ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/99 ገጽ 7
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
km 9/99 ገጽ 7

ምልክታታት

◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ መስከረም:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። ጥቅምቲ:- ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ንጽል ቅዳሓትን ኵንትራት ምእታውን። ሕዳር:- ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ ወይ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። ታሕሳስ:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። ብተወሳኺውን እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ (እንግሊዝኛ): ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት: ወይ ንዘለኣለም ምንባር ክዕደል ይከኣል ኢዩ።

◼ እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሓው 1 መስከረም ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ነቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ ክምርምሮ ኣለዎ። እዚ ምስ ተገብረ ደድሕሪ እቲ ኣብ ቀጻሊ ግዜ ዝህሉ ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ነታ ጉባኤ ምልክታ ይንገር።

◼ ሽማግለታት ብዛዕባ እተወገዱ ወይ ካብ ማሕበር እተፈለዩ እሞ ክምለሱ ዝደልዩ ሰባት ነቲ ኣብ ናይ 8/112 ግምቢ ዘብዐኛ ካልኣይቲ ዓንቀጽ ካብ ቍጽሪ 5-15 ከምኡውን ገጽ 17 ኣብ ዘሎ ሳጹን እተዋህበ መምርሒ ክስዕቡ መዘኻኸሪ ተዋሂብዎም ኣሎ።

◼ እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ንዅሉ እቲ ሓድሽ ይኹን ዝሕደስ ኵንትራት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ናይ ብሕቶም ኵንትራት እውን ይኹን በታ ጉባኤ ኣቢሎም ክሰድዎ ኣለዎም።

◼ ማሕበር ንጽሑፋት ዝምልከት ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ሕቶታት ከተማልእ ኣይትኽእልን ኢያ። እቶም ናይ ብሕቶም ጽሑፍ ክለኣኸሎም ዝደልዩ ኵሎም: ነቲ ኣብ ጽሑፋት ዝዓዪ ሓው ብብሕቶም ዝደልይዎ ጽሑፋት ምእንቲ ክነግርዎ: ናይ ጉባኤ ወርሓዊ ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ቅጥዒ ናብ ማሕበር ቅድሚ ምልኣኹ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ምልክታ ከም ዝንገር ክገብር ይግብኦ። ብፍሉይ ትእዛዝ ዝሕተቱ ጽሑፋት ኣየኖት ምዃኖም በጃኹም ኣይትረስዕዎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ