ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ መስከረም:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። ጥቅምቲ:- ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ንጽል ቅዳሓትን ኵንትራት ምእታውን። ሕዳር:- ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ ወይ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። ታሕሳስ:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። ብተወሳኺውን እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ (እንግሊዝኛ): ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት: ወይ ንዘለኣለም ምንባር ክዕደል ይከኣል ኢዩ።
◼ እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሓው 1 መስከረም ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ነቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ ክምርምሮ ኣለዎ። እዚ ምስ ተገብረ ደድሕሪ እቲ ኣብ ቀጻሊ ግዜ ዝህሉ ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ነታ ጉባኤ ምልክታ ይንገር።
◼ ሽማግለታት ብዛዕባ እተወገዱ ወይ ካብ ማሕበር እተፈለዩ እሞ ክምለሱ ዝደልዩ ሰባት ነቲ ኣብ ናይ 8/112 ግምቢ ዘብዐኛ ካልኣይቲ ዓንቀጽ ካብ ቍጽሪ 5-15 ከምኡውን ገጽ 17 ኣብ ዘሎ ሳጹን እተዋህበ መምርሒ ክስዕቡ መዘኻኸሪ ተዋሂብዎም ኣሎ።
◼ እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ንዅሉ እቲ ሓድሽ ይኹን ዝሕደስ ኵንትራት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ናይ ብሕቶም ኵንትራት እውን ይኹን በታ ጉባኤ ኣቢሎም ክሰድዎ ኣለዎም።
◼ ማሕበር ንጽሑፋት ዝምልከት ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ሕቶታት ከተማልእ ኣይትኽእልን ኢያ። እቶም ናይ ብሕቶም ጽሑፍ ክለኣኸሎም ዝደልዩ ኵሎም: ነቲ ኣብ ጽሑፋት ዝዓዪ ሓው ብብሕቶም ዝደልይዎ ጽሑፋት ምእንቲ ክነግርዎ: ናይ ጉባኤ ወርሓዊ ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ቅጥዒ ናብ ማሕበር ቅድሚ ምልኣኹ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ምልክታ ከም ዝንገር ክገብር ይግብኦ። ብፍሉይ ትእዛዝ ዝሕተቱ ጽሑፋት ኣየኖት ምዃኖም በጃኹም ኣይትረስዕዎ።