ናይታ መንግስቲ ብስራት ብብሮሹራት ገይርኩም ኣውጁዎ
1 ንሓቂ ምፍላጥን ኣብ መንጎ እቶም ነቲ ብስራት ብቕንኢ ዝእውጁን ምዃንሲ ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ! ካብ ማሕበር ኣምላኽ ወጻኢ ዘለዉ ሰባት ናይታ መንግስቲ ብስራት ክሰምዑ ኣዝዩ ኢዩ ዘድልዮም። ናይታ መንግስቲ ሓቂ በተን ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ብምንባር ተሓጐሱ! ናይ ምዉታት መናፍስቲ (እንግሊዝኛ) ከምኡውን እታ ገነት እተምጽእ መንግስቲ (እንግሊዝኛ) ዝብላ ብሮሹራት ብምጥቃም ብቐሊሉ ክግለጽ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ህይወት ኣብ ምድሪ እንታይ ከም ዝመስል ብንጹር ዘርእያ: ከምኡውን ንኣንበብቲ ናብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተገሊጹ ዘሎ ናይታ መንግስቲ ሓቅታት ዝመርሕኦም ኢየን። ልክዕ ኢዩ: ንሓደ ዝግደስ ሰብ ብሮሹር ምዕዳል ናይ ዕዮና መጀመርያ ጥራይ ኢዩ። (1 ቈረ. 9:23) በታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትብሃል መጽሓፍ ወይ ድማ በታ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ ጽንዓት ንምጅማር ዕላማ ብምግባር: ብሮሹራት ንዝዓደልናዮም ኵሎም ከይደንጐና ንከታተሎም። ነዚ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ብኸመይ ኢና ክንገብሮ እንኽእል፧
2 እታ “ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ብምንባር ተሓጐሱ!” እትበሃል መጽሔት ብኣዝዩ ሓጺር ኣቀራረባ ክትዕደል ትኽእል ትኸውን። ነቲ ገበራ ከተርኢ ከሎኻ: ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ደስ ዘብል መልእኽቲ ዝሓዘ ገለ ነገር ከርእየካ ምደለኹ።” ነታ ኣብ ምድሪ ብምንባር እትበሃል ብሮሹር ገንጺልካ: ናይቲ መእተዊ ናይ መጀመርያ ሕጡብ-ጽሑፍ ኣንብብ። ዳሕራይ ከምዚ ብምባል ቀጽል:- “ነዚ ሕቶ እዚ [ናብቲ ኣብ ልዕሊ ስእሊ ቍጽሪ 8 ዘሎ ኣርእስቲ ኪድ] ‘ሰብ ስለምንታይ ይመውት፧’ ዝብል እውን ትምልስ ኢያ። ነቲ ኣብዛ ብሮሹር እዚኣ ዘሎ ስእልታት ከተጽንዖን ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦን ደስ ዘብል ኰይኑ ክትረኽቦ ኢኻ። ከምዚ ክትገብር እንተድኣ ደሊኻ: እዛ ቅዳሕ እዚኣ ክትወስዳ ትኽእል ኢኻ።”
3 ነታ “ኣብ ምድሪ ብምንባር” እትበሃል ብሮሹር ንዝዓደልካዮ ሰብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብረሉ ከሎኻ እንታይ ኢኻ ክትብል እትኽእል፧ ነዚ ዝስዕብ ኣቀራርባ ክትፍትን ትኽእል ኢኻ:-
◼ ነቲ ኣብታ ኣብ ምድሪ ብምንባር እትበሃል ብሮሹር ዘሎ ስእሊ ቍጽሪ 49 ኣርእዮ: ድሕርዚ ከምዚ ኢልካ ሕተቶ:- “እዝስ ውቁብ ስእሊዶ ኣይኰነን፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣብታ ኣብ ቀዳማይ እግረይ ዝገደፍኩልካ ብሮሹር ዘሎ ኢዩ። ነቲ ኣብታ ቀጺላ ዘላ ገጽ ዘሎ ሕቶ ክሓተካ ምፈቶኹ።” ናብ ስእሊ ቍጽሪ 50 ገንጺልካ ነዚ ዝስዕብ ሕቶ ኣንብብ:- “‘ኣብታ ጽብቕቲ ዝዀነት ገነት ንዘልኣለም ክትነብሩ ትደልዩዶ፧’ [መልሲ ተጸበ።] ድሌትካ ከምዚ እንተድኣ ኰይኑ: ብዛዕባ እቲ ክትገብሮ ዘሎካ እንታይ ከም ዝብል ተመልከት:- ‘ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝበሎ እምበኣር ብዙሕ ተመሃሩ።’ [ዮሃንስ 17:3 ኣንብብ።] ምሳኻ ኰይነ መጽሓፍ ቅዱስ ብናጻ ከጽንዕ ሕጕስ ኢየ። ምደለኻዶ፧” ተመሊስካ ንኽትመጽእ ውሱን ቈጸራ ግበር።
4 ነታ “እንሆ: ንዅሉ ኤሐድሶ አሎኹ” እትበሃል ብሮሹር ከተበርክት ከሎኻ: ነቲ ናይ ገበር ስእሊ ብምሉኡ እናኣርኣኻ: ከምዚ ዝስዕብ ኢልካ ብምሕታት ክትጅምር ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ምልእቲ ምድሪ ከምዚ ንኽትመስል እንታይ የድሊ ምበልካ፧” መልሲ ተጸበ። ገለ ካብቲ ኣብ ገጽ 3 ተዘርዚሩ ዘሎ ብዛዕባ እቲ ስእሊ ዝገልጽ ሓሳባት ኣብርህ። ድሕርዚ ከምዚ ዝስዕብ በል:- “መብዛሕትኦም ሰባት ከምዚኣ ዝኣመሰለት ዓለም ክትህሉ ዘይከኣል ኰይኑ ይስምዖም። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ነዚ ኽፍጽሞ ይኽእል ኢዩ። [ካብቲ ኣብ ቍጽሪ 43 ዘሎ ነጥብታታ ንገሮ፣ ድሕርዚ ኢሳይያስ 9:6, 7 ኣንብብ።] ካብ ኵሎም ህዝብታት ዝመጹ ሰባት ዝሕጐሱላ ምልክዕቲ ገነት ዘለዋ ሓዳስ ዓለም ከምጽእ ምዃኑ ኣምላኽ መብጽዓ ገይሩ ኣሎ። ነዛ ብሮሹር እዚኣ ከተንብባ ደስ ምበለኒ። ንስኻን ስድራቤትካን ነቲ ኣምላኽ ኣዳልይዎ ዘለዎ ድንቂ ዝዀነ መጻኢ ብኸመይ ከተስተማቕርዎ ከም እትኽእሉ እተርኢ ኢያ።”
5 ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከሎኻ: ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ምምሃር ስለምንታይ ከም ዘድሊ ንምግላጽ ነታ “እንሆ ” እትበሃል ብሮሹር ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ምናልባት እንደገና ነቲ ገበር ብምርኣይ ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “መጀመርያ ነዚ ስእሊ እዚ ምስ ኣርኣኹኻ: ኣብ ከምዚ ዝበለ ግሩም ዓለም ክንነብር ከም እንፈቱ ተሰማሚዕና ነይርና። ነዚ ከም ዝኸውን ንምግባር: ኵላትና ኽንገብሮ ዘድልየና ሓደ ነገር ኣሎ።” ኣብታ “እንሆ ” እትበሃል ብሮሹር ኣብ ቍጽሪ 52 ገንጽል፣ ነታ ቝጽርን ነቲ ኣብ ዮሃንስ 17:3 ዘሎ ጥቕስን ኣንብብ። ነቲ ኣብ ቍጽሪ 53 ብዛዕባ ግቡእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ዘሎ ኣብነት ንገሮ: ድሕርዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣባይቲ ከይዶም ብናጻ ከምዚ ዝበለ ትምህርቲ ከም ዝህቡ ግለጽ። ብመጽሓፍ ፍልጠት ገይርካ: ከመይ ገይርና ጽንዓት ከም እንመርሕ ኣርእዮ።
6 ነታ “እታ ገነት እተምጽእ መንግስቲ” እትበሃል ብሮሹር ክትዕድል ከሎኻ: ከምዚ ብምባል ክትፍትን ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ብዙሓት ሰባት ካብዚ ሎሚ ዘጋጥመና ዘሎ ዓበይቲ ግድላት ናጻ ኰይኖም ክነብሩ ከም ዝፈትዉ ክዛረቡ እሰምዕ ኢየ። [ከም እኒ ስራሕ ምስኣን: ናይ ዓመጽ ወሰኽ: ድኽነት: ሕማም ወይ ናይ ስድራቤት ግጭት ዝኣመሰለ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ግድላት ጥቐስ።] እዚ ነገራት እዚ ብዛዕባ እቲ ንዓናን ንእነፍቅሮም ሰባትን ዘሎና መጻኢ ከም ዘይንተኣማመን ገይሮምና ኣለዉ። ሰባት ነዚ ግድላት እዚ ይፈትሕዎ ይዀኑ ኢልካ ትሓስብዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ምናልባት ኣቡነ ዘሰማያት ኢልካ ትጽሊ ትኸውን። እንተድኣ ከምኡ ኢልካ ትጽሊ ኴንካ: ሓደ ጽድቃዊ ምምሕዳር ካብ ሰማይ ክመጽእ ትጽሊ ከም ዘሎኻ ትፈልጥዶ ኢኻ፧” ካብታ መንግስቲ እትበሃል ብሮሹር ገጽ 3 ገንጺልካ ነተን ናይ መጀመርያ ክልተ ሕጡብ-ጽሑፍ ኣንብብ። ነታ ብሮሹር ዓድላ።
7 “እታ ገነት እተምጽእ መንግስቲ” እትበሃል ብሮሹር ዓዲልካያ እንተድኣ ነይርካ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከሎኻ ከምዚ ብምባል ምይይጥ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ኣብ ዝሓለፈ ግዜ: ብዛዕባ ንናይ ሰብ ግድል ምፍታሕ ኣድላይነቱ ተመያይጥና ነይርና። እታ ዝገደፍኩልካ ብሮሹር መንግስቲ ኣምላኽ እታ እንኮ ተስፋና ምዃና እትሕብር ኢያ። ገለ ሰባት እታ መንግስቲ እቲኣ ንኵነታት ናብራና ንምምሕያሽ እንታይ ክትገብር ኢያ ኢሎም ይግረሙ ኢዮም። የሱስ እቲ ሰብኣውያን መራሕቲ ክገብርዎ ዘይከኣሉ ነገራት ክገብር ይኽእል ምዃኑ ድሮ ከም ዘረጋገጸ መጽሓፍ ቅዱስ የርኢ ኢዩ።” ካብታ መንግስቲ እትበሃል ብሮሹር ገጽ 29 ገንጺልካ ነተን ናይ መወዳእታ ኣርባዕተ ሕጡብ-ጽሑፍ ኣንብበን። ድሕርዚ ከምዚ በል:- “እዝስ ዘገርም መጻኢዶ ከይኰነ፧ ክትሪኦኸ ምደለኻዶ፧” መልሲ ተጸበ። ዮሃንስ 17:3 ኣንብብ። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር ብዙሕ ክማሃር ከም ዝኽእል ኣተባብዓዮ።
8 ካልእ ብሮሹር እንተድኣ ትጥቀም ኣሊኻ: ነዚ ኣብ ላዕሊ ተዋሂቡ ዘሎ ኣብነታት ብምጥቃም ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ከተዳሉ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት: ነታ “ናይ ምዉታት መናፍስቲ” እትበሃል ብሮሹር ክትዕድል ከሎኻ: ክፍኣትን ግድላትን ኣብ ምድሪ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ስለምንታይ ምዃኑ ሕቶ ብምሕታት ነታ ብሮሹር ክትዕድላ ትኽእል ኢኻ። ድሕርዚ ካብታ ብሮሹር ነቲ ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ ገንጽል: ካብቲ ኣብ ገጽ 10 ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳባት ከኣ መሪጽካ ኣንብብ። ኣብ ገጽ 12 ገንጽል: ብዛዕባ እቲ ስእልታት ሓሳባት ሃብ: ነታ ብሮሹር ድማ ኣበርክታ። ናይታ መንግስቲ ብስራት ክትእውጅ ከሎኻ ጽቡቕ ገይርካ ተዳሎ: በረኸት የሆዋ ኸኣ ድለ።