ጽቡቕ ጠባይ—ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ዝልለይሉ ባህሪ
1 ሎሚ ጽቡቕ ጠባይ ዳርጋ እናጠፍአ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ስለምንታይ ኢዩ ግን፧ ሰባት ኣብ ሃለኽለኽ ስለ ዘለዉ ከም እኒ “በጃኻ:” “አመስግነካ:” ወይ “ኣይትሓዘለይ” ዝኣመሰለ ምቕሉል ኣቀራርባ ክሳዕ ክንድዚ ኣይሓስብሉን ኢዮም። ቃል ኣምላኽ: ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ሰባት ‘ፈተውቲ ርእሶም: ተጀሃርቲ: ዕቡያት: ዘየማስዉ: ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዘይብሎም: ቀለልቲ: ሰናይ ዘይፈትዉ: ህዉኻት’ ክዀኑ ምዃኖም ብምግላጽ ናይ ሰብ ጠባይ እናተበላሸወ ክኸይድ ምዃኑ ይሕብር። (2 ጢሞ. 3:1-4) እዚ ጠባያት እዚ ሕማቕ ባህርያት ኢዩ ዘፍሪ። ክርስትያናት ግን ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ብምዃኖም እቲ እዛ ዓለም እዚኣ እተንጸባርቖ ንኻልኦት ናይ ዘይምኽባር ባህሪ ከይጸልዎም ክጥንቀቕሉ ኣለዎም።
2 ጽቡቕ ጠባይ ምርኣይ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ጽቡቕ ጠባይ ምርኣይ ክበሃል ከሎ ዓሚቝ ተገዳስነት ብምሕዳር ስምዒት ካልኦት ምግንዛብ: ምስ ካልኦት ብሰላም ናይ ምንባር ክእለት ዝብል መግለጺ ክወሃቦ ይከኣል ኢዩ። ገለ ካብቲ ጽቡቕ ጠባይ ዝበሃል ሓልዮት: ተገዳስነት: ሕያውነት: ትሕትና: ክእለት: ምስትውዓል ዝኣመሰለ ኢዩ። እዚ ባህርያት እዚ ካብቲ ንኣምላኽን ንሰብን ዘሎካ ፍቕሪ ዝብገስ ኢዩ። (ሉቃ. 10:27) እዚ ነገራት እዚ ምንም ዘይክፈሎ እኳ እንተዀነ ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ ንምምሕያሽ ኣጸቢቑ ዝሕግዝ ኢዩ።
3 የሱስ ክርስቶስ ፍጹም ኣብነት ሰሪዑልና ኣሎ። ነቲ “ከምቲ ሰብ ኪገብረልኩም እትደልይዎ: ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ግበሩሎም” ዝብል ወርቃዊ ሕጊ ወትሩ ይሕልዎ ነበረ። (ሉቃ. 6:31) በቲ የሱስ ምስ ደቀ-መዛሙርቱ ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ርክብ ዘርኣዮ ተገዳስነትን ፍቕራዊ ጠባይን ኣይንድነቕንዶ፧ (ማቴ. 11:28-30) ነቲ ጽቡቕ ጠባዩ ኣብ ናይ ቅጥዒ መጻሕፍቲ ካብ ዘሎ ስርዓታት ዘምጽኦ ኣይኰነን። ካብ ልባውን ለጋስን ልቢ ዝፈልፈለ ኢዩ። ነቲ ጽቡቕ ኣብነቱ ኽንቀድሖ ኽንፍትን ኣሎና።
4 ክርስትያናት ጽቡቕ ጠባይ ከርእዩ ዘድልዮም መዓስ ኢዩ፧ ኣብ ካልኦት ጽቡቕ ጦብላሕታ ከነሕድር ከም ዘሎና ክስመዓና ኸሎ ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ጥራይ ድዩ፧ ኣብ ካልኦት ጽልዋ ክንገብር ክንሓስብ ከሎና ጥራይ ድዩ ዘድሊ፧ ኣይፋሉን! ኵሉ ግዜ ጽቡቕ ጠባይ ከነርኢ ኣሎና። ኣብ ጉባኤ ንሓድሕድና ኣብ እንራኸበሉ እዋን ብፍላይ በየናይ መዳያት ኢና ብዛዕባ እዚ ክንግደስ ዘድሊ፧
5 ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ:- ኣደራሽ መንግስቲ ቦታ ኣምልኾና ኢዩ። የሆዋ ኣምላኽ ስለ ዝዓደመና ድማ ኢና እንኸይድ። ብኻልእ ኣዘራርባ ኣጋይሽ ኢና ክበሃል ይከኣል ኢዩ። (መዝ. 15:1) ኣደራሽ መንግስቲ ኽንመጽእ ከሎና ኣብነት እንኸውን ኣጋይሽ ዲና፧ ንኣከዳድናን ኵለንትናዊ ኣቃውማናን ግቡእ ቈላሕታ ንገብረሉ ዲና፧ ኣብ ግዜ መዘናግዒ ዝግበር ወይ እምብዛ እተጋነነ ስልማት ከነርሕቕ ከም ዘሎና ፍሉጥ ኢዩ። ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ዀነ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ክንካፈል ከሎና ህዝቢ የሆዋ በቲ ፍርሃት ኣምላኽ ንዘለዎም ዝበቅዕ ኣገባብ ዘለዎ ትርኢቶም እተፈልጡ ኢዮም። (1 ጢሞ. 2:9, 10) ስለዚ እምበኣር ነቲ ሰማያዊ ኣአንጋዲና ዀነ ንኻልኦት ዕዱማት ግቡእ ተገዳስነትን ክብርን ኢና እነርኢ።
6 ምስ ኣኼባና እተተሓሓዘ ጽቡቕ ጠባይ እነርእየሉ ካልእ መገዲ ድማ ኣብ ሰዓትና ምስ እንርከብ ኢዩ። እዚ ዅሉ ግዜ ቀሊል ኢዩ ማለት ከም ዘይኰነ ፍሉጥ ኢዩ። ገሊኣቶም ካብ ርሑቕ ቦታታት ዝመጹ ወይ ከኣ ክቀራረቡ ግዜ ዘድልዮም ብዙሓት ስድራቤት ዘለዎም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ይኹን እምበር: ኣብ ገሊአን ጉባኤታት ዳርጋ ፍርቂ ናይቶም ኣስፋሕቲ ድሕሪ ናይ መእተዊ መዝሙርን ጸሎትን ምምጻእ ከም ልምዲ ዝወሰድዎ ኢዩ ዝመስል። እዚ ከቢድ ጕዳይ ኢዩ። ጽቡቕ ጠባይ ምርኣይ ክበሃል ከሎ ስምዒት ካልኦት ሰባት ምግንዛብ ማለት ምዃኑውን ክንርስዕ የብልናን። እቲ ሕያዋይ ኣአንጋዲና የሆዋ: ነዚ ስቡሕ መንፈሳዊ መኣዲ ዘዳለወልና ንጥቕምና ኢሉ ኢዩ። ኣብኡ ዘሎና ሞሳን ንስምዒታቱ ዘሎና ተገዳስነትን ኣብ ሰዓትና ብምርካብ ኢና ኸነርእዮ እንኽእል። ብዘይካዚ እውን ኣኼባታት ደንጒኻ ምእታው ንኻልኦት ዝርብሽ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ነቶም ኣቐዲሞም ዝመጹ ዘይምኽባር ኢዩ።
7 ክንእከብ ከሎና ነቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝመጹ ሓደስቲ ነቕልበሎምዶ ኢና፧ እቲ እንገብረሎም ኣቀባብላ እውን ናይ ጽቡቕ ጠባይ ካልእ መዳይ ኢዩ። (ማቴ. 5:47፣ ሮሜ 15:7) ሕያውነት ዝመልኦ ኣቀራርባ: ምዉቕ ሰላምታ: ፍሽሑው ገጽ: ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ናይ መዝሙር መጽሓፍ ወይ ካልእ እነጽንዓሉ ጽሑፋት ምሳና ሓቢሮም ከም ዝከታተሉ ምግባር ቀሊል ነገር እኳ እንተዀነ: ምስቲ ሓቀኛታት ክርስትያናት ከም ዝዀንና ዘለልየና ባህሪ እተተሓሓዘ ኢዩ። (ዮሃ. 13:35) ሓደ ሰብኣይ ንመጀመርታ ግዚኡ ኣደራሽ መንግስቲ ምስ መጸ ከምዚ በለ:- “ኣብቲ ዝዓበኹሉ ቤተ-ክርስትያን ርእየዮ ዘይፈልጥ: ብሓቂ ፈቃራት ዝዀኑ ዘይፈልጦም ሰባት ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ረኸብኩ። ሓቂ ከም ዝረኸብኩ ግሁድ ኢዩ ነይሩ።” መወዳእትኡ ኣነባብርኡ ቀይሩ ድሕሪ ሸውዓተ ወርሒ ተጠምቀ። እወ: ጽቡቕ ጠባይ ብዙሕ ጥቕሚ ኢዩ ዘለዎ!
8 ኣብ ቅድሚ ኣጋይሽ ንኡድ ጠባይ ነርኢ ካብ ኰንና “ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት” ከምኡ ክንገብርዶ ኣይግብኣናን ኢዩ፧ (ገላ. 6:10) እቲ ‘ንገጽ ኣረጋዊ ኣኽብር’ ዝብል መሰረታዊ ስርዓት ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ዘድሊ ኢዩ። (ዘሌ. 19:32) ነቶም ኣብ ኣኼባታትና ዘለዉ ብዕድመ ዝደፍኡ ሸለል ክንብሎም ፈጺምና የብልናን።
9 ኣጸቢቕካ ምቕላብ:- ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ክርስትያናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብመንፈሳዊ ውህበት ምእንቲ ኽሃንጹና ኢዮም ክፍሊ ዘቕርቡ። (ሮሜ 1:11) ኣብ እዋን ኣኼባ ንታኸስ: ማስቲካ ጣዕ ጣዕ ነብል: ምስቲ ኣብ ጥቓና ዘሎ ሰብ ደጋጊምና ነሕሸዅሽኽ: ዓሰርተ ሳዕ ዓይኒ ምድሪ ንመላለስ: ምስቲ ኽፍሊ ዘይተሓሓዝ ጽሑፍ ነንብብ: ወይ ከኣ ካልእ ንጥፈታት ንገብር እንተድኣ ዄንና ሕማቕ ጠባይ ኢና እነንጸባርቕ ዘሎና። ብፍላይ ሽማግለታት በዚ መዳይ እዚ ኣርኣያ ክዀኑ ኣለዎም። ጽቡቕ ክርስትያናዊ ጠባይ: ጽን ኢልና ብምስማዕ ነቲ ተዛራባይን ነቲ አብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ መልእኽቱን ግቡእ ክብሪ ንኸነርኢ ክድርኸና ኢዩ።
10 ኣብ ርእሲ እዚ እውን ነቲ ተዛራባይን ነቶም ተኣከብትን ብምሕላይ: ከም ተንቀሳቓሲ ስልክን ካልእ ኤለክትሮኒካዊ ኣቕሓን ድምጺ ብምግባር ኣብ ኣኼባታትና ምእንቲ ኸይርብሽ ነርሕቆ።
11 ጠባይን ቈልዑን:- ወለዲ ብዛዕባ እቲ ደቆም ዘንጸባርቕዎ ባህሪ ወትሩ ክጥንቀቕሉ ኣለዎም። ሓደ ቘልዓ ኣብ ግዜ ኣኼባ ኽበኪ ወይ ከዕገርግር እንተድኣ ጀሚሩ: እዚ ድማ ንኻልኦት ዝርብሽ እንተድኣ ዀይኑ ንምእባዱ ቀልጢፍካ ካብቲ ኣደራሽ ሒዝካዮ ምውጻእ ጥበባዊ ኢዩ። እዚ ሓድሓደ ግዜ ኸቢድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ይኹን እምበር ንስምዒት ካልኦት ንቑሕ ምዃንካ ዝሕብር ምዃኑ ኣይትረስዕ። ክርብሹ ዝኽእሉ ንኣሽቱ ቘልዑ ዘለዉዎም ወለዲ ንብዙሓት ከይረበሹ ብቐሊሉ ተሲኦም ክወጹ ምእንቲ ኽኽእሉ ብሸነኽ ድሕሪት ኰፍ ክብሉ ኢዩ ዝምረጽ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ስድራቤታት ኣድላዪ ክኸውን ከሎ ብሸነኽ ድሕሪት ኮፍ ምእንቲ ኽብሉ እቶም ዝተረፉ ኣባላት እታ ጉባኤ ነቲ ቦታ ናጻ ብምግዳፍ ሓልዮቶም ከርእዩ ይኽእሉ ኢዮም።
12 ወለዲ ነቲ ደቆም ቅድሚ እቲ ኣኼባን ብድሕሪኡን ዘንጸባርቕዎ ጠባይ እውን ከስተብህልሉ ኣለዎም። ሓደጋ ክፈጥር ስለ ዝኽእል ቈልዑ ኣብቲ ኣደራሽ ክጐዩ የብሎምን። ካብ ኣደራሽ ወጻኢ ምጕያይ: ብፍላይ ጸልማት ምስ ዝኸውን ሓደገኛ ኢዩ። ኣብ ደገ ዓው ኢልካ ምዝራብ እውን ንጐረባብቲ ኽርብሽን ኣብ ኣምልኾና ኣሉታዊ ጽልዋ ኽገብርን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣደራሽ መንግስቲ ንውሉዳቶም ክቈጻጸሩ ልባዊ ጻዕሪ ዝገብሩ ወለዲ ክነኣዱ ይግብኦም። ከመይሲ ነቲ ሓቢርና ብምንባርና እንረኽቦ ዘሎና ሓጐስ ዝውስኸሉ ኢዩ።—መዝ. 133:1
13 ኣብ ትምህርቲ መጽሓፍ:- ነቶም ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት ኣባይቶም ዝልግሱልና ኣሕዋት ነማስወሎም ኢና። ክንእከብ ከሎና ንንብረቶም ሓልዮት ከነርኢ የድልየና። ነቲ ምድሪ ቤት ወይ ምንጻፍ ምእንቲ ኸይነርስሖ ጫማና ጸሪግና ክንኣቱ ይግባእ። ወለዲ ድማ ደቆም ካብ ከባቢ እቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ዝግበረሉ ኽፍሊ ርሒቖም ከይከዱ ክቈጻጸርዎም የድሊ። እቲ ጕጅለ ሒደት እቲ ሃዋሁ ድማ ቅልል ዝበለ እኳ እንተዀነ ኣብ ኣባይቲ ኻልኦት ከም ድላይና ከይንኸውን ክንጥንቀቕ የድሊ። ቈልዑ ዓይኒ ምድሪ ክኸዱ ኸለዉ ወለዶም ከሰንይዎም ኣለዎም። ኣብ ርእሲ እዚውን ትምህርቲ መጽሓፍ ናይ ጉባኤ ኣኼባ ስለ ዝዀነ: ልክዕ ከምቲ ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ኽንከይድ ከሎና እንኽደኖ ዓይነት ክዳን ክንክደን የድሊ።
14 ጽቡቕ ጠባይ ኣገዳሲ ኢዩ:- ክርስትያናዊ ጠባይ ምንጽብራቕ ኣብ ኣገልግሎትና ኣወንታዊ ጽልዋ የሕድር ጥራይ ዘይኰነስ ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ እውን የመሓይሾ ኢዩ። (2 ቈረ. 6:3, 4, 6) ነቲ ሕጉስ ኣምላኽ እነምልኽ ብምዃንና ፍሽኽ ካብ ምባል: ተፈተውቲ ካብ ምዃን: ከምኡውን ነቲ ተራ ዝመስል ሕያውነታዊ ዝዀነ ንኻልኦት ከኣ ሓጐስ ዘምጽኣሎም ነገራት ካብ ምግባር ድሕር ኣይንበል። ከምዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ጠባይ ነቲ ከም ህዝቢ ኣምላኽ መጠን ዘሎና ናብራ ይስልሞ ኢዩ።