ወለዲ—ንደቅኹም ጽቡቕ ኣብነት ኵንዎም
1 ቃል ኣምላኽ ‘ንጻድቕ ኣቡኡን ኣዲኡን ብዙሕ ይሕጐሱ’ ይብል። (ምሳ. 23:24, 25) እቶም ንውሉዳቶም ጽቡቕ ኣብነት ዝዀኑ ወለድስ ኣየ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዮም ዝረኽቡ! ሓደ ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ብዛዕባ ወለዱ ከምዚ በለ:- “ምሉእ ህይወቶም ኣብ ሓቂ ዘተኰረ ኢዩ ነይሩ: ኣነ እውን ምሉእ ህይወተይ ኣብ ሓቂ ዘተኰረ ክኸውን ደለኹ።” ቈልዑ ካብ ወለዶም እንታይ ክርእዩ ኣለዎም፧
2 ጽቡቕ ባህርያትን ዓሚቝ ኣኽብሮትን:- ወለዲ ኣብ ውሉዳቶም ጸቡቕ ባህርያት ናይ ምስራጽ ሓላፍነት ኣለዎም። ጽቡቕ ባህርያት ካብ ዘረባ ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ምዕዛብን ምቕዳሕን ኢኻ እትማሃሮ። ስለዚ: እንታይ ዓይነት ባህርያት ኢኹም እተንጸባርቑ፧ ደቅኹም “ኣይትሓዘለይ:” “በጃኻ:” ከምኡውን “አመስግነካ” ክትብሉ ይሰምዑኹምዶ ኢዮም፧ ኣብ ስድራቤትኩም ንሓድሕድኩም ትከባበሩዶ ኢኹም፧ ካልኦት ክዛረቡ ከለዉ ተቕልብሎምዶ ኢኹም፧ ደቅኹም ክዛረቡኹም ከለዉ ጽን ኢልኩም ትሰምዕዎምዶ ኢኹም፧ እዚ ጽቡቕ ባህርያት እዚ ኣብ ኣደራሽ መንግስትን በይንኹም ኣብ ቤትኩም ክትኰኑ ከለኹምን ተንጸባርቕዎዶ ኢኹም፧
3 ሓያል መንፈሳውነትን ቅንኢ ዝመልኦ ንጥፈትን:- ሓደ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ልዕሊ 50 ዓመት ዝገበረ ሓው “ኣቦይን ኣደይን ኣብቲ ንኣኼባታት ዝነበሮም ሞሳ ከምኡውን ንኣገልግሎት ዝነበሮም ቅንኢ ዘደንቕ ኣብነት ኢዮም ኰይኖምኒ” ብምባል ተዘክሮታቱ ይገልጽ። ብዛዕባ መንፈሳውነት ናይቶም ኣብ ቤትኩም ዘለዉ ሰባት ከም እትሓስቡ ንደቅኹም ብኸመይ መርኣኹምዎም፧ ብሓባር ኴንኩም ዕለት ጥቕሲ ትመያየጡዶ ኢኹም፧ ስርዓታዊ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲዶ ኣለኩም፧ መጽሓፍ ቅዱስን ናይ ማሕበር ጽሑፋትን ከተንብቡ ደቅኹም ይርእይኹምዶ ኢዮም፧ ንስድራቤትካ ወኪልካ ክትጽሊ ከሎኻ እንታይ ኢዮም ዝሰምዑ፧ ምስ ደቅኹም ነታ ሓቅን ንጉባኤን ዝምልከት ኣወንታዊ ነገራት ብምምይያጥ ብመንፈስ ብዛዕባ ዝሃንጽዶ ኢኹም እትዘራረቡ፧ ኣብ ኵሉ ኣኼባታትን ኣብ ግራት ኣገልግሎትን ምስ ስድራቤትኩም ኴንኩም ንምክፋል ህንጡያትዶ ኢኹም፧
4 ወለዲ: ንደቅኹም ኣብነት ኵንዎም። ነዚ ብዝበለጸ መገዲ ግበርዎ: ንሳቶም ከኣ ኣብ ምሉእ ህይወቶም ኣኽቢሮም ክርእይዎ ኢዮም። ሓንቲ ዕድሜኣ ኣብ 70ታት ዝበጽሐ ብዓልቲ ቤቱ ንሓደ ገያሺ ተዓዛቢ ከምዚ በለት:- “ካብ ኣብነት ናይቶም ፈቃራት ዝዀኑ ክርስትያን ወለደይ ሕጂውን ጥቕሚ እረክብ ኢየ። ቀንዲ ባህገይ ድማ ኣብ ብምሉኡ መጻኢ ግዜ ካብዚ ዝሓደጉለይ ኣብነት ብግቡእ ብምጥቃም ዓቢ ሞሳ ከም ዘሎኒ ከመስክር ኢዩ።”