ካብ ምምስካር ድሕር ኣይበሉን
1 እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ስምና መለለይናን እንታይ ከም እንሰረሕ ዘፍልጠናን ኢዩ። ብዛዕባ ናይ የሆዋ ኣምላኽና ክብሪ ኢና ምስክርነት እንህብ። (ኢሳ 43 : 10, 12) ነፍሲ ወከፍ ሰብ: ኣባል ናይታ ጉባኤ ክኸውን እንተኾይኑ ነዚ ምስክርነት እዚ ኣብ ምብጻሕ ክሳተፍ ኣለዎ። ምስክርነት ብቐንዱ በቲ ካብ ቤት ናብ ቤት: ናይ መገዲ ምስክርነት: ተመላሊስካ ምብጻሕን ዘጠቓለለ ሕዝባዊ ኣገልግሎት ኢዩ ዝግበር። ኩልና ምሉእ ብምሉእ ክንሳተፍ ኢና እንሕተት ዘሎና ። — 1 ቈረ. 15 : 58
2 ይኹን እምበር ገለ ኣባላት ናይታ ጉባኤ እቲ ክገብርዎ ዝኽእሉ ዝተወሰነ ኢዩ ። ከቢድ ሕማም ወይ ድኽመት ክዓግቶም ይኽእል ኢዩ ። ዝጻረሩ ቤተሰብ ጽኑዕ መዐንቀፊታት ከለዓዕሉ ይኽእሉ እዮም ። ሓደ መንእሰይ ብዘይኣማኒ ወላዲ ክኽልከል ይኽእል ኢዩ ። ኣብ መጓዓዝያ ዘይብሉ ምሕድግ ዝበለ ቦታታት ዝነብሩ ኣሕዋት ክምስክሩ ዘይኽእሉ ኮይኑ ይስምዖም ይኸውን ። እቶም ርእሰ ተኣማንነት ዘይብሎም ናይ ተፈጥሮ ሕፍረት ከም ዝወላወሉ ክገብሮም ይኽእል ኢዩ ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ዘለዉ ገለ ኣስፋሕቲ እቲ ክገብርዎ ዝኽእሉ ካብቲ ካልኦት ዝገብርዎ ኣዝዩ ዝተሓተን ካብቲ ክገብርዎ ዝሓሰብዎ ድማ ዝወሓደን ስለዝኾነ ንገዛ ርእሶም ብቑዓት ክርስትያናት ከም ዘይኮኑ ይስምዖም ይኸውን ። ነቲ ጻዕሮም ኣናኢሶም ክርእይዎ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብሎምን ። (ገላ. 6 : 4) ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ይሃልዉ ብዘየገድስ ዝከኣሎም ምስ ዝገብሩ ንየሆዋ ዘሐጉስ ምዃኑ ምፍላጦም ከጸናንዖም ይኽእል ኢዩ ። — ሉቃ. 21, 1 – 4
3 ንኽትሳተፍ መገዲ ምድላይ :- ኣብ ከቢድ ኵነታት ዝነብሩ ኣሕዋት: ዕንቅፋት ካብ ምምስካር ክዓግቶም ከም ዘይፈቐዱሉ ዝሕብር በሽሓት ዝቑጸር ተመኵሮታት ተዘንትዩ ኢዩ። ናይ ገዛእ ርእስኻ ተበግሶታት ብምውሳድ : ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ክገብሩ ብዙሕ እተፈላለየ መገድታት ፈጢሮም እዮም ። እቶም ካብ ገዛ ክወጹ ዘይክእሉ ሰባት ገፊሕ ኣፍደገ ናይ ምስክርነት ክኸፍተሎም ቴሌፎን ተጠቒሞም እዮም ። ነፍሲ ወከፍ በጻሒ ክሰምዕ ከም ዝኽእል ገይሮም እዮም ዝወስድዎ ። ምንም እኳ ተጻረርቲ ስድራቤት ዘለዉዋ ሰበይቲ ኣብ ገዝኣ ክትምስክር ዘይትኽእል እንተኾነት ንጎረባብታን ነቶም ኣብ መዓልታዊ ስርሓ እትረኽቦምን ክትዛረቦም ነቲ ኣጋጣሚታት ትጥቀመሉ ኢያ ።
4 ሓደ መንእሰይ ኣብቲ ሕዝባዊ ምስክርነትና ንኸይካፈል በቲ ዘይኣማኒ ወላዲኡ ክኽልከል ይኽእል ይኸውን ። ነዚ ከሸንፎ ዘይክኣል መዐንቀፊ ገይሩ ኣብ ክንዲ ዝቕበሎ ንመማህርቱን መማህራኑን ከም ናይ ብሕቱ “ዞባ” ብምርኣይ ጽቡቕ ምስክርነት ክህብን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሕን ይኽእልን ኢዩ ። ብዙሓት ካብ መገዲ ምሕድግ ዝበለን ኣዝዩ ርሑቕ ቦታታትን ዝነብሩ ደብዳቤታት ብምጽሓፍ ኣብቲ ምስክርነት ክሳተፉ ኪኢሎም እዮም ። እቶም ብክርስትያናዊ ቅንኢ እተለዓዓሉ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ኩሉ ግዜ ‘ንምፍላጥ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሃካያትን ዘየፍርዩን ኪኾኑ’ ኣይደልዩን እዮም ። — 2 ጴጥ. 1 : 8
5 ኣብቲ ዕዮ ምስክርነት እጃምና ብዛዕባ ምብርካት ዝምልከት: የሆዋ ንኹልና ሓደ ዘይቀያየር ስርዓት ኣውጺኡ ኣሎ: እዚ ኸኣ ‘ብምሉእ ነፍስና’ ክንከውን ዝብል ኢዩ። (ቈሎ. 3: 23) ምንም እኳ እቲ ኣብ ኣገልግሎት እነሕልፎ ግዜን እንገብሮ ነገራትን ዝተፈላለየ እንተኾነ እቲ ዘለዓዕለናስ ሓደ ኢዩ : ንሱ ድማ ካብ ‘ፍጹም ልቢ’ ዝፈልፈለ ቁኑዕ ፍቕሪ ኢዩ ። (1 ዜና. 28 : 9 ፣ 1 ቈረ. 16 : 14) ዝከኣለና ዘበለ እንተ ገበርናስ እቲ እንገብሮ ዘሎና ውሑድ ስለ ዝኾነ እምነት ከም ዝጎደለና ወይ ድማ ከም ኣባላት ናይታ ጉባኤ ዘይንጠቅም ኮይኑ ክስመዓናን ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ኣይክህልወናን ኢዩ ። ከም ጳውሎስ ብተኣማንነት ‘ዝጠቅም ዘበለ ምምስካርን አብ ዋዕላ ምምሃርን ኣየብኮርናን’ ክንብል ንኽእል ኢና ። — ግብ 20 : 20