ንኽበቍል ኣብ የሆዋ ተወከል
1 ንኽበቍል ኣብ የሆዋ ምውካል ከም ዘድሊ እተማህረ ሓደ መስተውዓሊ ፓይነር ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ሓዳስ ጉባኤ ኣብ ምትካል ብምሕጋዘይ ንመጀመርታ ግዜ ፍሉይ ሓጐስ ኣስተማቒረ ኢየ። እዚ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝኸውን ህርኩት ዕዮ: ቀጻሊ ጸሎትን ኣብቲ ‘ዜብቍል’ የሆዋ ምውካልን ሓቲቱ ኢዩ።” (1ቈረ. 3:5-9) ኣብቲ ንመንፈሳዊ ባህጊ ዘለዎም ሰባት እንገብሮ ምድላይ: ኣገልግሎትና ክፈሪ እንተደኣ ዀይኑ ንዓና እውን ናይ ኣምላኽ ሓገዝ የድልየና ኢዩ።—ምሳ. 3:5-6
2 ብቝሊ ምኹስካስ ይሓትት:- እቲ ዘርኢ ሓቂ ክበቍል እንተድኣ ዀይኑ ክዅስኰስ የድሊ። መብዛሕትኡ ግዜ: ድሕሪ እቲ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ: ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ጸኒሕካ ተመሊስካ ምኻድ ጽቡቕ ውጽኢታት የፍሪ ኢዩ። ምዉቕ ስምዒት ዘሎካን ተቐራብን ኩን። ነቲ ሰብ ከም እትፈዅሶ ግበር። በይንኻ ጥራይ ኣይትዛረብ። ምሳኻ ርክብ ክገብር ፍቐደሉ: ከም ሰብ መጠን ድማ እትግደሰሉ ምዃንካ ኣርኢ።
3 ኣብ ወርሒ ነሓሰን መስከረምን: ንእንረኽቦም ሰባት እተፈላለዩ ብሮሹራት ኣብ ምብርካት ከነድህብ ኢና። ይኹን እምበር: ነቲ ዘገበርናዮ ምብጻሕን እተረኽበ ተገዳስነትን ክንከታተሎ እውን ከድልየና ኢዩ። ነዚ ተመላሊስካ ምብጻሓት ብምግባርን ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምምራሕን ኢና እንገብሮ። (ማቴ. 28:19,20) ነዚ ንምግባር ድማ: እታ ብቕዓት (እንግሊዝኛ) እትብሃል ብሮሹር ጽንዓታት ንምጅማር ክትጥቀመላ ይከኣል ኢዩ። እዞም ቀጺሎም ዘለዉ ክልተ ሓሳባት ሓገዘቲ ኰይኖም ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ።
4 በቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ዓለም ምስ ዝጭነቕ ሰብ ተዘራሪብካ እንተድኣ ነይርካ ከምዚ ብምባል ነቲ ዝርርብ እንደገና ህያው ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዝርአ ናይ ስነ-ምግባር ውድቀት ከምቲ ኣነ ዝጭነቖ ንስኻውን ከም እትጭነቕ እኣምን ኢየ። ንቘልዑ: ንወለዲ ከምኡውን ንናይ መርዓ ብጾት ዝጐድእ ኣብ ቤት ዝፍጸም ዓመጽ ዝሕብሩ ዘጨንቑ ጸብጻባት ንሰምዕ ኢና። ብዙሓት ሰባት ንናይ ገዛእ ርእሶም ባህጊ ንኸዕግቡ ጥራይ ኣብ ሓሶት ወይ ስርቂ እተጸምዱ ኢዩ ዝመስል። ሰባት ኣብ ህይወቶም ከመይ ኢሎም ከም ዝነብሩ ንኣምላኽ ዝትንክፎዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ] ኣምላኽ ሰባት ዝነብሩሉ ብዙሕ ብቕዓታት ኣውጺኡ ኢዩ። እቲ ብቕዓታት እውን ብሓቂ ዝኸብደና ኣይኰነን።” 1 ዮሃንስ 5:3 ኣንብብ። ብድሕሪኡ ምስታ ብቕዓት እትብሃል ብሮሹር ኣላልዮ እሞ ትምህርቲ 10 ገንጽል። ነታ ቐዳመይቲ ቍጽሪ ኣንብብ። ኣብ መጀመርታ ናይ ቍጽሪ 2-6 ብሰያፍ ቀሪቡ ዘሎ ቃላትን ሓረጋትን ኣርእዮ እሞ ነቲ በዓል ቤት: ንሱ ወይ ንሳ ኣየናይ ፍጻመ ኣብ ሕብረተሰብ ኣዝዩ ጎዳኢ ኰይኑ ከም ዝስምዖ ወይ ከም ዝስምዓ ሕተቶ ወይ ሕተታ። ምስቲ ዝህቦ መልሲ ዝሰማማዕ ቍጽሪ ኣንብብ እሞ ከምቲ ኣጋጣሚ ዝፈቕዶ ሓደ ወይ ክልተ ጥቕስታት ርአ። ቁጽሪ 7 ብምንባብ ደምድም እሞ ንተወሳኺ ምይይጥ ክትምለስ መደብ ግበር።
5 ነቶም ረኺብካዮም ዝነበርካ ብናብራ ስድራ ቤት እምብዛ ዘግደሱ ሰባት ከምዚ ዝስዕብ ክትብሎም ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ፈጣሪ ዕዉት ናብራ ስድራ ቤት ንኽንምስርት ዘድልየና መሳሪሒ ይህበና ኢዩ ኢልና ክንጽበ ምኽንያታዊ ኢዩ ኢልካዶ ትሓስብ፧” መልሲ ተጸበ። ነታ ብቕዓት እትብሃል ብሮሹር ኣፋልጦ እሞ ትምህርቲ 8 ብምግንጻል ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ዝኸውን ስርዓት ሒዙ ከም ዘሎ ግለጸሉ። ነታ ብሮሹር ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ብምውድዳር ካብኣ ዝዓበየ ረብሓ ንኽረክብ ከመይ ገይሩ ከም ዝጥቀመላ ከተርእዮ ዓድሞ። ካብታ ብሮሹር ኣብ ገጽ 2 ዝርከብ መምሪሒታት ስዓብ። ነታ መጽናዕቲ ናይታ ትምህርቲ ንኽትቅጽላ ወይ ድማ ተወዲኣ እንተ ዀይና ካብታ ብሮሹር እቲ በዓል ቤት ዝመረጾ ካልእ ትምህርቲ ተመሊስካ ከተጽንዕ መደብ ግበር።
6 ብሮሹራት ብምብርካት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲ ንምብጻሕ: ገለ ተወሳኺ ሓሳባት እነሆ:-
◼ “ሓደ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ትንቢት ከነርእየካ ተስፋ ብምግባር ኢና ንሒደት ደቓይቕ ጥራይ ክንመያየጥ መጺእና ዘሎና። እዚ ድማ እቲ ብሃዋርያ ዮሃንስ እተጻሕፈ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ምዕራፍ 12 ካብ ቁጽሪ 7-12 ዝርከብ ኢዩ። [ኣንብቦ ወይ ድማ እንተወሓደ እቲ ቐንዲ ነጥብታት ንገሮ።] እዚ ንዓና እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ትፈልጥዶ፧ [ኣዕርፍ።] ብርግጽ: እዚ ውግእዚ ኣብ ሰማይ ድሮ ተኻይዱ ኢዩ። እቲ ውጽኢት ዓቢ ቝጥዓ ናይ ሰይጣን ድማ ኣብ መዓልታዊ ናብራና ንርእዮ ኢና። [ገለ ኣብነታት ሃብ። ብተወሳኺ ካብታ ብምንባር ተሐጎሱ! እትብሃል ብሮሹር ዘሎ ስእሊ ቍጽሪ 22 ከምኡውን 23 ክትግንጽል ትኽእል ኢኻ።] ብዛዕባ እዞም ኣብ ህይወትና ዘለዉ ግድላት ኣምላኽ እንታይ ከም ዝገብር ካልእ ግዜ ከርእየካ ደስ ምበለኒ። ክሳዕ ሽዑ ግን: ነዚኣ ብሓደ ብር ጥራይ ክገድፈልካ ዝኽእል ብሮሹር ክትርእያ አተባብዓካ።” ምስዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣቀራርባ ሒደት ምስምማዕ ብምግባር ነታ ናይ ምውታት መናፍስቲ እትብሃል ብሮሹር ንምብርካት ክትጥቀመሉ ይከኣል ኢዩ። ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ሓሳባት ብምግላጽ ነታ ብሮሹር ከተበርክታ ትኽእል ኢኻ።
7 ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ብዛዕባ ትንሳኤ ዝዛረብ ብስራት ኣድሂብካ እንተድኣ ኣሊኻ በታ “ናይ ምውታት መናፍስቲ ” እትብሃል ብሮሹር ተጠቒምካ ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ኣብዚ ቐረባ ግዝያት: ብምኽንያት ዘሕዝን ሞት ናይ ሰባት ሓያሎ ዳሳት ክትከሉ ተዓዚብና ኢና። ሓደ ምጽንናዕ ዝህብ ስእሊ ከርእየካ ምፈተኹ። [ኣብታ ናይ ምውታት መናፍስቲ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ ገንጽል እሞ ብዛዕብኡ ሓሳባት ሃብ።] እዚ ስእሊ እዚ ኣብዚ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ዝርከብ ናይ የሱስ ቃላት እተመርኰሰ ኢዩ። [ዮሃ. 11:11-14 ወይ 5:28, 29 ሓዲኡ ኣንብብ።] ተወሳኺ ካልእ በረኸታትውን ክህሉ ኢዩ: እንተዀነ ግን ነዚ ካልእ ግዜ ክንመያየጠሉ ንኽእል ኢና። ክሳዕ ሽዑ ግን ነዛ ብተወሳኺ ንገዛእ ርእስና ካብ ናይ ሰይጣን መጥቃዕትታት ከመይ ጌርና ከም እንከላኸለላን ኣምላኽ ብኸመይ ገነታዊት ምድሪ ከም ዘምጽእን እትገልጽ ብሮሹር ዘይትርእያ። [ብሮሹር ኣበርክት።]
8 ደቅና እውን ከይተረፈ ክጥቀምሉ ዝኽእሉ ቀሊል ኣቀራርባ እነሆ:-
◼ “ንሕና ንመንእሰያትን ዓበይትን ናብ ኣምላኽ ክቐርቡ ነተባብዕ ኢና። እንተዀነ ግን: ገና ብዙሓት ሰባት ፈጣሪና ስም ከም ዘለዎ ዘይፈልጡ ኰይኖም ረኺብናዮም። የሱስ ‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ’ ኢልና ክንጽሊ ክነግረና ኸሎ ብዛዕብኡ ተዛሪቡ ኢዩ። ብዛዕባ እዚ: ካብዛ ብሮሹር እዚኣ ብዙሕ ክትማሃር ትኽእል ኢኻ።” [ብዝከኣል መጠን ነቲ ኣብ ገጽ 31 ዘሎ “ስም ኣምላኽ ብምፍላጥ ዝርከብ በረኸታት” ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ብምርኣይ ነታ ስም እትብሃል ብሮሹር ኣበርክት።]
9 ነቲ ካብ ቤት ናብ ቤት ብምኻድ ዞባና ምሽፋንን ኣብቲ ሰባት ዝርከብሉ ቦታታት ንሰባት ብትግሃት ምዝራብን ከምኡውን ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕን ዘሎ ብድሆታት ብሓጐስ ምቕባሉ ሓደ ካብቲ “መዓይይቲ ኣምላኽ” ዝገብረና ኢዩ። (1 ቈረ. 3:9) ነቲ ዝረኸብናዮ ተገዳስነት ክንዘርኦን ክንኵስኵሶን ኣበርቲዕና ብምዕያይ: ንኸብቍሎ ድማ ኣብ የሆዋ ምስ እንውከል ካልእ ዝዀነ ይኹን ዕዮ ከፍርዮ ዘይክእል ዕግበት ከነስተማቕር ኢና።