ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንመስከረም
2 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 98
12 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እተመርጹ ምልክታታት። ንነፍሲ ወከፍ ሰብ: ብፍላይ ድማ ንመራሕቲ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ: ነታ ኣብ ናይ 1992 ናይ መንግስትና ኣገልገሎት ዘላ “ነታ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ [እንግሊዝኛ] እትበሃል መጽሓፍ ምጽንዓ” እትብል ዓንቀጽ ደጊሞም ክርእይዋ ኣተባብዓዮም። ነቲ ናይታ ዓንቀጽ ቀንዲ ነጥብታት ኣጕልሓዮ። ነቲ ኣብ ናይ ቤተ-ቤት ዕዮ ዘጋጠመ ዝዀነ ይኹን ግድላት ከምኡውን ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት ነዚ ግድላት እዚ ንምግጣም እንታይ ክግበር ከም ዝከኣል ኣብቲ ቀዳመ-ሰንበት ዘሎ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባታት ክመያየጥሉ ንዅሎም ኣተባብዓዮም።
15 ደቒቕ:- “ብእምነት ተመላለሱ።” ሕቶን መልስን።
18 ደቒቕ:- “ነቲ ብስራት ብኣወንታዊ ኣረኣእያ ምቕራብ።” ኣብ ቍጽሪ 1 እተመስረተ መእተዊ ነጥብታት ሃብ። መጀመርታ በቲ ኣብታ ጉባኤ ዘሎ ናብራ ስድራቤት [እንግሊዝኛ] ዝበሃል መጻሕፍቲ ክዕየ ከም ዘለዎ ግለጽ። ድሕርዚ ካብ 2-6 ዘሎ ቍጽርታት ናይታ ዓንቀጽ ሸፍኖ። ጽቡቕ ምድላው እተገብረሉ ኣቀራርባታት ዝሓዘ መርኣያታት ኣዳሉ። ንመጽሓፍ ፍጥረት [እንግሊዝኛ] ብኸመይ ከም ዘበርክትዋ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ብኸመይ ከም ዝገብሩ: ከምኡውን መጽሓፍ ፍልጠት ገይሮም ብኸመይ ጽንዓት ከም ዝጅምሩ ኣርኢ። ነቶም መጽሓፍ “ናብራ ስድራቤት” ድሕሪ ምዕዳሎም ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ዝዳለዉ ሰባት: ነቲ ኣብ ናይ 1/96 ናይ መንግስትና ኣገልግሎት: ገጽ 4 (ታሕተዋይ) ቍጽሪ 3 እተዋህበ ሓሳባት ክርእይዎ ኣዘኻኽሮም። ከምኡውን: ነቲ ኣብ ናይ 12/95 ገጽ 8 ናይ መንግስትና ኣገልግሎት: ንኣተዓዳድላ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር [እንግሊዝኛ] ዝምልከት: ወጺኡ ዝነበረ ተግባራዊ ነጥብታት ክትመያየጠሉ ትኽእል ኢኻ።
መዝሙር 48ን መዕጸዊ ጸሎትን
9 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 18
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። “ብዛዕባ እታ መንግስቲ ስበኹ” ዝብል ኣርእስቲ ተመያየጠሉ።
15 ደቒቕ:- ነቲ ናይ ጉባኤ ናይ 1996 ጸብጻብ ኣገልግሎት ዓመት ድገሞ። በቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ዝወሃብ ሃናጽን ውዕዉዕን ዝዀነ ዝርርብ። (መጽሓፍ ኣገልግሎትና [እንግሊዝኛ] ገጽ 100-2 ርአ።) ኣብ ውሽጢ እታ ጉባኤ ንዝተዓየ ጽቡቕ ጐድኒ ጠቒስካ ንኣዶም። ናይ ስርዓታውያንን ሓገዝትን ፓይነራት ንጥፈት ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝግበር ዕዮ ንምዕባይ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሓገዘ ግለጽ። ክንደይ ዝኣክል ዞባ ከም እተሸፈነ: ከምኡውን ስርዓታዊ ኴንካ ናይ ምእካብ ኣድላይነት ብምጕላሕ: ናይ ኣኼባ ቍጽሪ ተኣከብቲ ጥቐስ። እታ ጉባኤ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክትዕወተሉ እትፍትን ተግባራዊ ዝዀነ ሸቶታት ዘርዝር።
20 ደቒቕ:- “‘ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም’ ናይ 1996 ኣውራጃዊ ኣኼባ” ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ እታው ካብ ቍጽሪ 10-17 ብሕቶን መልስን ዝውሰድ ዝርርብ።
መዝሙር 123ን መዕጸዊ ጸሎትን
16 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 10
15 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ከምኡውን ነቲ ኣብ ናይ ነሓሰ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ዘሎ “ናይ ኣውራጃዊ ኣኼባ መዘኻኸሪታት” ዝብል ኣርእስቲ ተመያየጠሉ።
15 ደቒቕ:- “ብኣዘራርባን ጠባይን ኣብነት ምዃን።” ሕቶን መልስን።
15 ደቒቕ:- ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝርአ ክርስትያናዊ ጠባይ። ሓደ ኣቦ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢ ቤት ትምህርቲ ዘሎ ከቢድ መፈንጠራታት ክነግርዎ ንወዱ ወይ ንጓሉ ይሓትት፣ ሕብረቶም ከስተብህልሉን ካብ ዘተሓታትት ንጥፈታት ድማ ክርሕቁን ኣድላዪ ምዃኑ ኣትሪሩ ይዛረቦም። ነቲ ኣብ ገጽ 24 ናይታ ትምህርቲ [እንግሊዝኛ] እትበሃል ብሮሹር ዘሎ ሳጹን ይዘራረበሉ: ከም ምስክር መጠን ጽቡቕ ኣርኣያ ናይ ምዃን ኣድላይነት ድማ ይገልጽ። እቲ ኣቦ ሓሽሽ ምጥቃም: ምስ ኣንጻር ጾታ ቈጸራ ምግባር: ኣብ ማሕበራዊ ምትእኽኻባት ምስታፍ: ወይ ኣብ እተፈላለየ ስፖርት ምክፋል ዘምጽኦ ገለ መፈንጠራታት ይጠቅስ፣ ንግድላት ብኸመይ ከም ዘርሕቕዎም ይመያየጡ። እቲ ኣቦ ነቲ መንእሰይ ሽግራት ምስ ዘጋጥም ክፈልጦን ክሕግዝን ስለ ዝደሊ ከይደንጐየ ክነግሮ የተባብዖ።
መዝሙር 32ን መዕጸዊ ጸሎትን
23 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 21
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ከምኡውን “ነቲ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዝግበር ናይ ማሕበር ዕዮ ውጽኢታት ምግባር ንምስፍሕፋሕ ይድግፍ” ዝብል ኣርእስቲ ሸፍኖ።
15 ደቒቕ:- ነቲ ከባቢ ዘድሊ። (ወይ ኣብ ናይ 15 ለካቲት 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 27-9 ዘሎ “ክንዮ እቲ እትርእዮ ዘሎኻ ነገራት ጠምት!” ወይ ኣብ ናይ 15 ሓምለ 1989 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) “ሚዛናውን ቀሊልን ናብራ ይሃልኻ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዘሎ መንፈሳውያን ሰብኡት ምዃን ዘጕልሕ ሓሳብ እተመስረተ ዝርርብ።)
20 ደቒቕ:- “ነቲ ብስራት ኣብ ኵሉ ቦታ ስበኽዎ።” ሕቶን መልስን። ካብ 1-15 ዘሎ ቍጽርታት ጥራይ ሸፍን። ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ተመክሮ ወስኸሉ።
መዝሙር 215ን መዕጸዊ ጸሎትን
30 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 171
12 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ነቲ ናይ ሕቶ ሳጹን ተመያየጠሉ።
20 ደቒቕ:- “ነቲ ብስራት ኣብ ኵሉ ቦታ ስበኽዎ።” ሕቶን መልስን። ካብ 16-27 ዘሎ ቍጽርታት ሸፍን። እቲ ተዋሂቡ ዘሎ ርእይቶታት ኣብቲ ከባቢ ብኸመይ ክውዕል ከም ዝኽእል ኣርኢ። ንቝጽሪ 18-20 ዝኸውን መርኣያ ኣዳሉ። ቍጽሪ 26, 27 ኣንብቦ።
13 ደቒቕ:- ነቲ ኣብ ጥቅምቲ ዝዕደል ጽሑፍ ተዘራረበሉ። ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት ክንዕድል ኢና። ናይ መጽሔት ምዝገባ እውን ክግበር ይከኣል ኢዩ። (1) ከምቲ ኣብ ናይ መእተዊ ገጻት ዘሎ: እቶም መጽሔታት ዝሕተምሉ ዕላማ (2) ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠት ኣብ ምልእቲ ምድሪ ከም ዝበጽሕ ብምግባር ብብዙሕ ቋንቋታት ከም ዝሕተም (3) ግምቢ ዘብዐኛ ንብሕታዊ: ንናይ ስድራቤት: ከምኡውን ንናይ ጕጅለ መጽናዕቲ ተባሂሉ ከም ዝዳሎ (4) ናይ ብዙሓት እተፈላለያ ሃይማኖታት ኣባላት ዝዀኑ ሰባት ከም ዘንብብዎ (5) ብቕንዕና ከንብቦ ንዝደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ እቲ እዋናዊ ሕታማት ኬድና ከም እነብጽሓሉ (6) ብፍላይ ድማ ብስራሕ ትሑዛት ንዝዀኑ ሰባት ተባሂሉ እተዳለወ ምዃኑ (7) ግምቢ ዘብዐኛ ካብ 1879 ንቕሑ! ድማ ካብ 1919 ኣትሒዞም ክሕተሙ ከም ዝጸንሑ: ዝገልጹ እተፈላለዩ ነጥብታት ተመያየጠሎም። ሞሳ ዘለዎ ኣንባቢ ዝሃቦ ርእይቶ ብምንጋር ደምድም።—ናይ 15 ሚያዝያ 1986 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 32 ርአ።
መዝሙር 3ን መዕጸዊ ጸሎትን