ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/96 ገጽ 1
  • ብእምነት ተመላለሱ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብእምነት ተመላለሱ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “እምነት ወስኸና”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • እምነት—እተበርትዓና ባህርይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • የሆዋ ኣብ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም እትኣምን ኣርኢ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • “ኣብ እምነት ጽንዑ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 9/96 ገጽ 1

ብእምነት ተመላለሱ

1 ሚልዮናት ሰባት ብዕሽነት ኣብቲ መታለሊ ሓይሊ ናይ ሃብቲ ብምእማን ንህይወቶም ኣብ ዙርያ ስጋዊ ጥሪቶም ይሃንጽዋ። (ማቴ. 13:⁠22) ሃብቶም ክጠፍእ ወይ ክስረቕ ወይ ረብሓ ዘይ​ብሉ ክኸውን ከሎ ኸኣ ከቢድ ትምህርቲ ይማሃሩ። ንሕና ግን ንመንፈሳዊ ሃብቲ ብምምጥጣር: ጥበባዊ መገዲ ክንስዕብ ሓደራ ተባሂልና ኢና። (ማቴ. 6:⁠19, 20) እዚ ድማ ‘ብእምነት ምምልላስ’ የጠቓልል።​—⁠2 ቈሮ. 5:⁠7

2 እታ “እምነት” እትብል ቃል ካብታ እምንቶ: ትውክልቲ: ጸኒዕካ ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛ ምዃን እተስምዕ ናይ ግሪኽ ቃል እተተርጐመት ኢያ። ብእምነት ምምልላስ ክብሃል ከሎ ኣብ ኣምላኽ እምንቶ ብምግባር ንኸቢድ ኵነታት ምግጣምን: ኣብቲ ኣምላኽ ስጕምትታትና ንምምራሕ ዘለዎ ክእለት ከምኡውን ድሌታትና ንምሕላይ ዘለዎ ፍቓደኝነት ምውካል ማለት ኢዩ። የሱስ ፍጹም ኣብነት ብምግዳፍ: ብቐጻሊ ኣብቲ ናይ ሓቂ ኣገዳሲ ዝነበረ ነገር ኣትኰረ። (እብ. 12:⁠2) ንሕናውን ብተመሳሳሊ: ኣልባብና ኣብቲ ዘይርአ: መንፈሳዊ ነገራት ንኸተኵር ክንሕልዎ የድልየና። (2 ቈሮ. 4:⁠18) ናይዚ ሕጂ ዘሎ ህይወትና ዘይርጉጽነት እንግንዘብን ምሉእ ብምሉእ ካብ የሆዋ እንጽበ ምዃንና ኣፍልጦ እንህብን ክንከውን ኣሎና።

3 ብተወሳኺውን የሆዋ በታ እትርአ ማሕበሩ ገይሩ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ይመርሓና ከም ዘሎ ጸኒ​ዕና ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛታት ክንከውን ይግብኣና። (ማቴ. 24:⁠45⁠-​47 NW ) ነቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ‘መራሕትና ምስ እንእዘዝ’ እምነትና ነርኢ። (እብ. 13:⁠17) ብትሕትና ምስቲ ቲኦክራሲያዊ ምድላዋት ተሓባቢርና ምስራሕና ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ ይገልጽ። (1 ጴጥ. 5:⁠6) ነቲ እታ ማሕበር ክትዓዮ እተዋህባ ዕዮ ብምሉእ ልብና ተለዓዒልና ክንድግፎ ይግብኣና። እዚ ድማ ምስ ኣሕዋትና ብሓያል ማእሰር ፍቕርን ሕብረትን ከቀራርበና ኢዩ።​—⁠1 ቈሮ. 1:⁠10

4 እምነት ብኸመይ ከም እትድልድል:⁠- እምነትና ኣብ ሓደ ደው ዝበለት ክትከውን ክንፈቅድ የብልናን። ንኽትውስኽ ብርቱዕ ቃልሲ ክንገብር የድልየና። ኣብ መጽናዕቲ: ጸሎት: ከምኡውን ኣኼባ ስርዓታዊ ምዃን እምነትና ከነደልድል ይድግፈና እሞ: ብሓገዝ የሆዋ ንዝዀነ ፈተና ክንቃዎሞ ንኽእል። (ኤፌ. 6:⁠16) ንመዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ንኣኼባታት ምድላውን ስሩዕ መደብ ጌርካዶ ኣሎኻ፧ ኵሉ ግዜ ብዛዕባ እተማሃርካዮ ተስተንትን ዲኻ: ናብ የሆዋኸ ብጸሎት ትቐርብዶ፧ ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ናይ ምክፋልን ኣጋጣሚ ኣብ ዝረኸብካሉ ሓሳባት ናይ ምሃብን ልማድ ኣሎካዶ፧​—⁠እብ. 10:⁠23⁠-​25

5 ድልድልቲ እምነት ብጽቡቕ ግብሪ ኢያ እትረጋገጽ። (ያእ. 2:⁠26) ሓደ ካብቶም እምነትና እነርእየሎም ዝበለጹ መገድታት ከኣ ተስፋና ንኻልኦት ብምእዋጅ ኢዩ። ነቲ ብስራት ንምክፋል ኣጋ​ጣሚታት ትደሊዶ፧ ኣብቲ ኣገልግሎት ዝያዳ ምእንቲ ክትዓዪ ኵነታትካ ክተዓራረ ይኽእልዶ፧ ነቲ ዓይነትን ኣሳልጦን ናይ ኣገልግሎትና ንምምሕያሽ ዝወሃቡ ሓሳባት ትዓየሎምዶ፧ ብሕታዊ መንፈሳዊ ሸቶታት ትገብር ዲኻ: ንኽትበጽሖምከ ትጽዕርዶ፧

6 የሱስ ብዛዕባ ኣብ መዓልታዊ ናብራና ካብ ልክዕ ንላዕሊ ትሑዛት ምዃንን ፍቅረ⁠-​ንዋያዊ ወይ ስሱዕ ረብሓ ንመንፈሳዊ ኣረኣእያና ከጸልምቶ ከይንፈቅድን ኣጠንቀቐ። (ሉቃ. 21:⁠34⁠-​36) ናይ እምነት መርከብ ምእንቲ ከይትስበረና ምምልላስና ተጠንቂቕና ክንሕሉ ኣሎና። (ኤፌ. 5:⁠15፣ 1 ጢሞ. 1:⁠19) ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኵላትና ‘ሰናይ ገድሊ ተጋዲልና: እቲ ጕያ ወዲእና: ነታ እምነት ሓሊና’ ክንብል ተስፋ ንገብር።​—⁠2 ጢሞ. 4:⁠7

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ