ ናይ ሓጢኣት ምድምሳስ ብኸመይ ኢዩ ዝፍጸም፧
ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረኽቡ ዝበቕዑ ምዃኖምን ዘይምዃኖም ንምውሳን: የሱስ ካብ 1844 ኣትሒዙ ንመዝገብ ህይወት ናይቶም ኣመንቲ ኢና ዝብሉ ሰባት (መጀመርታ ናይቶም ዝሞቱ: ድሕርዚ ናይቶም ህያዋን) ይምርምሮ ከም ዘሎ ኢዩ ዝንገር። እዚ መርመራ እዚ ኢዩ “ናይ ፍርዲ መርመራ” ዝበሃል። ሰባት ምስ ተፈርዱ: እቶም ነዚ ፈተና እዚ ዝሓለፍዎ ሓጢኣቶም ካብቲ ግብርታቶም እተመዝገበሉ መጻሕፍቲ ክድምሰስ ኢዩ። ኢለን ዋይት: እቶም ነዚ ፈተና እዚ ዘይሓለፍዎ ሰባት ግን ‘ኣስማቶም ካብቲ መጽሓፍ ህይወት ክድምሰስ’ ምዃኑ ኢያ ገሊጻ። በዚ ኸኣ: “ዕድሎት ናይ ኵሎም ሰባት ንህይወት ወይ ንሞት ክውሰን ኢዩ።” ኣብዚ ደረጃ እዚ እታ ሰማያዊት ቤት መቕደስ ትነጽህ: ዳንኤል 8:14 ድማ ትፍጸም። ኣመንቲ ሻብዓይቲ መዓልቲ ከምዚ ኢሎም ኢዮም ዝምህሩ። እቲ ኣድቨንቲስት ረቪው (እንግሊዝኛ) ዝበሃል ናይ ኤስዲኤ ጽሑፍ ግን ከምዚ ብምባል ይእመን:- “እታ ናይ ፍርዲ መርመራ እትብል ስያመ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይትርከብን ኢያ።”
ዝጠፍአ ናይ ቋንቋ መተሓሓዚ
እዚ ትምህርቲ እዚ ንገለ ኣመንቲ ሻብዓይቲ መዓልቲ ኣጨኒቕዎም ኢዩ። ሓደ ተዓዛቢ ከምዚ ይብል:- “ኣባላትና ዝነበሩ እሙናት መራሕቲ ነቲ ብዛዕባ ናይ ፍርዲ መርመራ ዝገልጽ ልምዳዊ እምነትና ክሓስብዎ ከለዉ ብዙሕ ስቓይ ከም ዘሕለፉ ታሪኽ ይሕብር ኢዩ።” ቀጺሉ ድማ: ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ምሁራት “ንብዙሕ ኣዕኑድ ናይቲ ብዛዕባ ምንጻህ ቤት መቕደስ እነቕርቦ ልሙድ መግለጺና ኣብ ሕቶ ከእትውዎ” ምስ ጀመሩ: እቲ ስቓይ ናብ ጥርጠራ ተቐየረ። ቀጺልና እምበኣር ንኽልተ ካብቲ ኣዕኑድ እስከ ንመርምር።
ቀዳማይ ዓንዲ:- ዳንኤል ምዕራፍ 8 ምስ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 16 ትተሓሓዝ ኢያ ይብል። እዚ ዓንዲ እዚ ብኽልተ ቀንዲ ግድላት—ቋንቋን ትሕዝቶ ናይ ጽሑፍን—ኢዩ ዝፈርስ። መጀመርታ: ንቛንቋ ርአ። ኣመንቲ ሻብዓይቲ መዓልቲ እታ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 8 ዘላ ‘ዝነጽሀት ቤት መቕደስ’ ትንቢታዊ ፍጻሜ ናይታ ኣብ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 16 ዘላ ‘ዝነጽሀት ቤት መቕደስ’ ከም ዝዀነት ኢዮም ዝኣምኑ። እዚ ምምስሳል እዚ: ተርጐምቲ እታ ኣብ ኪንግ ጀምስ ቨርዥን ኣብ ዳንኤል 8:14 ኣትያ ዘላ ‘ዝነጽሀት’ እትብል ቃል: ጌጋ ትርጕም ናይታ ጻዳቕ (ማለት “ጻድቕ ምዃን”) እትብል እብራዊት ግሲ ምዃና ክሳዕ ዝፈልጡ ቅቡል ኢዩ ዝመስል ነይሩ። ናይ ስነ-ሃይማኖት ፕሮፌሰር ዝዀነ ኣንተኒ ኤ. ሆከማ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “እታ ኵሉ ግዜ ዝነጽሀ [ጣ·ሂር ʹ ] ተባሂላ እትትርጐም እብራዊት ግሲ ኣብዚ ፈጺማ ስለ ዘይኣተወት: እታ ቓል ዝነጽሀ ተባሂላ ክትትርጐም ጽቡቕ ኣይኰነን።”a እዛ ቓል እዚኣ ኣብቲ ኪንግ ጀምስ ቨርዥን ነተን እተፈላለያ ኣገባባት ናይታ ጣ·ሂር ʹ እትብል ቃል ‘የንጽሃዮ’ ከምኡውን ‘ኽትነጽሁ’ ብምባል ተርጒሙለን ዘሎ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 16 ኢያ ኣትያ ዘላ። (ዘሌዋውያን 16:19, 30) ስለዚ ዶ/ር ሆከማ ቅኑዕ ብዝዀነ መገዲ ከምዚ ኢሉ ይድምድም:- “ዳንኤል ነቲ ኣብ መዓልቲ ምትዕራቕ ዝግበር ዝነበረ ዓይነት ምንጻህ ይጠቅስ እንተድኣ ነይሩ: ኣብ ክንዲ ጻዳቕ [ጻ·ዳቕ ʹ] ነታ ጣሂር [ጣ·ሂር ʹ ] እትብል ቃል ምተጠቕመ ነይሩ።” እንተዀነ ግን: ጻ·ዳቕ ʹ ኣብ ዘሌዋውያን ኣይትርከብን: ጣ·ሂር ʹ ከኣ ኣብ ዳንኤል ኣይትርከብን ኢያ። እቲ ናይ ቋንቋ መተሓሓዚ ጠፊኡ ኢዩ ዘሎ።
እቲ ትሕዝቶ ጽሑፍ እንታይ ኢዩ ዝገልጽ፧
ሕጂ ነቲ ትሕዝቶ ርአ። ኣመንቲ ሻብዓይቲ መዓልቲ ዳንኤል 8:14 “ኣብቲ ትሕዝቶ ናይቲ ጽሑፍ ደሴት ኢያ” ምስቲ ቕድሚኣ ዘሎ ጥቕስታት ዝዀነ ይኹን ዝምድና የብላን ኢሎም ኢዮም ዝኣምኑ። ኣብታ “ዳንኤል 8:14 ኣብ ትሕዝቶ ናይቲ ጽሑፍ” ዘርእስታ መሳንይቲ ሳጹን: ንዳንኤል 8:9-14 ከተንብብ ከሎኻ ግን ከምዚ ዝበለ ሓሳብ ትረክብዶ፧ ቍጽሪ 9 ብዛዕባ ሓደ መዕነዊ: ንእሽቶ ቐርኒ ትዛረብ። ቍጽሪ 10-12 እዚ መዕነዊ እዚ ኣብ ልዕሊ እታ ቤት መቕደስ መጥቃዕቲ ከውርድ ምዃኑ ይገልጽ። ቍጽሪ 13 ‘እቲ ምዕናው ክሳዕ መዓስ ኢዩ ዝነብር፧’ ኢላ ትሓትት። ቍጽሪ 14 ድማ ከምዚ ዝብል መልሲ ትህብ:- “ክሳዕ ክልተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ምሸትን ብጊሓትን: ሽዑ እታ መቕደስ ክትነጽህ [“ናብቲ ግቡእ ኵነታታ ክትምለስ:” NW ] እያ።” ቍጽሪ 13 ኣብ ቍጽሪ 14 እተመለሰ ሕቶ ከም ዘልዓለት ንጹር ኢዩ። ናይ ስነ-ሃይማኖት ምሁር: ደዝመንድ ፎርድ ከምዚ ይብል:- “ንዳንኤል 8:14 ካብቲ [“ኽሳዕ መኣዝ፧” ዝብል ኣብ ቍጽሪ 13] ዘሎ ሕቶ ፈሊኻ መግለጺ ክትህብ ምፍታን ኣብ ማእከል ባሕሪ ብዘይ መልህቅ ምህላው ማለት ኢዩ።”b
ኣመንቲ ሻብዓይቲ መዓልቲ ንቝጽሪ 14 ካብቲ ትሕዝቶ ዝፈልይዋ ስለምንታይ ኢዮም፧ ኣብ ዘሕፍር መደምደምታ ምእንቲ ከይበጽሑ ኢሎም ኢዮም ዝፈልይዋ። እቲ ትሕዝቶ ናይቲ ጽሑፍ ነቲ ኣብ ቍጽሪ 14 ተጠቒሱ ዘሎ ምርካስ ናይታ ቤት መቕደስ ምስቲ ንጥፈታት ናይቲ ንእሽቶ ቐርኒ ኢዩ ዘተሓሕዞ። ይኹን እምበር: እቲ “ናይ ፍርዲ መርመራ” ዝበሃል ሰረተ-እምነት ምርካስ ናይታ ቤት መቕደስ ምስቲ ናይ ክርስቶስ ንጥፈታት ኢዩ ዘተሓሕዞ። ንሓጢኣት ናይቶም ኣመንቲ ናብታ ሰማያዊት ቤት መቕደስ ከሳግሮ ኢዩ ዝበሃል። ስለዚ: ኣመንቲ ሻብዓይቲ መዓልቲ ንኽልቲኡ ማለት ነቲ ሰረተ-እምነትን ነቲ ትሕዝቶ ናይቲ ጽሑፍን ከም ሓቂ ገይሮም እንተድኣ ተቐቢሎምዎ ድኣ ከመይ ኢዩ ክኸውን፧ ኣማኒ ሻብዓይቲ መዓልትን ናይ ኤስዲኤ ባይብል ኮመንተሪ (እንግሊዝኛ) ተሓጋጋዚ ኣሰናዳእን ዝነበረ ዶ/ር ራይመንድ ኤፍ. ካትረል ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ:- “ኤስዲኤ ንዳንኤል 8:14 ከምቲ ትሕዝቶ ናይቲ ጽሑፍ ሂብዋ ዘሎ ትርጕም ገይሩ ኢዩ ዝምርምራ ኢልና ብምእማን ንገዛእ ርእስና ምዕሻው: ነቲ ንእሽቶ ቐርኒ ክርስቶስ ኢዩ ምባሉ ኢዩ።” ዶ/ር ካትረል ብቕንዕና ከምዚ ኢሉ ይእመን:- “ንኽልቲኡ ማለት ንትሕዝቶ ናይቲ ጽሑፍን ነቲ ናይ ኣመንቲ ሻብዓይቲ መዓልቲ ኣተረጓጕማን ከነሰማምዖ ኣይንኽእልን ኢና።” ስለዚ እምበኣር: ናይ ሻብዓይቲ መዓልቲ ቤተ-ክርስትያን ነቲ “ናይ ፍርዲ መርመራ” ዝበሃል ሰረተ-እምነት ዝምልከት ሓዲኡ: ማለት ነቲ ሰረተ-እምነት ወይ ንትሕዝቶ ናይቲ ኣብ ዳንኤል 8:14 ዘሎ ጥቕሲ ክትቅበል ኣለዋ። እቲ ዘሕዝን ግን: ነቲ ሰረተ-እምነት ተቐቢላ ንትሕዝቶ ናይቲ ጽሑፍ ነጸገቶ። ዶ/ር ካትረል ፈላጣት ዝዀኑ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: ንኣመንቲ ሻብዓይቲ መዓልቲ “ካብቲ ጥቕሲ ክርከብ” ዘይከኣል “ትርጕም ነቲ ጥቕሲ ብምሃቦም:” እንተ ወቐስዎም ኣይገርምን ኢዩ ይብል!
ብ1967 ዶ/ር ካትረል ንመጽሓፍ ዳንኤል ዝምልከት ኣስተምህሮ ኣብ ናይ ሰንበት ቤት ትምህርቲ ኣዳለወ: እዚ ድማ ናብተን ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዋ ናይ ኤስዲኤ ኣብያተ-ክርስትያናት ተላእከ። እቲ ኣስተምህሮ: ዳንኤል 8:14 ምስቲ ትሕዝቶ ናይቲ ጽሑፍ ከም እትዛመድን እቲ ‘ምንጻህ’ ድማ ነቶም ኣብ ክርስቶስ ንኣምን ኢና ዝብሉ ሰባት ከም ዘየመልክትን ኢዩ ገሊጹ። እቲ ዘገርም ድማ: እቲ ኣስተምህሮ ብዛዕባ “ናይ ፍርዲ መርመራ” ዝበሃል ነገር ዋላ ሓንቲ ኣይጠቐሰን።
ገለ ገለ ፍሉይ መልስታት
ኣመንቲ ሻብዓይቲ መዓልቲ እዚ ዓንዲ እዚ ነቲ “ናይ ፍርዲ መርመራ” ዝበሃል ሰረተ-እምነት ንምድጋፍ ኣዝዩ ድኹም ከም ዝዀነ ዘለዎም ግንዛበ ዕቤቱ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ፧ ዶ/ር ካትረል ኣብ መሪሕነት ንዝነበሩ 27 ኣመንቲ ሻብዓይቲ መዓልቲ ‘ነቲ ኣብ መንጎ ዳንኤል ምዕራፍ 8 ከምኡውን ዘሌዋውያን ምዕራፍ 16 ዘሎ ምትሕሓዝ እንታይ ናይ ቋንቋ ወይ ናይ ትሕዝቶ ጽሑፍ ምኽንያታት ክትህቡ ምኸኣልኩም፧’ ኢሉ ሓተቶም። መልሶምከ እንታይ ነበረ፧
“ኵላቶም እቶም ኣብ መሪሕነት ዝነበሩ 27 ሰባት ንዳን. 8:14 ከም ትንቢታዊ ፍጻሜ ናይ መዓልቲ ምትዕራቕ ወይ ናይቲ ናይ ፍርዲ መርመራ ዝበሃል ሰረተ-እምነት ከም ዝዀነ ገይርካ ንምውሳዳ: ዝዀነ ይኹን ናይ ቋንቋ ወይ ናይ ትሕዝቶ ጽሑፍ ምኽንያታት ከም ዘየለ ኣረጋገጹ።” ‘ነዚ ምትሕሓዝ እዚ ንኽትገብሩ ዝዀነ ካልእ ምኽንያታት ኣለኩምዶ፧’ ኢሉ ድማ ሓተቶም። ካብቶም ናይ ሻብዓይቲ መዓልቲ እምነት ምሁራት ዝበዝሑ: ካልእ ምኽንያታት ከም ዘይብሎም ተዛረቡ: ሓሙሽተ ካብኣቶም ነዚ ምትሕሓዝ እዚ ዝገበርዎ ኢለን ዋይት ከምኡ ስለ ዝገበረት ኢዩ ዝብል መልሲ ሃቡ: ክልተ ድማ ነቲ ሰረተ-እምነት ኣብ ትርጕም ብዘጋጠመ “ናይ ዕድል ነገር” ከም ዝመስረትዎ ተዛረቡ። ናይ ስነ-ሃይማኖት ምሁር: ፎርድ ከምዚ ዝስዕብ ርእይቶ ይህብ:- “ብሊቃውንትና እተዋህበ ከምዚ ዝበለ መደምደምታታት: እቲ ብዛዕባ ዳን. 8:14 ዘሎና ልምዳዊ ትምህርቲ ክትጣበቐሉ ዘይትኽእል ምዃኑ ኢዩ ኣረጋጊጹ።”
ካብ መጽሓፍ እብራውያን ገለ ሓገዝ ይርከብዶ፧
ካልኣይ ዓንዲ:- ዳንኤል 8:14 ምስ እብራውያን ምዕራፍ 9 ትተሓሓዝ ኢያ። ናይ ስነ-ሃይማኖት ምሁር: ፎርድ “ንዳን. 8:14 ክንገልጻ ከሎና: ኵሉ እቲ ናይ መጀመርታ ጻዕርታትና ኣብ እብ. 9 እተመስረተ ኢዩ ነይሩ” ይብል። እዚ ምትሕሓዝ እዚ ድሕሪ እቲ ብ1844 ዘጋጠመ “ዓቢ ተስፋ ምቝራጽ” ኢዩ ተጀሚሩ። ሚለራዊ ዝነበረ ሂራም አድሰን: ገለ ዝመርሖ ነገር እንተ ረኸበ ብምባል ምእንቲ ክግንጸል ንመጽሓፍ ቅዱሱ ኣብ ልዕሊ ሰደቓ ደርበዮ። እቲ ውጽኢትከ እንታይ ነበረ፧ እብራውያን ምዕራፍ 8 ከምኡውን 9 ተገንጸላ። ፎርድ ከምዚ ይብል:- “ኣመንቲ ሻብዓይቲ መዓልቲ እዘን ክልተ ምዕራፋት እዚኣተን ነቲ ብ1844 ዝቐረበ ትርጕም ከምኡውን ንዳን. 8:14 ቀንዲ መፍትሕ ሒዘን ኣለዋ ብምባል ዝዛረብዎ ዝገልጽ: ካብዚ ንላዕሊ ግቡእን ምልክትን ክኸውን ዝኽእል ነገር እሞ እንታይ ኣሎ!”
ዶ/ር ፎርድ ኣብታ ዳንየል 8:14 ዘ ደይ ኦቭ ኣቶንመንት: ኤንድ ዘ ኢንቨስቲጌቲቭ ጃጅመንት እትበሃል መጽሓፉ ወሲኹ ከምዚ ይብል:- “እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ኣበሃህላ ንኣመንቲ ሻብዓይቲ መዓልቲ ወሳኒ ኢዩ። ኣብ እብ. 9 . . . ጥራይ ኢዩ ብዛዕባ እቲ ንዓና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ትርጕም ናይቲ . . . ነታ ቤት መቕደስ ዝምልከት ዝርዝር መግለጺ ክርከብ ዝከኣል።” እወ: ኣብ “ሓድሽ ኪዳን” እታ ነቲ ኣብ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 16 ዝርከብ ትንቢታዊ ትርጕም እትገልጽ ምዕራፍ እብራውያን ምዕራፍ 9 ኢያ። ኣመንቲ ሻብዓይቲ መዓልቲ ግና ዳንኤል 8:14 እውን ኣብ “ብሉይ ኪዳን” እታ ነቲ ትንቢታዊ ትርጕም እትገልጽ ጥቕሲ ኢያ ይብሉ። እዚ ክልተ ሓሳባት እዚ ሓቂ እንተድኣ ኰይኑ: ኣብ መንጎ እብራውያን ምዕራፍ 9 ከምኡውን ዳንኤል ምዕራፍ 8 ግድን ምትሕሓዝ ክህሉ ኣለዎ።
ደዝመንድ ፎርድ ከምዚ ይብል:- “ሓደ ሰብ እብ. 9 ኣንብብ ምስ ኣበለ ንጹር ዝኸውን ገለ ነገራት ኣሎ። ንመጽሓፍ ዳንኤል: ከምኡውን ንዳን. 8:14 ብብሩህ ዝእምት ዋላ ሓንቲ ነገር የልቦን። . . . እታ ምዕራፍ ብምልእታ ናይ ዘሌ. 16 ፍጻሜ ኢያ።” “ነታ ቤት መቕደስ ዝምልከት ትምህርትና ኣብታ ንትርጕም ናይቲ ኣብ ቤት መቕደስ ዝግበር ዝነበረ ኣገልግሎት እትዛረበሉ ናይ ሓድሽ ኪዳን እንኮ መጽሓፍ ክርከብ ኣይክእልን ኢዩ። እዚ በቶም ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ኣመንቲ ሻብዓይቲ መዓልቲ ዝዀኑ ፍሉጣት ጸሓፍቲ ኣፍልጦ እተዋህበሉ ኢዩ” ብምባል ድማ ይገልጽ። ስለዚ እምበኣር: እቲ ካልኣይ ዓንዲ እውን ነዚ ዘጠራጥር ሰረተ-እምነት ንምድጋፍ ዘለዎ ዓቕሚ ኣዝዩ ድኹም ኢዩ።
ይኹን እምበር: እዚ መደምደምታ እዚ ሓድሽ ኣይኰነን። ዶ/ር ካትረል: ንብዙሕ ዓመታት ዝኣክል “ኣብታ ቤተ-ክርስትያን ዝነበሩ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁራት እቲ ንዳንኤል 8:14 ከምኡውን ንእብራውያን 9 ዝምልከት ልምዳዊ ኣተረጓጕማና ዘስዕቦ ናይ ኣገላልጻ ግድል ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ ነይሮም ኢዮም” ይብል። ገለ 80 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር: ኢ. ጀይ. ዋግነር እተባህለ ውሩይ ኣማኒ ሻብዓይቲ መዓልቲ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ነታ ቤት መቕደስ ከምኡውን ነቲ ‘ናይ ፍርዲ መርመራ’ ዝምልከት ናይ ኣመንቲ ሻብዓይቲ መዓልቲ ትምህርቲ . . . ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ንምትዕራቕ ምኽሓድ ኢዩ።” (ኮንፈሽን ኦቭ ፈይዝ [እንግሊዝኛ]) ልዕሊ 30 ዓመታት ይገብር: ከምዚ ዝበለ ግድል ናብቲ ሓፈሻዊ ዋዕላ: ናይ ኤስዲኤ ቤተ-ክርስትያን መሪሕነት ቀሪቡ ነበረ።
ግድላትን መዕለቢ ዝሰኣነ ጕዳይን
እቲ ሓፈሻዊ ዋዕላ “ነቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል እተረኽበ ግድላት እተጽንዕ ሽማግለ” መዘዘ። እታ ሽማግለ እቲ ኣብ ዳንኤል 8:14 ዘተኰረ ጸገማት ብኸመይ ከም ዝፍታሕ ጸብጻብ ከተዳሉ ነበራ። እቶም 14 ኣባላት ናይታ ሽማግለ ነቲ ግድል ንሓሙሽተ ዓመታት ኣጽንዕዎ: ምሉእ ስምምዕ ዘለዎ ፍታሕ ግን ከቕርቡ ኣይከኣሉን። ብ1980: ኣባል ናይታ ሽማግለ ዝነበረ ካትረል: መብዛሕትኦም ኣባላት እታ ሽማግለ: እቲ ኣመንቲ ሻብዓይቲ መዓልቲ ንዳንኤል 8:14 ኣመልኪቶም ዝሃብዎ ትርጕም ተኸታታሊ ዝዀነ “ግምታት” ብምቕራብ “ዘዕግብ መገዲ ገይርካ ቅቡል ክትገብሮ” ከም ዝከኣል: ግድላት ድማ “ክርሳዕ ኣለዎ” ዝብል ስምዒት ከም ዘለዎም ተዛረበ። ወሲኹ ኸኣ ከምዚ ይብል:- “ስም ናይታ ሽማግለ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ዘሎ ግድላት እትርኢ ሽማግለ ምዃኑ ዘክር: ዝበዝሑ ኣባላታ ግን ነቲ ግድላት ረሲዕና ብዛዕብኡ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣይንዛረብ ዝብል ሓሳብ ኢዮም ዝህቡ ነይሮም።” “እንህቦ መልሲ ከም ዘይብልና እንእመነሉ” ዝቐረበ መገዲ እዚ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ እቶም ዝወሓዱ ንኣረኣእያ ናይቶም ዝበዝሑ ምድጋፍ ኣበዩ: በዚ ኸኣ ወግዓዊ ጸብጻብ ኣይተዋህበን። እቲ ናይ ሰረተ-እምነት ግድላት ብዘይ ፍታሕ ተረፈ።
ዶ/ር ካትረል ነዚ መዕለቢ ዝሰኣነ ጕዳይ ኣመልኪቱ ሓሳብ ክህብ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ክሳዕ ሕጂ ነቲ ኣብ ኣገላልጻ ናይ ሓቂ ግድል ከም ዘሎ ዝሕብር ጭብጢ ክንቅበሎ ፍቓደኛታት ስለ ዘይኰንና እዚ ናይ ዳንኤል 8:14 ጕዳይ ገና ምሳና ኢዩ ዘሎ። ግድል ከም ዘየለ ኣምሲልና ምቕራብ ክሳዕ ዝቐጸልና: ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ይኹን ብሓባር ነቲ ሓንሳእ ኣብ ኣእምሮና ዘምጻእናዮ ሓሳብ ተዓሚትና ምቕባል ክሳዕ ዝቐጸልና እዚ ጕዳይ እዚ ካባና ኣይክርሕቕን ኢዩ።”—ስፔክትረም (እንግሊዝኛ): በቲ ኣሶሴሽን ኦቭ ኣድቨንቲስት ፎረምስ ዝሕተም ጋዜጣ።
ዶ/ር ካትረል ኣመንቲ ሻብዓይቲ መዓልቲ “እቲ ኣብ እምነት ሻብዓይቲ መዓልቲ ንመግለጺ ናይዛ መተካእታ ዘይርከባ ጥቕሲ መሰረት ኰይኑ ዘሎ ቀንዲ ግምታትን ናይ ኣገላልጻ ስርዓታትን ብጥንቃቐ ዳግመ መርመራ” ክገብርሉ ይምሕጸኖም። ንሕናውን እቲ ኣዕኑድ ናይቲ ትምህርቲፈሊጠ ኢየ ኣእትየያ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ደልዲሉ እተመስረተ ወይ ኣብቲ ዘይጽኑዕ ሑጻ ናይ ልምዲ ዝቘመ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምፍላጥ: ኣመንቲ ሻብዓይቲ መዓልቲ ነቲ “ናይ ፍርዲ መርመራ” ዝበሃል ሰረተ-እምነት ክምርምርዎ ነተባብዖም።c ሃዋርያ ጳውሎስ ጥበባዊ ብዝዀነ መገዲ ከምዚ ኢሉ ይምዕድ:- “ንዅሉ ተዐዘብዎ: ነቲ ሰናይ ሐዝዎ።”—1 ተሰሎንቄ 5:21
[እግረ-ጽሑፋት]
a ዊለሰንስ ኦልድ ተስታመንት ዎርድ ስታዲስ (እንግሊዝኛ) ነታ ጻዳቕ (ወይ: ጻ·ዳቕ ʹ) እትብል ቃል “ጻድቕ ምዃን: ቅንዕና ዘለዎ ምዃን” ኢሉ ክገልጻ ከሎ: ነታ ጣሂር (ወይ: ጣ·ሂር ʹ ) እትብል ቃል ድማ “ጽሩይ: ድሙቕ: ከምኡውን ዘንጸባርቕ ምዃን፣ ጽፉፍ: ንጹህ: ጽሩይ ምዃን፣ ካብ ኵሉ ዓይነት ብከላ ወይ ርኽሰት ንጹህ ምዃን” ኢሉ ኢዩ ዝገልጻ።
b ዶ/ር ፎርድ ናይቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከብ ብቤተ-ክርስትያን ዝካየድ ፓስፊክ ዩንየን ኮለጅ ናይ ሃይማኖት ፕሮፌሰር ኢዩ። ብ1980 መራሕቲ ኤስዲኤ ብዛዕባ እቲ ሰረተ-እምነት ከጽንዕ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ፍቓድ ሃብዎ: ነቲ ካብ መጽናዕቱ ዝረኸቦ ነገራት ግን ነጸግዎ። ነዚ ድማ ኣብታ ዳንየል 8:14: ዘ ደይ ኦቭ ኣቶንመንት: ኤንድ ዘ ኢንቨስቲጌቲቭ ጃጅመንት (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ ሓቲሙ ኣውጽኦ።
c ብዛዕባ ዳንኤል ምዕራፍ 8 ዝእመን መግለጺ ንምርካብ ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት “ዮር ዊል ቢ ዳን ኦን አርዝ ” እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ገጽ 188-219 ርአ።
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ሳጹን]
ዳንኤል 8:14 ኣብ ትሕዝቶ ናይቲ ጽሑፍ
ዳንኤል 8:9-“ካብ ሓንቲኤን ድማ ንእሽቶ ቐርኒ ወጸት: ንሳውን ናብ ደቡብን ናብ ምብራቕን ናብታ ኽብርቲ ሃገርን ኣቢላ ኣዝያ ዐበየት። 10-ክሳዕ ሰራዊት ሰማይ ዐበየ እሞ ካብቲ ሰራዊትን ካብ ከዋኽብትን ንሓያሎ ናብ ምድሪ ኣውደቖም ረገጾም ከኣ። 11-ኤረ ኽሳዕ ነቲ ሓለቓ ሰራዊት እኳ ተዐበየሉ: ነቲ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ ኸኣ ካብኡ ኣትረፎ: እታ ማሕደር መቕደሱውን ፈረሰት። 12-እቲ ሰራዊት ምስናይ እቲ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእትስ ብሰሪ ዕልወት እዩ እተዋህቦ። ንሱ ነታ ሓቂ ናብ ምድሪ ደርበያ: ገበረ ሰለጠሉ ኸኣ።
“13-ሽዑ ኻብ ቅዱሳንሲ ሓደ ኺዛረብ ከሎ ሰማዕኩ። ሓደ ኻልእ ቅዱስ ድማ ነቲ ዚዛረብ ዘሎ: እቲ ብዛዕባ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእትን ብሰሪ ምዕላው ከኣ እቲ መቕደስን ሰራዊትን ንምርጋጽ ምእንቲ ኺውሀብ ዚመጽእ ምዕናውን ዚነግር ራእይሲ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ዚነብር፧ ኢሉ ተዛረቦ። 14-ንሱ ኸኣ: ክሳዕ ክልተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ምሸትን ብጊሓትን: ሽዑ እታ መቕደስ ክትነጽህ [“ናብቲ ግቡእ ኵነታታ ክትምለስ:” NW ] እያ: በለኒ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)—ናይ ትግርኛ መጽሐፍ ቅዱስ።