ዓቅቦ
ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክትጥቀመሉ እትኽእል ኣቀራርባ
ነዚ ዚስዕብ ኣቀራርባ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ዚዕደል ጽሑፋት ንምብርካት ተጠቐመሉ።
ንየሆዋ ቕረቦ
“ኣብ ኣምላኽ ዚኣምኑ ብዙሓት ሰባት: ናብኡ ዝያዳ ዝቐረቡ ዀይኑ ኺስምዖም ይደልዩ እዮም። ኣምላኽ ናብኡ ኽንቀርብ ከም ዝዓደመናስ ትፈልጥዶ፧ [ያእቆብ 4:8 ኣንብብ።] እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ቅዳሕ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሞም ናብ ኣምላኽ ንኪቐርቡ ኽትሕግዞም ተባሂላ እያ ተዳልያ።” ነታ ኣብ ገጽ 16 እትርከብ ሕጡብ ጽሑፍ 1 ኣንብባ።
“ሎሚ ምድፋን ፍትሒ ኣስፋሕፊሑ እዩ ዘሎ። ከምቲ ኣብዚ ዚስዕብ ተገሊጹ ዘሎ እዩ:- [መክብብ 8:9ለ ኣንብብ።] ብዙሓት ሰባት ከኣ ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ብሓቂ ይግደስዶ እዩ ኢሎም ይሓስቡ እዮም። [ነቲ ኣብ ገጽ 119 ሕጡብ ጽሑፍ 4 ዘሎ ናይ መጀመርታ ኽልተ ምሉእ ሓሳባት ኣንብብ።] እዛ ምዕራፍ እዚኣ ኣምላኽ ምድፋን ፍትሒ ንግዚኡ ኺቅጽል ዘፍቀደ ስለምንታይ ምዃኑ ትገልጽ እያ።”
ንቑሕ ኩን!
“ብዙሓት ሰባት በቲ ሎሚ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ኸበድቲ ጸገማትን ዜርዕድ ፍጻመታትን ይሻቐሉ እዮም። [ኣብቲ ኸባቢ እተፈጸመ ነገር ጥቐስ።] እዚ ነገራት እዚ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ንምድሪ ኸተመሓድራ ኸም እትጅምር ዜርኢ ዓለምለኻዊ ምልክት ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ምስቲ ዝጠቐስካዮ ኣብነት ዚሰማማዕ ከም እኒ ማቴዎስ 24:3,7, 8፣ ሉቃስ 21:7,10, 11 ወይ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ዝኣመሰሉ ጥቕስታት ጥቐስ።] እዛ ብሮሹር እዚኣ: ብፍላይ ሎሚ ነቲ ኣብዚ ግዜና ዚፍጸም ዘሎ ነገራት ስለምንታይ ነቒሕና ኽንከታተሎ ኸም ዘሎና ትገልጽ።”
“ሎሚ: ብዙሓት ሰባት ብዜርዕድ ፍጻመታት ወይውን ከቢድ ብዝዀነ ብሕታዊ ጸገማት ይሳቐዩ ኣለዉ። ገሊኦም ሰባት: ኣምላኽ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ደው ንምባል ስለምንታይ ኢዱ ኸም ዘየእቱ ይገርሞም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ንስቅያት ደቅሰብ መወዳእታ ንምግባር ኣብዚ ቐረባ ግዜ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ የረጋግጸልና እዩ። [ራእይ 14:6, 7 ኣንብብ።] ፍርዲ ኣምላኽ ንደቅሰብ እንታይ ከም ዜምጽኣሎም እሞ ኣስተብህል። [2 ጴጥሮስ 3:10, 13 ኣንብብ።] እዛ ብሮሹር እዚኣ ብዛዕባ እዚ ኣገዳሲ ኣርእስቲ እዚ ብዙሕ ትምህርቲ ዝሓዘት እያ።”
ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
“ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ውቁብ ቦታ ኽትነብር እንተ ትዕደም: ነቲ ዕድመ ምተቐበልካዮዶ፧ [ነቲ ኣብ ገጽ 4-5 ዚርከብ ስእሊ ኣርእዮ: ድሕሪኡ መልሲ ተጸበ።] ቃል ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ህይወት ንምርካብ እቲ ቐንዲ ረቛሒ እንታይ ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ እሞ ኣስተብህል። [ዮሃንስ 17:3 ኣንብብ።] እዛ መጽሓፍ እዚኣ: ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዚመርሕ ፍልጠት ንምርካብ ክትሕግዘካ እያ።” ነተን ኣብ ምዕራፍ 1 ዚርከባ ቐዳሞት ሓሙሽተ ሕጡብ ጽሑፋት ኣብ ዚቕጽል ምብጻሕካ ኸም እትመያየጡለን ንገሮ።
ኣብ ገጽ 188-9 ዘሎ ስእሊ ብምግንጻል ነቲ ኣብኡ ዘሎ መግለጺ ተጠቒምካ ነቲ ብዓል ቤት ከምዚ ኢልካ ሕተቶ:- “ምድሪ ብፍልጠት ኣምላኽ ኣብ እትመልኣሉ እዋን: ኣብ ገነት ክትነብር ተስፋዶ ትገብር ኢኻ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ኢሳይያስ 11:9 ኣንብብ።] እዛ መጽሓፍ እዚኣ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ገነት እንታይ ከም ዚብልን ብኸመይ ናይቲ በረኸት እቲ ተኻፋሊ ኽትከውን ከም እትኽእልን ንኽትመሃር ክትሕግዘካ እያ።” ነቲ ኣብ ምዕራፍ 1 ሕጡብ ጽሑፍ 11-16 ዘሎ ሓሳባት ኣብ ዚቕጽል ምብጻሕካ ኸም እትመያየጡሉ ንገሮ።
ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
“ብዛዕባ [ዜና ጥቐሰሉ] ሰሚዕካ ትኸውን ኢኻ። ናይ ሰባት ህይወት ብዜሕዝን መገዲ ኪቕዘፍ ከሎ: ብዙሓት ሰባት ስድራቤት እቶም ግዳያት ዝዀኑ ሰባት እንታይ ምጽንናዕ ኪረኽቡ ይኽእሉ ብምባል ይሓስቡ። ንስኻኸ እንታይ ምበልካ፧” መልሲ ተጸበ። ድሕርዚ ኣብ ገጽ 299 ገንጽል እሞ ነቲ ብስእሊ ተገሊጹ ዘሎ ዅነታት ትንሳኤ ኣርእዮ። ከምዚ ብምባል ድማ ቀጽል:- “ብዙሓት ሰባት: ጻድቃንን ሓጥኣንን ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንምንባር ኪትንስኡ ኸም ዝዀኑ ምፍላጦም የገርሞም እዩ። [ነቲ ኣብ ገጽ 297 ቍጽሪ 9 ተጠቒሱ ዘሎ ግብሪ ሃዋርያት 24:15 ኣንብቦ: ድሕርዚ ነቲ ኣብ ቍጽሪ 10 ዚርከብ መግለጺ ኣንብበሉ።] እዛ መጽሓፍ እዚኣ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢ ዘለዎ ዕላማ ዚገልጽ ሓያሎ ኻልኦት ኣገደስቲ ዝርዝራት እውን ትምርምር እያ።”
ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
“ኣብዚ እዋን ልደት ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ የሱስ ይሓስቡ እዮም። እንተዀነ ግን: ኣብ መላእ ዓለም ብዙሕ ሕማቕ ነገራት የጋጥም ብምህላዉ: ብዙሓት ሰባት የሱስ ብሓቂ ይግደሰልና ምዃኑ የጠራጥሮም እዩ። ብዛዕባ እዚ እንታይ ምበልካ፧” መልሲ ተጸበ። ምዕራፍ 24 ገንጺልካ: የሱስ ኣብ ምድሪ ዝመጸሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ። ድሕርዚ ዮሃንስ 15:13 ብምንባብ የሱስ ንሰባት ዘለዎ ልባዊ ፍቕሪ ግለጸሉ።
“ብዙሓት ሰባት የሱስ ክርስቶስ ኪጥቀስ ከሎ: ከም ሓደ ቘልዓ ወይ ንሞት ተቓሪቡ ዚሰሓግ ዘሎ ሰብ ገይሮም እዮም ኣብ ኣእምሮኦም ዚቐርጽዎ። እዚ ድማ ሰባት ብዛዕባ የሱስ ዘለዎም ኣተሓሳስባ ኣብ እዋን ምውላዱ ወይ ሞቱ ጥራይ ዜተኰረ ምዃኑ ዜርኢ እዩ። እቲ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ዝበሎን ዝገበሮን ዜደንቕ ነገራት መብዛሕትኡ ግዜ ሸለል ተባሂሉ እዩ ዚሕለፍ። እቲ የሱስ ዝፈጸሞ ተግባራት ኣብዛ ምድሪ ንዚነብር ዘበለ ዅሉ ሰብ ዚትንክፍ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኢና ብዚከኣለና መጠን ብዛዕባ እቲ የሱስ ንዓና ዝገበረልና ዜደንቕ ተግባራት ክንማሃር ዘሎና።” ዮሃንስ 17:3 ኣንብብ። ኣብ መእተዊ እታ መጽሓፍ ብምግንጻል ራብዐይቲ ሕጡብ ጽሑፍ ኣንብብ።
ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ እዩ፧
“ሰባት በዚ ሎሚ ዜጋጥም ዘሎ ሽግራት ተኸቢቦም ኪነብሩ ኣምላኽ ዚደሊ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧” [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ማቴዎስ 6:10 ኣንብብ።] መንግስቲ ኣምላኽ ብሓቂ እንታይ ምዃናስ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧” ትምህርቲ 6 ገንጽል እሞ ነቲ ኣብ መጀመርታ ናይቲ ትምህርቲ ዚርከብ ሕቶታት ኣንብብ። ብድሕርዚ ብዛዕባ እታ ትምህርቲ ምይይጥ ጀምር: ወይ ድማ ኣብ ካልኣይ ምምጻእካ ንኽትመያየጡላ ቘጸራ ሓዝ።
“ሽሕኳ እዚ ዘመናዊ ሕብረተሰብ ምዕባለ እንተ ኣርኣየ: ሞትን ሕማምን ዜስዕቦ ስቓይን ሓዘንን ግን እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። የሱስ ንሕማም: እርጋን ከምኡውን ሞት እንታይ ከም ዚገብሮ ትፈልጥዶ፧” መልሲ ተጸበ። እቲ ሰብ መልሲ ናይታ ሕቶ ኺፈልጥ እንተደኣ ተሃንጥዩ: ኣብ ትምህርቲ 5 ገንጺልካ ሕቶታት ናይ ሕጡብ ጽሑፋት 5-6 ኣንብበሉ። ነተን ሕጡብ ጽሑፋት ተመያየጠለን ወይ ድማ ኣብ ካልኣይ ምምጻእካ ንኽትመያየጡላ ቘጸራ ሓዝ።
ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ
“ነዚ ኣብ ናብራ ህይወት ዜጋጥም ጸገማት ንኽንዋጽኣሉ ኻበይ ሓገዝ ክንደሊ ዘሎና ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ሮሜ 15:4 ኣንብብ።] እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቕዱሳት ጽሑፋት ትምህርቲ: ምጽንናዕ: ተስፋ ዚህበና ምዃኑ ኣስተብህል። እዛ መጽሓፍ እዚኣ: መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ ብኸመይ ብሉጽ ረብሓታት ክንረክብ ከም እንኽእል ርእይቶታት ትህብ።” ነቲ ኣብ ገጽ 30 ተዘርዚሩ ዘሎ ኣርባዕተ ነጥብታት ኣጕልሓዮ።
“ካብቲ የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጸሉ እዋን ንነጀው: ሓያሎ ሰባት “መንግስትኻ ትምጻእ” ኢሎም ኪጽልዩ ጸኒሖም እዮም። መንግስቲ ኣምላኽ መጺኣ ንደቅሰብ እንታይ ከም እትግበረሎምሲ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ዳንኤል 2:44 ኣንብብ።] እዛ መጽሓፍ እዚኣ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምዃና: እንታይ ከም እትፍጽም: ካብቲ ጽድቃዊ ምምሕዳራ ኸኣ ብኸመይ ከም እንጥቀም ትገልጸልና እያ።” ነቲ ኣብ ገጽ 92-3 ዘሎ ስእላዊ መግለጺ ኣብርሃዮ።