ብእምነት ተመላለሱ
1 ሚልዮናት ሰባት ብዕሽነት ኣብቲ መታለሊ ሓይሊ ናይ ሃብቲ ብምእማን ንህይወቶም ኣብ ዙርያ ስጋዊ ጥሪቶም ይሃንጽዋ። (ማቴ. 13:22) ሃብቶም ክጠፍእ ወይ ክስረቕ ወይ ረብሓ ዘይብሉ ክኸውን ከሎ ኸኣ ከቢድ ትምህርቲ ይማሃሩ። ንሕና ግን ንመንፈሳዊ ሃብቲ ብምምጥጣር: ጥበባዊ መገዲ ክንስዕብ ሓደራ ተባሂልና ኢና። (ማቴ. 6:19, 20) እዚ ድማ ‘ብእምነት ምምልላስ’ የጠቓልል።—2 ቈሮ. 5:7
2 እታ “እምነት” እትብል ቃል ካብታ እምንቶ: ትውክልቲ: ጸኒዕካ ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛ ምዃን እተስምዕ ናይ ግሪኽ ቃል እተተርጐመት ኢያ። ብእምነት ምምልላስ ክብሃል ከሎ ኣብ ኣምላኽ እምንቶ ብምግባር ንኸቢድ ኵነታት ምግጣምን: ኣብቲ ኣምላኽ ስጕምትታትና ንምምራሕ ዘለዎ ክእለት ከምኡውን ድሌታትና ንምሕላይ ዘለዎ ፍቓደኝነት ምውካል ማለት ኢዩ። የሱስ ፍጹም ኣብነት ብምግዳፍ: ብቐጻሊ ኣብቲ ናይ ሓቂ ኣገዳሲ ዝነበረ ነገር ኣትኰረ። (እብ. 12:2) ንሕናውን ብተመሳሳሊ: ኣልባብና ኣብቲ ዘይርአ: መንፈሳዊ ነገራት ንኸተኵር ክንሕልዎ የድልየና። (2 ቈሮ. 4:18) ናይዚ ሕጂ ዘሎ ህይወትና ዘይርጉጽነት እንግንዘብን ምሉእ ብምሉእ ካብ የሆዋ እንጽበ ምዃንና ኣፍልጦ እንህብን ክንከውን ኣሎና።
3 ብተወሳኺውን የሆዋ በታ እትርአ ማሕበሩ ገይሩ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ይመርሓና ከም ዘሎ ጸኒዕና ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛታት ክንከውን ይግብኣና። (ማቴ. 24:45-47 NW ) ነቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ‘መራሕትና ምስ እንእዘዝ’ እምነትና ነርኢ። (እብ. 13:17) ብትሕትና ምስቲ ቲኦክራሲያዊ ምድላዋት ተሓባቢርና ምስራሕና ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ ይገልጽ። (1 ጴጥ. 5:6) ነቲ እታ ማሕበር ክትዓዮ እተዋህባ ዕዮ ብምሉእ ልብና ተለዓዒልና ክንድግፎ ይግብኣና። እዚ ድማ ምስ ኣሕዋትና ብሓያል ማእሰር ፍቕርን ሕብረትን ከቀራርበና ኢዩ።—1 ቈሮ. 1:10
4 እምነት ብኸመይ ከም እትድልድል:- እምነትና ኣብ ሓደ ደው ዝበለት ክትከውን ክንፈቅድ የብልናን። ንኽትውስኽ ብርቱዕ ቃልሲ ክንገብር የድልየና። ኣብ መጽናዕቲ: ጸሎት: ከምኡውን ኣኼባ ስርዓታዊ ምዃን እምነትና ከነደልድል ይድግፈና እሞ: ብሓገዝ የሆዋ ንዝዀነ ፈተና ክንቃዎሞ ንኽእል። (ኤፌ. 6:16) ንመዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ንኣኼባታት ምድላውን ስሩዕ መደብ ጌርካዶ ኣሎኻ፧ ኵሉ ግዜ ብዛዕባ እተማሃርካዮ ተስተንትን ዲኻ: ናብ የሆዋኸ ብጸሎት ትቐርብዶ፧ ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ናይ ምክፋልን ኣጋጣሚ ኣብ ዝረኸብካሉ ሓሳባት ናይ ምሃብን ልማድ ኣሎካዶ፧—እብ. 10:23-25
5 ድልድልቲ እምነት ብጽቡቕ ግብሪ ኢያ እትረጋገጽ። (ያእ. 2:26) ሓደ ካብቶም እምነትና እነርእየሎም ዝበለጹ መገድታት ከኣ ተስፋና ንኻልኦት ብምእዋጅ ኢዩ። ነቲ ብስራት ንምክፋል ኣጋጣሚታት ትደሊዶ፧ ኣብቲ ኣገልግሎት ዝያዳ ምእንቲ ክትዓዪ ኵነታትካ ክተዓራረ ይኽእልዶ፧ ነቲ ዓይነትን ኣሳልጦን ናይ ኣገልግሎትና ንምምሕያሽ ዝወሃቡ ሓሳባት ትዓየሎምዶ፧ ብሕታዊ መንፈሳዊ ሸቶታት ትገብር ዲኻ: ንኽትበጽሖምከ ትጽዕርዶ፧
6 የሱስ ብዛዕባ ኣብ መዓልታዊ ናብራና ካብ ልክዕ ንላዕሊ ትሑዛት ምዃንን ፍቅረ-ንዋያዊ ወይ ስሱዕ ረብሓ ንመንፈሳዊ ኣረኣእያና ከጸልምቶ ከይንፈቅድን ኣጠንቀቐ። (ሉቃ. 21:34-36) ናይ እምነት መርከብ ምእንቲ ከይትስበረና ምምልላስና ተጠንቂቕና ክንሕሉ ኣሎና። (ኤፌ. 5:15፣ 1 ጢሞ. 1:19) ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኵላትና ‘ሰናይ ገድሊ ተጋዲልና: እቲ ጕያ ወዲእና: ነታ እምነት ሓሊና’ ክንብል ተስፋ ንገብር።—2 ጢሞ. 4:7