ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w04 1/10 ገጽ 29
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ትብዓት” ኣሎካዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ነቲ ዜፍቅረካ ኣምላኽ ኣፍቅሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
w04 1/10 ገጽ 29

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሃዋርያ ዮሃንስ “ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ” ኢሉ ኪጽሕፍ ከሎ: እታ “ፍጽምቲ ፍቕሪ” እንታይ እያ: እንታይ “ፍርሃት”ከ እያ እትባርር፧

ሃዋርያ ዮሃንስ “ፍርሃትሲ ስቓይ እያ እተምጽእ: እቲ ዚፈርህ ከኣ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን: እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደአ እምበር: ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ዮሃንስ 4:18

እቲ ኣብ ካባቢ እዛ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ብዛዕባ ትብዓት: ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎ ፍቕሪ ኣምላኽን ንዕኡ ብትብዓት ምዝራብን ዘሎ ርክብ እዩ ዚገልጽ። ኣብ ቍጽሪ 17 “ብመዓልቲ ፍርድስ ትብዓት ምእንቲ ኺህልወና: በዚ እታ ፍቕሪ ኣባና ተፈጸመት” ዚብል ሓሳባት ነዚ እዩ ዜብርህ። ሓደ ክርስትያን ንኣምላኽ ዜፍቅሮ መጠንን ኣምላኽ ንዕኡ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅሮ ዚስምዖ ስምዒትን ብጸሎት ኪቐርቦ ኸሎ ኣብ ዚህልዎ ትብዓት ወይ ፍርሃት ቀጥታዊ ጽልዋ ኣለዎ።

እታ “ፍጽምቲ ፍቕሪ” እትብል መግለጺት ኣገዳሲት እያ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ፍጽምቲ” ወይ “ፍጹም” እትብል ቃል ኵሉ ሳዕ ኣይኰነትን ምሉእ ብምሉእ ፍጹም ወይ ዝለዓለ ፍጽምና እተመልከት: የግዳስ ብእተወሰነ ደረጃ ፍጹም ምዃን እተመልክተሉ እዋን ኣሎ። ንኣብነት: የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት “ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ: ንስኻትኩምውን ፍጹማት ኩኑ” በለ። ንሰዓብቱ ነቶም ዜፍቅርዎም ጥራይ እንተ ኣፍቂሮም: ፍቕሮም ዘይተማልአትን ጐደሎን ከም ዝዀነት እዩ ዚነግሮም ነይሩ። ንጸላእቶም እውን ብምፍቃር: ንፍቕሮም ፍጽምቲ ወይ እተማልአት ኪገብርዋ ነበሮም። ብተመሳሳሊ: ዮሃንስ ብዛዕባ “ፍጽምቲ ፍቕሪ” ኪጽሕፍ ከሎ: ንኣምላኽ ብምሉእ ልቢ ብዛዕባ ምፍቃር: ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ምሉእ ብምሉእ ብዛዕባ ምምዕባል: ከምኡውን ኵሉ መዳይ ህይወት ከም እትሓቍፍ ብዛዕባ ምግባር እዩ ዚዛረብ ነይሩ።—ማቴዎስ 5:46-48፣ 19:20, 21

ሓደ ክርስትያን ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ኪቐርብ ከሎ: ሓጥእን ዘይፍጹምን ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ኰይኑ ግን: ንኣምላኽ ዘለዎ ፍቕርን ኣምላኽ ከም ዜፍቅሮ ዘለዎ ስምዒትን ምሉእ ብምሉእ እንተ ኣማዕቢልዎ: ከይዅነን ወይ ከይነጽገኒ ብዚብል ፍርሂ ኣይዕገትን እዩ። ኣብ ክንድኡስ: ኣብ ልቡ ዘሎ ነገር ብትብዓት ይገልጽ: ብመሰረት እቲ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዘዳለዎ በጅነታዊ መስዋእቲ ድማ ተቢዑ ይቕረታ ይሓትት። ለመናኡ ብኣምላኽ ከም ዚስማዕ ርግጸኛ ይኸውን።

ሓደ ሰብ ‘ብፍቕሪ ፍጹም ብምዃን’ ንኸይኵነን ወይ ንኸይንጸግ ዘለዎ ፍርሂ ‘ኼባርር’ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ሃዋርያ ዮሃንስ “እቲ ንቓሉ [ንቓል ኣምላኽ] ዚሕሉ ግና ፍቕሪ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብኡ ትፍጸም” በለ። (1 ዮሃንስ 2:5) ሕስብ እሞ ኣብሎ:- ኣምላኽ ገና ሓጥኣን ከለና እንተ ኣፍቂሩና: ብሓቂ እንተ ተነሲሕናን ተጊህና ‘ቓሉ እንተ ሓሊናን’ ብዝያዳ ደይኰነን ዜፍቅረና፧ (ሮሜ 5:8፣ 1 ዮሃንስ 4:10) እወ: እሙናት ክሳዕ ዝዀንና ኸምቲ ብዛዕባ ኣምላኽ “እቲ ንወዱ እኳ ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ዝሀቦ እምበር: ዘይነሐፎ: ከመይ ደኣኸ ምስኡ ዅሉ ዘይህበና፧” ኢሉ እተዛረበ ሃዋርያ ጳውሎስ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ሮሜ 8:32

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ