በታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ገይርካ ጽንዓት ምጅማር
1 ካብ ምሉእ ዓለም ዝመጸ ጸብጻባት እታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ እትበሃል ብሮሹር ንሰባት ሓቂ ኣብ ምምሃር ሓያል መሳርሒ ከም ዝዀነት የርኢ ኣሎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን በዛ ብሮሹር እዚኣ ብኣሽሓት ዝቝጸር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይጅመር ኣሎ። በዛ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ገይርካ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማርን ምምራሕን ዕዉት ኴንካዶ ኢኻ፧
2 ብዙሓት ሰባት ነዛ ብሮሹር እዚኣ ክዕድልዋ እንተ ቀለለትሎም እኳ: ገሊኦም ግን ጽንዓት ከመይ ገይሮም ከም ዘጀምሩ ኣይፈልጡን ኢዮም። ካልኦት ነዛ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ብምጥቃም ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር ኣስለጥቲ ክዀኑ ዝኸኣሉ እንታይ ኣገባብ ስለ እተጠቕሙ ኢዮም፧ እዚ ስዒቡ ዝቐርብ ሓሳባት ሓጋዚ ኰይኑ ክትረኽቦ ኢኻ።
3 ጽንዓት ብኸመይ ከም ዝግበር ንኸተርእዮም ሕተቶም:- ኣብቲ ናይ ፈለማ ምብጻሕ ወይ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብር ከሎና ነቲ በዓል ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ኣብ ክንዲ ምሕታት: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዝግበር ከነርእዮ ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ እቶም ሰብ ገዛ “ጽንዓት” ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ከም ዝርድኦም ይገብር: ነቲ ኣብ ኣእምርኦም ዝመጽእ ጭንቀት ድማ ዝቕንስ ኢዩ። ብኸመይ ከም እነርእዮ ምስ እንፈልጥ: ብድሕሪኡ ቅልል ዝበለ መእተዊ ተጠቒምና ብቐጥታ ጽንዓት ክንጅምር ንኽእል ኢና።
4 እቲ ቐንዲ መፍትሕ ምድላው ኢዩ:- ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምር ዘሎና ህንጥዮት ምስቲ እንገብሮ ዓይነት ምድላው ብቐጥታ እተተሓሓዘ ኢዩ። ኣቐዲምካ ምድላው ነቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምራሕ ክህልወና ዝኽእል ፍርሒ ንምጥፋእ ይሕግዘና ኢዩ። ነቲ እንጥቀመሉ ኣቀራርባ ብተደጋጋሚ እንተ ተለማሚድናሉ: ኣዘራርባና ባህርያዊ ከምኡውን ህያው ብዝዀነ መገድን ብናይ ገዛእ ርእስና ቃላትን ክንገልጽ ክንክእል ኢና። እዚ ኸኣ ንዓና ፍዅስ ከም ዝብለና ይገብር ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ በዓል ቤት እውን ቅልል ከም ዝብሎ ዝገብር ኢዩ።
5 ነቲ በዓል ቤት ጽንዓት ብኸመይ ከም ዝግበር ከተርእዮ ከሎኻ ክንደይ ግዜ ከም ዝወስድ ክትነግሮ ምእንቲ ኽትክእል: ናይቲ ኣቀራርባ ልምምድ ክትገብር ከሎኻ ግዜ ኣብ ግምት ከተእቱ ጽቡቕ ኢዩ። ሓደ ሓው ንገዛእ ርእሱ ምስ ኣፋለጠ ከምዚ ይብል:- “ናጻ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዝግበር ከርእየካ ኢየ ኣላጊሰ። ሓሙሽተ ወይ ዓሰርተ ደቒቕ ኢዩ ዝወስድ። ሓሙሽተ ደቒቕ ዝኸውን ግዜ ኣሎካዶ፧” ኣብታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ዘሎ ትምህርቲ 1 ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ደቒቕ ብመርኣያ ክቐርብ ይኽእል ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ደቒቕ እተመርጸ ጥቕስታት ጥራይ ኢዩ ክንበብ ዝኽእል: እንተዀነ ግን ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ነታ ቀዳመይቲ ትምህርቲ ስለ ዝውድኣ እቲ በዓል ቤት ናይ መጀመርያ ጽንዓቱ ክገብር ይኽእል ኢዩ። ድሕርዚ ኣብ ዝቕጽል ግዜ ትምህርቲ 2 ከጽንዕ ከሎ 20 ደቒቕ ጥራይ ከም ዝወስድ ንገሮ።
6 እዚ ዝስዕብ ኣቀራርባ ኣስላጢ ኰይኑ ተረኺቡ ኢዩ:- “በዛ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ እትበሃል ብሮሹር ገይረ ቀሊልን ቅልጡፍን ብዝዀነ መገዲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝግበር ከርእየካ ምደለኹ። ብዙሓት ኣብ ሰሙን 20-30 ደቒቕ ብምምዳብ: ኣብ ውሽጢ 16 ሰሙናት ነዚ ኣገዳሲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶታት እዚ ዘዕግብ ቅዱስ ጽሑፋዊ መልሲ ክረኽብሉ ክኢሎም ኢዮም።” ነቲ ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ትሕዝቶ ዝብል ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጸሉ። ናብ ትምህርቲ 1 ገንጺልካ ከምዚ በሎ:- “ሓሙሽተ ደቒቕ ዝኸውን ግዜ እንተ ኣለካ እዚ ብኸመይ ከም ዝግበር ከነርእየካ ንኽእል ኢና። ትምህርቲ 1 ‘ኣምላኽ እንታይ ብቕዓት ከም ዝደሊ ክትፈልጠሉ እትኽእል መገዲ’ ዝብል ኣርእስቲ ኣለዋ።” ድሕርዚ ነተን ሰለስተ ሕቶታት ኣንብበን: እቲ ኣብ ሓጹር ዘሎ ቍጽርታት እንታይ ምዃኑ ኸኣ ግለጸሉ። ቍጽሪ 1 ኣንብብ እሞ እቲ በዓል ቤት ነቲ መልሲ ከመይ ገይሩ ከም ዝረኽቦ ኣርእዮ። ነቲ በዓል ቤት ቍጽሪ 2 ከንብባ ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ። ድሕርዚ ከምዚ በሎ:- “ብመሰረት እዚ ትምህርቲ እዚ: ነዛ ሕቶ እዚኣ እንታይ ኢልካ ምመለስካላ፧ [ነታ ሕቶ እንደገና ኣንብባ: እቲ በዓል ቤት ሓሳብ ክህብ ከኣ ተጸበ።] ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቍጽሪ ጥቕስታት ከም ዘሎ ከተስተብህል ኢኻ። እዚ ጥቕስታት ኣቓልቦና ናብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ሕቶታት ዝህቦ መልሲ ክንገብር ዝሕግዘና ኢዩ። ንኣብነት: 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17 ነንብብ እሞ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ደራሲ መን ምዃኑ ዝሃብካዮ መልሲ ዝድግፎ እንተ ዀይኑ ንርአ።” ቍጽሪ 3 ኣንቢብካ: ብዛዕባ እታ ሕቶ ምስ ተመያየጥካን ዮሃንስ 17:3 ምስ ኣንበብካን እቲ በዓል (በዓልቲ) ቤት ካብ ትምህርቲ 1 ዝረኸቦ (ዝረኸበቶ) ፍልጠት ክንደይ ምዃኑ ክግንዘብ ሓግዞ። ድሕርዚ ናብ ትምህርቲ 2 ገንጺልካ ነታ “ብዛዕባ ኣምላኽ ክንማሃረሉ እንኽእል ክልተ መገድታት እንታይ ኢዩ፧” እትብል ናይ መወዳእታ ሕቶ ኣንብብ። ካብኡ “ትምህርቲ 2 ኣጽኒዕና ናይዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ምእንቲ ኽንረክብ 20-30 ደቒቕ ዝኸውን ግዜ መዓስ ይህልወካ፧” ኢልካ ሕተቶ።
7 ነቲ ምይይጥ ቀሊል ከም ዝኸውን ክትገብሮን ብእተኻእለ መጠን ድማ ነቲ በዓል ቤት ክትንእዶን ጽቡቕ ኢዩ። ካልኣይ ግዜ ንኽትበጽሖ ቈጸራ ክትገብር ከሎኻ: ክቕጽል ዝደሊ እንተ ዀይኑ ኣብ ክንዲ ምሕታት: ነታ እትቕጽል ትምህርቲ ብተመሳሳሊ ክወስዳ ኣተባብዓዮ። ተመሊስካ ክትመጽእ ከም እትደሊ እውን ሓብሮ። ገለ ኣስፋሕቲ ዝጥዕም ግዜ ምስ ዝስኣን ምስቲ በዓል ቤት ብቴሌፎን ክመያየጡ ዝኽእሉ እንተ ዀይኖም ሓቲቶም ኢዮም። ብተወሳኺ እውን: ኣብታ እትቕጽል ምብጻሕ ነታ ብሮሹር ብቐሊሉ ምእንቲ ኽረኽባ: ኣብ ጽቡቕን ቀረባን ቦታ ከቐምጣ ነቲ ተማሃራይ ከተተባብዖ እውን ትኽእል ኢኻ።
8 ቈራጽ ኩን:- ዕዉታት ከም እንኸውን ዝገብረና ቀንዲ ረቛሒ ምድላው እኳ እንተዀነ: ኣብ መወዳእታ ንኸነብጽሖ ግን ቈራጻት ክንከውን ኣሎና። ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ሓደ ትምህርቲ ምምሃር በዳሂ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ነቲ ጽንዓት ብመርኣያ ከተቕርብ ከሎኻ ብዘይ ገለ ጸገም ምእንቲ ኽትገብሮ ጽቡቕ ገይርካ ተለማመድ። ካብ ቤት ናብ ቤት ከተገልግል ከሎኻ: ናይ እግረ-መገድን ቴሌፎንን ምስክርነት ክትገብር ከሎኻ ንእትረኽቦ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ጽንዓት ብኸመይ ከም ዝግበር ከተርእዮ ጽዓር። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝጅምሩ ኣብ ምግባር ጸገም እንተድኣ ኣልዩካ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር ዕዉት ንምዃን ቈራጽነትን ሓቂ ካልኦት ከም ዝፈልጥዋ ናይ ምግባር ልባዊ ባህግን ክህልወካ ዝሓትት ኢዩ።—ገላ. 6:9
9 ነዚ ሓሳባት እዚ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልካዮ: በታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ገይርካ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብምምራሕ: ንስኻ እውን ንሰባት ኣብ መገዲ ህይወት ክኣትዉ ናይ ምሕጋዝ መሰል ክህልወካ ይኽእል ኢዩ።—ማቴ. 7:14