ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ቀዳማይ ዮሃንስ 4:18 “እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር: ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን” ትብለና። እንተዀነ ግን: ጴጥሮስ “ሕውነት ኣፍቅሩ: ንኣምላኽ ፍርህዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 2:17) ነዘን ክልተ ጥቕስታት ብኸመይ ኢና ከነሰማምዐን እንኽእል፧
ጴጥሮስን ዮሃንስን ክልቲኦም: ብቐጥታ ካብ የሱስ ክርስቶስ እተማህሩ ሃዋርያት ኢዮም ነይሮም። ስለዚ: እቲ ዝጸሓፍዎ ከም ዝሰማማዕ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። እቲ መፍትሒ ናይዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ጥቕስታት: ክልቲኦም ሃዋርያት ብዛዕባ እተፈላለየ ዓይነት ፍርሂ ኢዮም ዝዛረቡ ነይሮም።
እስከ ናይ ጴጥሮስ ምኽሪ ቅድም ንርአ። ከምቲ እቲ ትሕዝቶ ዝገልጾ: ጴጥሮስ ንክርስትያናት ብጾት ብዛዕባ እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ንዝነበሮም ኣረኣእያ ኢዩ መንፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ ዝህቦም ዝነበረ። ብኻልእ ኣዘራርባ: ብዛዕባ እቲ ንእተወሰነ ግዝኣት ምእዛዝ ዝምልከት ግቡእ ኣረኣእያ ክህልዎም ኢዩ ሓሳባት ዝህብ ነይሩ። ስለዚ: ነቶም ኣብ ሰብኣዊ መንግስታት ናይ ስልጣን ቦታ ሒዞም ዘለዉ ከም ነገስታት ወይ ገዛእቲ ዝኣመሰሉ ሰባት: ክርስትያናት ተኣዘዝቲ ክዀኑ ኢዩ ዝመኸሮም። (1 ጴጥሮስ 2:13, 14) ጴጥሮስ ቀጺሉ “ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ: ሕውነት ኣፍቅሩ: ንኣምላኽ ፍርህዎ: ንንጉስ ኣኽብርዎ” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ጴጥሮስ 2:17
ነቲ ሓሳባት ኣብ ግምት ብምእታው: ጴጥሮስ ክርስትያናት “ንኣምላኽ ፍርህዎ” ክብል ከሎ ንኣምላኽ ዓሚቝ: ፍርሃት ዘለዎ ኣኽብሮት ምሃብ: ነቲ ዝለዓለ በዓል ስልጣን ድማ ከይተጕህዮ ኢልካ ምፍራህ ማለቱ ኢዩ።—ምስ እብራውያን 11:7 ኣነጻጽሮ።
ብዛዕባ እቲ ናይ ሃዋርያ ዮሃንስ ሓሳባትከ፧ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ 1 ዮሃንስ ምዕራፍ 4: ሃዋርያ ዮሃንስ ነቲ ካብቶም ናይ ሓሶት ነብያት ክመጽእ ዝኽእል “መንፈስ [ዝነፈሶ መግለጺታት ትሓዓ]” ናይ ምምርማር ኣድላይነት ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። እዞም መግለጺታት እዚኣቶም ብርግጽ ካብ ኣምላኽ ዝመጹ ኣይኰኑን፣ ካብዛ እክይቲ ዓለም ዝመጹ ወይ መንፈሳ ዘንጸባርቑ ኢዮም ነይሮም።
ኣንጻር ናይዚ ግን: እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት “ካብ ኣምላኽ” ኢዮም። (1 ዮሃንስ 4:1-6) እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ: ዮሃንስ “ኣቱም ፍቁራተይ: ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ: ንሓድሕድና ንፋቐር” ኢሉ ይምሕጸን። ኣምላኽ: ፍቕሪ ኣብ ምርኣይ ተበግሶ ወሲዱ ኢዩ—‘ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ሰደደልና።’ (1 ዮሃንስ 4:7-10) ብኸመይ ኢና ክንምልሰሉ ዘሎና፧
ብንጹር: ምስዚ ፈቃር ኣምላኽና ሓቢርና ክንጸንሕ ኣሎና። ብጸሎት ናብኡ ክንቀርብ ከሎና ክንርዕድ ወይ ከነንቀጥቅጥ ኣይግባኣናን ኢዩ። ኣቐድም ኣቢሉ ዮሃንስ “ኣቱም ፍቁራተይ: ልብና እንተ ዘይነቐፈና: ኣብ ኣምላኽ ትብዓት አሎና። ንትእዛዛቱ እንሕሉ . . . ስለ ዝዀንና: ነቲ እንልምኖ ዘበለ ኻብኡ ንቕበል ኢና” ኢሉ ምኽሪ ሃበ። (1 ዮሃንስ 3:21, 22) እወ: ሰናይ ሕልና: ብዘይ ዘልምስ ወይ ዝኽልክል ፍርሂ ንኣምላኽ ክንቀርቦ ናጽነት ይህበና ኢዩ። ካብ ፍቕሪ እተላዕለ ንየሆዋ ብጸሎት ክንቀርቦ ወይ ክንልምኖ ናጽነት ይስምዓና። በዚ መዳይ እዚ “ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን።”
እምበኣር ሕጂ ነዘን ክልተ ሓሳባት ንሓውሰን። ሓደ ክርስትያን: ካብቲ ንቦትኡን ሓይሉን ከምኡውን ፍትሑን ዘለዎ ዓሚቝ ክብሪ እተላዕለ: ኵሉ ግዜ ንየሆዋ ኣኽብሮታዊ ፍርሂ ክህልዎ ኣለዎ። እንተዀነ ግን: ንኣምላኽ ከም ኣቦና ከነፍቅሮን ናብኡ ምቕራብና ጽቡቕ ክስማዓናን ከምኡውን ክንቀርቦ ናጽነት ክስማዓና ኣለዎ። ኣብ ክንዲ ብዝዀነ ዓይነት ራዕዲ እንኽልከል: ልክዕ ከምቲ ሓደ ውሉድ ንፈቃር ወላዲ ክቐርቦ ከሎ ናጽነት ዝስምዖ ክንቀርቦ ከም እንኽእል ንተኣማመን።—ያእቆብ 4:8