“ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ”
1 እተን ኣብ ዮሃንስ 17:3 ተመዝጊበን ዝርከባ ቃላት የሱስ ብርዝነት ክርኣያ ዘለወን ኢየን። የሱስ እዚ ክብል ከሎ: ብዛዕባ ኣምላኽን ክርስቶስን ምፍላጥ ዘለኣለማዊ ህይወት ኢዩ ማለቱ ነበረ! እዚ ግን ፍልጠት ብዛዕባ የሆዋን የሱስን ስለ ዘሎና ጥራይ ዓስቢ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንረክብ ማለት ድዩ፧ ኣይኰነን። እስራኤላውያን የሆዋ ኣምላኾም ምዃኑ ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም: ናብራ ህይወቶም ግን ነቲ እምነት እቲ ዘንጸባርቕ ኣይነበረን። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ: ስምረቱ ሰኣኑ። (ሆሴ. 4:1, 2, 6) ሎሚ ሚልዮናት ሰባት: ‘ብፍልጠት ደኣ ኣይኰነን እምበር: ንኣምላኽሲ ቅንኣት ይህልዎም’ ይኸውን ኢዩ። (ሮሜ. 10:2) ነቲ ‘ኣምላኽ ሓቂ ንሱ በይኑ ዝዀነ’ የሆዋ ክፈልጥዎን ከመይ ገይሮም ብግቡእ ከም ዘገልግልዎ ክማሃሩን የድልዮም። ነዚ ንምፍጻም ኣብ ሕዳር ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ወይ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ ዝብላ መጻሕፍቲ ክንዕድል ኢና። እንታይ ኣቀራርባ ክትጥቀም ኢኻ፧ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ገለ ሓሳባት እነሀዉልካ።
2 እቲ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ዝብል ሓሳባት ንመብዛሕትኦም ሰባት ሓድሽ ስለ ዝዀነ: እዚ መእተዊ እዚ ተገዳስነቶም ክማርኽ ይኽእል ይኸውን:-
◼ “ንጐረባብትና ሓንቲ ሕቶ ንሓቶም ኣሎና። ኣብ ከምዚኣ ዝኣመሰለት ዓለም ክትነብር እንተ ትዕደም ነይርካ: ነቲ ዕድመ ምተቐበልካዮዶ፧ [ነቲ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ኣብ ገጽ 4-5 ወይ ኣብ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ገጽ 12, 13 ዘሎ ስእሊ ኣርእዮ። መልሲ ኸኣ ተጸበ።] እዚ ኣብ ህይወትካ ብሓቂ ዘሐጕስ ተመክሮ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ ኣባኻ ክዉን ኰይኑ ክትርእዮ ግን እንታይ ክትገብር ኣሎካ ኢልካ ትሓስብ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብመሰረት ዮሃንስ 17:3 እንታይ ስጕምቲ ከም ዘድሊ ኣስተብህል። [ኣንብባ።] እዛ መጽሓፍ እዚኣ: ብዙሓት ነዚ ፍሉይ ዓይነት ፍልጠት እዚ ንኸጥርዩ ትሕግዞም ኣላ። ንኸተንብባ ናይ ብሕቲ ቅዳሕ ክትህልወካ ምደለኻዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣብ ዝቕጽል ምብጻሐይ: ዘለኣለማዊ ህይወት ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ክንረክብ ንኽእል ኢና ኢልና ክንኣምን: ስለምንታይ ምኽንያታዊ ከም ዝዀነ ክንመያየጥ ንኽእል ኢና።”
3 ነቶም ብዛዕባ ዮሃንስ 17:3 ኣዘራሪብካዮም ዝነበርካ ተመሊስካ ክትበጽሖም ከሎኻ: ከምዚ ብምባል ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ኣብ ዝሓለፈ ምብጽሐይ: ነተን የሱስ ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕብኡን ምፍላጥ ማለት ዘለኣለማዊ ህይወት ከም ዝዀነ ዘረጋገጸለን ኣብ ዮሃንስ 17:3 ዝርከባ መሰጥቲ ቃላት ኣንቢበልካ ነይረ። ብዙሓት ሰባት ግን ዝሓሸ ህይወት ኣብ ሰማይ ጥራይ ኢዩ ክርከብ ዝከኣል ኢሎም ይኣምኑ። ብዛዕባ እዚ እንታይ ይስማዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እታ ዝሓደግኩልካ መጽሓፍ ኣብ ቀረባ እንተድኣ ኣልያ: ገነት መሊሳ ኣብ ምድሪ ከም እትኸውን ዘረጋግጽ ገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ከርእየካ ምፈቶኹ። [ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ገጽ 9-10 ዘሎ ቍጽሪ 11-16: ወይ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ገጽ 156-8 ተመያየጠሎም።] ኣብ ዝቕጽል ምብጽሐይ: ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ተስፋታት እዚ ስለምንታይ ክትኣምኖ ከም እትኽእል ከርእየካ ደስ ይብልኒ። ክሳዕ ሽዑ ግን: ንምዕራፍ 2 ካብ መጽሓፍካ ከተንብባ ትኽእል ኢኻ።”
4 ምስ ሃይማኖታዊ ዝንባለ ዘለዎም ሰባት ክትጥቀመሉ እትኽእል ኣቀራርባ እንሆ:-
◼ “ምስ ጐረባብትና ኣብ ዓለም ኣዝየን ብዙሓት ሃይማኖታት ዘለዋሉ ምኽንያት ክንዘራረብ ጸኒሕና። ኣብ ምሉእ ዓለም ገለ 10,000 ዝዀና ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ኣለዋ። ገና ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ኢዩ። እዚ ናይ ሃይማኖታት ምድንጋር ዝሃለወ ደኣ ስለምንታይ ኢዩ ኢልካ ትሓስብ፧ [መልሲ ተጸበ። ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ምዕራፍ 5 ገንጽል እሞ ቍጽሪ 1 ኣንብብ: ወይ ኣብ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ገጽ 30 ገንጺልካ ቍጽሪ 13 ኣንብብ።] ነዛ ምዕራፍ እዚኣ ብምንባብ: ነዞም ሕቶታት እዚኣቶም ዘዕግብ መልሲ ክትረኽበሎም ኢኻ። ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ንኽትምርምር ትግደስ እንተድኣ ዄንካ ንኽገድፈልካ ሕጕስ ኢየ።” እንተድኣ ተሰማሚዑ: ንኽትምለስ ውሱን ምድላዋት ግበር: ከምዚውን በሎ “ምስ ተመለስኩ: ኵለን ሃይማኖታት ናብ ሓደ ቦታ ዝመርሓ እተፈላለያ መገድታት ምዃነን ወይ ዘይምዃነን ክንመያየጥ ንኽእል ኢና።”
5 ነቲ ኣዝየን ብዙሓት ሃይማኖታት ዘለዋሉ ምኽንያት ዝገበርካዮ ምይይጥ ክትቅጽሎ ምስ ተመለስካ: ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ኣብ መወዳእታ እተራኸብናሉ: ኵለን ሃይማኖታት ናብ ሓደ ቦታ ዝመርሓ እተፈላለያ መገድታት ድየን ወይስ ኣይኰናን ዝብል ሕቶ ኣልዒለልካ ነይረ። ብዛዕባ እዚ እንታይ ትብል፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣብዚ ጕዳይ እዚ የሱስ እንታይ ከም ዝበለ: ኣብታ ዝሓደግኩልካ መጽሓፍ ከርእየካ ደስ ይብለኒ። [ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ምዕራፍ 5 ገንጽል እሞ ቍጽሪ 6-7 ኣንብብ: ወይ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ምዕራፍ 3 ብምግንጻል ቍጽሪ 1-3 ኣስዒብካ ኸኣ 14: ከምኡውን ማቴዎስ 7:21-23 ኣንብብ።] ፍቓድ ኣምላኽ ብልክዕ እንታይ ምዃኑ ምፍላጥ ስለምንታይ ኣዝዩ ኣድላዪ ከም ዝዀነ ይገርመካ ይኸውን። እዘን ዝቕጽላ ቍጽርታት ሓበሬታ ዝህባ ኰይነን ክትረኽበን ኢኻ። ነቲ ናይዛ ምዕራፍ እዚኣ ዝተረፈ ቍጽርታት በጃኻ ኣንብቦ። ኣብ ዝቕጽል ግዜ ምስ መጻእኩ: ርጡብ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ምሓዝ ዘለዎ ጥቐሚ ከርእየካ ባህ ይብለኒ።”
6 ቀጥታዊ ኣቀራርባ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር መብዛሕትኡ ግዜ ዕዉት ኢዩ። ኣብ መጽሓፍ “ምምርማር ” ገጽ 12 (እንግሊዝኛ) ቀሪቡ ዘሎ መእተዊ እንሆ:-
◼ “ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብረልካ ኢየ ዝበጽሓካ ዘሎኹ። ዝከኣል እንተድኣ ኰይኑ ኣብ 200 ዝዀና ሃገራት ዘለዉ ሰባት ከም ስድራቤት መጠን ኣብ ቤቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዝመያየጥሉ ንሒደት ደቓይቕ ጥራይ ከርእየካ ኣፍቅደለይ። ንምይይጥና መሰረት ዝኸውን ካብዚ ኣብዚ ዘሎ እርእስትታት ዝዀነ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። [ኣብታ መጽሓፍ ዘሎ ትሕዝቶ ኣርእዮ።] ብፍላይ እተገድሰካ ኣየነይቲ ኢያ፧” እቲ ሰብ ክመርጽ ተጸበዮ። ናብታ ዝመረጻ ምዕራፍ ገንጽል እሞ: በታ ቐዳመይቲ ቍጽሪ ጽንዓት ጀምር።
7 ጽንዓታት ንምጅማር ክትፍትኖ እትኽእል ካልእ ቀጥታዊ ኣቀራርባውን እንሆ:-
◼ “ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ብዘይ ገለ ክፍሊት እህብ ኣሎኹ: ንተወሰኽቲ ተማሃሮ ዝኸውን ግዜ እውን ኣሎኒ። ነዛ ናይ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ መሳርሒ እዚኣ ኸኣ ኢና እንጥቀም። [ነታ መጽሓፍ ኣርእዮ።] እቲ ትምህርቲ ሒደት ኣዋርሕ ጥራይ ኢዩ ዝወስድ: ንኸም ኣምላኽ ስቓይ ዘፍቀደ ስለምንታይ ኢዩ፧ እንኣርግን እንመውትን ስለምንታይ ኢና፧ ሞይቶም ዘለዉ ፍቑራትና እንታይ ኢዮም ዝዀኑ፧ ከምኡውን ብኸመይ ኢኻ ናብ ኣምላኽ ክትቀርብ እትኽእል፧ ዝብል ሕቶታት መልሲ ይህብ። እቲ ጽንዓት ብኸመይ ከም ዝግበር ከርእየካ፧” ጽንዓት ክግበረሉ እንተድኣ ዘይተሰማሚዑ: ባዕሉ ምእንቲ ከንብባ እታ መጽሓፍ ክወስዳ ሕተቶ።
8 ብዛዕባ ኣምላኽን ክርስቶስን ርጡብ ፍልጠት ዘለዎ ነፍሲ ወከፍ ሰብ: ኣየ ከመይ ዝበለ መዝገብ ኢዩ ኣጥርዩ ዘሎ! ብሓቂ ገይርካ ምውሳዱ ክበሃል ከሎ ዘለኣለማዊ ህይወት ኣብ ፍጹም ኵነታት ማለት ኢዩ። ኣብ ሕዳር ነቲ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ንኻልኦት ምእንቲ ከነካፍሎም ንዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚ ንጠቐመሉ።