ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንመስከረም
6 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 190
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት።
17 ደቒቕ:- “ብዕላማዶ ትዓዩ ኣለኹም፧” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ገጽ 88-9 ዘሎ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ። ኵሎም ኣብ ኣገልግሎት ቀጻልን ምሉእን ተሳትፎ ክገብሩ ኣተባብዕ።
18 ደቒቕ:- “ወለዲ—ንደቅኹም ጽቡቕ ኣብነት ኵንዎም።” ሓደ ሽማግለ ሕጽር ብዝበለ መእተዊ ይጅምሮ: ስዒቡ ክልተ ወለዲ ዝዀኑ ኣሕዋት ነታ ዓንቀጽ ይመያየጡላ። ደቆም ኣብ ቤት ትምህርቲ: ኣብ ተሌቪዥን: ከምኡውን ኣብቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ኣዝማድን ካልኦት ሰባትን ዝርእይዎ ሕማቕ ባህርያት እተቓልዑ ብምዃኖም ከመይ ገይሮም ከም ዝከላኸሉሎም ዘተሓሳስቦም ምዃኑ ይገልጹ። እቶም ኣሕዋት ብዛዕባ ኣኽብሮታዊ ዘይኰነ ኣረኣእያታት: ዓለማዊ ኣዘራርባን ኵለንተናዊ ኣቃውማን: ከምኡውን ዘይጥዑይ መዘናግዒታት ይመያየጡ። ጽቡቕ ኣብነት ብዛዕባ ምዃን ምስ ተዘራረቡ: ንናይ ስድራቤት መጽናዕቲ: ናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ከምኡውን ግራት ኣገልግሎት ዝያዳ ምዉቕ ስምዒት ዝሃንጹሉ መገድታት ይመያየጡ።—ናይ 22 መስከረም 1991 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 8-9 ርአ።
መዝሙር 101ን መዕጸዊ ጸሎትን
13 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 171
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።
15 ደቒቕ:- ዝሓለፈ ዓመት እንታይ ኢና ፈጺምና፧ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ዘቕርቦ ዝርርብ። ነቲ ኣብ ናይ 1999 ዓመት ኣገልግሎት ጐሊሑ ዝርአ ናይታ ጉባኤ ጸብጻብ ኣቕርብ። ስለቲ እተፈጸመ ጽቡቕ ተግባራት ንኣድ። ምምሕያሽ ክግበር ዘድልየሉ መዳያት ጥቐስ። ቍጽሪ ተኣከብቲ ናይታ ጉባኤ ከምኡውን እተመርሐ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣትኵረሉ። ኣብታ ንዅለን ጉባኤታት እተላእከት ደብዳበ ናይ 2 ሚያዝያ 1999 ዘሎ ምስዚ ዝተሓሓዝ ነጥብታት ኣቕርብ። ንዝመጽእ ዓመት ዝፍጸም ተግባራዊ ሸቶታት ግለጽ።
20 ደቒቕ:- ጽቡቕ ኣብነት ዝዀነ ክኢላ ሽማግለ ነታ “እተመደበልና ዞባ ንምሽፋን ድፍረት ምጥራይ” እትብል ዓንቀጽ ብሕቶን መልስን የቕርባ። በጃኻ ቍጽሪ 5ን 6ን ኣንብበን።
መዝሙር 140ን መዕጸዊ ጸሎትን
20 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 193
12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታትን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዘጋጠመ ተመክሮታትን።
15 ደቒቕ:- ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ዘሎ ዓቢ ኣኼባ ካብ ናይ ነሓሰ 1999 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝሰማማዕ ነጥብታት ኣቕርብ።
18 ደቒቕ:- ኣብታ “ንዝዀነ ይኹን መንፈሳዊ ድኻም እነለልየሉን እነሰንፈሉን መገዲ” እትብል ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 18-22 እትርከብ ዓንቀጽ ብምምርኳስ ዝቐርብ ዝርርብ: ብዛዕባ እቲ ተግባራዊ ነጥብታት ሕቶታት ብምሕታት ከኣ ድግማ ይግበር።
መዝሙር 175ን መዕጸዊ ጸሎትን
27 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 141
15 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ መስከረም ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽሮም። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ መጽሔት ኣብ ምዕዳል ኵሎም ምሉእ ተሳትፎ ክገብሩ ኣተባብዓዮም። ገለ ካብቲ ኣቀራርባታት ብኸመይ ከም እትዳሎ ዝገልጽ ኣብ ናይ ጥቅምቲ 1996 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 8 ተዘርዚሩ ዘሎ ሓሳባት ኣቕርብ። ካብተን ሓደስቲ መጽሔት ገለ ጽቡቕ መዘራረቢ ዝኸውን ነጥብታት ጥቐስ ከምኡውን ሓደ ወይ ክልተ ሓጺር መርኣያ ኣቕርብ።
15 ደቒቕ:- ሕቶ ሳጹን። ብሽማግለ ዝቐርብ ዝርርብ።
15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።
መዝሙር 87ን መዕጸዊ ጸሎትን