ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w05 15/4 ገጽ 3-4
  • ልዕሊ ዓቕምና ዝዀነ ፍልጠት ድዩ ዘሎ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ልዕሊ ዓቕምና ዝዀነ ፍልጠት ድዩ ዘሎ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕጅን ንዘለኣለምን ፍልጠት ምድላብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ደቅሰብ ፍልጠት ኣምላኽ የድልዮም ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ዘሐጕስ መጻኢ ግዜ ክህልወካ ይኽእል ኢዩ!
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
  • “ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
w05 15/4 ገጽ 3-4

ልዕሊ ዓቕምና ዝዀነ ፍልጠት ድዩ ዘሎ፧

ሚስዮናውያን ሰብ ሓዳር ኣብ ገማግም ምዕራብ ኣፍሪቃ ኾፍ ኢሎም ነታ ድምቕቲ ወርሒ እናተዓዘቡ ኸለዉ: እቲ ሰብኣይ “ሰብ ብዛዕባ ወርሒ ኽንደይ ዚኣክል ኰን ይፈልጥ ይኸውን: ገና ብሕጂ ዚፍለጥከ ኽንደይ ዚኣክል ተሪፉ ይኸውን፧” ኢሉ ተዛረበ።

እታ ብዓልቲ ቤቱ ድማ “ንምድሪ ኸምዛ ወርሒ እዚኣ ጌርና ኽንርእያ እንተ ንኽእል እሞ ሕስብ ኣብሎ—ኣብ ምድሪ ኽንደይ ዚኣክል ፍልጠት እዩ ዘሎ: ገና ብሕጂ እንፈልጦኸ ኽንደይ ዚኣክል ተሪፉ ይኸውን፧” በለት። ኣስዕብ ኣቢላውን “ሕስብ እሞ ኣብሎ! ምድሪ ኣብ ዙርያ ጸሓይ ትዘውር ኣላ ጥራይ ዘይኰነስ: ምሉእ ስርዓተ-ጸሓይ እውን ኣብ ምንቅስቓስ እዩ ዘሎ። እዚ ማለት ድማ ምናልባት ኣብዛ ኣብ ዩኒቨርስ ዘለናላ ቦታ ኸቶ እንደገና ኣይንምለስን ንኸውን። ብሓቂ እኳ ደኣስ እዚ ዘለናሉ ቦታ እውን እንተዀነ: ምስቲ እንፈልጦ ሰማያዊ ኣካላት ብምንጽጻር ኢና እንፈልጦ። ብዛዕባ ገሊኡ ነገራት ብዙሕ ፍልጠት እኳ እንተሎና: ኣበይ ከም ዘለና ግን ኣይንፈልጥን ኢና ኺበሃል ይከኣል እዩ!” በለት።

እዚ ሓሳባት እዚ ንገሊኡ መሰረታዊ ሓቅታት ዚትንክፍ እዩ። ብዙሕ ክንፈልጦ ዚግብኣና ነገራት ኣሎ። ልክዕ እዩ: ነፍሲ ወከፍና ኣብ መመዓልቲ ሓድሽ ነገር ንፈልጥ ኢና። ይኹን እምበር: ዝደለብናዮ ፍልጠት ብዘየገድስ: ክንድቲ ኽንፈልጦ እንሃርፎ መጠን ብቕልጡፍ ክንፈልጥ ኣይከኣለናን እዩ።

ሓቂ እዩ: ሓድሽ ሓበሬታ ኣብ ምርካብ ጥራይ ዘይኰነስ: ፍልጠት ናይ ምድላብ ክእለት እውን ኣጸቢቑ ወሲኹ እዩ። ወድሰብ ብተክኖሎጂ ኣቢሉ ዚድልቦ ፍልጠት ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ ዚኸውን ዘሎ። ናይ ኮምፕዩተር ሓበሬታ ዚኽዝን ሃርድ ዲስክ ኣዝዩ ሰፊሕ ሓበሬታ ስለ ዚሕዝ: ነቲ ኪኽዝኖ ዚኽእል ዓቕሙ ንምግላጽ ሓድሽ ቃላት ይፍጠር ኣሎ። ሓደ ተራ ሲዲ ብዙሕ ሓበሬታ ኺዓቍር ይኽእል እዩ: ብሓፈሻኡ 680 ሜጋ ባይት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኸም ዚሕዝ እዩ ዚግለጽ። ሓደ ዲቪዲ ኸኣ ካብቲ ሲዲ ዚሕዞ ሸውዓተ ዕጽፊ ዚኸውን ሓበሬታ ይሕዝ: ገሊኡ ኻብኡ ንላዕሊ ኺሕዝ ዚኽእል እውን ኣሎ።

ሰብ ሓበሬታ ዚድልበሉ መገዲ ምርዳኡ እውን የጸግመና እዩ ዘሎ። ዓበይቲ ሓተምቲ ማካይን ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን: ሓያሎ ጋዜጣታትን መጽሔታትን መጻሕፍትን ኪሓትማ ይኽእላ እየን። ሓደ መርበብ ሓበሬታ ወይ ኢንተርነት ዚጥቀም ሰብ እተወሰነ ነገራት ብምጽቕቓጥ ጥራይ መወዳእታ ዘይብሉ ሓበሬታ ኺረክብ ይኽእል እዩ። በዝን ብሓያሎ ኻልእ መገድታትን ኣቢሉ ሓበሬታ ዚብተነሉ ኣገባብ: ካብቲ ሰብ ኪጥቀመሉ ዚኽእል መጠን ንላዕሊ ዝፈጠነ እዩ። እዚ መጠን ሓበሬታ እዚ ሓድሓደ ግዜ ምስ ባሕሪ ይመሳሰል እዩ። ኣዝዩ ሰፊሕ ብምዃኑ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብኡ ምሕንባስ ደኣ ኽንመሃር ኣሎና እምበር ኵሉ ኽንሰትዮ ኽንፍትን የብልናን። እቲ ብዝሑ ድማ መረጽቲ ኽንከውን የገድደና።

ካልእ መረጽቲ ንኽንከውን ዚድርኸና ምኽንያት ከኣ: መብዛሕትኡ ሓበሬታ ጠቓሚ ብዘይምዃኑ እዩ። እወ: ገሊኡ ዘይድለ እዩ። ጽቡቕ ኰነ ሕማቕ: ጠቓሚ ዀነ ጐዳኢ ሓበሬታ ብምሉኡ ፍልጠት ተባሂሉ ኸም ዚጽዋዕ ኣይትረስዕ። ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ ድማ ብብዙሓት ከም ሓቂ ጌርካ ዚውሰድ ነገር ቅኑዕ ኣይኰነን። ኣኽቢርካ ዚረኣዩ ሰባት እተዛረብዎ ዘረባ እኳ ኸይተረፈ: ጸኒሑ ጌጋ ወይ ሓሶት ኰይኑ ተረኺቡ እዩ። ንኣብነት: ብዛዕባ ሓደ ኣብ ጥንታዊት ኤፌሶን ፈላጥ ዚበሃል ብዓል ስልጣን እተዛረቦ ነገር እሞ ሕሰብ። እዚ ሰብ እዚ “ኣቱም ሰብ ኤፌሶን: ከተማ ኤፌሶን ነቲ መቕደስ እታ ዓባይ ኣርጤምስን ነቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ምስላን ከም እትሕሉ ዘይፈልጥ ሰብ እንታዋይ እዩ፧” ኢሉ ተዛረበ። (ግብሪ ሃዋርያት 19:35, 36) እዚ ዘረባ እዚ ዅሉ ሰብ ዚሰማምዓሉ ዘየማትእ ነገር ጌርካ ይርአ እኳ እንተ ነበረ: እቲ ምስሊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ዚብል ሓሳብ ግን ሓቂ ኣይኰነን። ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት ካብቲ “ብሓሶትሲ ፍልጠት ተብሂሉ ዘሎ” ኺርሕቁ ምጥንቃቑ ሓቁ እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 6:20

ሓደ ኻብቲ ብዛዕባ እንድልቦ ፍልጠት መረጽቲ ኽንከውን ዜገድደና ምኽንያት ኣብዚ እዋን እዚ ህይወትና ሓጺር ምዃኑ እዩ። ዕድሜኻ ብዘየገድስ: ኣብ ብዙሕ ዓውድታት ፍልጠት ክትኣቱ ኸም እትደሊ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ከምዚ ንምግባር ዕድሜኻ ኸም ዘይኣኽለካ ትፈልጥ ኢኻ።

እዚ መሰረታዊ ሽግር እዚ ይፍታሕ ደዀን ይኸውን፧ ህይወትና ኣጸቢቑ ኼናውሓልና ዚኽእል: አረ ንዘለኣለምውን ኬንብረና ዚኽእል ዓውዲ ፍልጠት ይህሉ ደዀን ይኸውን፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልጠት ሕጂ ኣሎዶ፧ እንተሎ: ንዅሉ ሰብ ኪባጻሕ ይኽእልዶ፧ ኵሉ ፍልጠት ዘበለ ሓቂ ዝዀነሉ እዋን ይመጽእዶ ዀን ይኸውን፧ እቶም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ሚስዮናውያን ሰብ ሓዳር ነዚ ሕቶታት እዚ ዜዕግብ መልሲ ረኺቦምሉ እዮም: ንስኻውን ከምኡ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ንምርካብ ነዛ ንዘለኣለም ፍልጠት ክንድልብ ከም እንኽእል ተስፋ እትህብ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ግዳ ኣንብባ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ