ጽንዓት ንምጅማር ነታ ብቕዓት እትብሃል ብሮሹር ትጥቀምዶ ኣሎኻ፧
1 ንሓጺር ግዜ እውን ይኹን ምስ ሓደ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ብሓደ ኻብቲ ንጽንዓት እተዳለወ ጽሑፋት ስርዓታዊ ዄንካ ብሜላ ምይይጥ ትገብረሉ ኣሎኻ ንበል። ስለዚ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕ ከም ዘሎኻ ተገንዚብካዶ፧ እወ: እቲ ዝግበር ምይይጥ ኣብ ኣፍ ደገ ይኹን ብተሌፎን ብዘየገድስ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝመራሕካ ኢዩ ዝቝጸር። ኣብ ወርሒ ግንቦትን ሰነን በታ ብቕዓት እትብሃል ብሮሹር ጌርካ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽንዓት ንምጅማር ፍሉይ ጻዕሪ ዘይትገብር፧
2 ኣሳልጦ ንኽትረክብ ተዳሎ:- እታ ብቕዓት እትብሃል ብሮሹር ክትዕድል ከሎኻ: ብዛዕባ እንታይ ከም እትመያየጥ ኣብ ኣእምሮኻ ንጹር ሓሳባት ሒዝካ ኺድ። ተመላሊስካ ምብጻሕ ትገብር እንተደኣ ኣሊኻ: ብዛዕባ እቲ ፈለማ እተዘራረብኩምሉ ነገር ሕሰብ። ንገዛእ ርእስኻ ከምዚ ኢልካ ሕተት:- ‘እቲ ምይይጥ ናብ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ከምርሕ ነየናይ ኣብታ ብሮሹር ዘሎ ቍጽርታት ኢየ ፍሉይ ኣቓልቦ ኽገብረሉ ዘሎኒ፧’ ካብ ቤት ናብ ቤት ከተገልግል እንተደኣ ዄንካ ንኰተቴ: ንጐርዞ: ብዕድመ ንዝደፍአ: ንሰብኣይ: ወይ ንሰበይቲ እንታይ ኣርእስቲ ከም ዘገድሶም ሕሰብ። ነቲ ኣብታ ብሮሹር ዘሎ ኣርእስትታት ርእይ ርእይ ኣብሎ እሞ ኣገዳሲ እትብሎ ኣርእስቲ ምረጽ። እትጥቀመሉ ኣቀራርባ ድሕሪ ምምራጽካ ደጋጊምካ ተለማመደሉ። እዚ ሓደ ኻብቲ ኣሳልጦ ንኽትረክብ ዝሕግዝ ኢዩ።
3 ኣብታ ኣብ ናይ ጥሪ 2002 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ዘላ “ብቕዓት እትብሃል ብሮሹር ንምብርካት ክትጥቀመሉ እትኽእል ኣቀራርባ” ዘርእስታ ዓንቀጽ: ሸሞንተ ኣቀራርባታት ተዳልዩ ኣሎ። እታ “ቀጥታዊ ኣቀራርባ” ዘርእስታ ሳጹን ነታ ብሮሹር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ከመይ ጌርካ ከም እትጥቀመላ ተርኢ። ነታ ናይ መጀመርታ ኣቀራርባ ከምዚ ዝስዕብ ጌርካ ክትጥቀመላ ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ሒደት ደቓይቕ ጥራይ ብምውሳድ ኣድላዪ ንዝዀነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶ መልሲ ኽትረኽበሉ ኸም እትኽእል ትፈልጥዶ፧ ንኣብነት: ክርስትያናት ኢና ዝብላ ብዙሓት ሃይማኖታት ዘለዋ ስለምንታይ ኢየን፧ ከምኡ ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧” መልሲ ናይቲ ሰብ ድሕሪ ምስማዕካ: ናብ ትምህርቲ መበል 13 ብምኻድ ነተን ናይ መጀመርታ ኽልተ ቝጽርታት ተመያየጠለን። ግዜ እንተደኣ ሃልዩ ሓንቲ ወይ ክልተ ጥቕስታት ብምንባብ ተመያየጥ። ድሕርዚ ነታ ኣብታ ገጽ እቲኣ ኣብ ላዕሊ ዘላ ናይ መወዳእታ ሕቶ ብምንባብ: ከምዚ በል:- “እቲ ዝተረፈ ቝጽርታት ሓሙሽተ መለለዪ ናይታ ሓቀኛ ሃይማኖት የጕልሕ። ነዚ እውን ተመሊሰ መጺአ ሓቢርና ክንመያየጠሉ ሕጉስ ኢየ።”
4 ኣይትተሓለል:- ንዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ በታ ብቕዓት እትብሃል ብሮሹር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ተጠቐመሉ። የሆዋ በረኸቱ ኽህበካ ብጸሎት ለምኖ። (ማቴ. 21:22) ዘየቋርጽ ጻዕሪ ምስ እትገብር ንሓደ ሰብ ብስራት ንኽቕበል ብምሕጋዝካ ሓጐስ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ!