እቲ ዝበለጸ ሕክምና እንታይ እዩ፧
ዳይረክተር ሓደ ሕክምናን ክኢላ ኣነስተስዮሎጂን ዝዀነ ዶክተር ማይክል ሮዝ: “ብዘይ ደም ዚሕከም ሰብ: ብኻልእ ኣበሃህላ እቲ ኣሎ ዚበሃል ዝበለጸ መጥባሕቲ ገይሩ ማለት እዩ” በለ። ኣብቲ “ብዘይ ደም ዚግበር ሕክምና” እንታይ ኣገባባትን ኣማራጺታትን እዩ ዘሎ፧ ንሕክምናን መጥባሕትን ዚምልከት ብምስትውዓል ምእንቲ ኽትውስን: ብዛዕባ እቲ ኣገባባትን ኣማራጺታትን ፍልጠት ኪህልወካ ኣለዎ። ነታ ኖ ብላድ —መዲስን ሚትስ ዘ ቻለንጅ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ። ድሕሪኡ በዚ ዚስዕብ ሕቶታት ጌርካ ፍልጠትካ ምዘን።—መዘኻኸሪ:- ኣብዛ ቪድዮ እዚኣ መጥባሕቲ ኺግበር ከሎ ዜርኢ ሕጽር ዝበለ ኽፋል ስለ ዘሎ: ወለዲ ምስ ንኣሽቱ ቘልዑ ዀይኖም ኪርእይዋ ኸለዉ ኺጥንቀቑሎም ኣለዎም።
(1) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደም ዘይወስዱሉ ቐንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ (2) ብዛዕባ ሕክምና ዝመጸ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ እዮም ዚደልዩ፧ (3) ሕሙማት እንታይ መሰረታዊ መሰል እዩ ዘለዎም፧ (4) ሓደ ሰብ ደም ብምእባዩ ዘይሓስብን ሓላፍነት ዘይስምዖን እዩ ምባል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧ (5) ሓደ ሰብ ብዙሕ ደም ኪፈሶ ኸሎ: ሓካይም ብቐዳምነት እንታይ ክልተ ነገራት እዮም ኪገብሩ ዘለዎም፧ (6) እቲ ብዘይ ምምሕልላፍ ደም ዚግበር ኣርባዕተ መሰረታዊ ኣማራጺታት እንታይ እዩ፧ (7) ሓካይም (ሀ) ንምፍሳስ ደም ኪንክዩ: (ለ) ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ኪዕቅቡ: (ሐ) ምርባሕ ደም ኬቀላጥፉ: ከምኡውን (መ) ዝፈሰሰ ደም ኪትክኡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (8) (ሀ) ሄሞዳይሉሽን (ለ) ሰል ሳልቨጅ ዚበሃል ኣገባብ ሕክምና ግለጽ። (9) ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ብዘይ ደም ኣብ ዚግበር ሕክምና ዘሎ ኣማራጺታት እንታይ ኢኻ ኽትፈልጥ ዘሎካ፧ (10) ብዘይ ምምሕልላፍ ደም ከቢድን እተሓላለኸን መጥባሕቲ ኺግበር ይከኣልዶ፧ (11) ኣብ ሕክምና እንታይ ጠቓሚ ምዕባለታት እዩ ዚግበር ዘሎ፧
ሓደ ውልቀ-ሰብ ነዚ ኣብዛ ቪድዮ እዚኣ ዚርከብ ዓይነት ሕክምና ኪቕበል ወይ ከይቕበል: ኣብቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኡ ተመርኲሱ እዩ ኺውስን ዘለዎ። ንገዛእ ርእስኻን ንደቅኻን ከመይ ዝበለ ኣማራጺታት ሕክምና ኽትቅበሉ ፍቓደኛታት ከም ዝዀንኩም ወሲንካዶ፧ ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ኣባላት ስድራቤትካ ብዛዕባ ውሳነታትካን ምኽንያታቱን ብንጹር ክትሕብሮም ኣሎካ።—ኣብ ናይ 15 ሰነ 2004 ከምኡውን ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 2000 ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ዚርከብ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ተወከስ።