ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w05 1/2 ገጽ 3-4
  • ህይወት ክብርቲ ድያ ሕስርቲ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ህይወት ክብርቲ ድያ ሕስርቲ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዋጋ ዘይብላን ዘይትረብሕን
  • “ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ”
  • “ናይ ሰብ ምሉእ ግዴታ”
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ካብ መጽሓፍ መክብብ ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ንህይወት ትርጕም ዘለዋ ዚገብራ እንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ህይወትካ—እንታይ ዕላማ ኣለዋ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
w05 1/2 ገጽ 3-4

ህይወት ክብርቲ ድያ ሕስርቲ፧

“ሰብ ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጥረ: ህይወት ሰብ ምጥፋእ: ኣብ ዓለም እቲ ልዕሊ ዅሉ ኽቡርን ቅዱስን ዝዀነ ነገር ምጥፋእ እዩ።”—ዘ ፕለይን ማንስ ጋይድ ቱ ኢትክስ: ብዊልያም ባርክለይ

ህይወት “ኣብ ዓለም እቲ ልዕሊ ዅሉ ኽቡር” ዝዀነ ነገር ምዃኑ ትሰማምዓሉዶ፧ ነቲ ሰባት ዜንጸባርቕዎ ባህርያት ምስ እንዕዘብ ግን: ብዙሓት ነዚ እዚ ጸሓፊ ዝበሎ ኸም ዘይሰማምዑሉ ንጹር እዩ። ብሚልዮናት ዚቝጸር ህይወት በቶም ንሰብ ዘይሓልዩ ዓመጸኛታት ሰባት ጠፊኡ እዩ።—መክብብ 8:9

ዋጋ ዘይብላን ዘይትረብሕን

ቀዳማይ ውግእ ዓለም ነዚ ጽቡቕ ኣብነት እዩ ዚዀነና። ኣላን ጆን ፐርሲቬል ተይለር ዚበሃል ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝገለጾ: ኣብቲ ዜስካሕክሕ ቀዳማይ ውግእ ዓለም “ሰባት ብዘይረብሕ ምኽንያት ይስውኡ ነይሮም” በለ። ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝናን ክብርን ኪረኽቡ ኢሎም ንወተሃደራቶም ከም ዋጋ ዘይብሎምን ከም ዘይረብሑን ገይሮም እዮም ተጠቒሞምሎም። ኣብታ ኣብ ፈረንሳ እትርከብ ቨርዱን እትበሃል ቦታ እተገብረ ዂናት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ሞይቶም እዮም። ተይለር “እቲ ዂናት ሰባት ዚቕተሉሉን ክብሪ ዚረኽቡሉን ካብ ምዃን ሓሊፉ ዋላ ሓንቲ ረብሓ [ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት] ኣይነበሮን” በለ።—ዘ ፈርስት ዎርልድ ዎር

ብዙሓት ንህይወት ኣኽቢሮም ኣይርእይዋን እዮም። ኬቨን ቤልዝ ዚበሃል ምሁር ኣብዚ ቐረባ እዋን ‘ቅልጡፍ ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ: ንዓለም ብሚልዮናት ብዚቝጸሩ ድኻታትን መሳኪንን ከም ዘጥለቕለቓ’ ሓቢሩ ኣሎ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብቲ ‘ህይወት ከም ሕስርቲ እትረኣየሉ’ ጨቋኒ ንግዳዊ ስርዓት ንምንባር ጥራይ ምሉእ ህይወቶም ይቃለሱ። ቤልዝ ኣስዕብ ኣቢሉ እቶም መዝመዝቲ ነቶም ሰባት ከም ባሮት ገይሮም ከም ዚሕዝዎም: “ገንዘብ ንምርካብ ድሕሪ ምግልጋል ዚጐሓፉ መሳርሒ”ኸም ዝዀኑ ገይሮም እውን ከም ዚርእይዎም ገለጸ።—ዲስፖዛብል ፒፕል

“ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ”

ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ዋጋ ዘይብሎምን ተስፋ ዝቘረጹን ኰይኑ ኸም ዚስምዖም ዚገብር: ወይ ከኣ ይሙቱ ይንበሩ ፋዕራ ዚገብረሎም ሰብ ዘየለ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም ዚገብር ካልእ ምኽንያታት እውን ኣሎ። ውግእን ዘይፍትሓውነትን ጥራይ ዘይኰነስ: ድርቂ: ጥሜት: ሕማም: ሞት: ከምኡውን ሓያሎ ኻልእ ነገራት ንሰባት ይቐዝፎም ኣሎ: ብዙሓት ድማ ብህይወት ምንባር መሪርዎምሲ ዓለም ከንቱ እያ ይብሉ ኣለዉ።—መክብብ 1:8, 14

ልክዕ እዩ: ኵሉ ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳረ መከራ የጋጥሞ እዩ ማለት ኣይኰነን። እቶም ብዙሕ ጭቈና ዘየሕለፉ እውን ነቲ ናይ ጥንታዊት እስራኤል ንጉስ ዝነበረ ሰሎሞን “ሰብ በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዐረሉን ልቡ ዝሀወኸሉን ኵሉ እንታይ እዩ ረብሓኡ፧” ብምባል እተዛረቦ ቓላት የቃልሑ እዮም። ሓያሎ ሰባት ነዚ ዅሉ ድሕሪ ምሕሳብ: መብዛሕትኡ እቲ ዚገብርዎ ነገራት “ከንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይን” ከም ዝዀነ እዩ ዚስምዖም።—መክብብ 2:22, 26

ገሊኦም ንዘሕለፍዎ ህይወት ምልስ ኢሎም ኪርእዩ ኸለዉ: “ኣኺልዋ ህይወት እዚኣ እያ፧” ኢሎም ይሓቱ። እወ: ከም ኣብርሃም ‘ዕድመ ጸጊቦም’ ዚሞቱ ብዙሓት የለዉን። (ዘፍጥረት 25:8) መብዛሕትኦም ህይወት ብላሽ ኰይና እያ እትስምዖም። ኰይኑ ግን: ህይወት ናይ ግድን ከንቱ ኽትከውን የብላን። ኣምላኽ ንህይወት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከም ክብርቲ ገይሩ እዩ ዚርእያ: ነፍሲ ወከፍና ብሓቂ ዜዕግብን ዜሐጕስን ህይወት ኪህልወና ኸኣ እዩ ዚደሊ። እዚ ብኸመይ እዩ ኺፍጸም ዚኽእል፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ከም እትብል እስከ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ