ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/08 ገጽ 6
  • ክሳዕ ሕጂ ኣይመላእካዮን ዲኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክሳዕ ሕጂ ኣይመላእካዮን ዲኻ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክሳዕ ሕጂ ኣይመላእካዮን ዲኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ኣገዳሲ ሕክምናዊ ምዕባለ እተጕልሕ ቪድዮ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ሕክምና ንዜድልዮ ድንገተኛ ዅነታት ተዳሊኻዶ ኣሎኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ኣማራጺታትካ ትፈልጥ ዲኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
km 1/08 ገጽ 6

ክሳዕ ሕጂ ኣይመላእካዮን ዲኻ፧

ነየናይ፧ ነቲ ንእተጠምቁ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂሉ እተዳለወ መምርሒ ኽንክን ጥዕና ዚበሃል ካርድ። ‘ጽባሕ ዚኸውን ስለ ዘይትፈልጦ’ ኣብ እዋን ሓደጋ እትቕበሎ ኣገባባት ሕክምና ኣቐዲምካ ኽትውስንን ውሳነኻ ኣብ ጽሑፍ ከተስፍርን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። (ያእ. 4:14፣ ግብ. 15:28, 29) ከምዚ ንኽትገብር ክትሕግዘካ ተባሂሉ ትራንስፍዩዥን-ኦልተርነቲቭ ሄልዝ ኬር—ሚቲንግ ፐይሸንት ኒድስ ኤንድ ራይትስ ዘርእስታ ቪድዮ ተዳልያ ኣላ። ነዛ ቪድዮ እዚኣ ርኣያ: ካብኣ እንታይ ከም እተምሃርካ ንምምርማር ድማ በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሕቶታት ጌርካ ብጸሎት ሕሰበሉ።—መዘኻኸሪ:- ኣብዛ ቪድዮ እዚኣ መጥባሕቲ ኺግበር ከሎ ዜርኢ ሕጽር ዝበለ ኽፋል ስለ ዘሎ: ወለዲ ምስ ንኣሽቱ ቘልዑ ዀይኖም ኪርእይዋ ኸለዉ ኺጥንቀቑሎም ኣለዎም።

(1) ገለ ሰብ ሞያ ሕክምና: ንምምሕልላፍ ደም ዳግመ-ግምት ዚገብሩሉ ዘለዉ ስለምንታይ እዮም፧ (2) ብዘይ ደም እተሓላለኸ መጥባሕቲ እተገብረሎም ሰለስተ ኣብነታት ጥቐስ። (3) ኣብ መላእ ዓለም ክንደይ ሓካይምን ናይ መጥባሕቲ ኽኢላታትን እዮም ብዘይ ደም ሕክምና ኺገብሩ ፍቓደኛታት ምዃኖም ዝሓበሩ፧ ከምዚ ኺገብሩ ፍቓደኛታት ዝዀኑኸ ስለምንታይ እዮም፧ (4) ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ሆስፒታላት እተገብረ መጽናዕቲ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ደም እንታይ እዩ ዚሕብር፧ (5) ምስ ምምሕልላፍ ደም ዚተሓሓዝ እንታይ ናይ ሕክምና ሓደጋታት ኣሎ፧ (6) ብዙሓት ክኢላታት ብዛዕባ እቲ ብዘይ ደም ኣብ ዚግበር ሕክምና ዘሎ ኣማራጺታት ኣብ ከመይ ዝበለ መደምደምታ እዮም በጺሖም፧ (7) ዋሕዲ ደም ካብ ምንታይ እዩ ዚመጽእ፧ ሰባት ክሳዕ ክንደይ ኪጻወርዎ ይኽእሉ፧ ንምትካኡኸ እንታይ ኪግበር ይከኣል፧ (8) ኣብ ኣካላት ሓደ ሕሙም ምፍራይ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ንምቅልጣፍ እንታይ ኪግበር ይከኣል፧ (9) ኣብ እዋን መጥባሕቲ ዚፈስስ ደም ንምንካይ ከመይ ዝበለ ኣገባብ እዩ ዚስርሓሉ ዘሎ፧ (10) ብዘይ ደም ኣብ ዚግበር ሕክምና ዘሎ ኣማራጺታት ኣብ ንኣሽቱ ቘልዑን ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘላ ሰባትን ኪዓዪ ይኽእልዶ፧ (11) ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ጽቡቕ ሕክምናዊ ኽንክን እንታይ እዩ፧ (12) ክርስትያናት ኣቐዲሞም ብዘይ ደም ዚግበር ሕክምና መሪጾም ኪጸንሑ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ከምዚ ኽንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ንገለ ኻብቲ ኣብዛ ቪድዮ ዝቐረበ ኣገባብ ሕክምና ምምራጽ: ሓደ ሰብ ኣብቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኡ ተመርኲሱ ዚገብሮ ናይ ብሕቱ ምርጫ እዩ። ንገዛእ ርእስኻን ንደቅኻን ከመይ ዝበለ ናይ ሕክምና ኣማራጺታት ክትቅበሉ ፍቓደኛታት ከም ዝዀንኩም ወሲንካዶ፧ ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ናይ 15 ሰነ 2004 “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ኸምኡውን ናይ 15 ጥቅምቲ 2000 ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን “ንኽፋላት ደምን ብደመይ ንዚግበር ሕክምናን ብኸመይ እየ ዝርእዮ፧” ዘርእስታ ናይ ሕዳር 2006 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ርአ። ነቶም ዝመረጽካዮም ኣብ ክንዳኻ ዚጽውዑ ሰባትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዘይኰኑ ኣባላት ስድራቤትካን ብዛዕባ ውሳነታትካ ኣጸቢቕካ ኽትሕብሮም ኣለካ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ