ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/96 ገጽ 1
  • ብኣዘራርባን ጠባይን ኣብነት ምዃን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብኣዘራርባን ጠባይን ኣብነት ምዃን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጽቡቕ ጠባይ—ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ዝልለይሉ ባህሪ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጽቡቕ ጠባይ ነርኢ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንደቅኻ፡ ኣኽበርቲ ሰብ ኪዀኑ ምሃሮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ኣብ ኣፍ ደገ እተርእዮ ጽቡቕ ጠባይ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 9/96 ገጽ 1

ብኣዘራርባን ጠባይን ኣብነት ምዃን

1 ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ብኣዘራር​ባን ጠባይን ኣብነት ክኸውን ምዒድዎ ኢዩ። (1 ጢሞ. 4:⁠12) ንሕናውን ብፍላይ ኣብ ኣገልግሎት ክንጽመድ ከሎና ኣብነት ዝኸውን ዝርርብን ጠባይን ከነንጸባርቕ ይግብኣና: ምኽንያቱ ከምዚ ምግባርና ኣልባብ ናይቶም እንረኽቦም ምብጻሕና ወይ ዘይምብጻሕና ዝውስን ኢዩ።

2 ስነ⁠-​ስርዓት: ሓልዮት: ሕያውነት: እሩም ምዃን: ከምኡውን ብልሓት ዘጠቓልል መዳያት ናይ ጽቡቕ ቀጥዕታት ከነንጸባርቕ የድልየና። ነዞም ባህርያት እዚኦም ብምንጽብራቕ: ተግባራትና ንስምዒታት ናይ ካልኦት ሰባት ብኸመይ ከም ዝትንክፍ እንግንዘብ ምዃንና የርኢ። ኣብ ኣገልግሎት እነርእዮ ጽቡቕ ቀጥዒ: ምስ መቐረት ናይ መግቢ ንምውሳኽ ዝጠቅም ቀመም ክመሳሰል ይከኣል ኢዩ። ጥዑይ መግቢ ክነሱ ብዘይ ቀመም ግን ዘይምቁርን ሸውሃት ዝዓጹን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብቲ ምስ ካልኦት እንገብሮ ርክባት ጽቡቕ ቀጥዒ ዘይምርኣይ እውን ተመሳሳሊ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል ኢዩ።​—⁠ቈሎ. 4:⁠6

3 ብኣዘራርባ ኣብነት ምዃን:⁠- ዕርክነታዊ ፍሽኽታን ምዉቕ ሰላምታን ቀንዲ ክፍልታት ናይቲ ብስራት ንምብጻሕ እንገብሮ ኣቀራርባና ኢዩ። መእተዊና ብምውቕን ቅኑዕን ኣቀራርባ ምስ እነቃምሞ: እቲ በዓል ቤት ብሓቂ ከም እተገደስናሉ ከስተውዕል ኢዩ። ክዛረብ ከሎ ጽን ኢልካ ስምዓዮ: ከምኡውን ንሓሳባቱ ግቡእ ክብሪ ኣርኢ። ክትዛረብ ከሎኻ ብብልሓትን ብለውሃትን ይኹን።​—⁠ምስ ግብሪ ሃዋርያት 6:⁠8 ኣረኣእዮ።

4 ሓሓሊፉ ዘይምቕሉልን ተቛያቝን ሰብ የጋጥመና ኢዩ። እሞ ብኸመይ ንመልሰሉ፧ ጴጥሮስ “ብዓቕልን ብፍርሃትን [ብዓሚቝ ኣኽብሮትን: NW ]” ክንዛረብ ምዒዱና ኢዩ። (1 ጴጥ. 3:⁠15፣ ሮሜ 12:⁠17, 18) በዓል ቤት ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ብትሪ እንተደኣ ነጺግዎ: የሱስ ‘ተጐጓ ኣእጋርና ክንነግፍ’ ጥራይ ከም ዘሎና ነጊሩና ኢዩ። (ማቴ. 10:⁠14) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ኣብነታዊ ቀጥዕታት ምንጽብራቕ ውዒሉ ሓዲሩ ልቢ ናይቲ ተጻራሪ ክልውጥ ይኽእል ኢዩ።

5 ብጠባይ ኣብነት ምዃን:⁠- ሰብ ኣብ ዝበዝሖ ጐደናታትን ህዝባዊ ቦታታትን ብስራት ክንሰብኽ ከሎና ሓለይቲ ክንከውን የድልየና: ዓው እንብልን እነገድድን: ከምኡውን ናይ ሓለፍቲ መገዲ ምንቅስቓስ እንዓግትን ክንከውን የብልናን። ኣብ ኣባይቲ ናይ ተገደስቲ ሰባት ክንከይድ ከሎና ንኣቀባብልኦም ሞሳ ብምርኣይ: ኣደብ ክንገብርን ለዋሃት ኣጋይሽ ክንከውንን ኣሎና። እቶም ዘሰንዩና ቈልዑ ንበዓል ቤትን ንብረቱን ክብሪ ዘርእዩ ከምኡውን ክንዘራረብ ከሎና ቀጥዒ ዘለዎምን ዘድህቡን ክዀኑ ይግብኦም። ቈልዑ መትሓዚ ዘይብሎም እንተ ዀይኖም: እዚ ነቶም ሰብ ቤት ዘይቅኑዕ ጦብላሕታ ክገድፈሎም ኢዩ።​—⁠ምሳ. 29:⁠15

6 ኣካላዊ ትርኢትና ንኻልኦት ኣገልገልቲ ቃል ኣምላኽ ከም ዝዀንና ዘግህደሎም ክኸውን ይግብኦ። ክዳንናን ኵለንተናዊ ኣቃውማናን: ግዕዙይን ወዛልን ወይውን ናይ ርኣዩለይን ቀጥዒ ዘይብሉን ክኸውን ኣይግብኦን። ትርኢትና ኵሉ ግዜ ‘ንወንጌል ዝበቅዕ’ ክኸውን ይግብኦ። (ምስ ፊልጲ 1:⁠27 ኣረኣእዮ።) ንትርኢትናን መሳርሒታትናን ብጥንቃቐ ብምስትብሃል: ንኻልኦት እንዕንቅፍ ወይ ንኣገልግሎትና ኣበር ንኽረኽብሉ ምኽንያት እንህብ ኣይክንከውንን ኢና። (2 ቈረ. 6:⁠3, 4) ኣብነታዊ ዝርርብናን ጠባይናን መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ማራኺ ከም ዝኸውን ይገብሮ: ንየሆዋ ኸአ ክብሪ የምጽኣሉ።​—⁠1 ጴጥ. 2:⁠12

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ