ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/09 ገጽ 3
  • ኣማራጺታትካ ትፈልጥ ዲኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣማራጺታትካ ትፈልጥ ዲኻ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣማራጺታትካ ትፈልጥ ዲኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ክሳዕ ሕጂ ኣይመላእካዮን ዲኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • እቲ ዝበለጸ ሕክምና እንታይ እዩ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ክሳዕ ሕጂ ኣይመላእካዮን ዲኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
km 1/09 ገጽ 3

ኣማራጺታትካ ትፈልጥ ዲኻ፧

ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብ ዚርከብ ሓያሎ ሕክምናዊ ማእከላት፡ ብዘይ ደም መጥባሕቲ ይግበር ኣሎ። ኣብቲ ብዘይ ደም ዚግበር ዓውዲ ሕክምና እንታይ ኣማራጺታት ከም ዘሎካ፡ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ዲኻ፧ ንሕክምናን መጥባሕትን ብዚምልከት ኣብ እኹል ፍልጠት ተመርኲስካ ውሳነ ምእንቲ ኽትገብር፡ ነዚ ኽትፈልጦ ኣሎካ። ነታ ኖ ብላድ—መዲስን ሚትስ ዘ ቻለንጅ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ። ድሕሪኡ ብዛዕባ ውሳነኻ ጸሊ፡ በዚ ዚስዕብ ሕቶታት ጌርካ ኸኣ እንታይ ከም እተመሃርካ ገምግም።—መዘኻኸሪ፦ ኣብዛ ቪድዮ እዚኣ መጥባሕቲ ኺግበር ከሎ ዜርኢ ሕጽር ዝበለ ኽፋል ስለ ዘሎ፡ ወለዲ ምስ ንኣሽቱ ቘልዑ ዀይኖም ኪርእይዋ ኸለዉ ኺጥንቀቑሎም ኣለዎም።

(1) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደም ዘይወስዱሉ ቐንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ (2) ብዛዕባ ሕክምና ዝመጸ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ እዮም ዚደልዩ፧ (3) ሕሙማት እንታይ መሰረታዊ መሰል እዩ ዘለዎም፧ (4) ሓደ ሰብ ደም ብምእባዩ ዘይሓስብን ሓላፍነት ዘይስምዖን እዩ ምባል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧ (5) ሓደ ሰብ ብዙሕ ደም ኪፈሶ ኸሎ፡ ሓካይም ብቐዳምነት እንታይ ክልተ ነገራት እዮም ኪገብሩ ዘለዎም፧ (6) እቲ ብዘይ ምምሕልላፍ ደም ዚግበር ኣርባዕተ መሰረታዊ ኣማራጺታት እንታይ እዩ፧ (7) ሓካይም (ሀ) ንምፍሳስ ደም ኪንክዩ፡ (ለ) ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ኪዕቅቡ፡ (ሐ) ምርባሕ ደም ኬቀላጥፉ፡ ከምኡውን (መ) ዝፈሰሰ ደም ኪትክኡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (8) (ሀ) ሄሞዳይሉሽን (ለ) ሰል ሳልቨጅ ዚበሃል ኣገባብ ሕክምና ግለጽ። (9) ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ብዘይ ደም ኣብ ዚግበር ሕክምና ዘሎ ኣማራጺታት እንታይ ኢኻ ኽትፈልጥ ዘሎካ፧ (10) ብዘይ ምምሕልላፍ ደም ከቢድን እተሓላለኸን መጥባሕቲ ኺግበር ይከኣልዶ፧ (11) ኣብ ሕክምና እንታይ ጠቓሚ ምዕባለታት እዩ ዚግበር ዘሎ፧

ሓደ ውልቀ-ሰብ ነዚ ኣብዛ ቪድዮ እዚኣ ዚርከብ ዓይነት ሕክምና ኪቕበል ወይ ከይቕበል፡ ኣብቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኡ ተመርኲሱ እዩ ኺውስን ዘለዎ። ንገዛእ ርእስኻን ንደቅኻን ከመይ ዝበለ ኣማራጺታት ሕክምና ኽትቅበሉ ፍቓደኛታት ከም ዝዀንኩም ወሲንካዶ፧ መምርሒታት ክንክን ጥዕናኸ መሊእካዶ፧ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እተማልአ መግለጺ እንተ ደሊኻ፡ ነቲ ኣብ ናይ 15 ሰነ 2004፡ ከምኡውን ናይ 15 ጥቅምቲ 2000 ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ተጠንቂቕካ መርምሮ። ድሕሪኡ፡ በቲ ኣብ ናይ ሕዳር 2006 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው፡ “ንኽፋላት ደምን ብደመይ ንዚግበር ሕክምናን ብኸመይ እየ ዝርእዮ፧” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዝወጸ ወረቓቕቲ ዕዮ ተጠቒምካ፡ ብዛዕባ እቲ እትቕበሎ ወይ ዘይትቕበሎ ዓይነት ኣማራጺታት ብሕታዊ ውሳነታትካ ግበር። ኣብ መወዳእታ ነቲ ምርጫታትካ ናብቲ መምርሒታት ክንክን ጥዕና ዚበሃል ካርድ ብልክዕ ከም ዘስገርካዮ ኣረጋግጽ። እትመርጾም ወኪላት ጥዕናን ኵሎም እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ኣባላት ስድራ ቤትካን ብዛዕባ ውሳነታትካ ምሉእ ብምሉእ ኪሕበሮም ኣለዎ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ሳጹን]

• ንገዛእ ርእስኻን ንደቅኻን ከመይ ዝበለ ኣማራጺታት ሕክምና ኽትቅበሉ ፍቓደኛታት ከም ዝዀንኩም ወሲንካዶ፧

• መምርሒታት ክንክን ጥዕና ዚበሃል ካርድ መሊእካ፡ ምሳኻ ትሕዞዶ ኣለኻ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ