ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ክንዕድለሉ እንኽእል መገዲ
እዛ እታው እዚኣ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ንምዕዳል ዜኽእል እተፈላለየ ኣቀራርባ ሒዛ ኣላ። እዚ ዝያዳ ኣስላጢ ምእንቲ ኪኸውን ብናትካ ኣበሃህላ ኣቕርቦ: ኣቀራርባኻ ምስቶም ኣብ ዞባኻ ዘለዉ ሰባት ከም ዚሰማማዕ ግበሮ: ከምኡውን ምስቲ ኣብታ መጽሓፍ ዘሎ ንምምይያጥ ዚሕግዝ ሓሳባት ተላለ። ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ ኻልእ ኣቀራርባ ምጥቃም እውን ይከኣል እዩ።—ናይ ጥሪ 2005 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 8 ርአ።
ሃይማኖት
◼ “ብዙሓት ሰባት ሃይማኖታት ንሽግር ደቅሰብ መፍትሒ ኣብ ክንዲ ዜምጽኣ: ጠንቂ ሽግር ከም ዝዀና ገይሮም ኪርእይወን ጀሚሮም ኣለዉ። ሃይማኖት ንሰባት ናብ ዝሓሸ ዅነታት ዚመርሖም ዘሎ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ ማቴዎስ 7:13, 14 ከምኡውን ገጽ 145-6 ቍጽሪ 5 ኣንብብ።] እዛ ምዕራፍ እዚኣ ኣምላኽ ዚቕበሎ ኣምልኾ ዚልለየሉ ሽዱሽተ መዳያት ትምርምር።” ኣብ ገጽ 147 ዘሎ ዝርዝር ኣርእዮ።
መንበሪ ኣባይቲ
◼ “ኣብ ብዙሕ ቦታታት ብዓቕምኻ ኸፊልካ ባህ ዜብል መንበሪ ገዛ ኽትረክብ ኣጸጋሚ እዩ ዀይኑ ዘሎ። ኵሉ ሰብ ባህ ዜብል መንበሪ ገዛ ዚውንነሉ ግዜ ዚመጽእዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ ኢሳይያስ 65:21, 22 ከምኡውን ገጽ 34 ቍጽሪ 20 ኣንብብ።] እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ: እዚ መብጽዓ ኣምላኽ እዚ ኸመይ ኢሉ ኸም ዚፍጸም ትገልጽ።”
መጽሓፍ ቅዱስ
◼ “ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ከም ዝዀነ እዮም ዚዛረቡ። ‘ሰባት ዝጸሓፍዎ መጽሓፍ ግን ከመይ ኢሉ ቓል ኣምላኽ ኪበሃል ይኽእል’ ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ 2 ጴጥሮስ 1:21 ከምኡውን ገጽ 19-20 ቍጽሪ 5 ኣንብብ።] እዛ ጽሕፍቲ: ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ዚኸውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ትህብ።” ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሕቶታት ኣርእዮ።
◼ “ኣብዚ ግዜ እዚ: ሰባት ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ተኽእሎ ኣለዎም። ሕጉስን ዕዉትን ህይወት ንምምራሕ ዜኽእለና ዜተኣማምን መምርሒ ግን ካበይ ይርከብ ምበልካ፧ [መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17 ከምኡውን ገጽ 23 ቍጽሪ 12 ኣንብብ።] እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ብኸመይ ንኣምላኽ ብዜሐጕስን ንዓና ብዚጠቅምን መገዲ ኽንመላለስ ከም እንኽእል ትገልጽ።” ኣብ ገጽ 122-3 ዘሎ ሓበሬታን ስእልን ኣርእዮ።
ሞት/ትንሳኤ
◼ “ብዙሓት ሰባት: ሰብ ምስ ሞተ እንታይ እዩ ዚኸውን ኢሎም ይሓስቡ። ብዛዕባ እዚ ኽንፈልጥ ንኽእልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ መክብብ 9:5 ከምኡውን ገጽ 58-9 ቍጽሪ 5-6 ኣንብብ።] እዛ መጽሓፍ እዚኣ ተስፋ ትንሳኤ ንምዉታት እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ እውን ትገልጽ።” ኣብ ገጽ 75 ዘሎ ስእሊ ኣርእዮ።
◼ “እነፍቅሮ ሰብ ምስ ዚመውት: እንደገና ህያው ኰይኑ ኽንርእዮ ኸም እንደሊ ፍሉጥ እዩ። ኣይመስለካን፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዙሓት ሰባት በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋ ትንሳኤ ይጸናንዑ እዮም። [ዮሃንስ 5:28, 29 ከምኡውን ገጽ 71-2 ቍጽሪ 16-17 ኣንብብ።] እዛ ምዕራፍ እዚኣ እውን ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ትህብ።” ኣብ ገጽ 66 ዘሎ መእተዊ ሕቶታት ኣርእዮ።
ስድራቤት
◼ “ኵላትና ሕጉስ ስድራቤት ኪህልወና ንደሊ ኢና። ኣይመስለካን፧ [መልሲ ተጸበ።] ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤት: ፍቕሪ ብምንጽብራቕ ዝመጸ ንኣምላኽ ብምምሳል ኣብ ስድራቤቱ ንዚህሉ ሓጐስ ኣበርክቶ ኺገብር ከም ዚኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ይዛረብ እዩ።” ኤፌሶን 5:1, 2 ከምኡውን ገጽ 135 ቍጽሪ 4 ኣንብብ።
ናይ ዘለኣለም ህይወት
◼ “መብዛሕትኦም ሰባት ምሉእ ጥዕናን ነዊሕ ዕድመን ይምነዩ እዮም። ዚከኣል እንተ ዚኸውንሲ ንዘለኣለም ክትነብር ምደለኻዶ፧ [መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ ራእይ 21:3, 4 ከምኡውን ገጽ 54 ቍጽሪ 17 ኣንብብ።] እዛ መጽሓፍ እዚኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብኸመይ ክንረክብ ከም እንኽእልን እዚ መብጽዓ እዚ ምስ ተፈጸመ ህይወት እንታይ ከም ዚመስልን ትገልጽ።”
ኣርማጌዶን
◼ “ሰባት ‘ኣርማጌዶን’ እትብል ቃል ኪሰምዑ ኸለዉ ብዛዕባ ጃምላዊ ጥፍኣት እዮም ዚሓስቡ። ኣርማጌዶን ግን ተሃንጢና ኽንጽበያ ዘሎና ምዃና እንተ ትፈልጥሲ ምገረመካዶ፧ [መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ ራእይ 16:14, 16 ኣንብብ።] ህይወት ድሕሪ ኣርማጌዶን እንታይ ከም ዚመስል ንምርዳእ ነዚ ሓሳባት እዚ እሞ ኣስተብህለሉ።” ገጽ 82-4 ገንጺልካ ቝጽሪ 21 ኣንብብ።
ውግእ/ሰላም
◼ “ኵሎም ሰባት ሰላም ኪረኽቡ ሃንቀው እዮም ዚብሉ። ኣብ ምድሪ ሰላም ኪሰፍን ምጽባይ ትምኒት ጥራይ ኰይኑ ድዩ ዚስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ መዝሙር 46:8, 9 ኣንብብ።] እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ኣምላኽ ዕላማኡ ብምፍጻም ዓለምለኻዊ ሰላም ብኸመይ ከም ዜስፍን ተብርህ።” ኣብ ገጽ 35 ዘሎ ስእሊ ኣርእዮ ኸምኡውን ኣብ ገጽ 33-4 ካብ ቍጽሪ 17-21 ዘሎ ሓሳባት ተመያየጠሉ።
የሆዋ ኣምላኽ
◼ “ብዙሓት ኣብ ኣምላኽ ዚኣምኑ ሰባት ናብኡ ኪቐርቡ ይደልዩ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ ከም ዚዕድመናስ ትፈልጥዶ፧ [መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ ያእቆብ 4:8ሀ ከምኡውን ገጽ 16 ቝጽሪ 20 ኣንብብ።] እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ቅዳሕ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሞም: ብዛዕባ ኣምላኽ ኪመሃሩ ንምሕጋዞም ተባሂላ እያ ተዳልያ።” ኣብ ገጽ 8 ዘሎ መእተዊ ሕቶታት ኣርእዮ።
የሱስ ክርስቶስ
◼ “ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ሰባት ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ሰሚዖም ኣለዉ። ገለ ሰባት ከም ሓደ ፍሉይ ሰብ ጥራይ ገይሮም ይርእይዎ። ካልኦት ከኣ ኸም ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ገይሮም የምልኽዎ። ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ እንታይ ከም እንኣምን ዜገድስዶ ይመስለካ፧” [መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ ዮሃንስ 17:3 ኸምኡውን ገጽ 37-8 ቍጽሪ 3 ኣንብብ።] ናብቲ ኣብ ትሕቲ ኣርእስቲ እታ ምዕራፍ ዘሎ መእተዊ ሕቶታት ከም ዜተኵር ግበሮ።
ዜሐዝን ፍጻመ/መከራ
◼ “ሓደ ዜሕዝን ነገር ምስ ዜጋጥም: ብዙሓት ሰባት ኣምላኽ ብሓቂ ብዛዕባ ሰባት ዚግደስን ነቲ ዜሕልፍዎ መከራ ዜስተብህለሉን ምዃኑ የጠራጥሮም። ብዛዕባ እዝስ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ 1 ጴጥሮስ 5:7 ከምኡውን ገጽ 11 ቍጽሪ 11 ኣንብብ።] እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ደቅሰብ ዚወርድ መከራ ብኸመይ ምሉእ ብምሉእ ከም ዜወግዶ ትገልጽ።” ኣብ ገጽ 106 ዘሎ መእተዊ ሕቶታት ኣርእዮ።
ጸሎት
◼ “ኣምላኽ ንጸሎት ብኸመይ ከም ዚምልሰሉ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ 1 ዮሃንስ 5:14, 15 ከምኡውን ገጽ 170-2 ቍጽሪ 16-18 ኣንብብ።] እዛ ምዕራፍ እዚኣ ስለምንታይ ናብ ኣምላኽ ከም እንጽልን ጸሎትና ንኺስማዕ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎናን ትገልጽ።”
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ነቲ ናይ ወፈያ ምድላው ክትጠቕሰሉ እትኽእል መገድታት
“ንዓለምለኻዊ ዕዮና ወፈያ ኽትገብር እንተ ደሊኻ: ተሓጒሰ ኽቕበለካ እኽእል እየ።”
“ጽሑፋትና ገንዘብ ከየኽፈልና ንዕድል እኳ እንተ ዀንና: ንዓለምለኻዊ ዕዮና ዚኸውን ወፈያ ግን ንቕበል ኢና።”
“እዚ ዕዮ እዚ ብኸመይ ከም እነካይዶ ይገርመካ ይኸውን። ዓለምለኻዊ ዕዮና ብወለንታ ብዚግበር ወፈያ እዩ ዚካየድ። ንስኻውን ወፈያ ኽትገብር እንተ ደሊኻ ክቕበለካ እኽእል እየ።”