ካብታ ኖ ብላድ–መዲስን ሚትስ ዘ ቻለንጅ ዘርእስታ ቪድዮ ተጠቐም
ብዘይ ደም ኣብ ዚግበር ሕክምና ዘሎ ኣማራጺታት ክሳዕ ክንደይ ኢኻ እትፈልጦ፧ ንገሊኡ ኻብዚ ኣማራጺታትን ኣሰራርሓኡን ትፈልጦዶ፧ ነዛ ቪድዮ እዚኣ (እንግሊዝኛ) ርኣያ እሞ ድሕሪኡ በዚ ዚስዕብ ሕቶታት ጌርካ ፍልጠትካ ምዘን።—መዘኻኸሪ:- ኣብዛ ቪድዮ እዚኣ ብዛዕባ መጥባሕቲ ዜርኢ ሕጽር ዝበለ ኽፋል ስለ ዘሎ: ወለዲ ምስ ንኣሽቱ ቘልዑ ዀይኖም ኪርእይዋ ኸለዉ ኺጥንቀቑሎም ኣለዎም።
(1) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደም ዘይወስዱሉ ቐንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ: ከምኡ ዚብል ስርዓትከ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣበይ ይርከብ፧ (2) ብዛዕባ ሕክምና ዝመጸ እንታይ ኢና እንደሊ፧ (3) ሕሙማት እንታይ መሰረታዊ መሰል እዩ ዘለዎም፧ (4) ሓደ ሰብ ደም ብምእባዩ ዘይሓስብን ሓላፍነት ዘይስምዖን እዩ ምባል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧ (5) ሓደ ሰብ ብዙሕ ደም ኪፈሶ ኸሎ: ሓካይም ብቐዳምነት እንታይ ክልተ ነገራት እዮም ኪገብሩ ዘለዎም፧ (6) ምስ ምትሕልላፍ ደም ዚተሓሓዝ እንታይ ናይ ጥዕና ሓደጋታት ኣሎ፧ (7) ሓካይም መጥባሕቲ ኺገብሩ ኸለዉ ብዙሕ ደም ንኸይፈስስ ኪሕግዞም ዚኽእል እንታይ መሳርሒታት ኣሎ፧ (8) ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ብዘይ ደም ኣብ ዚግበር ሕክምና ዘሎ ኣማራጺታት እንታይ ኢኻ ኽትፈልጥ ዘሎካ፧ (9) ብዘይ ምትሕልላፍ ደም ከቢድን እተሓላለኸን መጥባሕቲ ኺግበር ይከኣል ድዩ፧ (10) ቍጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ሓካይም ንናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ኪገብሩሎም እዮም ፍቓደኛታት ዚዀኑ ዘለዉ: ውዒሉ ሓዲሩ ዅሎም ሕሙማት ዚጥቀሙሉ ዓይነት ሕክምና ኸይኰነ ኣይተርፍን እዩ እተባህለሉኸ እንታይ እዩ፧
ሓደ ውልቀ-ሰብ ነዚ ኣብዛ ቪድዮ እዚኣ ዚርከብ ዓይነት ሕክምና ኪቕበል ወይ ከይቕበል: ኣብ ሕልናኡ ተመርኲሱ እዩ ኺውስን ዘለዎ።—ኣብ ናይ 15 ሰነ 2004 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 22-4, 29-31 ከምኡውን ናይ 15 ጥቅምቲ 2000 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 30-1 ዚወጸ ዓንቀጻት ርአ።