ነቲ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ምዝርጋሕ
1 የሆዋ “ፍልጠት ንሰብ ዚምህር” ኢዩ። (መዝ. 94:10) ነቶም ንኣምላኽ ተቐባልነት ብዘለዎ መገዲ ብኸመይ ከም እተገልግሎ ዘይተገንዘቡ ሰባት ብዛዕብኡ ህይወት ዘድሕን ፍልጠት ንምዝርጋሕ ይጥቀመልና ኢዩ። ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ከምኡውን ኣብ ምድሪ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ [እንግሊዝኛ] እተባህላ መጻሕፍቲ: ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ካብ ቃሉ: መጽሓፍ ቅዱስ: ብዛዕባ ኣምላኽ ርጡብ ምርዳእ ክረኽቡለን ዝኽእሉ ጽቡቓት ናይ መምሃሪ መሳርሒታት ኢየን። (1 ጢሞ. 2:3, 4) እቲ ንጹርን ርዱእን መግለጺታት ናይ ሓቂ: ሰባት ነቲ የሆዋ ክምህሮም ደልዩ ዘሎ ንኽርድኡ ክሕግዞም ኢዩ። ኣብዚ ወርሒዚ ሰባት ካብዘን መጻሕፍቲ ንሓዲኤን ከም ዘንብቡ ኣብ ዝገብሮም ዕላል ክንሳተፍ ደሊና ኣሎና። ቀጺሉ ገለ ገለ ርእይቶታት ኣሎ። ነዚ ክትሽምድዶ ኣብ ክንዲ ምፍታን: ነቲ ቀንዲ ሓሳባት ብቓላትካ ክትገልጾ ፈትን: በዚ ድማ ዕላልካ ባህርያውን ዝያዳ ዝስሕብን ክኸውን ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]
2 መብዛሕትኦም ሰባት ዘፍቅርዎ ሰብ ብሞት ስለ ዝሰኣኑ: መጀመርታ ከምዚ ቀጺሉ ዘሎ ብምባል ንተስፋ ትንሳኤ ከም ጽቡቕ መእተዊ ክትዓየሉ ትኽእል ኢኻ:-
◼ “መብዛሕትና እነፍቅሮ ሰብ ብሞት ስኢንና ኢና። ነቲ ዝሞተ እንደገና እርእዮ ደዀን እኸውን ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] ሞት ክፍሊ ናይቲ ኣምላኽ ንሰብ ሓሲብሉ ዝነበረ ናይ መጀመርያ ዕላማ ኣይነበረን። የሱስ እነፍቅሮም ሰባት ካብ ሞት ክድሕኑ ከም ዝኽእሉ ኣረጋጊጹ ኢዩ። [ዮሃንስ 11:11, 25, 44 ኣንብብ።] እዚ ሽሕ’ኳ ዘበናት ይገብር እተፈጸመ ነገር እንተዀነ: ኣምላኽ ንዓና እንታይ ክገብረልና ከም እተማባጽዐ ዘርኢ ኢዩ። [መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 162 ኣብ ሸነኽ ታሕቲ ዘሎ ስእሊ: ቀጺልካ ድማ ኣብ ገጽ 166 ዘሎ ናይ ምዕራፍ 20 ኣርእስቲ ገንጽል። ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ምስ ዝኸውን ድማ ኣብ ገጽ 85 ዘሎ ስእልን ናይቲ ስእሊ መግለጽን: ድሕርዚ ኸኣ ኣብ ገጽ 86 ገንጽል።] ብዛዕባ እዚ ዘጸናንዕ ተስፋ ትንሳኤ ዝያዳ ከተንብብ እንተደሊኻ: እዛ መጽሓፍ ክገድፈልካ ደስ ይብለኒ።”
3 ንተስፋ ትንሳኤ ዝምልከት ናይ መጀመርታ ዝርርብ ድሕሪ ምግባርኩም: ምስቲ ሰብ እቲ ነቲ ዝቕጽል ዝርርብ ከምዚ ብምባል ክትጅምሮ ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ሞት ክፍሊ ናይቲ ኣምላኽ ንሰብ ሓሲብዎ ዝነበረ ናይ መጀመርያ ዕላማ ኣይነበረን ኢለ ከም እተዛረብኩኻ ትዝክሮ ትኸውን። እዚ ሓቂ እንተድኣ ዀይኑ ድኣ: ስለምንታይ ኢና እንኣርግን እንመውትን፧ ገሊኦም ጐብየታት ባሕሪ ልዕሊ 100 ዓመታት ይነብሩ: ኣሽሓት ዓመታት ዕድመ ዘለዎም ኣእዋም ድማ ኣለዉ። ሰባት ግን 70 ወይ 80 ዓመታት ጥራይ ዝነብሩ ስለምንታይ ኢዮም፧ [መልሲ ተጸበ።] እንሞተሉ ምኽንያት እቶም ናይ መጀመርያ ጽምዲ ሰባት ንኣምላኽ ስለ ዘይተኣዘዝዎ ኢዩ።” ሮሜ 5:12 ኣንብብ። ኣብ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር [እንግሊዝኛ] ገጽ 10 ከምኡውን 74 ወይ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ገጽ 53 ገንጺልካ ነቲ ኣርእስቲ ኣንብቦ። ናብቲ ተጻሒፉ ዘሎ መልሲ ናይቲ ሕቶታት ብምምልካት: ክልተ ወይ ሰለስተ ቍጽርታት ኣንብብ። ነቲ ዝተረፈ ክፍሊ ናይታ ምዕራፍ ንኽትመያየጠሉ ካልእ ግዜ ክትምለስ ቈጸራ ግበር። ክሳዕ ሽዑ እቲ ሰብ ኣንቢቡ ክውድኣ ኣተባብዓዮ።
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]
4 ንሓደ ሃይማኖታዊ ዝመስል ሰብ ትዛረቦ እንተድኣ ኣሎኻ: ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ሎሚ ቃል ብቓሉ ብኣማእታት ዝቝጸራ እተፈላለያ ሃይማኖታት ኣለዋ። ኵሉ ዓይነት ዝጋጮ እምነታት ድማ ይምህራ ኢየን። ገለ ሰባት ኵለን ሃይማኖታት ቅኑዓት ኢየን: እንኣምኖ ነገር ድማ ለውጢ ኣየምጽእን ኢዩ ይብሉ። ካልኦት ከኣ ኵሉ ሰብ ነታ ኣብቲ ከባቢ ዘላ ጥንታዊትን ልምዲ እትኽተልን ሃይማኖት ክስዕብ ኣለዎ ይብሉ። ናትካ ርእይቶኸ እንታይ ኢዩ፧ [መልሲ ተጸበ።] የሱስ ብዛዕባ እታ ሓቀኛ ሃይማኖት ምሂሩ ኢዩ: ካልእ ዓይነት ኣገባብ ኣምልኾ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ገሊጹ ኢዩ። [ማቴዎስ 7:21-23 ኣንብብ።] ንኣምላኽ ከነሐጕሶ እንተድኣ ደሊና: ምስ ፍቓዱ ተሰማሚዕና ከነምልኾ ኣሎና።” መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር [እንግሊዝኛ] ገጽ 25 ወይ ድማ መጽሓፍ ፍልጠት ነቲ ኣብ ገጽ 43 ዝርከብ ምዕራፍ 5 ገንጺልካ: ነቲ ኣርእስቲ ኣንብቦ: ከምኡውን ንገለ ካብቲ ንኡስ ኣርእስትታት ጠቒስካ ተዛረብ። እዚ ሓበሬታ እዚ ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ብኸመይ ከም ዘሐጕሶ ንኽማሃር ዝሕግዞ ምዃኑ ግለጽ። ነታ መጽሓፍ ድማ ኣበርክተሉ።
5 እቶም ኣዝየን ብዙሓት ሃይማኖታት ብምህላወን እተደናገሩ ሰባት ተመሊስካ ክትበጽሖም ከሎኻ ንመልሲ ናይዚ ሕቶ እዚ ከማስውሉ ይኽእሉ ኢዮም:-
◼ “ሎሚ ኣዝየን ብዙሓት እተፈላለያ ሃይማኖታት ስለ ዘለዋ: ኣየነይቲ ቅንዕቲ ምዃና ብኸመይ ክንውስን ንኽእል፧ ንስኻኸ ብኸመይ ምወሰንካ፧ [መልሲ ተጸበ።] የሱስ ነቶም ሓቀኛታት ሰዓብቱ ብኸመይ ከም እነለልዮም ነጊሩና ኢዩ።” ዮሃንስ 13:35 ኣንብብ። ነታ ኣብ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር [እንግሊዝኛ] ገጽ 184 ዘላ ናይ ምዕራፍ 22 ኣርእስቲ ምስተን ኣብ ገጽ 189 ዝርከባ ቍጽሪ 16 ከምኡውን 17 ኣከተታቲልካ ኣንብበን። (እዚ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ኣብ ምዕራፍ 5 ቍጽሪ 18 ከምኡውን 19 ኢዩ ዝርከብ።) ነዚ ቅዱስ ጽሑፋዊ መምርሒታት ከምኡውን ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖት ብመዐቀኒ ገይርካ ብምሕላፍ: ሓደ ሰብ ነታ ሓቀኛ ሃይማኖት ከለልያ ይኽእል ኢዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ናይ ሓቂ ፍቕሮምን ዝለዓለ ናይ ስነ-ምግባር መዐቀኒታቶምን ኣብ ዓለም ፍሉጣት ምዃኖም ንገሮ። በታ መጽሓፍ ተጠቒምካ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ነቲ ኣምላኽ ዝሰምሮ ዓይነት ኣምልኾ ኣነጺርካ ንምልላይ ከም ዝጠቅም ግለጽ።
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]
6 ወላዲ ዝዀነ ሰብ እንተድኣ ረኺብካ ድማ: እዚ ኣቀራርባ እዚ ኣስላጢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ:-
◼ “ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብዛዕባ ዘይእዱብ ጠባይ ናይቶም ዝዀነ ይኹን ስነ-ምግባራዊ ወግዕታት ዘይብሎም መንእሰያት ጸብጻባት ንሰምዕ ኢና። ገለ ዓበይቲ ሰባት ንቘልዑ ስነ-ምግባራዊ ወግዕታት ስለ ዘይምህሮም ኢዩ ብምባል ነቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ስርዓት ክነቕፉ ይደልዩ። ነዚ ምልምማድ እዚ መን ክህቦ ኣለዎ ኢልካ ትሓስብ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዛዕባ እዚ ሕቶ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝብል ስማዕ። [ኤፌሶን 6:4 ኣንብብ።] እዚ: ናይ ስነ-ምግባር ወግዕታት ኣብ ኣእምሮ ቘልዑ ምስራጽ ናይ ወለዲ ሓላፍነት ምዃኑ ኢዩ ዝነግረና።” ኣብ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር [እንግሊዝኛ] ገጽ 248 ገንጺልካ ቍጽሪ 30 ኣንብብ። ድሕርዚ ነቲ ኣብ ገጽ 245 ዘሎ ስእልታት ከምኡውን ንቝጽሪ 20, 21 ሓሳብ ሃበሉ። (እዚ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ገጽ 145-147 ቍጽሪ 16-18 ኢዩ ዝርከብ።) ምስ ስድራቤታት ከምዚ ዝበለ መጽናዕቲ ብኸመይ ከም እንዓዪ ኣርእዮ።
7 ኣብ ቀዳማይ እግርኻ ምስ ሓደ ግዱስ ወላዲ ጽንዓት ጀሚርካ እንተድኣ ነይርካ: ተመሊስካ ክትበጽሕ ከሎኻ ከምዚ ብምባል ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “እዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ንመንእሰያትና ብዙሕ ፈተናታት ኢያ ተቕርበሎም። እዚ ድማ ምስ ዓበዩ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ክዀኑ ኣዝዩ የሸግሮም ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ምይይጥና ምናልባት ትዝክሮ ትኸውን: ክልተ ስርዓታት ፍልይ ኣቢልና ርኢና ነይርና። ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለዲ ከም ምዃንና መጠን ንደቅና ሰናይ ኣርኣያ ክንኰኖም የድልየና: ከየቋረጽና ድማ መግለጺታት ናይቲ ንዓኣቶም ዘሎና ፍቕሪ ክንህብ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ውሉዳት ካብ ወለዶም ዝደልይዎ ካልእ ነገር ከም ዘሎ ይዛረብ ኢዩ።” ምሳሌ 1:8 ኣንብብ። ኣብ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር [እንግሊዝኛ] ገጽ 246 (ወይ መጽሓፍ ፍልጠት ገጽ 148) ገንጺልካ: ንቝጽሪ 22-26 (ወይ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ካብ 19-23) ብምሽፋን: ጽንዓት ቀጽል። ካብ ምዕራፍ 1 ጀሚርካ ምስ ኵላ እታ ስድራቤት ንኸተጽንዕ ተመሊስካ ክትመጽእ ሓሳብ ኣቕርብ።