ነቲ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዝግበር ናይ ማሕበር ዕዮ ውጽኢታት ምግባር ንምስፍሕፋሕ ይድግፍ
ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ 54:2, 3 ኣቐዲሙ ተዘሪብሉ ዝነበረ: ናይ የሆዋ ጽሩይ ኣምልኾ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ምስፍሕፋሕ ይቕጽል ኣሎ። እዚ ንኢትዮጵያ ከምኡውን ንኻልኦት ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራትን ኣብ ጥቕአን ዘለዋ ደሴታትን ዘጠቓልል ኢዩ። ኣብዘን ሃገራት እዚኣተንን ኣብተን እቲ ግርሁ ንዓጺድ ተዳልይሉ ዘሎ ካልኦት ሃገራትን: ብኣማእታት ዝቝጸሩ ናይ ጊልዓድ ሚስዮናውያን: ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ምሩቓት: ኣባላት ስድራ ቤትኤል: ከምኡውን ካልኦት ተመዲቦም ኣለዉ።—ማቴ. 9:37, 38
ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ማሕበር የሆዋ ዘለዎ ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ይውስኽ ብምህላዉ: ብኣማእታት ዝቝጸር ሓደስቲ ኣደራሻት መንግስቲ ምህናጽ ከም ዘድሊ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ኣብዚ ዓመት እዚ ብዙሕ ናይ ኣደራሽ መንግስቲ ፕሮጀክትታት ተጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ዝኸውን መሬትን ዝሓሸ ናይ ቤትኤል መሳለጥያታትን ንምርካብ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ክሰልጥ ተስፋ ንገብር። ብተወሳኺ ንዕዮ ፍሉያት ፓይነራት ዝኸውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብዙሕ ወጻኢታት ይግበር ኢዩ። ነዚ ነጥብታት እዚ ብምሉኡ ኣብ ኣእምሮና እንተድኣ ሒዝናዮ: እቲ ዝድለየሉ ኣጋጣሚታት ምስ በጽሐ ብጕልበትና: ከምኡውን ናይ ገንዘብ ውጽኢታት ብምግባር: ንዕላማ ናይቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ንምድጋፍ ከመይ ዝበለ መሰል ከም ዘሎና ኣጸቢቑ ዘዘኻኽረና ኢዩ።—ሉቃ. 16:9፣ 1 ጢሞ. 6:18