ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኣስላጢ ምስክርነት ምሃብ
1. ኣብነት እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብምቕዳሕ: ሎሚ ክርስትያናት ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ብኸመይ እዮም ዚምስክሩ ዘለዉ: እዚኸ እንታይ ውጽኢት ኣለዎ፧
1 ሎሚ ክርስትያናት ልክዕ ከምቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ: እቲ ብስራት ሰባት ኣብ ዚርከብሉ ዝዀነ ይኹን ቦታ ኸይዶም ኬካፍልዎም እዮም ዚደልዩ። (ግብ. 16:13፣ 17:17፣ 20:20,21) ከም ውጽኢት እቲ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ምስክርነት ንምሃብ ዚገብርዎ ጻዕሪ ድማ: በቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት ፈጺሞም ኪርከቡ ዘይክእሉ ዝነበሩ ተገደስቲ ሰባት ይርከቡ ኣለዉ።
2. ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ክትምስክር ከለኻ: ምስትውዓል ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ህዝባዊ ምስክርነትና ብስርዓት ንምፍጻምከ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
2 ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ክትምስክር ከለኻ: ምስትውዓል ኣድላዪ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣቓልቦ ሰባት ብዘይስሕብ መገዲ ምዕያይ ዝሓሸ እዩ። ንኣብነት: ኣብ ሓደ ኸባቢ ወይውን ኣብ ተመሳሳሊ ናይ ንግዲ ቦታታት ኣዝዮም ብዙሓት ኣስፋሕቲ ዚምስክሩ እንተደኣ ዀይኖም: ገሊኦም ሰባት ዓቕሎም ኪጸቦም ይኽእል እዩ። እዚ ንኽብሪ እቲ እንዓዮ ዘሎና ዕዮ ዜጕድልን ዝያዳ ኣስለጥቲ ኸም ዘይንኸውን ዚገብርን እዩ። ነዚ ንምውጋድ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ብዙሕ ህዝባዊ ቦታታት ዘለወን ገለ ጉባኤታት: ነቲ ቦታታት ኣብ ዞባታት ምምቕቓሉ ሓጋዚ ዀይኑ ረኺበናኦ እየን። (1 ቈረ. 14:40) ኣብ ርእሲ እዚ: ንኻልእ ጉባኤ ንምሕጋዝ ብናይ ጉባኤ ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ ፍሉይ ምድላዋት እንተ ዘይተገይሩ: ኣብቲ ንጉባኤና እተመደበላ ዞባ ጥራይ ምስ እነገልግል: ኣገልግሎትና ብስርዓት ኣብ ምፍጻም ኣበርክቶ ኽንገብር ንኽእል ኢና።—ናይ ሕዳር 1998 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 4-5: ቍ. 18-19 ርአ።
3. ገሊኦም ኣስፋሕቲ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኪምስክሩ ኸለዉ ኣስላጢ ዀይኑ ዝረኸብዎ ኣቀራርባ ኸመይ ዝበለ እዩ፧
3 ኣቀራርባ:- የሱስ ምስታ ኣብ ጥቓ ዔላ ዝረኸባ ሰበይቲ ኺዛረብ ከሎ: ቅድም ሓጺር ሓሳብ እዩ ሂቡ: ደሓር ግን ተገዳስነት ምስ ኣርኣየት ነቲ ምይይጥ ኣስፍሖ። (ዮሃ. 4:7-26) እዚ ኣቀራርባ እዚ: ሎሚ እውን ከይተረፈ ኣብ ገሊኡ መዳይ ኣገልግሎትና ኣስላጢ እዩ። ገሊኦም ኣስፋሕቲ: ንሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ቅድሚ ምንጋርካ: ሰላምታ ኣብ ምልውዋጥን ኣብኦም ብሕታዊ ተገዳስነት ኣብ ምርኣይን ሒደት ደቓይቕ ምውሳድ ኣብ ህዝባዊ ምስክርነት ዝያዳ ኣስላጢ ንምዃን ሓጋዚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። እቶም ኣስፋሕቲ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ዝርርብ ኪመርሕ ዚኽእል ኣብቲ ኸባቢ ዜገድስ ኣርእስቲ የልዕሉ። እቶም ሰባት ሻቕሎቶም ኪገልጹ ኸለዉ ድማ ጽን ኢሎም ይሰምዕዎም። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሑ ኻብ ቃል ኣምላኽ ዜጸናንዕ ሓሳባት የካፍልዎም።—ሮሜ 15:4
4. ንዝረኸብናዮ ተገዳስነት ብኸመይ ክንኵስኵሶ ንኽእል፧
4 ተገዳስነት ምዅስኳስ:- ጽቡቕ ምይይጥ ኣብ ዝገበርናሉ እዋን: ነቲ ዝረኸብናዮ ተገዳስነት ንምዅስኳስ ምድላዋት ክንገብር ኣሎና። ብኸመይ፧ እቲ ዝርርብ ናብ ምውዳእ ገጹ ኪኸይድ ከሎ: መዘኻኸሪ እትጽሕፈላ ንእሽቶ ደብተር ኣውጽኢካ “እዚ ዕላልና ፈትየዮ ኣለኹ። ነዚ ኽንቅጽለሉ እንኽእል ካልእ ግዜዶ ኣሎካ፧” ወይ ድማ “ሓንቲ ብርግጽ እተገድስካ ዓንቀጽ ከተንብባ ደልየ ነይረ። ኣብ ገዛኻ ወይ ኣብ ስራሕካ ኸምጽኣልካዶ፧” ኢልካ ሕተቶ። ገሊኦም ኣስፋሕቲ ብቐሊሉ: “በየናይ ስልኪ ቝጽሪ ኽረኽበካ እኽእል፧” ኢሎም ይሓቱ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣወንታዊ መልሲ ኸም ዚህቡኻ ዚገብር እዩ።
5. ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ክንምስክር ከለና: ሸቶና እንታይ እዩ ኪኸውን ዘለዎ፧
5 ንፈለማ ግዜኦም ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ዝረኸብናዮም ብዙሓት ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሎም ፍቓደኛታት ኰይኖም እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ መጽናዕቲ ኣብ ገዛ እቲ ዝረኸብናዮ ሰብ: ኣብ ስርሑ: ኣብ ምሹእ ዝዀነ ህዝባዊ ቦታታት: ወይውን ብተሌፎን ኪምራሕ ይከኣል እዩ። ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ምስክርነት ክንህብ ከለና: ሸቶና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ንግበሮ።