ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/94 ገጽ 1
  • ካብ ምምስካር ድሕር ኣይበሉን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ምምስካር ድሕር ኣይበሉን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ህዝባዊ ምስክርነት ዚውሃበሉ ሓድሽ መገዲ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኣስላጢ ምስክርነት ምሃብ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ተጊህካ ምሉእ ‘ምስክርነት’ ሃብ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ዘይወግዓዊ ምስክርነት ንምሃብ ድሉው ዲኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
km 9/94 ገጽ 1

ካብ ምምስካር ድሕር ኣይበሉን

1 እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ስምና መለለይናን እንታይ ከም እንሰረሕ ዘፍልጠናን ኢዩ። ብዛዕባ ናይ የሆዋ ኣምላኽና ክብሪ ኢና ምስክርነት እንህብ። (ኢሳ 43 : 10, 12) ነፍሲ ወከፍ ሰብ: ኣባል ናይታ ጉባኤ ክኸውን እንተኾይኑ ነዚ ምስክርነት እዚ ኣብ ምብጻሕ ክሳተፍ ኣለዎ። ምስክርነት ብቐንዱ በቲ ካብ ቤት ናብ ቤት: ናይ መገዲ ምስክርነት: ተመላሊስካ ምብጻሕን ዘጠቓለለ ሕዝባዊ ኣገልግሎት ኢዩ ዝግበር። ኩልና ምሉእ ብምሉእ ክንሳተፍ ኢና እንሕተት ዘሎና ። — 1 ቈረ. 15 : 58

2 ይኹን እምበር ገለ ኣባላት ናይታ ጉባኤ እቲ ክገብርዎ ዝኽእሉ ዝተወሰነ ኢዩ ። ከቢድ ሕማም ወይ ድኽመት ክዓግቶም ይኽእል ኢዩ ። ዝጻረሩ ቤተሰብ ጽኑዕ መዐንቀፊታት ከለዓዕሉ ይኽእሉ እዮም ። ሓደ መንእሰይ ብዘይኣማኒ ወላዲ ክኽልከል ይኽእል ኢዩ ። ኣብ መጓዓዝያ ዘይብሉ ምሕድግ ዝበለ ቦታታት ዝነብሩ ኣሕዋት ክምስክሩ ዘይኽእሉ ኮይኑ ይስምዖም ይኸውን ። እቶም ርእሰ ተኣማንነት ዘይብሎም ናይ ተፈጥሮ ሕፍረት ከም ዝወላወሉ ክገብሮም ይኽእል ኢዩ ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ዘለዉ ገለ ኣስፋሕቲ እቲ ክገብርዎ ዝኽእሉ ካብቲ ካልኦት ዝገብርዎ ኣዝዩ ዝተሓተን ካብቲ ክገብርዎ ዝሓሰብዎ ድማ ዝወሓደን ስለዝኾነ ንገዛ ርእሶም ብቑዓት ክርስትያናት ከም ዘይኮኑ ይስምዖም ይኸውን ። ነቲ ጻዕሮም ኣናኢሶም ክርእይዎ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብሎምን ። (ገላ. 6 : 4) ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ይሃልዉ ብዘየገድስ ዝከኣሎም ምስ ዝገብሩ ንየሆዋ ዘሐጉስ ምዃኑ ምፍላጦም ከጸናንዖም ይኽእል ኢዩ ።  —  ሉቃ. 21, 1 – 4

3 ንኽትሳተፍ መገዲ ምድላይ :- ኣብ ከቢድ ኵነታት ዝነብሩ ኣሕዋት: ዕንቅፋት ካብ ምምስካር ክዓግቶም ከም ዘይፈቐዱሉ ዝሕብር በሽሓት ዝቑጸር ተመኵሮታት ተዘንትዩ ኢዩ። ናይ ገዛእ ርእስኻ ተበግሶታት ብምውሳድ : ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ክገብሩ ብዙሕ እተፈላለየ መገድታት ፈጢሮም እዮም ። እቶም ካብ ገዛ ክወጹ ዘይክእሉ ሰባት ገፊሕ ኣፍደገ ናይ ምስክርነት ክኸፍተሎም ቴሌፎን ተጠቒሞም እዮም ። ነፍሲ ወከፍ በጻሒ ክሰምዕ ከም ዝኽእል ገይሮም እዮም ዝወስድዎ ። ምንም እኳ ተጻረርቲ ስድራቤት ዘለዉዋ ሰበይቲ ኣብ ገዝኣ ክትምስክር ዘይትኽእል እንተኾነት ንጎረባብታን ነቶም ኣብ መዓልታዊ ስርሓ እትረኽቦምን ክትዛረቦም ነቲ ኣጋጣሚታት ትጥቀመሉ ኢያ ።

4 ሓደ መንእሰይ ኣብቲ ሕዝባዊ ምስክርነትና ንኸይካፈል በቲ ዘይኣማኒ ወላዲኡ ክኽልከል ይኽእል ይኸውን ። ነዚ ከሸንፎ ዘይክኣል መዐንቀፊ ገይሩ ኣብ ክንዲ ዝቕበሎ ንመማህርቱን መማህራኑን ከም ናይ ብሕቱ “ዞባ” ብምርኣይ ጽቡቕ ምስክርነት ክህብን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሕን ይኽእልን ኢዩ ። ብዙሓት ካብ መገዲ ምሕድግ ዝበለን ኣዝዩ ርሑቕ ቦታታትን ዝነብሩ ደብዳቤታት ብምጽሓፍ ኣብቲ ምስክርነት ክሳተፉ ኪኢሎም እዮም ። እቶም ብክርስትያናዊ ቅንኢ እተለዓዓሉ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ኩሉ ግዜ ‘ንምፍላጥ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሃካያትን ዘየፍርዩን ኪኾኑ’ ኣይደልዩን እዮም ። —  2 ጴጥ. 1 : 8

5 ኣብቲ ዕዮ ምስክርነት እጃምና ብዛዕባ ምብርካት ዝምልከት: የሆዋ ንኹልና ሓደ ዘይቀያየር ስርዓት ኣውጺኡ ኣሎ: እዚ ኸኣ ‘ብምሉእ ነፍስና’ ክንከውን ዝብል ኢዩ። (ቈሎ. 3: 23) ምንም እኳ እቲ ኣብ ኣገልግሎት እነሕልፎ ግዜን እንገብሮ ነገራትን ዝተፈላለየ እንተኾነ እቲ ዘለዓዕለናስ ሓደ ኢዩ : ንሱ ድማ ካብ ‘ፍጹም ልቢ’ ዝፈልፈለ ቁኑዕ ፍቕሪ ኢዩ ። (1 ዜና. 28 : 9 ፣ 1 ቈረ. 16 : 14) ዝከኣለና ዘበለ እንተ ገበርናስ እቲ እንገብሮ ዘሎና ውሑድ ስለ ዝኾነ እምነት ከም ዝጎደለና ወይ ድማ ከም ኣባላት ናይታ ጉባኤ ዘይንጠቅም ኮይኑ ክስመዓናን ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ኣይክህልወናን ኢዩ ። ከም ጳውሎስ ብተኣማንነት ‘ዝጠቅም ዘበለ ምምስካርን አብ ዋዕላ ምምሃርን ኣየብኮርናን’ ክንብል ንኽእል ኢና ።  — ግብ 20 : 20

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ