ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/99 ገጽ 2
  • ሕቶ ሳጹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ ሳጹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንህጹጽ ሕክምና ሕጂ ተዳሎ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ዘለዎ ኣረኣእያ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣማራጺታትካ ትፈልጥ ዲኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • ክሳዕ ሕጂ ኣይመላእካዮን ዲኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
km 9/99 ገጽ 2

ሕቶ ሳጹን

◼ ንሃንደበታዊ ኵነታት ተዳሊኹምዶ ኣለኹም፧

ኣብዛ ዘመናዊት ዓለም እዚኣ “ጊዜን ኣጋጣምን” ብዙሕ ግዜ ሃንደበታዊ ሕክምና ንኽትገብሩ ከገድደኩም ይኽእል ኢዩ: እዚ ድማ ምትሕልላፍ ደም ንኽትገብር ጸቕጢ ምግባር ዘጠቓልል ኢዩ። (መክ. 9:⁠11) ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚ ድልዋት ንምዃን: የሆዋ ብማሕበሩ ኣቢሉ ብእተፈላለየ መገድታት ሓገዝ ኣዳልዩልና ኣሎ: እንተዀነ ግን ንሕና ግዴና ክንገብር ይጽበየና ኢዩ። እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ሓሳባት ክሕግዘኩም ተባሂሉ ኢዩ ተዳልዩ።

• እተሓደሰ ቅድመ⁠-​ሕክምናዊ መም​ርሒ/ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ካርድ ኵሉ ሳዕ ምሳኹም ሓዙ።

• ደቅኹም እተሓደሰ ወረቐት መንነት ከም ዝሓዙ ኣረጋግጹ።

• ነታ ንውላድካ ኣብ ዝግበር ሕክምና ምስ ሓኻይምን ደያኑን ብኸመይ ከም እትረዳዳእ እትገልጽ እታው ናይ መስከረም 1992 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ኣንብቡዋ።

• ብዛዕባ ገለ ክፋላት ናይቲ ኣብ ፕላዝማ ዝርከብ ፕሮቲን ከምኡውን ናይ ደም መተካእታታት ዝምልከት ዓንቀጻት ኣንብቡ። (ነዚ ዝስዕብ ናይ እንግሊዝኛ ጽሑፋት ከተንብቡ ንምሕጸነኩም:- ግምቢ ዘብዐኛ ናይ 1 ጥቅምቲ 1994 ገጽ 31፣ ናይ 1 ሰነ 1990 ገጽ 30-1፣ ናይ 1 መጋቢት 1989 ገጽ 30-1፣ ንቕሑ! ናይ 8 ታሕሳስ 1994 ገጽ 23-7፣ ናይ 8 ነሓሰ 1993 ገጽ 22-5፣ ናይ 22 ሕዳር 1991 ገጽ 10፣ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኣብ ናይ መስከረም 1992 ከምኡውን ናይ ሕዳር 1990 ዝርከብ እታው። ብቐሊሉ ምእንቲ ክትረኽብዎ ኣብ ሓደ ፋይል ኣቐምጥዎ።)

• ካብ ኣካላትኩም ወጻኢ ደም ዘዘዋውር ማሽን ክትጥቀሙ ትፈቕዱ ወይ ገለ ክፋላት ናይቲ ኣብ ፕላዝማ ዝርከብ ፕሮቲን ትቕበሉ እንተ ዄንኩም ወይ እንተ ዘይኴንኩም ብሕልናኹም ተደሪኽኩም ወስኑ።

• ዝከኣል እንተ ዀይኑ እቶም ሽማግለታት ምእንቲ ክሕግዙኹምን ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ድማ ምስቶም ምስ ሆስፒታል ዘረዳድእ ኮሚተ ምእንቲ ከራኽብኹምን ቅድሚ ናብ ሆስፒታል ምኻድኩም ኣፍልጥዎም። እቲ ዝሓመመ ቈልዓ ምስ ዝኸውን እቶም ሽማግለታት ነቶም ምስ ሆስፒታል ዘረዳድእ ኮሚተ ቀልጢፎም ከፍልጡ ሓብርዎም።

ደም ከም ዘይትወስዱ ንጹር ግበርዎ:- ገለ ጸብጻባት ከም ዝሕብሮ ሓድሓደ ኣሕዋትን ኣሓትን ንሓኪሞም ኣብ ናይ መወዳእታ ህሞት ደም ከም ዘይወስዱ ነጊሮምዎ ኢዮም። እዚ ምግባር ነቶም ናይ ሕክምና ሰራሕተኛታት ንኸንቱ የድክሞም: ምትሕልላፍ ደም ንኽገብሩልኩም ዘሎ ዕድል ድማ የስፍሖ። እቶም ሓካይም እምነትኩምን ድሌትኩምን ንጹር ሓበሬታ ብዘለዎ እተፈረመ ሕጋዊ ሰነድ ከም እተደገፈ እንተድኣ ፈሊጦም: ከይተደናጐዩ ዕዮኦም ንኽቕጽሉ ይሕግዞም ከምኡውን ደም ዘይብሉ ሕክምና ንኽገብሩልኩም ዝያዳ ኣማራጺታት ይረኽቡ።

ሃንደበታዊ ሕክምና ኣብ ዝዀነ ግዜ ከድልየና ስለ ዝኽእል መብዛሕትኡ ግዜ እውን ኣብ ዘይተጸበናዮ ግዜ ስለ ዘጋጥመና: ንገዛእ ርእስኹምን ንደቅኹምን ካብ ምትሕልላፍ ደም ንኽትሕለዉ ሕጂ ስጕምቲ ውሰዱ።​—⁠ምሳ. 16:⁠20፣ 22:⁠3

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ