ታሪኽ ህይወት
የሆዋ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ሂቡኒ ኢዩ
ሄለን ማርክስ ዘዘንተወቶ
እዋኑ ሓጋይ 1986 ብርቱዕ ሃሩር ዝነበረሉ ግዜ ኢዩ። ኣብ ጉምሩክ ናይቲ ኻብ ኣውሮጳ ዝወሓደ ምንቅስቓስ ነፈርቲ ዝርኣየሉ መዓርፎ ነፈርቲ በይነይ እጽበ ነበርኩ። ኣብታ ቲሬን እትበሃል ርእሲ ኸተማ ናይታ “ኻብ ዓለም ናይ መጀመርታ ኢዘሀራዊት” ምዃና ዝኣወጀት ሃገረ ኣልባንያ ኸኣ ኢየ ነይረ።
መሳርያ እተዓጥቀ ፖሊስ ነቲ ኣቝሑተይ ክፍትሾ ኸሎ ናይ ምጥርጣርን ፍርህን ስምዒት ነይሩኒ። ዘጠራጥሮ ነገር እንተ ገይረ ወይ እንተ ተዛሪበ: ኣነ ኻብታ ዓዲ ምተጠረዝኩ: እቶም ኣብ ደገ ዝጽበዩኒ ዝነበሩ ሰባት ድማ ምተኣስሩ ወይ ናብ ደምበ ሸቕሊ ምተወሰዱ። እንተዀነ ግን: ነቲ ፖሊስ ማስቲካን ብሽኮትን ብምሃብ ደስ ንኸብሎ ጸዓርኩ። ዕድመይ ኣብ 60ታት ዝርከብ ሰበይቲ ግን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ብኸመይ ኣተኹ፧ ጥጡሕ ናብራይ ገዲፈ: ናብ ሓንቲ ንማርክሲዝም ሌኒንዝም ብጥብቂ እትስዕብ ሃገር ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ብምድንፋዕ ሓደገኛ ስጕምቲ ዝወሰድኩ ስለምንታይ ኢየ፧
ብዙሕ ሕቶታት ዘለዋ ዝማህመነት ቈልዓ
ብ1920 ኣብ ኢራፐትራ: ቅሬጥስ: ኢየ ተወሊደ: ድሕርዚ ኽልተ ዓመት ጸኒሑ ድማ ኣቦይ ብነድሪ ሳምቡእ ሞተ። ኣደይ ድኻን መሃይምነት ዘየጥፍአትን ኢያ ነይራ። ኣነ ድማ ኻብቶም ኣርባዕተ ቘልዑ ሕሳስ ልደ ነበርኩ: ሕማም ወይቦ ስለ ዝነበረኒ ድማ ጸምልየን ማህሚነን ነበርኩ። ጐረባብትና ኸኣ ነደይ በታ ዘላታ ገንዘብ ነቶም ሰለስተ ጥዕና ዘለዎም ቈልዑ ጥራይ ተኸናኺና ኸተዕቢ: ንዓይ ድማ ክመውት ክትሓድገኒ መኸርዋ። ነዚ ምኽሮም ብዘይምስዓባ የሐጕሰኒ ኢዩ።
ኣደይ: ነፍሲ ኣቦይ ብሰላም ኣብ ሰማይ ምእንቲ ኽትዓርፍ ኢላ: ናብቲ መቓብሩ ብተደጋጋሚ ትኸይድ ነበረት፣ መብዛሕትኡ እዋን ድማ ንሓደ ቐሺ ኦርቶዶክስ ጸሎት ክገብረላ ትሓቶ ነበረት። እንተዀነ ግን: እቲ ቐሺ ብዙሕ ኢዩ ዝኽፈሎ ነይሩ። ሓደ ግዜ ኣብ ኣዝዩ ቘራሪ መዓልቲ ልደት ካብቲ መቓብር ክትምለስ ከላ: ኣነ ድማ ደድሕሪኣ ጐሰስ ጐሰስ እናበልኩ ኽምለስ ይዝከረኒ። እታ ዝነበረትና ገንዘብ ነቲ ቐሺ ሂብናዮ ኢና። ኣደይ ሒደት ኣሕምልቲ ምስ ከሸነትልና: ብጥምይታን ብተስፋ ምቝራጽ እናነብዐትን ናብቲ ሓደ ኽፍሊ ኸደት። ድሕሪ ገለ እዋን ብትብዓት ናብቲ ቐሺ ኸይደ ኣቦይ ስለምንታይ ከም ዝሞተን እታ ድኻ ኣደይ ገንዘብ ስለምንታይ ከም እትኸፍልን ሓተትክዎ። እናሓፈረ “ኣምላኽ ኢዩ ወሲድዎ። እዚ ዘይተርፍ ነገር ኢዩ። ኣጆኺ ሓዘንኪ ኽትርስዕዮ ኢኺ” በለኒ።
እቲ ዝመለሰለይ መልሲ ምስቲ ኣብ ቤት ትምህርተይ እተማሃርክዎ ኣቡነ ዘበሰማያት ዝብል ጸሎት ተጋጨወኒ። ነተን ባህ ዘብላን ትርጕም ዘለወንን ከምዚ ዝስዕብ ዝብላ ናይ መኽፈቲ ቓላት ናይቲ ጸሎት ኣይርስዐንን ኢየ:- “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።” (ማቴዎስ 6:9, 10) ኣምላኽ ፍቓዱ ኣብ ምድሪ ኽፍጽም ዝደሊ እንተድኣ ዀይኑ: ክሳዕ ክንድዚ ስቓይ ዝወርደና ስለምንታይ ኢዩ፧
ብ1929 ኢማንወል ሊኣኑዳኪስ ዝበሃል ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገዛና ኽበጽሓና ምስ መጸ: ናይዛ ሕቶይ መልሲ ዳርጋ ረኺበ ነይረ።a ኣደይ እንታይ ደልዩ ኸም ዝመጸ ምስ ሓተተቶ: ዋላ ሓንቲ ቓል ከየውስአ ነቲ ምስክርነት ዝሓዘ ካርድ ሃባ። ንሳ ድማ ንኸንብበላ ንዓይ ሃበትኒ። ጓል ትሽዓተ ዓመት ስለ ዝነበርኩ ግን ብዙሕ ክርድኣኒ ኣይከኣለን። ኣደይ: እቲ ሰባኺ ዓባስ ስለ ዝመሰላ “መስኪናይ! ንስኻ ኽትዛረብ ኣይትኽእል: ኣነ ኸንብብ ኣይክእል” በለቶ። ድሐርዚ ቐስ ኢላ ብምልክት ተሰናበተቶ።
ድሕሪ ሒደት ዓመታት ንሕቶይ መልሲ ረኸብኩሉ። እቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ: ነቲ ኢማንወል ፓተራኪስ ዝስሙ ሓወይ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ምዉታት ኣበይ ኢዮም ዘለዉ፧ ዘርእስታ ንእሽቶ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ሃቦ።b ነታ ጽሕፍቲ ምስ ኣንበብክዋ: ኣምላኽ ነቦይ ከም ዘይወሰዶ ብምፍላጠይ ካብ ጭንቀተይ እፎይታ ረኸብኩ። ሞት ብሰንኪ ሰብኣዊ ዘይፍጽምና ኸም ዝመጸን ኣቦይ ኣብ ገነት ንኽትንስእ ተስፋ ኸም ዘለዎን ፈለጥኩ።
“እዚ መጽሓፍ እዚ ኢዩ ኣበላሽዩካ!”
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ዓይኒ ኸም እነንቍሕ ገበረና። ናይ ኣቦይ ዝነበረ ኣረጊት መጽሓፍ ቅዱስ ረኸብና እሞ ኸነንብቦ ጀመርና: መብዛሕትኡ እዋን ድማ ኣብ ዙርያ እተኣጕደ ሓዊ ብምዃን ብሽምዓ ገይርና ነንብቦ ነበርና። ኣብቲ ኸባቢ ኻብ ዝርከቡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ዘሕደሩ ሰባት ኣነ በይነይ መንእሰይ ጓል ኣንስተይቲ ብምንባረይ: ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ዝነበሩ ንጥፈታት ኣይሳተፍን ኢየ ነይረ። አረ ንእተወሰነ ግዜስ እዚ ሃይማኖት እዚ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ይመስለኒ ነይሩ።
ሓወይ ንስብከት ዝነበሮ ቕንኢ ምንጪ ምንቕቓሕ ኰይኑኒ ነበረ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ፖሊስ ብፍሉይ ዓይኒ ኽጥምቱና ጀመሩ: ንኢማንወል ወይ ጽሑፋት ደልዮም መዓልቲ ዀነ ለይቲ ሃንደበት ይመጹና ነበሩ። ናብ ቤተ-ክርስትያን ንኽንምለስ ከእምነና ኢሉ ሓደ ቐሺ ናብ ቤትና ዝመጸሉ እዋን ኣጸቢቑ ይዝከረኒ ኢዩ። ኢማንወል ስም ኣምላኽ የሆዋ ምዃኑ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣርኣዮ: እቲ ቐሺ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ መንዚዑ ብምውሳድ ኣብ ቅድሚ ሓወይ እናወጣወጠ “እዚ መጽሓፍ እዚ ኢዩ ኣበላሽዩካ!” ኢሉ ጨደረ።
ብ1940 ኢማንወል ንውትህድርና ምኽታብ ምስ ኣበየ: ተኣሲሩ ናብ ግንባር ኣልባንያ ተላእከ። ድሕርዚ ደሃዩ ስለ ዘይነበረና ሞይቱ ኢዩ ኢልና ቐበጽና። ድሕሪ ኽልተ ዓመት ግን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዀይኑ ዝሰደደልና ደብደበ ኸይተጸበናያ መጸትና። ለከ ብህይወቱ ነይሩ ኢዩ! ሓንቲ ኻብተን ኣብታ ደብዳበኡ ዝጠቐሰን ጥቕስታት ክሳዕ ሕጂ ኣብ ኣእምሮይ ተቐሪጻ ኣላ። ከምዚ ኸኣ ትብል:- “ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ: ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ።” (2 ዜና መዋእል 16:9) ከምዚ ዝኣመሰለ ምትብባዕሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ኣድልዩና ዝነበረ!
ኢማንወል ገና ኸይተፈትሐ ኸሎ ንገሊኣቶም ኣሕዋት ክበጽሑኒ ሓተቶም። ብኡንብኡ: ካብታ ኸተማ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ቤት: ስቱር ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክንገብር ጀመርና። ሰባት ይከታተሉና ኸም ዘለዉ ግን ኣይፈለጥናን! ሓደ ሰንበት መሳርያ እተዓጥቁ ፖሊስ ከበቡና። ኣብ ናይ ጽዕነት ማኪና ሰቒሎም ድማ በታ ኸተማ ኣሕለፉና። ሰባት ከባጭዉልናን ከስተናዕቑናን ከለዉ ኽሳዕ ሕጂ ኢዩ ትዝ ዝብለኒ: የሆዋ ግን ብመንፈሱ ኣቢሉ ውሽጣዊ ሰላም ሃበና።
ድሕርዚ ናብ ካልእ ኸተማ ወሲዶም ኣብ ሓደ ጸልማትን ረሳሕን ቤት ማእሰርቲ ኣእተዉና። ኣብታ እተኣሰርኩላ ኽፍሊ ኸም ዓይኒ ምድሪ ዀይኑ ዘገልግል ሰንኬሎ ነበረ: ኣብ መዓልቲ ሓንሳእ ጥራይ ድማ ኢዩ ዝድፋእ ነይሩ። “መምህር” ናይቲ ጕጅለ ኢያ ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ: ንሸሞንተ ወርሒ ኽእሰር ተፈርደኒ። ይኹን እምበር: ሓደ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ዝነበረ ሓው: ጠበቓኡ ነቲ ጕዳይና ኸም ዝሕዞ ገበረ: እቲ ጠበቓ ድማ ከም ንፍታሕ ገበረ።
ሓድሽ ህይወት
ኢማንወል ምስ ተፈትሐ ገያሺ ተዓዛቢ ብምዃን ነተን ኣብ ኣቴንስ ዝነበራ ጉባኤታት ክበጽሐን ጀመረ። ኣነ ድማ ብ1947 ናብታ ኸተማ ገዓዝኩ። ኣማስያኡ ሰብኡት ጥራይ ዘይኰኑስ ኣንስትን ቈልዑን እውን ምስ ዝርከብዎም ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብኩ። ኣብ መወዳእታ: ኣብ ሓምለ 1947 ህይወተይ ንየሆዋ ኸም ዝወፈኹ ብማይ ጥምቀት ኣርኣኹ። ሚስዮናዊት ክኸውን እምነ ስለ ዝነበርኩ: ኣብ ምሸታዊ ትምህርቲ ቛንቋ እንግሊዝኛ ኽመሃር ጀመርኩ። ብ1950 ፓይነር ኰንኩ። ኣደይ ከኣ ምሳይ ክትነብር መጸት: ንሳውን ሓቂ ተቐበለት። ኣብተን ቀጺላ ብህይወት ዝጸንሓትለን 34 ዓመታት እምንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ነበረት።
በታ ዓመት እቲኣ ምስ ሓደ ኻብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጸ ጆን ማርክስ (ማርኮፑሎስ) ዝበሃል ሕፉርን መንፈሳውን ሰብ ተራኸብኩ። ጆን ኣብ ደቡባዊ ኣልባንያ ኢዩ ተወሊዱ: ተሰዲዱ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ ከደ ድማ ናይ የሆዋ ምስክር ኰነ። ብ1950 ናብ ኣልባንያ መእተዊ ቪዛ ንኽረክብ ኢሉ ናብ ግሪኽ መጺኡ ነበረ: ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ኣልባንያ ንኮምዩኒዝም ብጥብቂ እትስዕብ ሃገር ስለ ዝነበረት ናብታ ዓዲ ምእታው ኣሸጋሪ ነበረ። ጆን ካብ 1936 ኣትሒዙ ምስ ስድራቤቱ ዘይተራኸበ እኳ እንተ ነበረ: ናብ ኣልባንያ ኽኣቱ ኣይተፈቕደሉን። በቲ ንኣገልግሎት የሆዋ ዘለዎ ሓያል ቅንእን ንኣሕዋት ዝነበሮ ዓሚቝ ፍቕርን ተማረኽኩ። ብ3 ሚያዝያ 1953 ከኣ ተመርዓኽዎ። ድሕሪኡ ናብ ኒው ጀርሲ: ሕ.መ.ኣ.: ገዓዝና።
ርእስና ኽኢልና ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዄንና ምእንቲ ኸነግልግል: ኣነን ጆንን ኣብ ገማግም ኒው ጀርሲ ንገፈፍቲ ዓሳ ቍርሲ ኣዳሊና ንሸጠሎም ነበርና። ኣብ ግዜ ሓጋይ ጥራይ ኢና ንዓዪ: ሽዑውን እንተዀነ ኻብ ወጋሕታ ክሳዕ ሰዓት 9:00 ናይ ንግሆ ጥራይ ኢና ንሰርሕ ነይርና። ናብራና ቐሊል ብምግባርን ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ቐዳምነት ብምሃብን ዝበዝሕ ግዜና ኣብ ስብከት ኢና ኣሕሊፍናዮ። ዝያዳ ሰበኽቲ ናብ ዝድለዩሉ እተፈላለየ ኸተማታት እናገዓዝና እውን ንብዙሕ ዓመታት ኣገልጊልና ኢና። ኣብ ዝኸድናዮ ዘበለ: ብሓገዝ የሆዋ ነቶም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ክንድግፎም: ጉባኤታት ከነቕውም: ከምኡውን ኣደራሻት መንግስቲ ኣብ ምህናጽ ክንሕግዝ ክኢልና ኢና።
ንእተሸገሩ ኣሕዋትና ምሕጋዝ
ነዊሕ ከይጸናሕና ባህ ዘብል መዳይ ኣገልግሎት ተኸፍተልና። ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ምስቶም ኣብ ትሕቲ እገዳ ኣብ ዝነበራ ሃገራት ባልካን ዝነበሩ ክርስትያን ብጾት ርክብ ክገብሩ ደለዩ። ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንብዙሕ ዓመታት ምስቲ ዓለምለኻዊ ሕውነት ዝነበሮም ርክብ ስለ እተቋረጸ: ብዙሕ መንፈሳዊ መግቢ ኣይረኽቡን ኢዮም ነይሮም። መንፈሳዊ መግቢ ፈጺሞም ዘይረኽብሉ ግዜ እውን ነይሩ: ኣብ ርእሲ እዚ: ከቢድ ምጽራር የሕልፉ ነበሩ። ንመብዛሕትኦም ክትትል ይግበረሎም ነይሩ: ናብ ቤት ማእሰርቲ ወይ ደምበ ሸቕሊ እተላእኩ ሰባት እውን ሒደት ኣይኰኑን። ስለዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት: መምርሒታት: ከምኡውን ምትብባዕ ብህጹጽ የድልዮም ነበረ። ንኣብነት: ሓደ ኻብ ኣልባንያ ብኮድ እተላእከልና መልእኽቲ “ንጐይታ ጸልዩልና። ኣብ ፈቐዶ ኣባይቲ ዝነበረ ጽሑፋት ተሃጊሩ። ንኸነጽንዕ ኣይፈቕዱልናን ኢዮም። ሰለስተ ሰባት ተኣሲሮም” ዝብል ነበረ።
ስለዚ: ካብ ሕዳር 1960 ኣትሒዝና ንሽዱሽተ ወርሒ ዝኸውን ነዘን ሃገራት እዚኣተን እናዞርና በጻሕናየን። ተልእኾና ንምፍጻም ካብ ኣምላኽ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ:” ትብዓት: ድፍረት: ከምኡውን ብልሓት ከም ዘድልየና ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ። (2 ቈረንቶስ 4:7) መጀመርታ እንበጽሓ ሃገር ኣልባንያ ነበረት። ኣብ ፓሪስ ማኪና ዓዲግና: ጕዕዞና ጀመርና። ኣብ ሮም ምስ በጻሕና: ጆን ጥራይ ናብ ኣልባንያ ዘእቱ ቪዛ ረኸበ። ኣነ ግን ናብ ኣቴንስ: ግሪኽ: ሓሊፈ ኽጸንሖ ነበረኒ።
ጆን ኣብ መወዳእታ ለካቲት 1961 ኣቢሉ ኣብ ኣልባንያ በጽሐ: ክሳዕ መወዳእታ መጋቢት ድማ ኣብታ ዓዲ ጸንሐ። ኣብ ቲሬን ምስ 30 ኣሕዋት ተራኸበ። እቲ ኣዝዩ ዘድልዮም ጽሑፋትን ምትብባዕን ብምርካቦምሲ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ተሓጒሶም! ን24 ዓመታት ካብ ወጻኢ ዝበጽሖም ሰብ ኣይነበረን።
ጆን በቲ እዞም ኣሕዋት ዘለዎም ተኣማንነትን ጽንዓትን ኣዝዩ ተገሪሙ ኢዩ። ብዙሓት ኣብቲ ናይ ኮምዩኒስት ንጥፈታት ብዘይምስታፎም ካብ ስራሕ ከም እተሰጉን ከም እተኣስሩን ፈለጠ። ብፍላይ ኣብ 80ታት ዕድሚኦም ዝነበሩ ኽልተ ኣሕዋት: ንዕዮ ስብከት ክኸውን ኢሎም ዳርጋ 100 ዶላር ኣመሪካ ምስ ሃብዎ ኣዝዩ ደንጸዎ። ካብተን ዘይጠቕማ ጥሮታኦም ንብዙሕ ዓመታት ዘዋህለልወን ኢየን ነይረን።
ጆን ክሳዕ 30 መጋቢት 1961 ማለት ክሳዕ እታ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ እተኸብረትላ መዓልቲ ኣብ ኣልባንያ ጸንሐ። በታ መዓልቲ እቲኣ ን37 ተኣከብቲ ናይ በዓል ዝኽሪ ዝርርብ ሃበ። ኣብ መወዳእታ እቲ ዝርርብ: እቶም ኣሕዋት ንጆን ቀልጢፎም ብሕጓ ኣውጽእዎ እሞ ናብ ወደብ ዱረስ ወሰድዎ። ኣብኡ ኸኣ ናብ ፒረይፍስ (ፓይሪየስ): ግሪኽ: እትኸይድ መርከብ ናይ ሓደ ቱርካዊ ነጋዳይ ተሰቕለ።
ብደሓን ምስ መጸኒ ኣዝየ ኢየ ተሓጒሰ። ድሕርዚ ነቲ ተሪፉ ዝነበረ ሓደገኛ ጕዕዞ ቐጸልና። ነተን ንዕዮና ኣጊደንኦ ዝነበራ ሰለስተ ሃገራት ባልካን በብተራ በጻሕናየን፣ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት: ናይ ጽሕፈት ማኪና: ከምኡውን ካልእ ኣቝሑ ሒዝና ስለ ዝነበረና: ጕዕዞና ሓደገኛ ኢዩ ነይሩ። ንየሆዋ ኽብሉ ኻብ ስራሕ ከይስጐጉ ዀነ ከይእሰሩ ዘይፈርሁ: አረ ንህይወቶም እውን ኣብ ሓደጋ ኸእትዉ ፍቓደኛታት ምስ ዝዀኑ እሙናት ኣሕዋትን ኣሓትን ክንራኸብ ብምኽኣልና ዓቢ መሰል ኢዩ ነይሩ። ቅንኦምን ናይ ሓቂ ፍቕሮምን ኣነቓቒሑና ኢዩ። የሆዋ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ኸም ዝህብ ብምርኣይና እውን ተደኒቕና ኢና።
ጕዕዞና ብዓወት ምስ ዛዘምና: ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተመለስና። ኣብተን ስዒበን ዝነበራ ዓመታት: ናብ ኣልባንያ ጽሑፋት ንኽንሰድድን ካብ ኣሕዋትና ጸብጻብ ንኽንቅበልን እተፈላለየ መገድታት ክንጥቀም ፈቲንና ኢና።
ብዙሕ ግዜ ኣብ መገሻታት ብፍርሃት
ዓመታት ሓለፈ: ብ1981 ጆን ኣብ 76 ዓመቱ ምስ ሞተ በይነይ ተረፍኩ። ኢቫንጂልያ ጓል ሓብተይን ጆርጅ ኦርፋኒዲስ ዝበሃል ሰብኣያን ምስኦም ክነብር ጸዉዕኒ: ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዞም ከኣ ብዙሕ ስምዒታውን ግብራውን ደገፍ ይገብሩለይ ኣለዉ። ንሳቶም እውን እንተዀኑ ኣብ ሱዳን ኣብ ትሕቲ እገዳ ኣብ ዘገልገልሉ እዋን የሆዋ ዝገበረሎም ደገፍ ርእዮም ኢዮም።c
ድሕሪ ግዜ: ኣብ ኣልባንያ ምስ ዝርከቡ ኣሕዋት ርክብ ንምግባር እንደገና ጻዕሪ ምግባር ኣድለየ። ኣዝማድ ሰብኣየይ ኣብኡ ስለ ዝነበሩ: ናብታ ሃገር ክኸይድ ፍቓደኛ እንተ ዀይነ ተሓተትኩ። ነዚውን ብምሉእ ፍቓደይ ተቐበልክዎ!
ነዋርሕ ጻዕሪ ድሕሪ ምግባር ኣብ ግንቦት 1986 ካብቲ ኣብ ኣቴንስ ዝርከብ ኤምባሲ ኣልባንያ መእተዊ ቪዛ ተዋህበኒ። ገሊኣቶም ዲፕሎማት ገለ ጸገም እንተ ኣጋጢሙኒ: ካብ ወጻኢ ሃገር ሓገዝ ክግበረለይ ከም ዘይክእል ኣበርቲዖም ኣጠንቀቑኒ። ናብ ኣልባንያ ናይ እትኸይድ ነፋሪት ቲከት ንምዕዳግ ንሓደ ወኪል ጕዕዞ ምስ ሓተትክዎ: ኣዝዩ ደንጸዎ። እንተዀነ ግን: ብፍርሂ ንድሕሪት ከይተመለስኩ ኣብታ ሓንሳእ ኣብ ሰሙን ካብ ኣቴንስ ናብ ቲሬን እትበርር ነፋሪት ተሰቐልኩ። ኣብታ ነፋሪት እቲኣ ሰለስተ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣልባንያውያን ጥራይ ኢዮም ነይሮም፣ ንሳቶም እውን ናብ ግሪኽ ንሕክምና መጺኦም ዝነበሩ ኢዮም።
እታ ነፋሪት ምስ ዓለበት: ከም ቤት ጽሕፈት ጉምሩክ ኰይኑ ናብ ዘገልግል መጽለሊ ተወሰድኩ። ሓሙተይን ንዕልተይን ናይ የሆዋ መሰኻኽር እኳ እንተ ዘይነበሩ: ምስቶም ኣብታ ዓዲ ዝነበሩ ሒደት ኣሕዋት ንኸራኽቡኒ ፍቓደኛታት ነበሩ። ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር ንሓላፊ እቲ ማሕበረሰብ ጋሻ ኸም ዝመጸ ኽሕብሩ ነበሮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ብፖሊስ ጽኑዕ ክትትል ይግበረለይ ነበረ። ስለዚ: ኣነ ኣብ ቤቶም ከለኹ ንሳቶም ኣብ ቲሬን ንዝነብሩ ኽልተ ኣሕዋት ኣናድዮም ንኸምጽኡለይ ሓሳብ ኣቕረቡ።
ኣብቲ ግዜ እቲ: ኣብ ምሉእ ኣልባንያ ትሽዓተ እተጠምቁ ኣሕዋት ከም ዘለዉ ኢዩ ዝፍለጥ ነይሩ። ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ትሕቲ እገዳ ብምንባሮም: መስጐጕቲ ስለ ዘሕለፉ: ከምኡውን ጽኑዕ ምክትታል ስለ ዝግበረሎም ኣዝዮም ጥንቁቓት ኢዮም ነይሮም። ገጾም ዓጢሩ ነበረ። እንታይነተይ ምስ ኣረጋገጹ: መጀመርታ ዝሓተቱኒ ሕቶ “መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኣበይ ኣሎ፧” ዝብል ነበረ። ንብዙሕ ዓመታት ክልተ ቅዳሓት ናይ ቀደም መጻሕፍቲ እንተ ዘይኰይኑ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣይነበሮምን።
እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊኦም ብዛዕባ ዝወሰዶ ጭካነ ዝመልኦ ስጕምትታት ኣስፊሖም ኣዕለሉኒ። ተመክሮ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ገለልትነቱ ንኽሕሉ ኢሉ ንኸየድምጽ ቈራጽነት ዝወሰደ ንፉዕ ሓው ነገሩኒ። መንግስቲ ንዅሉ ነገራት ስለ ዝቈጻጸሮ: እንተ ዘየድሚጹ ስድራቤቱ ዝዀነ ይኹን ናይ መግቢ መቝነን ከም ዘይወሃቦም፣ ሓዳሮም ዝወጹ ደቁን ስድራቤቶምን ነቲ ሃይማኖታዊ እምነቱ ዘይኣምኑሉ እንተዀኑ እውን ከም ዝእሰሩ ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ። ስድራቤቱ ኣዝዮም ስለ ዝፈርሁ: ቀቅድሚ እታ ምርጫ ዝካየደላ ለይቲ ቐቲሎም ሬሳኡ ኣብ ዒላ ኸም ዝደርበይዎ እሞ ኣዝዩ ስለ ዝፈርሀ ርእሰ-ቕትለት ፈጺሙ ኸም ዝበሉ ይውረ ምህላዉ ነገሩኒ።
እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ዝነበሮም ድኽነት ኸብድኻ ኢዩ ዝበልዓካ። ንነፍሲ ወከፎም 20 ዶላር ክህቦም ምስ ፈተንኩ ግን: “መንፈሳዊ መግቢ ጥራይ ኢና እንደሊ” ኢሎም ኣበዩኒ። እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ንዝበዝሑ ሰባት ኢዘሀራዊ ዝገበረ ምልካዊ ስርዓት ንዓሰርተታት ዓመታት ዝነበሩ ኢዮም። እምነቶምን ቈራጽነቶምን ግን ከምቶም ኣብ ካልእ ሃገር ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድልዱል ነበረ። ድሕሪ ኽልተ ሰሙን ካብ ኣልባንያ ኣብ ዝወጻእኩሉ እዋን: ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን እንተዀነ የሆዋ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ኽህብ ከም ዝኽእል ምርኣየይ ብሓቂ ልበይ ተንኪፍኒ ኢዩ።
ብ1989 ከምኡውን ብ1991 ናብ ኣልባንያ ናይ ምኻድ ኣጋጣሚ ረኺበ ኢየ። ቀስ ብቐስ ናይ ምዝራብ ናጻነትን ኣምልኾ ሓርነትን ኣብታ ሃገር ምስ ተፈቕደ: ቍጽሪ ኣምለኽቲ የሆዋ ቕልጡፍ ወሰኽ ገበረ። እቶም ብ1986 በጻብዕ ዝቘጸሩ ዝነበሩ ክርስትያናት ወሰኽ ብምግባር ኣብዚ ሕጂ እዋን 2,200 ንጡፋት ኣስፋሕቲ ኰይኖም ኣለዉ። ካባታቶም መልፖ ንዕልተይ ትርከቦም። የሆዋ ነዞም እሙናት ጕጅለ ኸም ዝባረኾምሲ መን እሞ ኢዩ ኽጠራጠር፧
ብሓይሊ የሆዋ ዘዕግብ ህይወት ኣሕሊፈ
ንድሕሪት ምልስ ኢለ ኽርእዮ ኸለኹ: ኣነን ጆንን ዝፈጸምናዮ ዕዮ ንኸንቱ ኸም ዘይኰነ ርግጸኛ ኢየ። ንእስነትና ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ጠቓሚ ኣብ ዝዀነ ዕዮ ኢና ኣውዒልናዮ። ምሉእ ህይወትና ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ብምዃንና: ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ሞያ ንላዕሊ ንህይወትና ትርጕም ዘለዎ ገይርዎ ኢዩ። ንብዙሓት ተፈተውቲ ሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኽፈልጡ ብምሕጋዝና ተሓጒሰ ኢየ። ሕጂ ዕድመ ደፊአ ኢየ: ንመንእሰያት ድማ ብምሉእ ልበይ ‘ብመዓልትታት ንእስነቶም ንፈጣሪኦም ክዝክሩ’ ኸተባብዖም እኽእል ኢየ።—መክብብ 12:1
ጓል 81 ዓመት እኳ እንተ ዀንኩ: ናይ ምሉእ ግዜ ኣስፋሒት እቲ ብስራት ኰይነ የገልግል ኣለኹ። ኣንጊሀ ብምትሳእ ኣብ ናይ ኣውቶቡስ ደው መበሊ: ማካይን ደው ኣብ ዝብላሉ ቦታ: ኣብ መገዲ: ኣብ ድኳናት: ወይ ኣብ መናፈሻታት ንሰባት እምስክር። ብሰንኪ እቲ እርጋን ዘምጽኦ ሽግራት ናብራ ዘጸግመኒ እኳ እንተዀነ: ፈቃራት መንፈሳውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ማለት እቲ ዓቢ መንፈሳዊ ስድራቤተይ ከምኡውን ስድራ ደቂ ሓብተይ ብዙሕ ይሕግዙኒ ኢዮም። ልዕሊ ዅሉ ድማ ‘እቲ ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ ኻብ ኣምላኽ እምበር: ካባና ኸም ዘይኰነ’ እፈልጥ ኢየ።—2 ቈረንቶስ 4:7
[እግረ-ጽሑፋት]
a ታሪኽ ህይወት ኢማንወል ሊኣኑዳኪስ እንተድኣ ደሊኻ: ናይ 1 መስከረም 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 25-9 ርአ።
b ታሪኽ ህይወት ኢማንወል ፓተራኪስ እንተድኣ ደሊኻ: ናይ 1 ሕዳር 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 22-7 ርአ።
c ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ናይ 1992 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር (እንግሊዝኛ) ገጽ 91-2 ርአ።
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ላዕሊ:- ጆን (ጸጋማይ ጫፍ): ኣነ (ማእከል): ኢማንወል ሓወይን ኣደይን ከኣ ብጸጋመይ ምስቶም ኣብ ኣቴንስ ዝነበሩ ቤትኤላውያን ብሓባር ኴንና ብ1950 እተሰኣልናዮ
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ጸጋም:- ብ1956 ምስ ጆን ኣብ ገማግም ኒው ጀርሲ ኣብ እንሰርሓሉ ዝነበርና እዋን
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ብ1995 ኣብ ቲሬን: ኣልባንያ: እተገብረ ኣውራጃዊ ኣኼባ
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ብ1996 እተዛዘመ ኣብ ቲሬን: ኣልባንያ: ዝርከብ ህንጻ ቤትኤል
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ምስ ኢቫንጂልያ ኦርፋኒዲስ ጓል ሓብተይን (የማን ) ጆርጅ ሰብኣያን
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ላዕሊ:- ካብ ናይ 1940 “ግምቢ ዘብዐኛ” ተወሲዱ ብሕቡእ ናብ ቋንቋ ኣልባንያ እተተርጐመ ዓንቀጽ