ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ፍልጠት ብዙሕ ሕቶታት ኢዩ ዝምልስ
1 ርጡብ ፍልጠት ሓቂ ቅድሚ ምርካብካ: ንህይወት ዝምልከቱ ክትምልሶም ዘይከኣልካ ብዙሕ ሕቶታት ከም ዝነበረካ ፍሉጥ ኢዩ። ነቲ ሕቶታት እቲ ዝኸውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መልስታት ምስ ረኸብካ ግን ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢኻ እተሓጒስካ! ሕጂ ካልኦት ሰባት ነቲ መልስታት እቲ ምእንቲ ክረኽብዎ ክትሕግዞም ትኽእል ኢኻ። (ምስ 2 ጢሞቴዎስ 2:2 ኣረኣእዮ።) ነቲ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ኣምላኽ ከተማቕሎም ትኽእል ኢኻ። (ዮሃ. 17:3) ሓደ ሰብ ንጥቕሚ ናይዚ ፍልጠት እዚ ንኸማስወሉ ግን ብኸመይ ክትሕግዞ ምኸኣልካ፧ ነቲ ካብ ቃል ሓቂ መልሲ ዝረኸብካሉ ሕቶታት ሕሰበሉ፧ ንሓቂ ዝደልዩ ሰባት ክፈልጥዎ ዝብህጉ ነገራት እንታይ ኢዩ፧ ነዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ኣእምሮኻ ምሓዝ: ነታ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ እትበሃል መጽሓፍ ክትዕድላ ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ እትጥቀመሉ ወይ ድማ እንተወሓደ ነቲ ኣብ ጽሑፋትና ኣትዩ ዘሎ ጥቕሲ እተንብበሉ መገዲ ኵሉ ግዜ ሃሰስ በል። እዚ ቐጺሉ ዘሎ ርእይቶታት ነቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝግበር ዕዮ ምስክርነት ክትዳሎ ከሎኻ ክሕግዘካ ይኽእል ይኸውን።
2 ብዙሓት ሰባት ኣብ ዓለም ስለምንታይ ክንድዚ ዝኣክል ስቓይ ከም ዘሎ ስለ ዝገርሞም: እዚ ኣቀራርባ እዚ ጽቡቕ ምላሽ ክረክብ ይኽእል ይኸውን:-
◼ “ባህርያዊ ዕንወት ከጋጥም ከሎ ወይ ናይ ገበንን ዓመጻን ተግባራት ክውስኽ ከሎ: ሰባት ስለምንታይ ኢዩ ከምዚ ዝበለ ሕማቕ ነገራት ዝፍጸም ብምባል መብዛሕትኡ ግዜ ይሓቱ ኢዮም። ንስኻኸ እንታይ ዝብል መልሲ ምሃብካ፧” ነቲ ሰብ ክምልስ ኣፍቅደሉ: በቲ ዝሃቦ መልሲ ድማ ኣመስግኖ። ድሕርዚ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ምዕራፍ 11 ገንጽል እሞ: ነቲ ኣብ ቍጽሪ 2 ተገሊጹ ዘሎ ሓሳብ ከም ዘቕልበሉ ድማ ግበር። እዛ መጽሓፍ እዚኣ: ስለምንታይ ክፉእ ነገራት ይፍጸም ከም ዘሎ ዝነግር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መግለጺ እተቕርብ ምዃና ግለጸሉ: ነታ መጽሓፍ ድማ ኣበርክተሉ።
3 ነቲ መጽሓፍ “ንዘለኣለም ምንባር ” ዘበርከትካሉ ሰብ ተመሊስካ ክትበጽሖ ከሎኻ: ከምዚ ክትብል ትኽእል:-
◼ “ኣብ ዓለም ክንድዚ ዝኣክል ስቓይ ክህልወሉ ዝኸኣለ ምኽንያት ኣመልኪትካ ዝበጻሕካዮ መደምደምታ ክፈልጥ ምደለኹ። ከምቲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ተገሊጹ ዘሎ ምስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ትሰማማዕዶ ኢኻ፧” መልሲ ተጸበ። ኣብ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ገጽ 99 ቍጽሪ 2 ኣንብብ: ግዜ እንተድኣ ኣፍቂዱ ኸኣ ነቲ ኣብ ቍጽሪ 4-9 ዘሎ ሓሳባት ተዘራረበሉ። ድሕርዚ ድማ ከምዚ ዝስዕብ በል:- “ኣምላኽ ፍትሓዊ ብዘይኰነ መገዲ ቃንዛን ስቓይን ዘየምጽኣልና ምዃኑ ምፍላጥ ብስራት ኢዩ። ሰላምን ሓጐስን ዝመልኦ ዘለኣለማዊ ህይወት ክህበና ተመባጺዑ ኢዩ። እታ ኣብዛ መጽሓፍ ዘላ ናይ መጀመርታ ምዕራፍ ‘ንዘለኣለም ምንባር ሕልሚ ኣይኰነን’ ዝብል ኣርእስቲ ኢዩ ዘለዋ። እዚ ነገር እዚ ንስኻን እተፍቅሮም ሰባትን ብኸመይ ክትረኽብዎ ከም እትኽእሉ ክገልጸልካ ምፈቶኹ።” ምዕራፍ 1 ገንጺልካ ኣገባብ ኣጸናንዓና ኣርእዮ። እቲ ኵነታት ዘፍቅድ እንተድኣ ኰይኑ ንዝበዝሐ ክፋል ናይታ ምዕራፍ ሸፍን።
4 ነቲ ኣብ መጽሓፍ “ምምርማር” (እንግሊዝኛ ) ገጽ 14 ኣብ ትሕቲ “እርጋን/ሞት ” ዝብል ኣርእስቲ ዝርከብ መእተዊ ክትጥቀመሉ ትደሊ ትኸውን:-
◼ “ሞት ናይ ኵሉ ነገር መወዳእታ ድዩ: ብምባል ሓቲትካዶ ትፈልጥ፧ ወይስ ድሕሪ ሞት ገለ ነገር ኣሎ ኢዩ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሞት ክህልወና ንዝኽእል ዝዀነ ይኹን ሕቶ መልሲ ይህበሉ ኢዩ። [መክብብ 9:5, 10 ኣንብብ።] ነቶም እምነት ዘለዎም ሰባት ናይ ሓቂ ተስፋ ከም ዘሎ እውን ይሕብር ኢዩ። [መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ገጽ 166 ከምኡውን 168 ገንጽል፣ ነቲ ኣብ ዮሃንስ 11:25 ዝርከብ ቃላት የሱስ ኣንቢብካ ግለጾ።] ብምልእታ እዛ ምዕራፍ: ሞይቶም ዘለዉ ፍቑራትና እንታይ ኢዮም ዝዀኑ፧ ንዝብል ሕቶ ክትምልስ ኢያ ተዳልያ። እዛ ቕዳሕ እዚኣ ክሓድገልካ እኽእል ኢየ።”
5 ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከሎኻ: ነቲ ሌላ ከተሐድሶ: ድሕሪኡ ድማ ከምዚ ክትብል ትኽእል:-
◼ “ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ሓደ ሰብ ምስ ሞተ እንታይ ከም ዝኸውን ተዘራሪብና ነይርና። ብዙሓት ሰባት ድሕሪ ሞት ዘሎ ዝዀነ ይኹን ህይወት: ኣብ ሰማይ ወይ ኣብ ሲኦል ሓዊ ከም ዝኸውን ኢዮም ዝኣምኑ። ብዛዕባ እቲ ምዉታት ኣብዛ ምድሪ እንደገና ብህይወት ንምንባር ዘለዎም ተኽእሎ ግን ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ: እቶም ዝተንስኡ ካብቶም ንምድሪ ዝወርስዋ ትሑታት ሰባት ክዀኑ ኢዮም። [መዝሙር 37:11, 29 ኣንብብ: ድሕርዚ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ገጽ 12, 13 ዘሎ ስእሊ ተመያየጠሉ።] እዚ ተስፋ እዚ ነቶም ፍርሂ ሞት ዝነበሮም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣጸናኒዕዎም ኢዩ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ነቲ ነገር ዝያዳ ክትርድኦ ክትሕግዘካ ኢያ። ከመይ ገይራ ከም እትሕግዘካዶ ከርእየካ፧”
6 ነቲ ብዛዕባ ህይወት ዝለዓል ኣገደስቲ ሕቶታት ዝምልስ ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ፍልጠት ኣሎና። ብትግሃት ተዳሎ: የሆዋ ድማ ነዚ ህይወት ዝህብ ሓበሬታ ነቶም ደለይቲ ሓቂ ንምምቓል እትገብሮ ጻዕርታትካ ክባርኾ ኢዩ።