ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት መዝገብካ ኣስፈሓዮ
1 የሱስ ነቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ተስፋ ምስቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ መዝገብ ኣመሳሲልዎ ኣሎ ። (ማቴ. 13:44–46) ከምቶም ኣብ ናይ የሱስ ምሳሌ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት ዝዓበየ ዋጋ ዘለዎ ነገር ክገዝኡ ኢሎም ዘለዎም ኩሉ ዝሸጡዶ ኢና ? ከምኦም እንተድኣ ኴንና ዘይምሹእ ነገራትን ገዛእ ርእስኻ ምስዋእንውን ይሃልዎ ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ክንህብ ኢና ። — ማቴ 6:19–22
2 ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኣገልግሎትና መዝገብ ስለ ዝኾነ ከነስፍሖ ድሌትና ክኸውን ኣለዎ ። ብሕታዊ ናብራና እንታይ ኢዩ ዝሕብር ? ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ዕዮና ነስፍሖዶ ኣሎና ? ኣብቲ እተፈላለየ ዓይነት ዕዮታት ናይ ኣገልግሎት ማለት ናይ ቤተ ቤት: ዕዮ ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባር: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕን ኣብ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ብምክፋልን ክንገብሮ ንኽእል ኢና ።
3 ‘ ነቲ እጃመይ ብኸመይ መስፋሕኩዎ ?’ ምስ ምጅማር ሓድሽ ናይ ኣገልግሎት ዓመት ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዘሕልፎ ግዜ ንኸብዝሖ እንታይ ክገብር ከም ዝኽእል ንኽርኢ ናይ ብሕቱ ዕዮታት ክምርምር ጽቡቕ ኢዩ ። ከምዚ ኢሉ ድማ ይሕተት:- ‘ካብ ግዜ ናብ ግዜ ወይ ድማ ብቐጻሊ ሓጋዚ ፓይነር ኮይነ ምእንቲ ከገልግልሲ ዘሎኒ ዕዮታተይ ከተዓራርዮዶ እኽእል እየ ? ቁሩብ ምትዕርራያት ብምግባር ነቲ ናይ ስርዓታዊ ፓይነር ኣገልግሎት ክኣትዎዶ እኽእል እየ ?’ እቶም ክሳዕ 1 መስከረም ሓደስቲ ፓይነራት ዝኾኑ : ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዘሎ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክካፈሉ ብቑዓት ኢዮም ።
4 ገለ ኣስፋሕቲ ኣብቲ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ኣብዚሖም ክዓዩ ናይ ብሕቲ ሸቶታት ኣውጺኦም ኣለዉ ። ዝበዝሕ ግዜ እዚ ዕዮ እዚ ኣዝዩ ጽቡቕ ፍረ ኢዩ ዘፍሪ ። ካልኦት ድማ ስሉጥ ዝኾነ ተመላሊስካ ምብጻሕ ወይ ድማ ሓድሽ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክጅምሩ ከመሓይሹ ከምዘድልዮም ይስምዖም ይኸውን ።
5 ብገለ መገዲ ኣገልግሎትና ከም እተሓጽረ እንተድኣ ኣረጋጊጽናስ ንኸነስፍሖ እንታይ ክንገብር ምኸኣልና ? እቶም ኣብ ዝለዓለ ሸቶታት ክበጽሑ ዝኸኣሉ እቲ እንኸፍሎ ዋጋ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ብመጀመርታ ንጥቕምታት መንግስቲ ኣምላኽ ከነቐድም ቆራጽነት ክንገብር እዮም ዘተባብዑና ። (ማቴ. 6:33) ኣብ የሆዋ እምነትን ምሉእ ትውክልትን ክንገብር ኣገዳሲ ኢዩ ። (2 ቈረ. 4:7) ብቕኑዕን ዘየቋርጽን ጸሎት ናይ የሆዋ ሓገዝ ድለ ። (ሉቃ 11:8, 9) የሆዋ ነቲ ኣብ ኣገልግሎቱ እጃምና ከነዕቢ ኢልና እንገብሮ ቅኑዕ ጻዕሪ ከም ዝባርኾ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና ። — 1 ዮሃ. 5:14
6 ነቶም ኣገልግሎቶም ብምስፋሕ ዝተዓወቱ ካልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣዘራርቦም። ዕንቅፋት ከጋጥሞም እንከሎ ብኸመይ ከይጃጀዉ ከም እተዋጽኡሉ ሕተቶም ። እቲ ናይ ብሕቶም ተመኩሮ ዝሰፍሐ ኣገልግሎት ዝብጻሕ ምዃኑ ከተረጋግጽ ከእምነካ ዝኽእል ክኸውን ይኽእል ኢዩ ።
7 ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ብዛዕባ ናይ ግራት ኣገልግሎትና ዝምልከት ዓንቀጽ ከተንብብ ከሎኻ ኣብ ኣገልግሎትካ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ከም እትኽእል ብጸሎት ሕሰበሉ ። ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታትን ኣሰምብሊታትን ክትካፈል ከሎኻውን ከምኡ ግበር ። እዞም ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተዋሂቦም ዘለው ርእይቶታት ክፍሊ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተገብረ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም ዝተሞርከሰ ምይይጥ እዮም ። ጸኒዕና ክንቅጽል ክሕግዘናን ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ምእንቲ ከተባብዓናን ተባሂሉ እተዳለወ ኣብቲ ፕሮግራም እተዋህበ ናይ መጀመሪያ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ኢዩ ።
8 የሱስ ንኣገልግሎቱ ዝያዳ ከምዘገድሶ ብምግባር ኣኽቢዱ ኢዩ ዝርእዮ ነይሩ ። ከምዚ ድማ በለ:- “ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር . . . እዩ ።” (ዮሃ. 4:34) ከምኡ ድዩ ዝስምዓና? ከምኡ ዝስምዓና እንተድኣ ኮይኑ ዕዮና ከነስፍሕን ካብቲ ዕቑር መዝገብና ነቲ “ጽቡቕ” ነገር ከነካፍልን ብርግጽ መገዲ ክንረክብ ኢና ። — ማቴ. 12:35 ፣ ሉቃ. 6:45