ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/99 ገጽ 1
  • ብዕላማዶ ትዓዩ ኣለኹም፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዕላማዶ ትዓዩ ኣለኹም፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣገልግሎትካ ምሉእ ብምሉእ ትፍጽምዶ ኣለኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት መዝገብካ ኣስፈሓዮ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ተመላሊስካ ምብጻሕ ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሕ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ዝያዳ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይድለዩ ኣለዉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
km 9/99 ገጽ 1

ብዕላማዶ ትዓዩ ኣለኹም፧

1 የሆዋ ናይ ዕላማ ኣምላኽ ኢዩ። (ኢሳ. 55:⁠10, 11) ንሕና እውን ንዕኡ ክንመስሎ ተማዒድና ኢና። (ኤፌ. 5:⁠1) እዚ ኸኣ ኣብቲ ኣገልግሎትና እንፍጽመሉ መገዲ ይንጸባረቕ ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ። ስለዚ “ብዕላማዶ ትዓዩ ኣለኹም፧” ኢልካ ምሕታት ግቡእ ኢዩ።

2 እቲ ካብ ቤት ናብ ቤት እትገብርዎ ስብከት: ናይ እግረ⁠-​መገዲ ምስክርነት: ከምኡውን ጽሑፋት ምዕዳል ክፍሊ ናይቲ ብዕላማ ዝግበር ኣገልግሎት ኢዩ። እንተዀነ ግን: መዝነትና ምስባኽ ጥራይ ዘይኰነስ ደቀ መዛሙርቲ ምግባር እውን ከም ዘጠቓልል ኣይንረስዕ። (ማቴ. 28:⁠19, 20) ሓቂ ናይታ መንግስቲ ድሕሪ ምዝራእና የሆዋ ከዕብዮ እናተጸበና: ተመሊስና ብምኻድ ማይ ከነስትን ቀጻሊ ምክንኻን ክንገብረሉን ኣሎና። (1 ቈረ. 3:⁠6) ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ምግባርን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማርን ካብ ልብና ክንዓዪ ኣሎና።

3 ኣገልግሎትኩም ኣስፍሑ:- ኣብ ኣገልግሎት ዝዓመምካዮ ዕማም ምልስ ኢልካ ብምርኣይ ንገዛእ ርእስኻ “ነቲ ዝወጠንክዎ ነገር ፈጺመዮ ኢየ” ኣብ ዝበልካሉ እዋን ጽቡቕ ስምዒት ኢዩ ዝህልወካ። ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 4:⁠5 ተመዝጊቡ ከም ዘሎ ጳውሎስ “ኣገልግሎትካ መልእ” ኢሉ ይምሕጸነና። እዚ ድማ ንዅሎም እቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ንምክትታል ዝያዳ ጻዕሪ ምግባር ዘጠቓለለ ኢዩ። ኣብቲ ሰሙናዊ ናይ ኣገልግሎት መደብኩም ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ውሱን ግዜ መድቡ። ምስቶም ቅኑዕ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ሸቶኹም ገይርኩም ዕየዩሉ። ኣብ ኣገልግሎት ክትካፈሉ ከለኹም እዚ ዕላማኹም ክኸውን ኣለዎ።

4 ጽንዓታቶም ኣብ ኣሰምብሊ ክጥመቑ ከለዉ እንታይ ከም ዝስምዖም ነቶም ጽንዓት ዝመርሑሎም ኣስፋሕቲ ሕተትዎም። ዓቢ ሓጐስ ኢዩ ዝስምዖም: ምናልባት እውን እቲ ሓጐሶም ማዕረ ናይቶም ተጠመቕቲ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓደ ዓቢ ዕላማ ኢዮም ፈጺሞም! ሓንቲ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር እትዓዪ ሓብቲ ከምዚ ኢላ ትገልጾ:- “ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ማለት ንየሆዋ ብዙሓት ወደስቲ ከም ዝህልውዎ ምግባር ማለት ኢዩ። ነቶም ንሓቂ ዝቕበልዎ ድማ ህይወት ማለት ኢዩ። ንኻልኦት ሓቂ ምምሃር ብሓቂ እፈትዎ ኢየ​—⁠ኣዝዩ ጽቡቕ ኢዩ! . . . ብዙሓት ካብተን ንየሆዋ ምፍቃር እተማህራ ሰባት ናይ ቀረባ መሓዙተይ ኰይነን ኢየን።”

5 ሓደ ሰብ ውፉይ ኣገልጋሊ የሆዋ ንምዃን ክትሕግዞ ምኽኣል እሞ ሕስብ ኣብለሉ! ኣየ ከመይ ዝበለ ዘሐጕስ ነገር ኰን ኢዩ! እዚ ኣብ ኣገልግሎት ብዕላማ ብምዕያይ ዝርከብ ፍረ ኢዩ።​—⁠ቈሎ. 4:⁠17

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ