ኣቐምጦ
ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክትጥቀመሉ እትኽእል ኣቀራርባ
ኣጠቓቕማ ናይዚ እታው
ዝበዝሕ ኻብዚ ኣቀራርባታት እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሕታማት ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ወጺኡ ዝነበረ ኢዩ። ክትምስክር ከሎኻ ካብዚ ዝመረጽካዮ ተጠቐም: እንታይ ፍረ ኸም ዘፍረየልካ ኸኣ ኣስተብህል። ነዚ እታው እዚ ኣቐምጦ: ንኣገልግሎት ኽትዳሎ ኸሎኻ ድማ ተጠቐመሉ።
ዘምጽኣካ ጕዳይ ኣሕጽር ኣቢልካ ብምንጋር ንተገዳስነት ሰባት ከተለዓዕል ትኽእል ኢኻ። ሓደ ንጹር ሕቶ ሕተት እሞ ንዕኡ መልሲ ዝኸውን ሕጽር ዝበለ ጥቕሲ ኣንብብ። ነዚ ዝስዕብ ኣቀራርባታት ክትፍትኖ ትደሊ ትኸውን።
“ብዛዕባ መጻኢ ኽትሓስብ ከሎኻ: ብሩህ ተስፋ ድዩ ዝረኣየካ ወይስ ተስፋ ዘቝርጽ ነገራት፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ሎሚ እንርእዮ ዘሎና ዘይርጉእ ፍጻመታትን ሳዕቤናቱን ተነብዩ ነይሩ ኢዩ።”—2 ጢሞ. 3:1, 2, 5፣ ምሳ. 2:21, 22
“ጥዕና ምርካብ ብዙሕ ዘተሓሳስብ ጕዳይ ኰይኑ ኣሎ። ኣምላኽ ንዅሉ ናይ ጥዕና ጸገማት ነባሪ ፍታሕ ንኸምጽእ ከም እተማባጽዐ ትፈልጥዶ፧”—ኢሳ. 33:24፣ ራእ. 21:3, 4
“መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መላእ ዓለም እትገዝእ ሓንቲ መንግስቲ ኽትመጽእ ምዃና ኸም ዝንበ ትፈልጥዶ፧”—ዳን. 2:44፣ ማቴ. 6:9, 10
“የሱስ ክርስቶስ ንምድሪ እንተ ዘመሓድራ እዚ ዅነታት ከመይ ዝኸውን ይመስለካ፧”—መዝ. 72:7, 8
“ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ጾታኦም: ሃይማኖቶም: ወይ ሕብሪ ቈርበቶም ኣድልዎ የጋጥሞም ኢዩ። ኣምላኽ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ከይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህርይ ብኸመይ ዝርእዮ ይመስለካ፧”—ግብ. 10:34, 35
“የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብዙሕ ተኣምራት ከም ዝገበረ ንፈልጥ ኢና። ካልእ ተኣምር ክገብር ክትሓቶ እንተ ትኽእል እንታይ ክገብረልካ ምደለኻ፧”—መዝ. 72:12-14, 16
“ሎሚ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ጸገማት ክሰምዑ ቅጭ ኢዩ ዝመጾም። ብዛዕባ መፍትሒታት ኢዮም ክሰምዑ ዝደልዩ። ንጸገማትና ዝኸውን ናይ ሓቂ መፍትሒ ግን ኣበይ ኢዩ ዝርከብ፧”—2 ጢሞ. 3:16, 17
“እታ ኣቡነ-ዘበሰማያት ክንጽሊ ኸሎና ትምጻእ ኢልና እንጽልየላ መንግስቲ ኣየነይቲ ምዃና ትፈልጣዶ፧”—ራእ. 11:15
ዝርርብ ንምጅማር ዘኽእል ሕቶታት
እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ሕቶታት ካብ መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዝኛ) እተወስደ ዀይኑ እቲ ቝጽሪ ድማ መልሱ ኣበየናይ ገጽ ከም ዝርከብ ይሕብር።
ስለምንታይ ኢና እንኣርግን እንመውትን፧ (98)
ምዉታት ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ኢዮም ዘለዉ፧ (100)
ኣብ ኣምላኽ ከም እንኣምን ዝገብረና ገለ ርጡብ መርትዖታት እንታይ ኢዩ፧ (145)
ኣምላኽ ብዛዕባ ደቅሰብ ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧ (147)
ኣምላኽ ናይ ሓቂ ኣካል ድዩ፧ (147)
ኵሎም ሰናይ ዝገብሩ ሰባት ናብ ሰማይ ድዮም ዝኸዱ፧ (162)
ሓደ ሰብ ናይ ሓቂ ዘሐጕስ መጻኢ ምእንቲ ኽህልዎ ናብ ሰማይ ክኸይድዶ ኣለዎ ኢዩ፧ (163)
ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ክንፈልጦን ክንጥቀመሉን ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (196)
የሱስ ክርስቶስ ብሓቂ ኣምላኽ ድዩ፧ (212)
መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትዓምም ኢያ፧ (227)
ዕላማ ሰብኣዊ ህይወት እንታይ ኢዩ፧ (243)
ሓዳርና ንምምሕያሽ እንታይ ክሕግዘና ይኽእል፧ (253)
ኵለን ሃይማኖታት ብኣምላኽ ተቐባልነት ኣለወን ድዩ፧ (322)
ሓደ ሰብ ኣየነይቲ ሃይማኖት ቅንዕቲ ምዃና ኽፈልጥ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ (328)
ሰይጣን ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ክሳዕ ክንደይ ሓያል ጽልዋ ኢዩ ዘለዎ፧ (364)
ኣምላኽ ስለምንታይ ኢዩ ስቓይ ዘፍቀደ፧ (393)
እከይ ኣዝዩ ዝበዝሐ ስለምንታይ ኢዩ፧ (427)
ንዓለም ዝገዝኣ ዘሎ መን ኢዩ—ኣምላኽ ድዩ ሰይጣን፧ (436)
ብቕዓት እትብሃል ብሮሹር ንምብርካት ክትጥቀመሉ እትኽእል ኣቀራርባ
“ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣምላኽ ከም ዝኣምኑ ትሰማምዓሉ ኢኻ። ኣብ ኣምላኽ ዝኣምኑ ሰባት ብምሉኦም ካብኦም ብቕዓታት ከም ዝሓትት ይሰማምዑሉ ኢዮም። እቲ ሰባት ክሰማምዕሉ ዘይከኣሉ ነገር ግን ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ምዃኑ ኢዩ።” ድሕርዚ ነታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ኣርእዮ: ናብ ትምህርቲ 1 ገንጺልካ ኸኣ ተመያየጥ።
“ሎሚ ኣብ ናብራ ስድራቤት ብዙሕ ግድላት ስለ ዘሎ ሓጐስ ስድራቤት ንምርካብ ምስጢሩ እንታይ ኰን ይኸውን ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧” መልሲ ምስ ሃበካ: ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስጢር ሓጐስ ስድራቤት እንታይ ምዃኑ ከም ዝነገረ ግለጸሉ። ኢሳይያስ 48:17 ኣንብበሉ። ብድሕርዚ ኣብ ትምህርቲ 8 ናይታ ብቕዓት እትብሃል ብሮሹር ገንጽል እሞ ገለ ኻብቲ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤት ትውክልቲ ኽግበሮ ዝኽእል መምርሒ ዝህብ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ግለጸሉ። ነቲ ኣብ መጀመርታ ናይቲ ትምህርቲ ዘሎ ዝርዝር ሕቶታት ኣንብብ። እቲ ሰብ ነቲ መልሲ ኸንብቦ ዝደሊ እንተድኣ ዀይኑ ሕተቶ።
“እዛ ብሮሹር እዚኣ ብዛዕባ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንመጽናዕቲ ዝኸውን ሓፈሻዊ ሓሳባት ዝሓዘት ኢያ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገጽ: ንብዙሕ ዘመናት ንሰባት ናይ ዘጨነቐ ሕቶታት መልሲ ኽትረክብ ኢኻ። ንኣብነት: ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ ኢዩ፧” ናብ ትምህርቲ 5 ገንጺልካ ኣብ መጀመርታ እቲ ትምህርቲ ዘሎ ሕቶታት ኣንብብ። ነቲ በዓል ቤት ካብዘን ሕቶታት ኣየነይቲ ዝያዳ ኸም እተገድሶ ሕተቶ: ብድሕሪኡ መልሲ ናይታ ሕቶ ዝሓዘት ቍጽሪ(ታት) ኣንብብ: ነቲ ጥቕስታት ከኣ ገንጺልካ ኣርእዮ። ንኻልእ ሕቶታት እውን ከምዚ ሕጂ ዘርኣኻዮ ገይሩ ብቐሊሉ መልሲ ኽረኽበሉ ኸም ዝኽእል ግለጸሉ። ብዛዕባ ኻልእ ሕቶ ንምምይያጥ ተመሊስካ ንኽትበጽሖ ሓሳብ ኣቕርበሉ።
“ነዚ ዅሉ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝግበር ዓመጽን ካልእ ሕማቕ ጠባያትን ጠንቂ ዝዀኖ ዘሎ እንታይ ይመስለካ፧ ወለዲ ንደቆም ስለ ዘይምህሩዎምዶ ክኸውን ይኽእል፧ ወይስ ከም ናይ ድያብሎስ ጽልዋ ዝኣመሰለ ካልእ ምኽንያት ኢዩ ዘለዎ፧” መልሲ ተጸበ። እቲ ውልቀ-ሰብ ናይ ድያብሎስ ጽልዋ ኢዩ ዝብል መልሲ እንተድኣ ሂቡ ራእይ 12:9, 12 ኣንብበሉ። ነቲ ድያብሎስ ኣብ ዓለም ህውከት ንኽበዝሕ ዘለዎ ግደ ድማ ኣጕልሕ። ድሕርዚ ነታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ኣብ ትምህርቲ 4 ገንጺልካ ድያብሎስ ካበይ ከም ዝመጸ ሓሲቡ ዝፈልጥ እንተድኣ ዀይኑ ሕተቶ። ድሕርዚ: ነተን ናይ መጀመርታ ክልተ ቍጽርታት ኣንብበሉ። እቲ ምኽንያት “ወለዲ ንደቆም ስለ ዘይምህሩ ኢዩ” እንተድኣ ኢሉ ኸኣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-3 ኣንብበሉ እሞ ነዚ ጸገም እዚ ብርኡይ ኣበርክቶ ዝገብር ባህርያት ሓብሮ። ድሕርዚ: ኣብታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ኣብ ትምህርቲ 8 ገንጺልካ ቍጽሪ 5 ኣንብበሉ: ምይይጥካ ኸኣ ቐጽል።
“ፈጣሪ ዕዉት ናብራ ስድራቤት ንኽንምስርት ዘድልየና መሳርሒ ይህበና ኢዩ ኢልና ኽንጽበ ምኽንያታዊ ኢዩ ኢልካዶ ትሓስብ፧” መልሲ ምስ ሃበካ: ነታ ብቕዓት እትብሃል ብሮሹር ኣፋልጦ። ናብ ትምህርቲ 8 ብምግንጻል ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤት ዝኸውን ስርዓት ሒዙ ከም ዘሎ ግለጸሉ። ነታ ብሮሹር ምስ መጽሓፍ ቅዱስ እናረኣኣየ ኸመይ ገይሩ ዝዓበየ ረብሓ ኽረኽበላ ኸም ዝኽእል ንኸተርእዮ ሓሳብ ኣቕርበሉ።
“ኣብዚ ዘመናዊ ናብራ ህይወት ንዘጋጥመና ኣሸገርቲ ግድላት: ጸሎት ናይ ሓቂ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ምበልካዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዙሓት ናብ ኣምላኽ ብምጽላይ ውሽጣዊ ብርታዐ ከም ዝረኸቡ ይዛረቡ ኢዮም። [ፊልጲ 4:6, 7 ኣንብብ።] ገና ግን: ሓደ ሰብ ጸሎቱ ሓድሓደ ግዜ ዘይተመለሰ ዀይኑ ክስምዖ ይኽእል ኢዩ። [ኣብታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ኣብ ትምህርቲ 7 ገንጽል።] እዛ ብሮሹር እዚኣ ጸሎት ከመይ ገይሩ ብዙሕ ክጠቕመና ኸም ዝኽእል ትገልጽ ኢያ።”
“ኣብ ዓለም ስለምንታይ ኣዝየን ብዙሓት ሃይማኖታት ከም ዘለዋ ምስ ጐረባብትና ክንዘራረብ ጸኒሕና። መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ኽነሱ እዚ ናይ ሃይማኖታት ምብዛሕ ዝሃለወ ስለምንታይ ኢዩ ኢልካ ትሓስብ፧ [መልሲ ተጸበ። ኣብታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ናብ ትምህርቲ 13 ገንጺልካ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕቶታት ኣንብብ።] ነዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብምንባብ: ነዞም ሕቶታት እዚኣቶም ዘዕግብ መልሲ ክትረኽበሎም ኢኻ።”
መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ምስ ኣበርከትካ: ሓንቲ ሕጽር ዝበለት ሕጡብ ጽሑፍ ከተንብበሉ ፍቓደኛ እንተ ዀይኑ ሕተት። እንተ ፈቒዱልካ: ኣብታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ናብ ትምህርቲ 5 ገንጽል። ነቲ ኣብ መእተዊ ተዘርዚሩ ዘሎ ሕቶታት ኣርእዮ: ድሕሪኡ መልሲ ናይታ ቐዳመይቲ ሕቶ ንምርካብ ነታ ናይ ፈለማ ሕጡብ ጽሑፍ ከተንብበሉ ኸሎኻ ኽከታተለካ ዓድሞ። ነታ ሕጡብ ጽሑፍ ምስ ኣንበብካያ: እንደገና ነታ ሕቶ ሕተቶ: መልሲ ድማ ተጸበ። ነታ ብሮሹር ክወስዳ ዓድሞ: እንተ ተቐቢሉካ ነተን ቀጺለን ዘለዋ ኽልተ ሕቶታት እንታይ ኢሉ ኸም ዝምልሰን ንምፍላጥ ንኽትምለሶ ቘጸራ ግበር።
መጽሓፍ ፍልጠት ንምብርካት ክትጥቀመሉ እትኽእል ኣቀራርባ
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ዝርርብ ጀምር:- “ሎሚ መዓልቲ ንዅሉ ኣብ መገዲ ዝረኸብናዮ ሰብ ሓንቲ ጥቕሲ ነንብበሉ ኣሎና። እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትብል . . .” ዮሃንስ 17:3 ኣንብበሉ: ድሕሪኡ ኸምዚ ዝስዕብ ኢልካ ሕተቶ:- “እቲ ቕኑዕ ዓይነት ፍልጠት እንተ ኣጥሪና እንታይ ክንረክብ ምዃንና ኣስተውዒልካሉዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ሓደ ሰብ ኸምዚ ዓይነት ፍልጠት ኣበይ ክረክብ ይኽእል፧” መልሲ ምስ ሃበካ: መጽሓፍ ፍልጠት ኣርእዮ እሞ ኸምዚ ዝስዕብ በሎ:- “እዛ መጽሓፍ እዚኣ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ኣየናይ ምዃኑ እትሕብር ኢያ። ነቲ መብዛሕትኦም ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘበግስዎ ሕቶታት ብምምላስ ከኣ ኢያ እትሕብር።” ነቲ ዝርዝር ትሕዝቶ ናይታ መጽሓፍ ኣርእዮ እሞ ምስቲ ኣርእስታት ዝተሓሓዝ ሕቶታት እንተ ኣልይዎ ሕተቶ።
“ብዛዕባ እዚ ኣብ ከባቢና እንርእዮ ወይ ድማ ኣባና ዝፍጸም ዘሎ ምጕዳል ፍትሕን ስቓይን ኣምላኽ ብሓቂ ይግደስ ድዩ ኢልካ ሓቲትካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ከም ዘፍቅረናን ኣብ ግዜ ጸገም ድማ ከም ዝሕግዘናን የረጋግጸልና ኢዩ።” ገለ ኽፋል ናይ መዝሙር 72:12-17 ኣንብብ። ምዕራፍ 8 ናይ መጽሓፍ ፍልጠት ገንጽል እሞ እዛ ምዕራፍ እዚኣ ነቲ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ‘ኣምላኽ ስለምንታይ ኢዩ ስቓይ ዘፍቀደ፧’ ኢሎም ዝሓትዎ ሕቶ ዘጸናንዕ መልሲ ኸም ዘለዋ ሓብሮ። እንተ ኽኢልካ በቲ ኻብ ቍጽሪ 3 ክሳዕ 5 ዘሎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ተመያየጥ ወይ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብረሉ ኸሎኻ ኸምኡ ግበር።
“መብዛሕትና እነፍቅሮ ሰብ ብሞት ስኢንና ኢና። ‘ንራኸብዶ ንኸውን’ ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] የሱስ እነፍቅሮም ሰባት ካብ ሞት ክትንስኡ ኸም ዝኽእሉ ኣረጋጊጹ ኢዩ። [ዮሃንስ 11:11, 25, 44 ኣንብብ።] እዚ ሽሕኳ ዘበናት ይገብር እተፈጸመ ነገር እንተዀነ: ኣምላኽ ንዓና እንታይ ክገብረልና ከም እተማባጽዐ ዘርኢ ኢዩ።” ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ኣብ ገጽ 85 ዝርከብ ስእሊ ገንጺልካ ኣብ ትሕቲኡ ዘሎ ጽሑፍ ኣንብበሉ። ድሕሪኡ ኣብ ገጽ 86 ዘሎ ስእሊ ኣርእዮ እሞ ብዛዕብኡ ሓሳብ ሃቦ። “ሰባት ንምንታይ ከም ዝኣርጉን ዝሞቱን ክትፈልጥ ምደለኻዶ፧” ኢልካ ብምሕታት ተመሊስካ ንኽትበጽሖ መሰረት ኣንብር። ተመሊስካ ምስ መጻእካ ምዕራፍ 6 ተመያየጡ።
“ሰባት ነዊሕ ዕድመ ንኽነብሩ ሃረር ዝብሉ ስለምንታይ ምዃኑ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧” መልሲ ምስ ሃበካ: ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ምዕራፍ 6 ገንጽል እሞ ቍጽሪ 3 ኣንብብ። ነቲ ሓሳባቱ ዘይተጠቕሰ ጥቕስታት ግለጸሉ። ነቲ ኣብ መወዳእታ እቲ ሕጡብ ጽሑፍ ዘሎ ኽልተ ሕቶታት ብምጥቃስ: መልሱ ኽፈልጦ ዝደሊ እንተድኣ ዀይኑ ነቲ በዓል ቤት ሕተቶ። መልሲ ኽረክብ ዝብህግ እንተድኣ ዀይኑ: ነቲ ስዒቡ ዘሎ ሒደት ቍጽርታት ተመያየጠሉ።
“ሰባት ነዚ . . . ዝኣምንሉ እንተ ዀይኖም ንሓቶም ኣሎና።” ዘፍጥረት 1:1 ኣንብብ እሞ “ምስዚ ሓሳባት እዚ ትሰማማዕዶ፧” ኢልካ ሕተቶ። ዝሰማማዕ እንተድኣ ዀይኑ ቐጺልካ “ኣነውን እሰማማዓሉ ኢየ። ይኹን እምበር ንዅሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ እንተድኣ ዀይኑ ንእከይ እውን ብሓላፍነት ይሕተተሉ ኢዩዶ ምበልካ፧” ኢልካ ሕተቶ። ብዝሃቦ መልሲ ኣመስጊንካ መክብብ 7:29 ኣንብብ። መጽሓፍ ፍልጠት ምዕራፍ 8 ገንጺልካ ቍጽሪ 2 ኣንብብ። እቲ በዓል ቤት ምስቲ ኣብ ዘፍጥረት 1:1 ዘሎ ሓሳብ ዘይሰማማዕ እንተድኣ ዀይኑ ግን ፈጣሪ ኸም ዘሎ ዘረጋግጽ መርትዖታት ክምርምር ኣተባብዓዮ።—መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዝኛ) ገጽ 84-6 ርአ።
“ነዚ ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአ ቕልጡፍ ምልውዋጥ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣብ ግምት ብምእታው: ኣብ ህይወትና ትውክልቲ ኽንገብረሉ እንኽእል መምርሒ ኸም ዘድሊ ትሰማምዓሉዶ ኢኻ፧ [መልሲ ተጸበ።] ሽሕኳ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኵሉ መጻሕፍቲ ንላዕሊ ናይ ጥንቲ እንተዀነ: ነዚ ዘመናዊ ኣነባብራ ዝጠቅምን ሕጉስ ናብራ ስድራቤት ንምምስራት ዘኽእልን ግብራዊ ምኽሪ ይህብ ኢዩ።” ድሕርዚ ምዕራፍ 2 ናይ መጽሓፍ ፍልጠት ገንጺልካ ቍጽሪ 10: ናይ ቍጽሪ 11 ናይ መጀመርታ ምሉእ ሓሳባት: ከምኡውን 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17 ኣንብበሉ።
“ኣብ መጻኢ ንዓናን ንምድርን ዘጋጥመና ነገራት ክትፈልጥ ትደሊዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዛ ሕቶ እዚኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓንቲ ቓል ገነት ብምባል ይምልስ! ኣብ መጀመርታ ኣምላኽ ነቶም ዝፈጠሮም ሰብኣይን ሰበይትን ኣብኣ ኢዩ ኣንቢርዎም። ነዚ ቐጺለ ዘንብበልካ ገነት ከመይ ትመስል ከም ዝነበረት ዝሕብር መግለጺ እሞ ኣስተብህለሉ።” መጽሓፍ ፍልጠት ኣብ ገጽ 8 ገንጽል እሞ ነቲ “ህይወት ኣብ ገነት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ዝርከብ ቍጽሪ 9 ኣንብብ። ድሕርዚ ነቲ ኣብ ቍጽሪ 10 ዘሎ ነጥብታት ተመያየጠሉ: ነቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ ኢሳይያስ 55:10, 11 ድማ ኣንብብ። ኣብታ ብሕጂ እትቐውም ገነት ህይወት ከመይ ከም ዝመስል ንምምይያጥ: ንቝጽሪ 11-16 ብሓባር ኴንኩም ክትመያየጥሉ ዓድሞ።
ነቶም መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ዘበርከትካሎም ሰባት ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብረሎም ከሎኻ ከምዚ ዝስዕብ ኽትብል ትኽእል ኢኻ:-
“ኣብ ዝሓለፈ ግዜ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ገዲፈልካ ነይረ። ምናልባት ነቲ መንግስቲ የሆዋ ዝእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ ዝብል ምሉእ ኣርእስቲ ናይዛ መጽሔት ኣስተውዒልካሉ ትኸውን። ሎሚ ብዛዕባ እዛ መንግስቲ እዚኣ ከምኡውን ንዓኻን ንስድራቤትካን እንታይ ከም እተምጽኣልካ ክገልጸልካ እፈቱ።” ድሕሪኡ ኣብታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ትምህርቲ 6 ገንጽል እሞ እቲ በዓል ቤት ግዚኡ ኽሳዕ ዘፍቀደሉ ተመያየጡ።
“ኣብዚ ቐረባ ግዜ መጺአ ነይረ: ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት ቅዳሕ ድማ ገዲፈልካ ነይረ። እዚ መጽሔታት እዚ ንመጽሓፍ ቅዱስን ነቲ ንሱ ዝምህሮ ናይ ስነ-ምግባር መምርሒታትን ዘሎካ ኣኽብሮት ዘዕቢ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ቃል ኣምላኽ ክርዳእ ኣድላዪ ኰይኑ ስለ እተሰማዓኒ: ከምኡ ንኽትገብር ዝሕግዘካ ሓደ ነገር ከርእየካ ኢለ ኢየ እንደገና መጺአ።” ነታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ወይ መጽሓፍ ፍልጠት ኣርእዮ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽጅምር ድማ ዓድሞ።
ዝዀነ 192 ገጽ ዘለዎ ናይ ቀደም መጽሓፍ ኽትዕድል ከሎኻ ነዚ ዝስዕብ ኣቀራርባ ኽትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ:-
“ሎሚ ዝበለጸ ትምህርቲ ምርካብ ዓብዪ ግምት ዝወሃቦ ኢዩ። ኣብ ህይወት ዝዓበየ ሓጐስን ዓወትን ንምርካብ ውሕስነት ክኸውን ዝኽእል ኣዝዩ ኣገዳሲ ትምህርቲ እንታይ ዓይነት ኢዩ ምበልካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ምሳሌ 9:10, 11 ኣንብብ።] እዛ መጽሓፍ እዚኣ [ናይታ እትዕድላ ዘሎኻ መጽሓፍ ኣርእስቲ ጥቐስ] ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት ኢያ። ነቲ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዝርከበሉ እንኮ ምንጪ ድማ እትሕብር ኢያ።” ካብታ መጽሓፍ ሓደ ኣብነት ጥቐስ: ንኸንብባ ድማ ኣተባብዓዮ።
ካልእ ጽሑፋት
ንኻልእ መጻሕፍትን ብሮሹራትን ዝኸውን መእተዊታት ኣብቲ ዎች ታወር ፓብሊኬሽን ኢንደክስ (እንግሊዝኛ) ዝበሃል መወከሲ ኣብ ትሕቲ እዚ ዝስዕብ ኣርእስትታት ኽርከብ ይከኣል ኢዩ:-
ኣቀራርባታት
ብጽሑፋት እተሰርዐ
ቐጥታዊ ኣቀራርባ
ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ካብዚ ቐጥታዊ ኣቀራርባ ሓዲኡ ተጠቐም:-
“ሒደት ደቓይቕ ጥራይ ብምውሳድ ንኣድላዪ ዝዀነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶ መልሲ ኽትረኽበሉ ኸም እትኽእል ትፈልጥዶ፧ ንኣብነት . . .” ኣብታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ኣብ ናይ መጀመርታ ትምህርትታት ዝርከብ ነቲ ሰብ ይስሕቦ ኢዩ ዝበልካዮ ሕቶ ኣበግስ።
“መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዘይ ክፍሊት ብኸመይ ከም ዝግበር ከርእየካ ኢየ ኣላጊሰ። ንኸርእየካ ሓሙሽተ ደቒቕ ኣቢሉ ኢዩ ዝወስድ። ሓሙሽተ ደቒቕ ዝኸውን ግዜ ኣሎካዶ፧” ኣወንታዊ መልሲ እንተድኣ ረኺብካ: መጽናዕቲ ብኸመይ ከም ዝግበር ንምርኣይ ኣብታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ትምህርቲ 1 ተጠቐም፣ ሓንቲ ወይ ክልተ ጥቕስታት ጥራይ ድማ ኣንብብ። ድሕሪኡ “ነታ እትቕጽል ትምህርቲ ንኽንመያየጠላ ካብ 20 ክሳዕ 30 ደቒቕ ኣቢሉ ዝኸውን ግዜ መዓስ ክትረክብ ትኽእል፧” ኢልካ ሕተቶ።
“ብዙሓት ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዎም: ነቲ ንዅልና ኣብ ህይወት ዘጋጥመና ኣገዳሲ ሕቶታት ዝኸውን መልሲ ሒዙ ኸም ዘሎ ግን ኣይግንዘብዎን ኢዮም። በዛ ንመጽናዕቲ እትሕግዝ ጽሕፍቲ [ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ወይ መጽሓፍ ፍልጠት] ገይርካ ኣብ ሰሙን ዳርጋ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል መጽናዕቲ ብምግባር: ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ መሰረታዊ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ፕሮግራም ብኸመይ ከም ዝግበር ከርእየካ ሕጉስ ኢየ።”
“ብዘይ ክፍሊት ኣብ ቤትካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትገብር ዕድመ ኸቕርበልካ ኢየ መጺአ። ዝከኣል እንተድኣ ኰይኑ ኣብ 200 ዝዀና ሃገራት ዘለዉ ሰባት ከም ስድራቤት መጠን ኣብ ቤቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዝመያየጥሉ ንሒደት ደቓይቕ ጥራይ ከርእየካ ኣፍቅደለይ። ንምይይጥና መሰረት ዝኸውን ካብዚ ኣብዚ ዘሎ ኣርእስትታት ዝዀነ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። [ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ዘሎ ትሕዝቶ ኣርእዮ።] ብፍላይ እተገድሰካ ኣርእስቲ ኣየነይቲ ኢያ፧” ክመርጽ ተጸበዮ። ናብታ ዝመረጻ ምዕራፍ ገንጽል እሞ በታ ቐዳመይቲ ቍጽሪ ጽንዓት ጀምረሉ።
“ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ብዘይ ገለ ኽፍሊት እህብ ኣሎኹ: ንተወሰኽቲ ተማሃሮ ዝኸውን ግዜ እውን ኣሎኒ። ነዛ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እትሕግዝ መጽሓፍ ኸኣ ኢና እንጥቀም። [ንመጽሓፍ ፍልጠት ኣርእዮ።] እቲ ትምህርቲ ሒደት ኣዋርሕ ጥራይ ኢዩ ዝወስድ: ንኸም ኣምላኽ ስቓይ ዘፍቀደ ስለምንታይ ኢዩ፧ እንኣርግን እንመውትን ስለምንታይ ኢና፧ ሞይቶም ዘለዉ ፍቑራትና እንታይ ኢዮም ዝዀኑ፧ ከምኡውን ብኸመይ ኢኻ ናብ ኣምላኽ ክትቀርብ እትኽእል፧ ዝብል ሕቶታት መልሲ ይህብ ኢዩ። እቲ ትምህርቲ ብኸመይ ከም ዝግበር ከርእየካዶ፧”
ተገዳስነት ንምዕባይ ውጽኢታዊ ዝዀነ ኣቀራርባ እንተድኣ ረኺብካ ብቐጻሊ ተጠቐመሉ! ምስቲ ኣብቲ ወርሒ እትዕድሎ ጽሑፍ ኣተሓሕዞ።