ኣገዳሲ ሕክምናዊ ምዕባለ እተጕልሕ ቪድዮ
ናይ ሕግን ሕክምናን ሰብ ሞያ: ኣረኣእያን መሰልን ሓደ ሕሙም ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ኣተኵሮ ይገብሩሉ ኣለዉ። እዚ ድማ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጠቅም ሓድሽ ኣገባብ ሕክምና ኸም ዚተኣታቶ ገይሩ ኣሎ። (ግብ. 15:28, 29) እታ ትራንስፍዩዥን-ኦልተርነቲቭ ሄልዝ ኬር—ሚቲንግ ፐይሸንት ኒድስ ኤንድ ራይትስ ዘርእስታ ቪድዮ ብዛዕባ እዚ ትገልጽ። ነዛ ቪድዮ እዚኣ ርኣያ እሞ ድሕሪኡ በዚ ዚስዕብ ሕቶታት ጌርካ ፍልጠትካ ምዘን።—መዘኻኸሪ:- ኣብዛ ቪድዮ እዚኣ መጥባሕቲ ኺግበር ከሎ ዜርኢ ሕጽር ዝበለ ኽፋል ስለ ዘሎ: ወለዲ ምስ ንኣሽቱ ቘልዑ ዀይኖም ኪርእይዋ ኸለዉ ኪጥንቀቑሎም ኣለዎም።
(1) ገለ ሰብ ሞያ ሕክምና: ንምምሕልላፍ ደም ዳግመ-ግምት ዚገብሩሉ ዘለዉ ስለምንታይ እዮም፧ (2) ብዘይ ደም እተሓላለኸ መጥባሕቲ እተገብረሎም ሰለስተ ኣብነታት ጥቐስ። (3) ኣብ መላእ ዓለም ክንደይ ሓካይምን ናይ መጥባሕቲ ክኢላታትን እዮም ብዘይ ደም ሕክምና ኺገብሩ ፍቓደኛታት ምዃኖም ዝሓበሩ፧ ከምዚ ኺገብሩ ፍቓደኛታት ዝዀኑኸ ስለምንታይ እዮም፧ (4) ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ሆስፒታላት እተገብረ መጽናዕቲ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ደም እንታይ እዩ ዚሕብር፧ (5) ምስ ምምሕልላፍ ደም ዚተሓሓዝ እንታይ ናይ ሕክምና ሓደጋታት ኣሎ፧ (6) ብዙሓት ክኢላታት ብዛዕባ እቲ ብዘይ ደም ኣብ ዚግበር ሕክምና ዘሎ ኣማራጺታት ኣብ ከመይ ዝበለ መደምደምታ እዮም በጺሖም፧ (7) ዋሕዲ ደም ካብ ምንታይ እዩ ዚመጽእ፧ ሰባት ክሳዕ ክንደይ ኪጻወርዎ ይኽእሉ፧ ንምትካኡኸ እንታይ ኪግበር ይከኣል፧ (8) ኣብ ኣካላት ሓደ ሕሙም ምፍራይ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ንምቅልጣፍ እንታይ ኪግበር ይከኣል፧ (9) ኣብ እዋን መጥባሕቲ ዚፈስስ ደም ንምንካይ ከመይ ዝበለ ኣገባብ እዩ ዚስርሓሉ ዘሎ፧ (10) ብዘይ ደም ኣብ ዚግበር ሕክምና ዘሎ ኣማራጺታት ኣብ ንኣሽቱ ቘልዑን ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘላ ሰባትን ኪዓዪ ይኽእልዶ፧ (11) ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ጽቡቕ ሕክምናዊ ኽንክን እንታይ እዩ፧ (12) ክርስትያናት ኣቐዲሞም ብዘይ ደም ዚግበር ሕክምና መሪጾም ኪጸንሑ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ከምዚ ኽንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ንገለ ኻብቲ ኣብዛ ቪድዮ ዝቐረበ ኣገባብ ሕክምና ምምራጽ: ሓደ ሰብ ኣብቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኡ ተመርኲሱ ዚገብሮ ናይ ብሕቱ ምርጫ እዩ። ንገዛእ ርእስኻን ንደቅኻን ከመይ ዝበለ ናይ ሕክምና ኣማራጺታት ክትቅበሉ ፍቓደኛታት ከም ዝዀንኩም ወሲንካዶ፧ ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ኣባላት ስድራቤትካ ብዛዕባ ውሳነታትካን ምኽንያቱን ብንጹር ክትሕብሮም ኣሎካ።—ናይ 15 ሰነ 2004 “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ኸምኡውን ናይ 15 ጥቅምቲ 2000 ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ርአ።